Quantcast
Channel: ኣተኵሮ – Assenna.com
Viewing all 166 articles
Browse latest View live

ስዑዲ ዓረብያ –ድያብሎሳዊ መንግስቲ

$
0
0

እዚ ሕጂ ንስዑዲ ዓረብያ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እንግሊዛዊ ሃጸይነት ንረብሓኡ ዘቖሞ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ’ከአ ብግዙፍ ለግስታት ወትሃደራዊ ዕጥቅን  ጸጥታዊ ሓለዋን ኣውሮጳን (ብፍላይ መንግስቲ ጀርመንን እንግሊዝን) ሕ.መ.ኣ.ን ዝነብር ሓደ ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ መንግስታት ዓለም እዩ።  መንግስቲ ኣሜሪካ ንነፍሱ ከም ሓላዊ ሰላምን ዲሞክራስያን ኣብ ዓለም ክሸይጥ ይፍትን እዩ። እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን። እቶም ካብ 6000 ዘይበዝሑ ንምሉእ ምጣነሃብትን ፖለቲካዊ ስልጣንን ዓለም ዝቈጻጸሩ ሰራሕትን ፈንጣሕትን ንግስነታት ዓለም፡ ብዘይካ ብሕታዊ ረብሓታቶም ሰላምን ዲሞክራስያውን ፍትሕን ዓለም ፈጺሙ ኣይግድሶምን። ንጥቕሞም ዝሰርሕ ሰላምን ዲሞክራስን ግን ይሃንጹ። ንውግእ ሰላም፡ ንዲክታቶርነት ከኣ ዲሞክራስያዊ ኢሎም ክገልጹን ከእምኑን ድማ ኣኽእሎ ኣሎዎም። ንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ውጽኢትን ኣገልጋልን ናይ’ዚ ሚስጢራዊ ስልጣን ዓለም እዩ።

ስዑዲ ዓረብያ ሓንቲ ካብ’ተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም እያ። እንተኾነ እቲ ምሉእ ሃብቲ ሃገርን ዘሰንዮ ፖለቲካዊ ስልጣንን ብካብ 600 ዘይበዝሑ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝተገበተ እዩ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ከኣ ካብ ምጽወታ’ቲ መንግስቲ ይነብር። እቲ መንግስቲ ብናይ ስልጣን ዓምጣርነቱን ጭከና ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ደቂ ሃገርን ካብ’ቶም ዝኸፍኡ ዲክታቶራት ዓለም እዩ።  ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ደለይቲ ለውጢ ደቂ ሃገር ብምክፋእ መንግስትን፡ ሽበራነትን- ናይ ሓሶት ክሲ ኣብ ናይ ሓሶት ቤት ፍርዲ- እንዳተኸሱ ኣብ ጨካን ቤት ማእሰርትታት ጠፊኦምን ሓሊቖምን እዮም።  ግፋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ። ኣብ’ታ ሃገር ቕንጣብ እኳ ዲሞክራስያውነት የላን። እንተኾነ እቲ መንግስቲ እቲ እቲ ዝተኸብረን ዝተኣምነን መሓዛ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ’ቲ ዞና እዩ። እዝ’ስ ከመይ? ኣሜሪካን ኣውሮጳን ነቲ ምሉእ ኢፍትሓውን ኢዲሞክራስያን ኣካይዳ መንግስቲ ዓረብ ግርም ይፈልጥኦ እየን እንተኾነ ኣንጻር’ዚ ሓንቲ ቃል’ኳ በጨቕ ኢላተን ኣይትፈልጥን። (እዚ ከኣ ሓደ ካብ’ቲ ንዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘነድሮ ነጥቢ እዩ። ዓቢዪ ሓወይ ኢሳያስ ተሕዝነኒ ኣብ ሓንቲ’ኳ ዝውሰድ ዘይብላ ድኻ ዓዲ ነጊስካ እምበር ገለ ስትራተጅያዊ ማዕድናት ከም ፐትሮል፡ ኡራንዩም እንተዝነብረናስ ንኸማኻ ዝኣመሰለ ዲክታቶር ከመይ’ከ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣሚቘን ምሓቖፋኻ! ምሰዓማኻ! ዕድልና ከፊኡ ወይ ጸቢቑ ግን ኦዞም ማዕናት እዚኣቶም የብልናን።)

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ’ኳ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ሰብኣዊ መሰላት ዘብጽሐ ድያብሎሳዊ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሰብኣዊ መሰላት ወጻእተኛዊ ሰራሕተኛታት ድኣ ከመይ ዘይሕምትል! ምስ’ቲ ኵሉ እትዋታ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ህዝቢ ስዑድያ ኣብ ሓማቕ ምጣነሃብታዊ ኵነታት ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኣብ ማእቶታዊ ስራሓት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን። እቲ መንግስቲ ንእትዋት ፐትሮል ዝትክኡ ካሎኦት ምርጫታት ምጣኔሃብታዊ እትዋት ኣየማዕበለን። ክትዛረበሎም ኣትኽእል ነቲ እንኮኣዊ  ምጣነሃብቲ ሃገር  ክሕግዙ ዝኽእሉ እትዋታዊ ፋብሪካታትን ሕርሻታትን ኣየማዕበለን። እቲ ምሉእ ሃገር ብወጻእተኛታት እዩ ተሃኒጹ። እቲ ወዲ ሃገር ምጽዋት እንዳተደርበየሉ ሰሪሑ ክነብር ኣይተማህረን በዓል ክልተ ጸጋማዊ ኢድ እዩ። ናይ ቤት ስራሕ’ውን እንተኾነ ብሕሱር ስራሕ ወጻእተኛታት እዩ ክስራሕ ጸኒሑ ቅጫ ሰንኪታ ክትበልዕ እትኽእል ስዑድያዊት ሰበይቲ ዘላ ኣይመስለንን። ብዙሓት መንእሰያት ግን ተማሂሮም እንተኾነ ዝሰርሕዎ ስራሕ የሎን። ስእነተ ስራሕ ኣብ መንእሰያት ስዑድያ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ኣዩ። ነዚ ቅልውላው’ዚ ንምእላይ፡ ነቲ ጌጋ መንግስቲ ናብ ካልኦት ንምድርባይ፡ መንግስቲ ስዑድያ ሓዲስ ሕገ ስራሕ ኣውጺኡ። ግርም። እዚ ግን ነቲ መሰረታዊ ሽግር ኣይክፈትሖን እዩ። ኣየነይቲ ጓል ስዑድያ እያ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዳ ቸመንቶ ክትፍሕፍሕ? ኣየናይ ስዑድያዊ መንእሰይ እዩ ናብ ቤት ካልኦት ስዑድያውያን ከይዱ ሞታንታታት ክሓጽብ?

እቲ ብዱዕን ምስሉይን መንግስቲ ስዑድያ ብዱዓትን ምስሉያትን ተጸወርቲ ህዝቢ እዩ ሰሪሑ። እታ ኣብ ልዕሊ ሬሳ እቲ ዝተቐትለ ኢትዮጵያዊ ቈይማ ኣል ከልብ ማት! - እቲ ከልቢ ሞይቱ! ኢላ ዝተሓጎሰት ሰበይቲ ተደንግጽ። እቲ ዝሞተ ንሳ ምዃና ኣይፈለጠትን። እቲ ሓፋሽ ስዑድያዊ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወጻእተኛ- ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘሎዎ ኣሉታዊ፡ ኣስተናዓቒ ርእይቶ ዘንገብግብ እዩ። ኣብ ስዑድያ ቀታሊኦም ዘይፍለጥ ዝቕተሉ ወጻእተኛታት፣ ተዓሚጸን ተቐቲለን ኣብ ፈቐድኡ ዝድርበያ ደቂ ኣንስትዮ ቍጽሪ የብሉን። ሓደ’ኳ ካብ’ቲ መንግስታዊ ትካላት ብዛዕባ ቅትለትን ማህረምትን ወጻእተኛታት ዝግድሶ የሎን። ሓደ ስዑድያዊ ልዑል ንንግዳዊ መሻርኽቱ ፓኪስታናዊ ብህይወቱ ብሓዊ ኣቃጺሉ ቀቲልዎ። መንግስቲ ነቲ ተቐታሊ በገንዘብ ኣሕዊዪዎ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ተሪፉ። ካልእ ልዑል ኣብ ስቪጰራ፡ ኣብ ሓደ ሆቴል ንሓንቲ ሰበይቲ ቀቲሉ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከይበጽሐ ብገንዘብ ደቂሱ። ገንዘብ ርግጽ ይገዝእ!

እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ህዝቡ ዘርኣዮ ተሪር ተቓውሞ ዝነኣድ እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ ከኣ ዝከላኸለሉ መንግስትን ዝምለሰሉ ሃገርን ስለዘሎዎ እቐንእ። ህዝቢ ድማ ተቛዉሞ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤምባሲታት ስዑድያ ከርኢ ኣሎዎ። ኣብ ስዑድያ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይገዝእ ከምዘሎን፡ እንታይ ዓይነት ኣረሜናዊ ህዝቢ ከኣ ከምዝሰርሐን ዓለም ክትፈልጥ ይግባኣ። ኣብ ሃገረ ነቢዪ መሓመድ- እቲ ሰላምን ትዕግስትን ምጽውዋርን ዘምሃረ ነቢዪ፣ ብሓለውቲ እምነቱ ኢና በሃልቲ ምስሉያት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ግፍዕን ቅጥለትን ድኻን ስዱድን ክፍጸም ዝኾነ ኣማኒ ክቃወሞ ይግባእ። እቲ ካብ ኵሉ ዘደንግጽ እቲ ወርትግ ኣብ ሞንጎ ሰይጣንን ባሕርን ዝተቐርቀረ ኤርትራዊ እዩ። ዝጣበቐሉ መንግስቲ የብሉን። ናብ ዝምለሶ ሃገር ድማ የብሉን። ኣሎሄ፡ ኣሎሄ ለማ ሰባቕታኒ!? 

ዳንኤል ተስፋይ

16.11.2013

ጀርመን


ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

$
0
0
ኣሕዋት ኤርትራውያን!
(ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)
እዚ ‘ሰብ’ዩ ናብ ማይ ዝኸይድ’ምበር ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን’ዩ!’ ብምባል፡ ዘሽካዕልለልና ዘሎ ዕቡይ መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስለምንታይ እዩ ንሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እንስሳ ሓሲቡዎ!? ብምባል፡ ነዚ ስግንጢር ሕቶ’ዚ መልሲ ንምርካብ፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ብምውራድን ብምድያብን ንሕናዶ እንስሳታት ኢና ብኸምዚ ንታሓዝ!? ኢለ ብምግራም፡ ንነብሰይ ደጊመ ደጋጊመ ብምሕታት፡ ነገራት ፈታትሸ ሃሰው እንተ በልኩውን ብፍጹም መልሱ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ተስፋ ከይቆረጽኩ ድሕሪ ክንደይ ኮለል ግን ኣብ መወዳእታ እታ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሓው ታደሰ ኪዳነ ብሓሙሽተ ተኸታታሊ ክፋላት ዝተጻሕፈት፥ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዘርእስታ፡ ነቲ ብባጊርነት (ብፍጹም ድሕረት) ዝቑጸር፡ ማለት ብወገን፡ ብሃይማኖትን ብዓሌትን ናይ ምፍልላይ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) እትዝርዝር ጽሕፍቲ ትዝ ስለ ዝለበትኒ፡ ደጊመ ብኣኣ ክሓስብ ጀመርኩ። እሞ በቃ እዚ ፍጹም ድሕረት’ዚ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ እንተልዩስ ሓቁ’ዩ ጃንዳ ህግደፍ ነዚ ህዝቢ ከም እንስሳ ቈጺሩ ፍጹም ንዒቑዎ ዘሎ ክብል፡ ሓንቲ እንትርፎ ብእዝነይ ብዓይነይን ብልበይን ዘየረጋገጽኩዋ ምኽንያት ናይ ሕስረትና ረኸብኩ። እዚ ኸኣ ሶፍር (ቅርጸት ከብዲ) እዩ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ዓለም ኣብ ሓደ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ንምምጋብ ጸሊምን ጻዕዳን ከይፈለየት እትጠራነፈሉ ዘላ ግዜ፡ ኣብታ ንናጽነት ህዝብን ሃገርን ኢሎም ኩሉ ድሑር ኣተሓሳስባታት ቀቢሮም፡ ሓደ ኣካልን መንፈስን ብሙዃን፡ ንዓርሞሸሽ ገዛእቲ ሓይሊታት ስዒሮም፡ ክብርቲ ህይወቶም ሰዊኦም፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቐብሩ ሰማእታትና ዘውረሱና ሃገር ኴንና፡ ብዛዕባ ዓድን ዓውድን ንዛረብን ንፈላልን ሰባት እንተሊና፡ ማዕረ እንስሳ ክንስራዕውን ነቲ ግቡእ ስርሑ ዝፍጽም እንስሳ ውርደት ስለ ዝኾነ ምስ ግኡዛን ወይ ድማ ምስ ኵስሒ (ቀልቀል) እንተ ተቈጸርና፡ ይንእሰና’ምበር ዝበዝሓና ኣይመስለንን። በዚ መገዲ’ዚ ሃገሩን ህዝቡን ከጥፍእ ዝሓሰብ ሰብ ኣሎ ኢለ ስለ ዘይኣምን ግን የለን ምባሉ መሪጸ ኣለኹ። እቲ ሓው ታደሰ ‘ናይ ውልቀይ ትዕዝብቲ’ዩ’ ብምባል፡ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት መቓቒሉ ዝተንተኖ ርእይቶውን ከምቲ ዝበሎ ናይ ውልቁ ትዕዝብትን ኣተሓሳስባን’ዩ ኢለ’የ ኣቐዲመ ዝኾነ ይኹን ዓለቕ (ርእይቶ) ከይሃብኩ ኣንቢበ ጥራይ ሓሊፈዮ። በሉ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ወጺአ ስለ ዘላገስኩስ ይቕሬታ እናሓተትኩ ናብ ዋና መበገስየይ ናብ መዓስከር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ክመልሰኩም፥
እዚ ህዝቢ’ዚ ድሌቱን ባህጉን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ናብራ ስደት ከመይ የሕልፎ ከም ዘሎ ሓቲቱ፡ ቃሉ ናብ ዝደለዮ ኣካል ዘማሓላልፈሉ በታኒ ወረ ማለት ማዕከን ዜና የድልዮ እዩ። ነዚ ብምግንዛብ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብዘይካ’ታ ኣብ ሃገሩ ዘላ ብስሙ እትጽዋዕ፡ ኣገልጋሊት ምልኪ ዝኾነት ኤሪ ቲቪ፡ ካልኦትስ ይዕበ ይንኣስ፡ ሓቂ ይኹን ሓሶት፡ ዳርጋ ብምሉአን ኣውያቱን ርእይቶኡን ከቃልሓ ቀንየን’የን። ኤሪ ቲቪውን ኣቐዲማ ብኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣቢላ፡ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ስደተኛታት የብልናን!’ ስለ ዝበለት’ያ ሎሚ ተመሊሳ ኣውያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላሕ ዓቐበት ኮይኑዋ’ምበር ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዝብሎ፥ “ኣይኮነንዶ ነጸላ ረኺብኪ መዘሪ፡ ብዓንተቦኡውን ቅልጥፍቲ እግሪ!” ስለ ዝኾነ፡ ልሳን ህግደፍ ከም ኣመላ ወያነ ንምባል፡ ኣፋ ማይ እናማዓጓ’ያ ከተጽቅጥ ተቐሲባ ከም ዘላ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ዝዋዛዕ (ዝብተን) ወረውን ነገር ዘህድእ፡ ሓዊ ዘጥፍእ ደኣ ክኸውን ኣለዎ’ምበር ልሳን ቁጡዓት እናቖለብካ ነገራት ዘጋድድ ወረ ምንዛሕ ክኸውን የብሉን።
በሉ ኣነውን ከም ስነ ጥበበኛ መጠን ሞያይ ስለ ዘገድደንን ወድኹምን ሓውኹምን እውን ስለ ዝኾንኩን ሕውነታውን ዜግነታዉን ምኽረይ፡ በዘን ንዓፈና ምልኪ ብትብዓት ብምትርባዕ፡ ህዝቢ ዝደለዮን ዝተራእዮን ሓሳባት ንኽለዋወጥ ዕድል ዝኸፈታ ሃገራውያንን ህዝባውያንን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ኣቢለ፡ ናብ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ርእይቶን ለበዋን ከማሓላልፍ ንዝፈቐዳለይ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ ሰላም፡ ፍቕሪ ከምኡውን ዕብየትን ምዕባለን እምነየለን። ምኽንያቱ፡ እቲ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘይስክፍታ፡ ዓለቑን (ርእይቶኡን) ሓሳቡን ከይገልጽ ብምልኪ ኣፉ ተለጒሙ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘተንፍሰለን ቆስያኡ (ሳንቡኡ) ስለ ዝኾና።
በዚ ኣጋጣሚውን ንኹሎም ገበርቲ ሰናይን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራውያንን መሳርሕቶምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ኣውያት ኤርትራውያን ኣብ ዝተሰማዓሉ ቦታ ኩሉ፡ ሓደገኛነቱ ከይዓጠጦም፡ ህዝቦም ንምርዳእ፡ ከይተሓለሉ ዝረባረቡ ዘለዉ፡ ክቡራት ኣምበሳደራት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾኑ፥ ክብርቲ ሓብቲ ሜሮን እስቲፋኖስ፣ ክብርቲ ሓብቲ ኤልሳ ጭሩም፣ ክብርቲ ሓብቲ ኣልጋነሽ ፍሳሃን ከምኡውን ኣቦና ኣባ ሙሴ ዘርኣይን ክልተ ነገር ክላበዎም ፍቐዱለይ? ብመጀመርያ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፡ ማለት ሃገርና ቀደም “ባሕሪ ነጋሽ” እናተጸወዐት ከላ ይኹን ብድሕሪኡ ብመግዛእቲ ጥልያን ኤርትራ ምስ ተሰምየት፡ ኣብቲ ዝሓለፈቶ ኣዝዩ ጽንኩር እዋንውን እንተኾነ፡ መትበር (ዶብ) ብምስጋር፡ ብኣሻሓት ኣብ በረኻታት ትግራይ፡ ኣግነት (ብተንኮበትን ሳዕርን ዝስራሕ ጎጆ) ሰሪሑ፡ እናተመጽወተ ዝሰፈረሉ እዋን፡ ብያታ (ኣፈ ታሪኽ) ይኹን ብጽሑፍ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣበሳ ወሪዱዎ ንዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ብሓቂ መድሕን የድልዮ ስለ ዘሎ፡ ጸገሙ ንምፍታሕ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርኻብ፡ ከም ልማድኩም መድሕን ውጹዓት ብምዃን፡ ዳሃዩ ክትገብሩ ብልቢ እላበወኩም።
እቲ ካላኣይ ሕቶይ ድማ፥ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ‘ቀታሊ እዞም ኣብ ላምፔዱዛ ኣብ ደቓይቕ ዝጠፍኡ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን፡ ምምሕዳር ዋሽግተን’ዩ! ጭብጢ ኣሎኒ!’ ይብል ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣሎ ዝበሎ ጭብጢ ብስም ህዝብን ሃገርን ከቕርቦ ብምሕታት፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ወግዓዊ ናይ ቅትለት ክሲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትምስርቱሉ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሎኽመኛ ሽፍታ፡ ንየዋሃት ንምድንጋርን ኣቓልቦ መንግስቲ ኣመሪካ ንምርካብን ኢሉ፡ ብቕትለት ኣማእት ዜጋታትና ወንጂሉዎ ስለ ዘሎ፡ ዳግም ብኸምዚ ዓይነት ኣላጋጭ፡ ብህይወት ዜጋታትና ከይጻወት ምእንቲ፡ ዕርቃኑ ክወጽእ ኣለዎ በሃላይ እየ። ወየ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ለባምን ዓቕለኛን ህዝቢ ብምኻኑን፡ መግለጺ ጃንዳ ህግደፍ ከኣ ሓሶት ምዃኑ ስለ ዝፈልጥን’ዩ እምበር ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር’ኮ ሕነ ደቁ ንምፍዳይ ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኣምባሲ ኣመሪካ ዘዘሊሉ ምኣተዎ ኔሩ’ዩ። ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ንምትሕብባርኩም ኣቐዲመ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም።
በሉ ፍቑራት ወለዲ፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ነቲ ናይ ትማሊ በኣስን ግርጭትን፡ ብናይ ሎሚን ጽባሕን፡ ፍቕርን ሕውነትን ንምትካእ፡ ግብራዊ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ “ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን” ብዘርእስታ ናዕታ ኣቢለ፡ ነቶም ይዕበ ይንኣስ ሽግር ኣሎና ዝበሉ ኣሕዋቱ ኤርትራውያን፡ ከይሰልከየ ድምጾም ንኽሰምዕ ደጊመ ክላወቦ ፍቐዱለይ? የቐንየለይ።
ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን!
በቲ ናተይ ዝብሎ *ተስታይ ወዲ ላሙ       *ዝጸረየን ዝተቐጥቀጠን ብዕራይ
እዚ ለዋህ ህዝቢ ሕድሪ ተጠሊሙ
መቑሰልትን መስዋእትን ኩሉ ተጸሚሙ
*ዘላሚ ቀጺዑ ከምቲ ናይ ቀደሙ            *ጨቋኒ፡ ረጋጺ
ብቓልሱ ከይፈትሕ ዘይምኽኑይ ጸገሙ
ደቁ ዘሪዑዎም መላኺ ኣቐዲሙ!
ንሕሱም ገዛኢ ምስ ኩሎም ደገፍቱ
ልዕሊ ርብዒ ዘመን ብትብዓት መኪቱ
ሃገር ምስ ጨበጠ ብኽቡር መስዋእቱ
ምልኪ ረጊጹዎ ኩሉ መሰላቱ
ህዝቢ ምስዳዱ ናብ ጎረባብቱ
ግድን’ዩ ክፍተን ዘይክማህ ጽንዓቱ!
ፍትሒ ዘይምርካቡ ኣብ ናጻ ሃገሩ
ሓዊ እናረገጸ ዘይስገር ሰጊሩ
ብመግዛእቲ ምልኪ ዝወጸ ኣንጸርጺሩ
እንተ ተጋገየ ብናብራ ኣማሪሩ
ኣይትጨክኑሉ ኣሕዋትና ተጋሩ!
ሰይጣን ተፈጢሩ ዘባርር ካብ ቤቱ
*ኣግነት ካብ ተኸለ ኣብ ጎረባብቱ       *ብተንኮበት ዝተሰርሐ መዕቖቢ
ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ቀረባ ኣሕዋቱ
ካብ ጥፍኣትን ሞትን ኣድሕኑ ህይወቱ!
ግዜ ኮይኑ’ዩ እምበር መሬት ጸቢባቶ
እቲ ሙዉቕ ናብራኡ ኮይኑ ቢቲቢቶ
መሬታ ምስ ባሕራ ምልኪ ዝበሓቶ
ብኹሉ ትብሃግ እምብዛ እትፍቶ
ዜርካ ዘይትምኖ ሃገር’ኮ ኣላቶ!
ስለዚ ኣዕቖብቲ ፍቑራት ኣሕዋትና
ብሰንኪ ድያብሎስ *ደማሒ ሃገርና        *መላኺ
ካብታ ማሙቕ ቤቱ ዝወጸ ህዝብና
ብዓወት ክሰግሮ ግዝያዊ ፈተና
ደቂ ሓደ ሩባ ኣሕዋት ብምዃንና
ነዚ ውጹዕ ህዝቢ *ድባቡ ኩኑልና!         *ጽላሉ
ብሰንኪ ንቑጽ ግን ከንድድ ንርሑስ
ፍቕርን ሕውነትን ናይ ህዝቢ ዝድምስስ
ልኡኽ ናይቲ እኩይ ንቑልዒ ዘናኽስ
ኣብ መንጎ ከይህሉ ሓንኪሩ ዘኹውስ
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከባቢኡ ይዳህስስ!
ሃገርና ካብ ጸላም ክሳዕ እትወግሕ
ገሊኡ ክማሃር ገሊኡ ክሰርሕ
ናጽነት ረኺቡ ኣይሽቑረር ኣይፈርሕ
ዕድል ካብ ሃብኩሞ ህይወቱ ክመርሕ
ንሰናይ ተግባርኩም ምስጋና ከየብጽሕ
መን ኮን’ዩ ከም *ጻዕብ ኣኹድር ክረግሕ  *ካብ ዒሉ ፍርዝን ዚበለ ኣድጊ
ኣብ ማእከል ኣባጊዕ ብዓውታ ዝነብሕ!
ምህርትኻ ካብ ዓውዲ ብሓይሉ *ዝቐምዕ             *ዝዝርፍ
ዋና ከተምባሁቕ ንሱ ግን ዘጉስዕ
ኣርሓ መፍለስ ከሎ ደምበኻ ዝምንዝዕ
ስሑል ኣቕርንትኻ ናብኡ ከይተቕንዕ
እንታይ በዲሉካ ዘዕቆበካ በጊዕ
ኣብ ገዛእ ደምበኡ ሰላሙ *ተዛብዕ!                 *ትዘርግ
ሕውነት’ዚ ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእቲኹም
ንጽልእን ቅርሕንትን ብሕድገት ደቢኹም፡
ንግዳያት ምልኪ *ሽባኻ እናኾንኩም        *መጽግዒ እናኾንኩም
ክሳዕ ዩኒቨርስቲ ብናጻ ዘምሃርኩም
ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን *ስብሓትና ይብጻሕኩም!   *ምስጋናና
ነዚ ህዝቢ፡ መፍቶ እቶም ኣብ ማዕዶኡ ኮይኖም ‘ሕራይ ኮኑ’ እናበሉ ብኾራርምቶም ዝስሕቑ ዘለዉ መላኽን ዕሱባቱን ከይትገብሩዎ ሓደራ! ሓደራ! ሓደራ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 02-11-2013

ቅልዕቲ ደብዳቤ

$
0
0

ቅልዕቲ ደብዳቤ

ክቡር ፕሮፍ. ተኸስተ ነጋሽ፣

ሰላም።

ምስ ሓደ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ዝገበርካዮ ንዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ቃል መሓትት ተገዲሰ ኣንቢበዮ። እቲ ምሉእ ሓሳብካ ቅድሚ ሕጂ ዲክታቶርያዊ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ኣመኽነይቶም ሊቃውንትን፡ ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ’ውን፡ ሽሕ ጊዜ ዝደጋገምዎን ኴይኑ ሓደስቲ ሓሳባት ስለዘይነበርዎ ቀልጢፉ ኣሰልችዩኒ። ሓደ ሊቅ’ስ ሓዲስ ሓሳባት እንተዘይህልዎ ንነፍሱን ንካልኦትን ንምድጋም ስለምንታይ ንሊቃውንቲ ከናፍሩ ይኸፍተን ኢለ፡ ኣነ ጅግና መዓንጣይ ሸጥ ኣቢለ ክሳብ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣንቢበ። ድምጽማጽ ሓዲስ ሓሳብ ኣይረኸብኩን። ነታ ናብ ምሕንባስ ክወስካ ትርብሸኒ ዝነበረት ሳራ ጓለይ ሓደ ጻዕዳ ወረቐትን መደምሰስን ሂበ ነቲ ሕንጻጽ እስከ ደምስስዮ በልኩዋ። ኣዕይንታ ኣፍጢጣ ነየናይ ሕንጻጽ? በለትኒ። ፕሮፌሶር፡ ንእሽቶይ ህጻን ንዝተገንዘበቶ ሓቂ ከመይ ክትግንዘቦ ኣይከኣልካን ገሪሙኒ። ዘይተሓንጸጸ ዶብ’ስ ከመይ ይድምሰስ? ንኤርትራ ከም ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ድኣ’ምበር ከም ነጻ ልዑላዊት ሃገር ጠቒስካያ ኣይትፈልጥን ኣብ ኣእምሮኻ ሕንጻጽ ዶብ የሎን እሞ ነየናይ ዶብ ኢኻ ክትድምስስ ደሊኻ? ዶብ ክትድምስስ ዋና ስርሐይ እዩ ኢልካ እንተወሲድካዮ ከኣ ፈለማ ዶብ ምንባሩ ክትቅበል ይነብረካ። ሕጂ ሕጂ፡ ፈቲኻ ኣይፈቲኻ፡ ኤርትራ ብገዛእ ርእሳ ዝሓደረት ናጻን ልዑላዊትን ሃገር ምዃና ክትኣምን ይግብኣካ። ካብ’ዚ እምነት’ዚ ዘይተበገሰ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓደ ዓይነት ሓድነት ከምጽእ ዝፍተን ኵሉ ሃቐነ ወዳቂ ምዃኑ ከም ፕሮፌሶር ታሪኽ ካብ ታሪኽ ኣይተመሃስርካን። ንሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣቐሚጥካ ምግላብ ናብ ዝኾነ ሸቶ ኣየብጽሕን። ቀዋሚ ሓድነት ኣህዛብ ብውግእ፡ ብውዲት፡ ብፕሮፓጋንዳዊ ስነሽበራ ኪመጽእ ከምዘይክእል ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። “ … ኢሳያስ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ክገዝእ እዩ። ድሕሪ ኢሳያስ ከኣ ኤርትራ ከም ሶማል ክትበታተን እያ!” ዝበሉ ትንቢታትካ ኒሕን ንያትን ህዝቢ ኤርትራ ክቐትሉ ዝኣደኑ ፍሉጣት ሜላታት ስነኣእምሮኣዊ ሽበራ እዮም።

ነቲ ባህሊ ኤርትራዊ ትግራዋይ (ትግርይና ተዛራቢ ህዝቢ ከበሳ) ገና ኢትዮጵያዊ ባህሉ ኣየጥፍአን ዝበለ ሓሳብ ሰንዚርካ። ሕጅ’ስ ናብ ተራ ዕላል ቡን ወሪድካ ፕሮፌሶርነትካ ክጠራጠሮ ጀሚረ። ፈለማ፡ ኢትዮጵያዊ ባህልታት ድኣ’ምበር ኢትዮጵያዊ ባህሊ ዝበሃል ነገር የሎን። ነቲ ኣምሓራዊ-ትግራያዊ ባህሊ ማለትካ እዩ ዝኸውን። እዚ እንተላይ ባህሊ ኤርትራዊ ከበሳ እዩ’ሞ ስለምንታይ ነዚ ባህሊ’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ባህሊ ጥራሕ ሰሪሕካዮ? እቲ ምሉእ ታሪኽ ኣኽሱም’ውን እንተላይ ታሪኹ እዩ። እሞ ድሕሪ ነጻነት’ስ ሓዲስ ዘይነበረ ባህልን ታሪኽን ዘይመሃዘ ዲኻ ደሊኻዮ!?

ህዝቢ ቢለን ኣጎው ምዃኑ ይኣምን ትብል። እወ፡ ምንጩ ኣገው እንድዩ። ምንጩ ዘይከሓደ ዲኻ ደሊኻዮ? እወ፡ ቢለን፡ ኤርትራዊ ኣገው እዩ። እንታይ’ሞ? እዚ ህዝቢ’ዚ ከም ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ኣብ ኤርትራውነቱ ይኣምን። ብመጠን ብዝሒ ህዝቡ ከኣ ካብ ዝኾነ ካልእ ብሔር ኤርትራ ንላዕሊ ንናጽነት ኤርትራ ተጋዲሉን ተሰዊኡን እዩ። ቢለን ኣጎዋዊ ኤርትራዊ ብሔር እዩ።

ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተመሃሮኣ ብምስጢር ናብ ጎንደር ትልእኽ ኢልካ። በዚ ኣቢልካ ድማ ፡ኤርትራ፡ ብመንፈሳዊ ሸነኻ’ውን ርእሳ ኣይከኣለትን ጽግዕተኛ ኢትዮጵያ እያ ንምእማት እዩ። ወይ’ውን ከም  መረጋገጺ ኢትዮጵያውነት ኤርትራ ወዲድካዮ ትኸውን። እቲ ኦርቶዶክስያዊ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ገና ውልዶ ኮይኑ ተማሃሮኡ ናብ’ቲ ምዕቡልን ምኹርን ቤት ትምህርታት ክህነት ኢትዮጵያ እንተሰደደ’ስ እንታይ’ዩ? ስለምንታይ ክንድ’ዚ ናብ ባይታ ቀንጠ መንጢ ወዲቕካ ፕሮፌሶር? ንስኻ’ውን ንታሪኽ ሃገርካ ኣብ ኣውሮጳ  እንዲኻ ተማሂርካዮ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ትምህርቱ ከም ተሓጋጋዚ መምህር ኣይመስለንን። እታ መልሓስ ምሁር ኤርትራዊ ንጥቕማ መቐመጫታት ክትልሕስ ኣመል ስለ ዝኾና ጥራሕ እዩ። ዶስ … ? ብቕዓትካ መዚነ ግን ገለ ፖለቲካዊ ባእታት ዝረቝሑኻ መምህር ድኣ’ምበር እቲ ኣካደምያዊ ዩኒቨርሲቲ ብክእለትካ ዝሓረየካ  ኣይመሰልካንን።  ንከብዲ ምላሽ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ  መሳርሒ ድኣ’ምበር ኣይመምህርን።

ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት እትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ መዓት ህዝቢ ዝሓለቐሉ ውግእ፡ ውግእ ኣሕዋት እኳ ኣይበልካዮን ውግእ ሕውነት እዩ ኢልካ ከተናእሶ ፈቲንካ። ሕውነት ካብ መዓስ እዩ ዝተዋግአ? ሕውነት የላዝብ እምበር ክሳብ ፈጺሙ ከጽንት ኣይሕልንን። መንግስታት ሃይለ ስላሴን መንግስቱን ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ እዮም ተላዒሎም ነቢሮም። “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን!” ኢሉ ዝተዋግአን’ስ ኣብ ከጽንተኒ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ ኣብጻሕኩዎ፡ ዘይ’ከ ሓወይ እዩ ነቢሩ! ኢለ፡ ብከም’ዚ ብቐሊሉ እቅረታ ክገብረሉ ኣይትጸበየኒ። ርትዓዊ ሰብ ድኣ’ምበር ጻድቕ ኣይኮንኩን።  ኣብ ክሳብ ክንድዚ ምቅታል ዝበጽሑ ኣሕዋት፣ ኣሕዋት ምዃኖም ዝቐበሩ ኣሕዋት እዮም። ሕውነቶም ደጊሞም ኪምስርቱ እንተደለዪ ከኣ ብከምዚ ሃታሃታን፡ ምድንጋርን ምፍርራሕን፡ ቀቢጸ-ተስፋነት ብምስፍሕፋሕን፡ ሃሮር! ንሕና ማዕቢልና ንስኻትኩም ንድሕሪት ቀሪኹም ኢልካ ብምቕናእን ምስትንዓቕን ዝፍጸም ኣይኮነን። እዚታት ኣብ’ቲ ህልኻዊ ስነኣእምሮ ኤርትራውያን መሊሱ ህልኽ ዝፈጥር ከንቱ ፈተነ እዩ። ፕሮፌሶር፡ ኣብ’ቲ ዘይነበርካዮ ውግእ ብርቱዕ ስምዒታት እዩ ተፈጢሩ። ሕውነት ናብ ድቕ ዝበለ ጽልኢ እዩ ተቐዪሩ። ኣብ’ታ ወርቃዊት መንበር ሊቅነት ተቐሚጥካ ዝኾነ መጽናዕቲ እንተኣካየድካ፡ ነቲ ዝተቐየረ ስምዒት ፈጺምካ ክትርድኦን ክትግንዘቦን ኣይትኽእልን። እዚ፡ ኣብኡ ብምውዓል ድኣ’ምበር ብመጽናዕቲ ዝግንዘብ ፍልጠት ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኵሉ’ቲ ግጉይ ፖለቲካዊ/ማሕበራዊ ርእይቶታትካ ኣብ’ኡ ብዘይምውዓልካ ኣብ ነፍስኻ ብዝፈጠርካዮ ስክፍታ(ኣበራዊ ስምዒት) ዝተሰርሐ ከይከውን እትስፎ።

ኣብ’ቲ ምሉእ ዘረባኻ ብዘይካ ኣቃባጣሪ ተራ ዕላል ቡን ዕቱብን ሃናጽን ንወርትግ ጠቓምን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣይረኸብኩን። ኤርትራ’ስ ያኢ ብፍሉይ ኣይተወጽዐትን ንምባል እዩ እመስለኒ፡ 25% ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኤርትራውያን ነቢሮም ትብል። እዚ ኣብ መንፍዓት ተመሃሮ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ መንግስቲ ዝወሰኖ ኮታ እዩ ነቢሩ። እቶም ዝተረፉ 75% ካብ ሚእቲ’ከ እንታዎት ነቢሮም? እስከ ብግምት  ገለ 15% ትግራዎት ትግራይ፡ 5% ኦሮሞን ካልኦትን እንተ ነበሩ እቲ 50% ኣምሓራይ እዩ ነቢሩ። ትፈልጥ’ዶ ፕሮፌሶር ብዙሓት ብኵሉ ዓይነት ትምህርቲ ኣዝዮም ትኵራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብኣምሓርኛ ጥራሕ ወዲቖም ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ክጽንበሩ ስለዘይከኣሉ ናብ ናይ ካርቱምን ካይሮን ዩኒቨርሲታት ከም ዝኾብለሉ? እቲ ትምህርተ ኣምሓርኛ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝጀመረ ኤርትራዊ፡ ምስ’ቲ ኣምሓርኛ ቋንቋ ኣዲኡን ቋንቋ ትምህርቱን ዝነበረ ሓደ ዓይነት ፈተና ኣምሓርኛ ክፍተን’ስ ቅኑዕ’ዶ ይመስለካ? ንስኻ ኣብ ጂማ ዓቢኻ እቲ ሽግርና ኣይነበረካን፣ ስለ’ዚ ከኣ እቲ ሽግር ኣይረኣየካን፡ ኣይግደሰካን። እቲ ናብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ከይትኣቱን፡ ትምህርትኻ ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ (ሳንታ ፋሚልያ) ክትቅጽሎን ዝገደደካ ምኽንያት ውድቀት ኣምሓርኛን ፍትወት ህዝቢ ኣስመራን ኣይመስለንን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፕሮፌሶር ረኺበ ኢሉ ነቲ ኵሉ ዘርባዕባዕካ ሓቂ መሲልዎ ከም ፖሊሲ ከይጥቀመሉ እፈርሕ። ኣንጻር ሓድነት ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣይኮንኩን። እኳ ድኣ ዋና ደጋፊኡን፡ ደጋፊ ካብ’ኡ ንዝዓበየ ሓድነት ኣህዛብ ምስራቕ ኣፍሪቃን እዬ’ውን። ብልጽግናን ምዕብልናን እዚ ኣህዛብዚ ኣብ ግዙፍ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓድነታት ከምዝምስረት ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብ ኣብ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ኢትዮ-ኤርትራ ብኵሉ ሸነኻቱ ከም ዝጥዕሞ እፈልጥ። እንተኾነ እዚ ሓድነት’ዚ ብምሉእ ድልዬትን ንቕሓትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክውሰን ኣሎዎ በሃሊ እዬ። ውጽኢቱ ኣዎንታውን ነባርን ምእንቲ ክኸውን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ዝስዕቡ ክፍጽም አማሕጽን።

ቀዳማይ፣ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ኣህሩራዊ ሕግን ቤት ፍርድን ዝበየንዎ ክፍጸም ይግብኦ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ነዊሕ ጊዜ ዝተሰርሐ ጽልእን ዘይትምትእምማንን ከዓሪ ይኽእል። ኢትዮጵያ፡ ነቲ ንኤርትራ መሬታ ዝኾነ፡ 25 ትርብዒት ኪሎሜተር ዘይኣክል ዶራን መሬት እንተመለሰት፣ እንትርፎ ገለ ስምዒታት ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያ ክትንከፍ፡ ነታ ግዝፍቲ ኢትዮጵያ ዝጎድለና ኣይምነበረን። ንኤርትራውያን ግን ዓቢዪ ስምዒታዊ ትርጕም ምነበሮ። ንኢትዮጵያ ድማ ሳንቲም ከፊልካ ኣቕራሽ ምኽሳብ ምኾነ።

ካልኣይ፣ ሕጋዊ መሬት ኤርትራ ተመሊሱ እቲ ዶብ ብንጹር እንተተሓንጸጸ፡ እቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ስነ ኣእምሮ ኤርትራውያን ዝሰኣሎ ምስሊ ናይ ሓሶት ጸላኢ ኣልጊሱ ዘፈራርሓሉ ወድዒ ምሰኣነ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቃልሱ ኣብ ምልጋስ’ቲ ዲክታቶር ከተኵር ምኸለ። እዚ ከኣ ንሰላማዊ ዝምድናን ምትዕራቕን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምቅልጣፍ መገልገለ።

ሳልሳይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ዓመጻውን ኢድወነናውን ምእታው ኢድ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ክቍጠብ ይግብኦ። እዚ ነቲ ድሮ ክሳብ ዓንቀር ዒቕ ዝበለ ጽልእን ዘይምትእምማንን ዘገንፍልን ንጥቕሚ ኢሳያስ ከኣ ዝሰርሕን እዩ። ብኣንጻሩ፡

ራብዓይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያን ንመሰላቶም ከኽብር ይግብኦ። እዚ’ቲ ቅኑዕ መገዲ ምምላስ ሕውነት ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ምኾነ።

ሓሙሻይ፣ ምድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቛወምቲ ኤርትራውያን ካብ ቅኑዕ መንፈስ ዲሞክራስያውነትን ሕውነትን ሓባራዊ ረብሓን ድኣ ክብገስ ይግብኦ’ምበር ካብ ከም መሳርሒ መሳለጢ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ክብገስ  ኣይግብኦን። እቲ ኤርትራዊ ህልኸኛ እዩ ኢልና እንዲና … ። ካብ’ቲ ዓቢዪ ሓውና ህዝቢ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ልቦናን ወሃቢነትን ትዕግስትን ንጽበ። ኵሉ ዓይነታዊ ዕብዬቱ ከኣ ነዚኣቶም ክኸፍል ዘኽእሎ እዩ።

ሻዱሻይ፣ ንመጠረስታ፡ ቀጥታዊ  ወሳኒ መጻኢ ዕድሉ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ፖለቲከኛታትን ሊቃውንትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ክኣምኑን ክቕበሉዎን ይግብኦም። ድሕሪ ነጻነት ካብ ዲክታሮርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ እንታይ ከምዝደሊ ክሕተትን ባዕሉ ክውስንን ይግብኦ። ኣህዛብ ኤርትራ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ሓድነት ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ክነብሩ እንተደለዩ መሰሎም እዩ። ከም ሓንቲ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ብሓደ ዓይነት ሓድነት ክነብሩ እንተደለዩ እውን ምርጫኦም እዩ። ህዝቢ ቢለን ምስ ህዝቢ ኣገው ክነብር ተደለየ ናቱ ምርጫ እዩ። ዓፋራውያን ምስቶም ካልኦት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ተጎጂሎም ዝነብሩ ዘሎዉ ዓፋራውያን ክጽንበሩ እንተ መረጹ ናቶም ጉዳይ እዩ። ትግራዋይ ከበሳ ምስ ትግራዋይ ትግራይ ሓቢሩ ክነብር ተደለየ ከኣ ናቱ ምርጫ እዩ። ቤኒ ዓምር ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ብሔራት ሱዳን ክነብር እንተደለየ’ውን ናቱ ምርጫ እዩ። ኩናማ ኤርትራ ከም ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣህዛብ ኢትዮጵያ ክነብሩ እንተደለዩ ናቶም ጉዳይ እዩ። ብነጻ ድልዬትን ንቕሓትን እንተዘይኮይኑ ብሓይሊ ዝመጽእ ሃገርን ሓድነትን የልቦን።

ሓው ፕሮፌሶር ተኸስተ፡ ሃጠው ቀጠውካ ከንብብን ክምልስን ንባዕለይ ኣብ ሃጠው ቀጠው ኣትየ ንጓለይ ናብ ምሕባስ ክወስዳ ተማባጺዔላ ነቢረ’ስ ኣብኵርካና ብርቱዕ ኮርያ ኣላ። እቕረታ ክትሓታ ከኣ እጽበ። ንእገረ መገድኻ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸሪፍካዮን ኣስተናዒቕካዮን ኢኻ’ሞ፡ ኣብ’ቲ እቅርታ እንተትጽንብሮ ኣንበይጸላእኩን። የቐንየለይ።

ሓውኻ

ዳንኤል ተስፋይ

17.11.2012

ጀርመን

“መቓብር ህሉዋት”–ሌላ መጽሓፍ –ብ እስጢፋኖስ ተመልሶ

$
0
0

ክቡራት ኣንበብቲ፡ መቓብር ህለዋት ብዜብል ኣርእስቲ ካልኣይቲ መጽሓፈይ ከቕርበልኩም ከሇኹ ክብ ዜበሇ ሓጏስ ይስምዓኒ። ካብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ ገሇ ገጻት ድሕሪ ምንባብ ድማ ርእይቶኹም ክጽበ ከም
ዜኾንኩ ክሕብረኩም እፈቱ። መቓብር ህለዋት ኣብ 15 ምዕራፋት ዝተዘርግሐት ኮይና 496 ገጻት ኣሇዋ።

Estifanos_3

Download (PDF, 263KB)

ክንድዚ ዶ ይሕሶ እዩ!!

$
0
0

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ክንድዚ ክኸውን ጻልጣ ሓሶት ከ ኣሎ ድዩ!!! ኢሳያስ፡ ነታ ነፍስኻ ኸ ቅሩብ ኣይትሓስበላን ዶ? ምስ ዓርከይ ነቲ ጉሓፍ ዝኾነ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢሳያስ ኮሊልና ምውዳእ ምስ ኣበየና፡ ረብሪብና ንቕሩብ ግዜ ዝን በልና። ነገሩ ንምድምዳም፡ “እዚ ኹሉ ሽግራትና ግና፡ ካብ እንታይ እዩ ነቒሉ ትብል?” ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ “ካብ ሓሶት!! ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ሓሶት ኢሳያስ እዩ። ሕጂ እውን ወራር ሓሶት ደው ክብል ኣይኮነን። ኢሳያስ ግና ኣሎ ዝብሃል ሓሶት ዓለም ጸንቂቑ ወዲእዎ፡ ዝተዛረበ እንተ ተዛረበ ዝኣምኖ የብሉን። ስለዚ ዘረባ ገዲፍዎ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ጥርሑ ወጺኡ፡ እቲ ዝሓልሞን ዝሓስቦን ዝነበረ ኩሉ ብግህዶን ብግብርን እዩ ዘርእየና ዘሎ። ደምሒት ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብብረትን ጥይትን መጺኦምና ኣለዉ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከኣ ብመስቀልን ዳዊትን ክመጹና፡ ክብገሱ ይሸባሸቡ ኣለው ሰሚዕና። ሕጂ ድማ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደምሒት፡ ካብዝን ካብትን ተዳቓቒላ ንኤርትራ ወኪላ ምስ ካልኦት ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ክትገጥም ትቀራረብ ኣላ።” በለኒ።

ሓሶት፡ ሓሶት ተወዲእዋ ትብሎ ምስ ጠፍኣ፡ ነታ ሓቂ ከይተፈለጣ በሎኽ ኣቢላ ተውጽኣ እያ። ሓሶት ፈትያ ዘይኮነትስ፡ እታ ሓቂ ሓያል ስለዝኾነት ነታ ሓሶት ኢዳ ጠውያ፡ “ሕጂ-ሕጂ!! ኣብዚኣ ደው ኢልኪ!! ሓቂ ተዛረቢ፡” ትብላ ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ቤት ፍርዲ ሄግ ንኢሳይስ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ውግእ ባድመ ባዕሉ ከም ዝጀመሮ ኣሉ ክብሎ ዘይክእል ጭብጥታት ቀሪብሉ ፈርም ምስ ተባህለ፡ ተቐርቂሩ መውጽኢ ስለዝሰኣነ፡ “እወ!! ኣነ እየ ጀሚረዮ፡” ብማለት ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ እዩ ዝፈረመ። ጀማሪ ዕንወትን ህልቀትን ምዃኑ ኣሚኑ ከም ዝፈረመ ግና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይነገረን። ብኣንጻሩ ወያነ ዝጀመረቶ ኩናት እንዳበለ ንህዝብና ክሕስወሉን ከታልሎን ቐጸለ።

ሓደ ሓደ ግዜ ዘገደዶ ዘይብሉ ክነሱ፡ እቲ ሓቂ ተዛሪቡ ዘይፈልጥ፡ ሓሶት ዝኣርማኡን ዝሃይማኖቱን ኢሳያስ፡ ኩሉ ተወዲእዎ፡ ነታ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዘላ ሓቂ፡ ባዕሉ ቶግ ከብላ ይስማዕ እዩ። ንኣብነት፡ “ምርጫ መዓስ ኢኻ ተካይድ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ምናልባት ድሕሪ 40 50 ዓመታት ዝበሎ፡ ንሱ ኸሎ ምርጫ ከምዘይህሉ፡ ከምኡ እውን እቲ መንግስቲ ዝብሎ፡ ክሳብ ንሱ ዝወድቕ ግዜያዊ መንግስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከም ዝኾነ ምንጋሩ እዩ። ሓቂ ድማ እዩ። እዚ ኹሉ ብእኡን ብዕሱባቱን “ኣየ ምዕባለ ዝግበር ዘሎ ኣብ ሃገርና!!” ዝብሃል ዝነበረ፡ ሎሚ ዘመን ኣብዚ ዕስራ ዓመታት ዋላ ሓንቲ ዝገበርናዮ ምዕበለ ከምዘየለ ነጊሩ። ሰኽራም ናይ ልቡ እዩ ዘዛርቦ ከም ዝብሃል፡ ምስ ሰኸረ እዛ ዓዲ ናብ ሶማል ክቕይራ እየ ዝብሎ ዝነበረ፡ ሕጂ ብግህዶ ይገብሮ ኣሎ። ነፍሲ-ወከፍና ተመሳስሊ ኣብነታት ከነቕርብ ንኽእል ኢና።

እንተኾነ ግና፡ ኢሳያስ ነታ ሓቂ ከምዛ ዓመት እዚኣ ገይሩ ብግብሪ ኣየውጽኣን። ህልቀት ላምፓዱዛ መቐይሮ ቃልስና ከም ዝኾነ ባዕሉ ይነግረና ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብደምሒት ተሓልዩ ኣብ ልዕሊ ሬሳታትና ክድብል ምስ ተራእየ፡ ኢሳያስ ውድቀቱ ጥራይ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ከም እነውድቖ ባዕሉ እዩ ዝነግረና ዘሎ። ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብተቓወምቲ ዝብሃሉ ትግራዎት ዝቐነየ ግፋ ዜጋታትና፡ ኣርማ ኢሳያስን መልእኽቱን ብግህዶ ኣብ ዕጥቆም ተጠቓቒዑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ “ወያነ ትገፍፍ ኣላ!! ወያነ ትገፍፍ ኣላ!!” ከብሎ ቀንዩ እዩ። ሕጂ ድማ እቶ-እቶ ኣተኣታትዩ ብደምሒት ከም ዝሕሎ ገይሩ ኣሎ። እዚ ኹሉ ዘርእየና፡ ካብ ቀድሙ ቃልሲ ኢሳያስ ንኤርትራ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ተጋሂዱ፡ ኣብ መጨረሽታኡ ዝገበሩ ይግበሩ ኢሉ ነታ ሓቂ ባዕሉ ፈኒይዋ ኣሎ። ብሓጺሩ  ኢሳያስ ብዓንተውኡ ናትና ዘይኮነስ ናይ ካልእ ከም ዝነበረን ዝኾነን ኣግሂዱ ብጭብጢ ይነግረና ኣሎ።

ከምቲ ዓርከይ ዝበሎ ግና ኢሳያስ ሓሶት ክስእን ንሓሶት ክገድፋ ዝብል እምነት የብለይን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ኣርማ ሓሶትን ክሕደትን እዩ። ብዘይ ሓሶት ከመይ ኢሉ ክኾነሉ? ኣፈጣጥርኡ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ሰብኡት ብዝተገብረ ምሽኽኻዕን ምትሕስሳዉን ጭርጭር-ዓበደን ተዳናጊሩ ከም እተኻወሰን እተኸሸነን እዩ ዝንገረሉ። ስለዚ ንሱን ክውንነቱን ንገዛእርእሱን ስጋ ዝለበሰ ሓሶት እዩ። ፍጥረትን ምንጪን ሓሶት ስለዝኾነ ከኣ ሓሶት ክውድኦ ኣይክእልን። እታ ሓሶቱ ኣብ ዘይትኣትዋ ሰፈር የብላን[W1] ። ንዝቐረበቶን ንዝተንከፈቶን ዘበለ ኹሉ ድማ ተሐሱን ተማራስሕን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ንሃገርና ኣብ ዘመን ሓሶትን ምጥልላምን ምክሕሓድን ደቕዲቕዋ ይርከብ።

ኣመል ምስ መግነዝ ከም ዝብልዎ፡ ኢሳያስ ለንቅነ ድማ  ናብቲ ሓሶቱ ተመሊሹ በታ ቲቪኡ፡ ኤርትራ ንሃገራት ዓለም ኣብነት ምዕባለ ኮይና ዘላ ሃገር እያ ክብለና ቐንዩ። ኣብቲ ስነ-ፍልጠታዊ መዐቀኒታት ምዕባለ ሃገራት ዓለም ተወኪስና ኤርትራ እተምጽኦ ነጥብታት እንተድኣ ክንምልከት ኮይና፡ ክንደይ ዜሮታት እሞ ኢና ክንጽብጽብ። ይትረፈና እብለኩም። ሓሶት ኢሳያስ ንሳይንስን ስነ-ፍልጠትን ንሃይማኖትን እምነትን ግጉይ እዩ እንዳበለ ከሓድዎ ብማለት ከእምን ዝመጣጠር ባህርያት እዩ። ነቲ ክቕየርን ክልወጥን ዘይክኣል ኣሃዝን ቁጽርን ርግጽነቱን፡ ኣሉ ይብሎ። ካብቲ ዘገርም ከኣ፡ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ዝጥቀመሉ መዐቀኒታት ምዕባለ ሃገራት፡ “ግጉይ እዩ ከምኡ ጌርካ ኣይኮነን ምዕባለ ሃገራት ዝዕቀን” እንዳበለ፡ ነቲ ዓዋን ሓሳባቱ ንመወዳእታ ዘይብሉ ሰዓታት ሃለፍ ከብሎ እንከሎ፡ በታ ዓቕሙስ ኣብቲ ባዕሉ ክፈጥራ ዝፍትን ናይ ጽውጽዋይን ዓበድበድን ዓለም ከንብረና ምፍታኑ እዩ። ኣብቲ ንጸላም ብርሃን እዩ ዝብል፡ ንጥሜት ርእስኻ ምኽኣል፡ ንድንቁርና ፍልጠት፡ ንጭቆና ፍትሒ፡ ንውግእ ሰላም፡ ብሓጺሩ ንሰለስተ ሓሙሽተ፡ ንሓሶት ሓቂ፡ ንሕማቕ ጽቡቕ እንዳበልካ ንበር ዝብል ጸልማትን ሰሃሮን ዘፍትወሉ ምሽሙሽ ሕልናኡ፡ ንበሩ ማለቱ እዩ። የግዳስ፡ ነቲ ሳይንሳዊ መዐቀኒታት ካብ ዘይኣምነ፡ እቲ ዓወት ንሓፋሽ እንዳበለ ዝኣተወ ሓሳዊ፡ እስከ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘምጽኣሉ ምዕባለ፡ ባዕሉ እቲ ሓፋሽ ይዛረበሉ ጥራይ እየ ክብሎ ዝደሊ። ሓሶት!! ሓሶት!! ሓሶት!! ሽሕን እልፍን ሓሶት። ሓሶት ኢሳያስ ነቲ ምድራዊ ሂወትና ጥራይ ኣይኮነን ጎዲኡ። ነቲ መንፈሳዊ ሂወትና ከመራስሖን ከመሽመሾን እውን እንታይ ዘይፈተነ።

ኩላትና ኣብዛ ግዜያዊት ዓለም እዚኣ ነበርቲ ሰለዘይኮንና፡ ነቲ ኣብ ምድራዊ ዓለም ኣነካይዶ ቃልሲስ ዝደለ ምኾነ እስከ ንበሎ። እንተኾነ ግና፡ ካብቲ ንዝመጽእ ዓለም ዝቃለስ መንፈሳዊ ኸ፡ ተደጋጋሚ ሓሶት ክስማዕ እንከሎ፡ እንታይ ንበሎ? ሕማም ኢሳያስ ሓሊፍዎ!! ክንዲ ኣድሪ ትኹን ሓሶት ዘየፍቅድን ዘይጻወርን ቤት-መቕደሳት፡ ንሓሶት ተቐቢሉ ሓቂ ከምስላ እንከሎ ምጽኣት ዶ ኣይኮነን። ንምዃኑ ከምዚ ዝዓይነቱ ቤት-መቕደሳት ንዝሞተ ፍትሓት ክገብር ኣምላኽ ይሰምዖ ዶ ኾን ይኸውን? ካብ ዝብል ጥርጣረ ተበጊሰ ነዚ ትካል እዚ፡ ንግዳያት ላምፓዱዛ ስለምንታይ ፍትሓት ዘይገበረሎም ክንብል እንከሎና፡ ይገርመኒ። ኢሳያስ፡ “ሓሶት እንተደጋገምካያ ሓቂ እያ ትኸውን፡” ዝብል ምህሮ ዓለማውያን ንመንፈሳውያን ኣስኒቑ፡ “መስቀል ተሰኪምኩም ወራራ ሓሶት ኣካይዱ፡” ክብሎም ኸሎስ ስራሕ ዲያብሎስ ተዓጠቕሉ ማለት ዶ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻረይ ዘይምእዘዛ ቤተ-ክርስትያናት ኣፈራርስወን ማለትሲ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ስራሕ ይብሃል? እስከ ካብቲ ምድራዊ ሂወትናን ፖለቲካኡን ወጺእና ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ዓለማዊ ክኣትዎ ዘይግብኦ መንፈሳዊ ሂወትና ንዛረብ። ምኽንያቱ ሓሶት ኢሳያስ ነዚ ሂወት እዚ እውን ዝገደፈሉ የብሉን።

ኣብ ሃገርና እቲ ናይ ብሓቅን ሕጋውን ፓትርያርክ ሃገርና ዝኾነ ኣቦና ኣቡን ኣንጠንዮስ ተኣሲሩ። እቶም ኣይፋልን ዝበሉ ተብዓት መንፈሳውያን ተሰዊሮም። እቲ ናይ ብሓሶት ይቕድስ ኣሎ። ጸልማት ዘመን!! ግዙት ኣይገዝትካ!! ግዙት ብምድራዊ ስልጣን ኣፋራሪሑ ክግዝት እንከሎ፡ ሓሶት ኣግሪ ተኺላ፡ “ፓትርያርክ!! ፓትርያርክ!! ኣይትበሉ፡ ኣነ እየ ፓትርያርኩም!!!” እንዳበለት፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ደው ኢላ ክትሰብኽን ክትቅድስን እንከላ፡ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓሶታት ኢሳያስ ዘምጽኦ ሳዕቤን እዩ። ነንዊሕ ዓምታት ዝተደጋገመ ሓሶት ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ከም ሓቂ ተወሲዱ ክሳብ ሕጂ ይስርሓሉ ኣሎ። ሓሶት ንህጻናትና ተጠምቕ ኣላ። እቲ ሓሶት ዝመንቀሊኡ ፈላላይ ፖለቲካ ኢሳያስ፡ ኣብቲ ቤት-መቕደሳት ኣትዩ በታኒ ስርሑ ሰሪሑ። ንኣብነት፡ ንሃይማኖት ተዋህዶ ኣብ ክልተ ካብ ዝገምዖ ዓመታት ሓሊፉ። ኮይኑ ድማ፡ ንኢሳያስን ሓሶቱን ተማእዚዘን መራሒና ንዘልኣለም ይንበረልና ኢለን ዝቕድሳ ቤተ-ክርስያናት ኣለዋ። ኣብ ቤተ-መቅደሳት ኢድካን እግርኻን ከይተእቱ፡ ሞባእናን ንብረትናን ኣይትስረቐና፡ ኣንታ ረሲእ ውጻእልና ዝብላ ኸኣ በቲ ካልእ ወገን ይርከብአን። ሓደ ሃይማኖት ክነሱ በቲ ሓሳዊ ፖለቲካ ኢሳያስ ተፈላልዩ ጸጸሎቱ የካይድ ኣሎ።

ሓሶት ኢሳያስን ዕንወቱን፡ መሬት ኤርትራ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እንዳበለ ዝዝራእን ዝፋረን ዝነበረን ዘሎን ጸሊም ባርኖስ ምድሪ ምዃኑ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተዘርበሉ ሓቂ እዩ። እዚ ነቲ ሕልናኡ ክሳብ ክንደይ ተንኮለኛን ግዕዘይን ከም ምዃኑ ዝገልጽ ድኣ እምበር፡ ክገብሮ ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ካብ ዝመውት ክንደይ ዓመታት ሓሊፉስ፡ ንኽቕበር ማርተሎ ኣብ ርእሲ መስማር ዳ ደሺ፡ ክወድቀሉ ዝጽበ ዘሎ ሳንዱቕ እዩ ኾይኑ። እንተኾነ ግና፡ ኢሳያስ ብደዉ ዝሞተ እዩ እንዳተባህለ   ዝፈጥሮ ዘሎ ኩነታት ከልዓዕለና ኣይከኣለን። ህልቂት ላምፓዱዛ እውን ከምኡ ከንቀሳቕሰና ኣይከኣለን። ሓለዋን ጸጥታን ደምሒት እውን ከምኡ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኤርትራውያን ብምንታይ ድኣ እዮም ዝልዓሉ? ዝብል ሕቶ ንብምልኡ ዓለም ኣገሪሙ ዘሎ እዩ።

ሓሶት! ሓሶት! ሓሶት! መሬት ኤርትራ ብሓሶት ኢሳያስ ተጎቢኣ። ሓሶት ብጀምቢል ዝብሃል፡ እቲ ሓሶት ካብ ሕልና ኣልቦ ዝኾነ ረሳሕ ኣኣምሮ ዝፍልፍል ጎሓፍ ኮይኑ፡ ሕልናና ክርእዮን ክድህስሶን ይኽእል ከም ዝኾነ ንምምልካት እዩ። እቶም እንዳረኣናዮ እንኽሕዶ እውን ምስቶም ኣምባሰደራት ሓሶት ዝኾኑ እዩ ዝጽንብረና። ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ነቲ ካቦ ሓሶት ሓንቲ ከይበሉ ይሰምዕዎ ኣለዉ። ንሕና ከኣ ንዕኦም ሓንቲ ከይበልና ካብ ሰማዕናዮም እንታይ ድኣ እዩ እቲ ፍልልይና? እዚ ዘሎናዮ ኣተሃላልዋ ብምግንዛብ፡ ኣይገበሮን ድኣ እምበር፡ ኣምላኽ ኤርትራ ኣብ መሬትና ሓሶት ከም ጉሓፍ ዝእከብ ቁሳቁስ ገይሩ እንተዝፈጥሮስ፡ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ እብል። ኣብዛ እዋን እዚኣ ንኽንልዓል ምናልባት ንሳ እያ ተድልየና ዘላ። ምኽንያቱ ካልእ ከላዓዕለና ዝኽእል ዘይተፈተነ ነገር የልቦን።

እወ!! እዚ ኹሉ ዓመታት ኢሳያስን ጉጅልኡን ንህዝብና ዝሓሰዉዎ ሓሶታት ከም ጎሓፍ እንተዝእከብ፡ መሬት ኤርትራ መርገጺ ኣይምተረኽባን። ኤርትራ በድኒ እስካሪኮ ኾይና ዝስትንፈስ ኣየር ኣይምሃለወን። ኣብ ጎሓፍን ምስ ጉሓፍን ክንበር ስለዝይከኣል፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘይተርፈና፡ ክንትስእ ምተገደድና። ነዚ ስርዓት እዚ ከነልግሶ መታን ክንብገስ፡ ኢሳያስ ከርእየና እንጽበዮ ዘሎና ኣተሃላልዋ፡ መሬት ሃገርና ከምዚ ዓይነት ምስ እትኸውን ጥራይ እዩ ዝመስል ዘሎ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ናተይ ዓቕለጽበታዊ ፍርዲ እዩ። ምኽንያቱ ህዝባዊ ማዕበል ክልዓል፡ ክንርእዮ ክንርድኦን ዘይንኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ወሽጣዊ ሕግታት ከምዘለዎ፡ ኣብቶም ኣብ ኣካባቢና ዝተኻየዱ ማዕበላት ሪኢናዮ ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክልዓል እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ሓሶት ኢሳያስ ግና ዓቕሚ ድኣ ሲኢኑ እምበር፡ እንታይ ዘይሓልም። ፈጺሙ ንኤርትራዊ ዜጋ ክሓልፈሉ ዘይደሊ በታኒ ፍጥረት እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኸፍአ ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከምዚ ኢሉ ከይሓለፈልና ክንነብርን፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ድማ ካብኡ ዝገደደ ክኸፍኣና ዝመጣጠር ጽሉል ትምኒት እዩ። ኢሳያስ ኣንጻር ሬሳ ዝቃለስ ሬሳ እዩ። ኣብ ሃገርና ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ከም ዝብልዎ፡ መን ይፈልጥ ምናልባት ነተን ዝቆጻጸረንን ዝቕድሳሉን ቤተ-ክርስትያናት፡ “ኤርትራውያን ኣብቲ ላዕለዋይ ሰማይ ኣይሕለፈሎም ኢልክን ጸልያ፡” እንዳበለ የጓጥጠላን ይኸውን። ንሳተን እውን ተኣዚዘን ከለዋ ኣይነግራን ይኾና። ወይ ከኣ እቲ ስያሳኡ ስለዘለማመደን ብትሕቲ መልሓሰን ይብልኦ ይህልዋ። ንኣብነት ንህልቂት ላምፓዱሳ ፍትሓት ኣይገበረሎም ዝብል ትእዛዝ ዘመሓላለፎ፡ ካብዚ ጽሉል ትምኒት እዚ ዝተበገሰ እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ነጥቢ እዚ ዝተጋነነ ኣኳ ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኢሉ ከም ዝሓስብ  ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣነ ብወገነይ፡ “እቲ ጽርጊያ ዝረኣዮ ሃልይዎ እዩ ኣምበር መዓስ ኣልዒሉ ይዛረብ ኮይኑ።” ብማለት ነቲ ክፉእ ጥራይ ዘሕስቦ ዘሎ፡ ከምቲ ኣብ ጽርግያ ዝዝረብ ተራ ዘረባ ርእሱ ከይዳ እያ እብል። ነቲ ኣዕናዊ ስርሑን ተንኮላቱን ዘይርስዕ ርእሲ ግና እንታይ እየ ክብሎ?

ስለዚ ካብቲ ዝበልክዎ ሰጋእ ብምባል፡ ነቲ ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሮማ ንዝኽሪ ግዳያት ላምፓዱዛ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝተዋህበ ሓያልን ከቢድን መንፈሳዊ ምኽርታትን መልእኽትን ብምዝካር፡ ኣብቲ ስግር ማዕዶ ዝርከብ ቅዱስ ሓሳባት የእትወኒ። “እዝጊኣብሄር ዝሕግዞ፡ ነቲ ንነብሱ ክሕግዝ ዝፍትን እዩ እሞ፡” ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ “ኤርትራዊ ዜጋ መቕበሪኻ ጎዳጒድ ትፍሕር ኣሎኻ። ተስእ ንመሰልካን ክብረትካን ተንቀሳቐስ!!” ክብለና ምስማዕ ኣቢናዮ፡ ክቐጽዓና ኢሉ ንኢሳያስ ካብ ሰማይ ዝደርበየልና ሬሳ ዲያብሎስ እዩ ኢለ ከኣ ይድምድም። ከምዚ ብምግባሩ ቁጥዓ ኣምላኽ “ብደውኩም መትኩም ኣለኹም። ወይ ቀበርቲ ኹኑ ወይ ከኣ ምዉታት።” ዝብል ናይ መጨረሽታ መልእኽቲ እዩ ዝልእከልና ዘሎ። ስለዚ ከምኡ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ከምዛ ዘሎናያ ሓንቲ ከይገበርና ላንጋ ላንጋ እንተድኣ ተሪፍና፡ ሬሳ ኢሳያስ ከሕምቐና እንተዘይኮይኑ ከነሕምቖ ኣይኮናን። ነዚ ኣመልኪቱ እቲ መንፈሳዊ፡ “ሎሚ እዝጊኣብሔር ምሳኻ ነገር ኣለዎ!!” እዩ ክብል ዝወዓለ ኣብ ከተማ ሮማ። “እዚ መርገም እዚ ናይቶም ብርሃን ከይረኣዩ ንዓሰርተታት ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት እዩ። እዝጊኣብሔር ነገር ኣለዎ!!” እወ! ሱቕታና፡ ስቅያታ ኣምጺኡልና። ሱቕታና፡ መርገም እሱራትን ሽጉራትን ግፉዓትን ኣስዒቡልና። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ ኢሳያስ ዋላ ብሬሳኡ ሓያል ድያብሎስ ምድሪ ኮይኑ ዘሎ።

እንተኾነ ግና እቲ ዓርከይ ዝበሎ እውን ሓቅነት ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኢሳያስ ኩሉ ሓሶት ተወዲእዎ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊእዎ፡ ልክዕ ከም ዘኽታም ቆልዓ ቀባሕባሕ እዩ ዝብል ዘሎ። ምሉእ ህዝቢ ፈንፊንዎ ዓቕሉ ጸቢብዎ ምስ ሰኸረ ቅበሩኒ ክብል ይስማዕ። እንተኾነ ግና ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ ሕድ-ሕድ ዘይምትእምማንና ፋሕ ጭንግራሕ ኣትዩና ብሓባር ተሰማሚዕና ኣብ ቀብሪ ኢሳያስ ክንውዕል ዓቕሚ ስኢና ኣሎና። እቲ መርድእ በጺሕና ክነሱ፡ ንቐብሩ ግዜ ክህልወናን ከነርክበሉን ኣይከኣልናን። እቲ መርገም እሱራት ይቕጽል እዩ ዘሎ። ኣምላኽ ከኣ ሬሳኹም ክትቀብሩ ካብ ዘይከኣልኩም፡ ሕድ-ሕድኩም ክሳብ እትተኣማመኑን እትሰማምዑን ኣብኡ ይበለልኩም፡ ተምሃሩ! ተቐጽዑ! ስሓንዎ! ይብለና ኣሎ።

እንዳተፋነና ኸሎና “እቲ መርገም እሱራት ይኹን እቲ ወራር ሓሶት ኣይከቋርጽን እዩ።” በለኒ  እቲ ዓርከይ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ቀዳማይ ወራር ፈሺልዎ፡ ህበይ ክሻ ተሰኪሙ፡ ክጸሮ ዘይክእል መስቀል ኣብ ኢዱ ዓቲሩ፡ ዳዊት ተኾልኲሉ፡ ባዕሉ ይኹን ብናይ ሓሶት ሓዋርያቱ ካልኣይ ወራር ክፍትን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ክመጽእ ይዳናደን ኣሎ። ኩሉ ተወዲእዎ፡ ኣብ ቀዳማይ ወራር ብኽራርን ከበሮን ኣምሪሑ፡ ሕጂ ድማ ብመስቀልን ዳዊትን ክፍትን። እዚ ዲያብሎስ!!” በለ ብቑጥዓ። “ሸይጣንሲ መስቀል ምስ ረኣየ እዩ ዝሃድም ዝነበረ። እዚ ዲያብሎስ እዚ፡ መስቀል ጸይሩ ከም ዘሎ ኣይተፈለጦን። ስለዚ እንተድኣ መጺኡ፡ ጭርሖታት ኣየድልየኩም፡ ዳውን!! ዳውን! ምባል ኣይዓብሰልኩም። ብኹሉ መኣዝናት ዘርኢ ኣርባዕተ ዓበይቲ መስትያታት ጥራይ ኣብ ቅድሚኡ ገትርሉ። መስቀል ጸይሩ ከም ዘሎ ምስ ተፈለጦ፡ ክሽኡን መስቀሉን ደርብዩ ክነፍጽ እዩ። ሕጅስ ድማ፡ “እዚ ቁጥሚ!! ሓሳዊ!! መስቀል ጸይሩ ክሕሱ።…” እንዳበለ ክኸይድ ምስ ተበገሰ፡ “ምናልባት ኣብዛ ናይ መጨረሽታ ሰዓት እዚኣ፡ ኩላ ተመን ዝነበረት ርግቢት እንተ ተቐየረት ከ፡ እንታይ ክትብል ኢኻ? ንዓሊ ዓብዱ ዘይትርኢ።” በልክዎ። “ማንኪስ ከምኡ ክኸውን እዩ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ጥራይ መስትያት ቀርብ።” በለኒ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳን ፍራንሲስኮ በይ-ኤርያ

11.18.13


 [W1]

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን ውልቃዊ ትዕዝብቲ –ታደሰ ኪዳነ –በርሚንግሃም (8ይ ክፋል)

$
0
0

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     8ይ ክፋል         20/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ 7ይ ክፋል በዛ እትስዕብ ሕጥበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።”

8ይ ክፋል ድማ ይስዕብ …

እዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት)ቅድሚ ምዝርግሑ፣ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ’ዚ ኩነታት’ዚ ምስ ኣዕለልኩዎ፣ ንሱ’ውን ብወገኑ፣ “ኣነ’ውን ኣብዚ ትብሎ ዘለኻ እዋን ኣብ ብርጌድ 58 ነይረ። ናይ ብርጌድና ኣተዓዳድላ ሓላፍነት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን” ብምባል ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 58) ኣብ 1979/81 ዝነበሩ ዝርዝር ኣስማት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ሂቡኒ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ድማ ይስዕብ፣-

ኣዛዚ ብ/ድ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንሳ) ►ኣኹሩር   (ኣከለጉዛይ)

ኮሚሳር ብርጌድ = ሃይለ ሳሙኤል  (ሕጂ መ/ጀነራል)  ►ዓዲ መንጎልቲ (ሰራየ)

1. ቦጦሎኒ 1 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ =    ወዲ ፍሩጅ        ►ማርያ  (ሰንሒት)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = ስዉእ ተስፋኣለም በርሀ  ►በለዛ (ሓማሴን)

2. ቦጦሎኒ 2 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ  = ገብረገርግስ (ቋንቁ)  ►ኩትሞ’ውሊዕ (ሓማሴን)

ኮሚሳር ቦጦሎኒ = እዝራ (ወዲ ቀሺ)   ►በለዛ   (ሓማሴን)

3. ቦጦሎኒ 3 – ኣዛዚ ቦጦሎኒ = ሓጎስ ተኸስተ  ►ንኡስ ዞባ በሪኽ (ሓማሴን                                                              ኮሚሳር = ጸጋይ ሃንስ (ወዲ ሃንስ)   ►ዓዲ ንፋስ (ሓማሴን)

ኣብዚ ብርጌድ’ዚ እውን፣ ንወዲ ፍሩጅ (ኣማኒ ምስልምና) ገዲፍካ፣ 5 ካብቶም ዝነበሩ 6 መራሕቲ ቦጦሎኒታ፣ ከምቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ደቂ‘ቲ ከባቢ ነይሮም ማለት ኢዩ።

እቲ ብሰላሕታ ዝፍለጥ 7ይ ወራር ምስ ጀመረ፣ ማእከላይ ግምባር ዝብል ስም ዝተዋህቦ፣ ብኸባቢ ሓልሓል፣ መለብሶ፣ ሃበሮ፣ ከባቢታት ሸገን ሮራ-ባቕላን ሓድሽ ግምባር ተኽፊቱ። ገለ ቦጦሎኒታት ናይቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ናብኡ ስለዝተሳሕባን፣ ጋንታና (ጋንታ ሃንደሳ’ውን) ንገለ ካብቲ ክፉት ቦታታት ክትዓጹ “ታባ ሰላም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ክትሕዝ ተኣዚዛ። ሓደ ግዜ ኣብዚ ዝተባህለ ድፋዓት (ታባ ሰላም) ከለና፣ ሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ዝመስል፣ ብኻልኦት ሰባት ተሰንዩ ኣብቲ ዝነበርናዮ ድፋዓት ይዘውር ነይሩ። “መን ድኣ’ሉ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተላዕለ ድማ፣ ኣፎርቂ የማነ ከም ዝበሃልን፣ ቅድሚ 6ይ ወራር፣ ኣብ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓኪም ብርጌድ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ፣ እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ፣ ኣብቲ ዝነበሮ ኣሃዱ ኮሚሳር ቦጦሎኒ ከም ዝኾነን፣ ሕጂ ድማ ንገብርሂወት ዘሞ (ወዲ-ሊቀ) ቀይሩ ኮሚሳር ቦጦሎኒ 3 ክኸውን ተመዲቡ ከም ዝመጸን ሰሚዕና።

ብኡ ንብኡ ድማ ትሒምሒም ስዓበ። ንሱ ድማ “ኣብዚ ቦጦሎኒ ዋላ’ውን ኣብዚ ብርጌድ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ፣ ኣዝዮም ሓያላት ተዋጋእቲ መራሕቲ ሓይልታት ከለዉ ድኣ፣ ብኸመይ ኢሉ ኣላይ ሕሙማትን ውጉኣትን ዝነበረ፣ ብቐጥታ ናብ ኣላይ ኲናት ተቐይሩ?” ዝብል ኢዩ። ብሓቂ’ውን ኣብቲ ብርጌድ ዋላ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ኣዝዮም ንፉዓት መራሕቲ ሓይልታት ነይሮም ኢዮም። ብርጌድና’ውን ብሕክምናዊ ሞያኦም ኣዝዮም ዝምስገኑ ናይ ቦጦሎኒን ናይ ብርጌድን ሓካይም ነይሮማ ኢዮም።

እንተኾነ ነዚኣቶም ካብቲ ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝጸንሑ ናይ ሕክምና ሞያ ኣልዒልካ ናብ ‘መራሕቲ ውግእ’ ክትቅይሮም፣ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ክመርሕዎ ዝመጹ ኣሃዱ’ውን ኣዝዩ ሃሳዪ ኢዩ። ናይ ኣፎርቂ የማነ ‘ካብ ኣላይ ሕሙማት ናብ ኣላይ ኲናት’ ምቕያር ድማ ምስኡ ብምንጽጻር ኢዩ ተዘሪቡሉ። ኣፎርቂ የማነ ናብቲ ቦጦሎኒ ተቐይሩ ምስ መጸ፣ ምስ ካልኦት ከምኡ ተቐይሮም ዝመጹ፣ ግን ከኣ “ልዕለኻ ንሕና ኢና ውግእ ንፈልጥ” ዝብል ስምዒት ዝነበሮም መራሕቲ ሓይልታት፣ ኣብ ህልኽ ኣትዩ ምንባሩ፣ ድሕረይ ኣብቲ ኣሃዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክዛረቡ’ውን ሰሚዐ ኣለኹ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ኣብተን ሓይልታት ናይ ብዙሓት ሓለፍቲ ምቅይያራይ ይግበር ነይሩ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን ኣፎርቂ የማነ’ውን ከም ሓድሽ ኢፍረም፣ ዓዱ ዓዲ-ንፋስ ምንባሩ ኢዩ። ብወገነይ ሓደ ተኸዊሉኒ ዝነበረ ሚስጢር ዝተጋህደለይ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ብድሕሪ ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ (ተኽሊጥ) ስዒቡ ወይ’ውን ንዕኡ ጉልባብ ገይሩ ዝግበር ዝነበረ ምትእኽኻብ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ኢዩ። ሽዑ “እቶም ኣብ ሕዳይ ከለና (1979ን – 1981ን) ኣብ ብርገድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት’ውን ብኸምዚ ዝተኣኻኸቡ እንተዘይኮይኖም፣ ካልእ ዝኾነ ሚስጢር ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ኢየ በጺሐ።

ካልእ ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ነገር ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 1979 ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበረ ወታደራዊ ምርብራብ፣ ነቲ ግምባር ብቆዋሚ ዝዓጽዋ ኣርባዕተ ብርጌዳት (51, 58, 70, 77) ነይረን። ካብቶም ሰለስት ሕጂ ዝዘከርኩዎም ኣዘዝቲ ብርጌዳት ድማ፣ ዓሊ ኢብራሂም፣ ኢሰያስ ፍላንሳን ሳልሕ ሕሩይን ነይሮም። ሰለስቲኦም ኣዝዮም ሓያላት ወታደራዊ ኣዘዝቲ ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ሜላ እምበኣር ብላዕሊ ብርቱዓት ኣዘዝቲ ገርካ፣ ብትሕቲኦም ንግዜኡ ንዕኦም ዝከታተሉ፣ ውዒሎም ሓዲሮም ድማ ነቲ ስራሕ መሊኾምን ተላልዮምን፣ ናይ ሓዋሩ ኣዘዝትን ወረስትን ንምግባሮም ዝነበረ ውጥን ይመስል። ብሓቂ እውን፣ ዓሊን ኢሰያስ ፍላንሳን፣ ቅድሚ ናጽነት ክስውኡ ከለዉ፣ ሳልሕ ሕሩይ ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊቱ መሪሑ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወላ ዕለት ተኣሲሩን ቦትኡ በቶም ወረስቲ ክኾኑ ዝምልመሉ ዝነበሩ ተተኪኡ። ምኽንያት መእሰሪኡ ክሳብ ሕጂ (ብዘይካ ብ03 ዝዝርጋሕ ወረ) ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፣ እዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም ሓለፍቲ ‘ትሕቲ ሰቦም ተዋጋእቲ ነይሮም’ ወይ’ውን ‘ውግእ ኣብ ምእላይ ድኹማት ነይሮም’ ይብል የለኹን። እኳ ድኣ ካብቶም ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ሚኪኤል ጊለ (ወዲ ጊለ) ኣብቲ ብጥሪ 1984 ግምባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው እዝ) ንምድምሳስ፣ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ) ድማ፣ ኣብ ግንቦት 1988 ከረን ንምሓዝ፣ ኣብ ዝተገብረ ውግኣት፣ ሰራዊቶም መሪሖም ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ሰሊኾም ድሕሪ ምእታዎም፣ ብጅግንነት እናተዋግኡ ክቡር ህይወቶም ንሃገር ሂቦምን ተሰዊኦምን ኢዮም።

እቶም ዝተረፉ’ውን ከም ኩሎም መራሕቲ ኲናት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጅግንነት ታሪኽ ክህልዎም ከም ዝኽእል ርግጸኛ ኢየ። ኩሎም (እንተላይ እቶም ኣብ ብርጌድ 58 ዝነበሩ) ሓለፋ ብጾቶም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዝደየቡ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ፣ እዞም ካብቲ ከባቢ ጥራይ ዝተሓርዩ ሰባት፣ ልዕሊ ኩሎም ተጋደልቲ ኣመንቲ ምስልምና፣ ልዕሊ’ቶም ካብተን ካልኦት ኣውራጃታትን ካልእ ከባቢታትን (እንተላይ ካብቲ ካልእ ከባቢታት ሓማሴን) ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣመንቲ ክርስትና፣ ንበይኖም ብኽንድዚ ቂጽሪ ሓለፍቲ ንምዃን ዘብቅዖም ምኽንያት የለን።

እዋኑ እዋን ሰላሕታ ወራር ኢዩ። ኣሃዱታት ካብን ናብን ዝወናጨፋሉ ዝነበራ እዋን። ጋንታና’ውን (ጋንታ ሃንደሳ) ካብ ታባ ሰላም (ከባቢ መንድዓት) ናብ ማእከላይ ግምባር ናቕፋ ተቐይራ። ኣነ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1983 ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ ስለ ዘጋጠመኒ ናብ ሕክምና ኢየ ኣምሪሐ። ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመኒ ስንክልና ናብተን ሓይልታት ክምለስ ስለ ዘይከኣልኩ፣ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መርሓ ዝነበረ ጨንፈር ትምህርቲ ተመዲበ። እቲ ብበራኺ ገብረ-ስላሴ ዝምራሕ ዝነበረ ጨ/ትምህርቲ ድማ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ከም መምህርን ኣላይ ተማሃሮን ኮይነ ክሰርሕ መዲቡኒ። በዚ ድማ እቲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝነበረኒ ቀዳማይ ትዕዝብቲ (ምጥርናፍ ደቂ ሓደ ከባቢ ናብ ሓላፍነት) ኣብቂዑ።

ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ።

… ይቕጽል

መቓብር ህሉዋት –ምዕራፍ 1፡ ምህናጽዶ ምፍራስ?

$
0
0

መብዚሕትና ኣብ ኣስመራ ናይ ቀረባ ቤተሰብ ነይሮምና’ዮም። እንተ ኾነ ነቶም ነስመራ ዗ይፈሌጡዋ ተራ ኣባሊት ገዱፍናዮም ክንከይድ ሕሌናና ኣይተቐበልን። ሓዯ ብጻይ ናብ እንዲ ሓወቦኡ ግድን ክበጽሕ ስሇ ዜዯሇየ ግን መሬት ቅድሚ ምምሳዩ ኣሰኒየዮ ክብገስ ግድነት ኮይኑ። ኣብኡ ኣይዯንጐናን ሻሂ ድሕሪ ምስታይ ብኣጋኡ ናብ መናሃርያ ተመሇስና። ስንቅና ተማሉእና ስሇ ዜነበርና ድራር ድሕሪ ምብሊዕ፡ ሔው! እናበሌና ኣብቲ መረባዕ ዗ይነበሮ ሂሊ ገዚውቲ ዯቂስና ሓዯርና። ብዅለ መዲይ እታ ሇይቲ ሌዕሉ ንቡር ዜነውሐት ኮይና ተሰሚዒትና።

Download (PDF, 266KB)

ንዝተሸመ ተኸተሎ።

$
0
0

ንዝተሸመ ተኸተሎ።                                23-11-12፡

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ተሰዊሩ ቀንዩ ኢሎሞ። እሞ ህዝቢ ድማ ከከምትጽቢቱ ከምተሻቐለ ሰሚዕና። ግደ ሓቂ ኣብ ዕዮ ፈጣሪ ክንኣቱ ኣይግባእን። ኣምላኽ ምሕረቱ ኣውሪድልና እንተኾይኑ ግና መዓረ። በቲ ካልእ’ውን ንሱ ተዋሊኡ ከምዘይቀነየ ከምታ ልማዱ በታ ዝተነስዐቶ መጻንሒት ተሓጊዙን እንታይ ክበሃል ከምዝቀነየ ቀራሪሙን ብመስኮት ቲቪኡ ብምቕልቃል “እነኹል ኩም ሞት የብለይ ሕማም፡ ዝሞቱን ዝሓመሙን’ሞ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ (ህዝቢኤርትራ) ኢዮም” ክብለና ይኸውን።

ይዝከረኒ ከምዛዋዛ፡ “ኡይ በሊ መሬት ብዕዋላ ተገዝኢ” ይበሃል ከምዝነበረ። ቋንቋ ዓዋሉ ብሓቂ ከምኡ እንተኾይኑ ነዚ ናብ ህዝብና ዝወረደ እዋናዊ ሓርጎጽጎጽ’ውን ብመግለጺ ወዲ-ዓይኒ መዓር ልክዕ መሰታ ሞት ኢዩ ተተርጒሙ። እሞ ብክቱር ት ዕቢት ክሳብ ድማ ኣንዊሖም ዝኣሰርዋ ደርሆስ ዝተፈትሐት ከምዝመስላ ተጠቢቡ ተመሲልልና!!!

ኦይ! እታ ዝተኣስረት ደርሆ’ኮ ከምታ ዝሓቖፈት ኣይተኾርመየትን። ብእስርታ መሬት ካብ ምፍሕታር፡ ተንቀሳቒሳ መግባ ካብ ምምእራር ኣይተቛርጽን። እታ ንእዋኑ ዝሓቖፈት’ውን ከምኡ ንሓዋሩ ክትበዝሕ ክትስስን ክትብል’ያ ንግዚኡ ኣብ ባኹራኣ ት ሓቅቕን ደርሆነታ ዝድረትን። ካብ መጀመርታ ሕቕፎኣ ኣትሒዛ ድማ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦ ነብሳን ፍርያታን ትውፈ። ኣማስያ ኡ ድማ ፍረ-ጽንዓታ’ዩ’ሞ ደቃ ክስስኑን መሬት ክመልእዎን ኢዮም። ደቂ ኤርትራ!!!!!!!!!!!!!!!

ኢሳይያስ ዓሻ ኢዩ። እንኮላይ ዘይተባዕ፡ ዘይኤርትራውን ዘይፍጡር-ሰብን። እቶም ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ መቸም ከምትድግ ፉኒ እተኣማመን ኢየ። ንኩሉ ናይ ብርሰት ዕጥቁ ብ ’ውልቀ-መላኽነት’ ዝተሸፈነሉ ገበነኛ፤ ዘይከምቲ ዝበሃል ንሱ መፈጠሩ በዲልዎ ኣብ ሞንጎ ቅንእን ፍርሕን ተቐርቂሩ ከምዝነብር  ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። እሞ ዕጫኡ ንዝበጽሐቶ ሓደ ሰ ብ ክውግን እንተተኣዚዙ “ዘይ እዝስ፡ እዚኣስ ከምኡ ኢዮም” እናበለ ሽሕ ሰብ የህልቕ። ሓደ ሰብ ክኣስር እንተተራእይዎ ኣን ጻር ሕልናኡ ብምኻድ ሽሕ ይቕፍድ። በሉ “መንኢዮምከ ኣዘዝቱ” ከይበልኩም ፈተኹሞ ጸላእክሞ ከምኡ ኢዩ ኢሳይያስ ማለ ት።‘ዘይቀንእ ኣይወለድ’ ይበሃል’ዃ እንተኾነ ናቱ’ሞ ቅዱስ ቅንኢ ማለት መዓስ ኮይኑ። ቅዱስ ቅንኢ’ኮ ምስ ሓያላት ጥራይ ኢዩ ዘሎ። ማለተይ ከምኡ እንተዘይከውን’ሞ ኣብ ሞንጎ’ቲ መሓሪ ህዝቢ ኣትዩ ክንድኡ ዝተናኾል ፈራህ! ኣይምኾነን።

ልክዕ ሎሚ’ውን ከምቀደምና ብተጻባእቲ ተኸቢብና ኢና። ብኣዝዩ ዓለም ዘዛረበ ማሕለኻታት ክንቅፈድ ተፈሪድና። ከምኡ ድማ ካብ ገዛእ ሃገርና ብኣስገዳድ ተኾብዂብና ናብ ብዓለሙ፡ ብቀንዱ ናብ ኣፉ ዝኸፈተ መሬታዊ ኮነ ማያዊ ጋህስታት ክን ድርገም ተቐሲብና ኢና።

መሰረት ውርደትና ዝኾነ ገዛእ ፕረሲደንትና ድማ ነዛ ብላሽ ዓለም ኣሚኑ ምስ መጓጅምቱ ተዋድዩ ንኤርትራዊ ብነዊሕ ገመ ድ ኣሲሩ ከሰራጥዮ’ዃ እንተፈተነ፡ ህዝብና ድኣ መዓስ “ተኣሲረ ኣኺልኒ”!  ኢሉ ኢዱ ሂቡ። መንእሰይና ንዓለማዊ ማሕለኻ ዝበትኽ መንእሰይ’ምበር “ካን ተቐፊደ” ኢሉ ከም ብመኽደን ድስቲ ተለዂቱ መዓስ ሸሊቚ ተሪፉ!

ዝኾነ ኮይኑ ንመስዋእቲዶ መለሳ ኣልይዎ ኢልኩሞ! ሎሚ’ውን ከምትማሊ ሕፍሶ ዜጋታትና ንኸፍል ኣለና። ግናኸ ሓንቲ መ ዓልቲ ከምቶም ደቂ ዪስራኤል ሃገርና ከምነማሙቓ ስለንኣም ከምትጽቢት ካሕዳያት ዘይኮነ እንሆ ኤርትራዊ ሎሚ’ውን ዓለ ም የዛርባ ይርአ። ከምትምኒት እኩይ ህዝብና ክብተን፡ ሃገርና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትድምሰስ ካብዘይተኻእለ ዳግማይ ንዓለ ም ከነዛርብ ምኽኣልናስ እንታይ ዝኣመሰለ ውህብቶኾን ይኸውን?

ኤርትራዊ ሎሚ’ውን ከምትማሊኡ  በዚ ዝቐነየ ናይ ባሕሪ መስዋእቱ ኣይረዓደን። እዃድኣ “እንታይ ንግበር”? ኢዩ ክበሃል ተቐንዩ። ቅንያት “እንታይ ንግበር? መን ይምጻእ” ልብና ሰቒልዎ ከምዝቐነየ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሰሙናዊ ፍጻመታትን ጠለባቱን ብዙሕ ነበረ ዓይነቱ። ኣብቲ ምድረ-በዳዊ መሬት ምድረ-ዓረብ ዝርንዝሕ ዝኮዖ ንብዓት ደቂ-ሓበሻ ክውሕዝ ርኢና ምስኦም ምንባዕና እቲ ሩህሩ ባህርያትና ስለዝቐሰበና እንኮላይ ንኢቲዮጲያዊያን ኣሕዋትና ነቢዕናሎም። ምስኦም ግምባር ከምዘድልየና ክንሓስበሉን’ውን ኣዘኻኺርና ኣሎ። —–ግምባር ሓበሻ!—-                         

እንተኾነስ ቀታሊና ሰቡ ኮነ መሬቱ መጺእናዮም’ምበር ኣይመጹናን’ሞ ክንድዑ ክንግዕረሎም ስለዘይግባኣና ቀዳምነትና ኢዩ ዋና ሰላብ ቅንያትና ዝነበረ። ብምዃኑ ብዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ዘስቆርቆረ ቃልሲና ብካልእ ክልተ መገድታት ተቐላቒሉ ኣ ሎ።ተበግሶ ወዲ-ባካሮ ቀዳማይ ተጠቃሲ ኮይኑ ቀንዩ። በቲ ካልእ ድማ ተበግሶ ተጋደልቲ ህ.ግምባር ነበር። ምናልባሽ “እዚ ተበግሶታት’ዚ መቐጸልታ’ምበር መዓስ ሓድሽ” ከብለኩም ክኢሉ ይኸውን። ሃቂ’ዩ ‘ቲ ዘገድስ እንታይ ዝመልክዑ ሓድሽን ከመይን ድኣ’ምበር ሕጂ ዝመሃዝ ቃልሲ ክርአ ኣይንጽበን ንኸውን።

ዝኾነ ኮይኑ ንዝተሳዕረ ምስባል ካብሃለወ፡ ንዝተሸመ ምኽታል ከኣ ግድን ኢዩ። እንተኾነስ ዕድልና ግዲ ሓውሊላ ድሮ ድማ ደናጉላ ፖለቲካ ከንከራሩ ጀሚሩ ቀንዩ። መን ኢዩ ዝሽየም ድያ’ታ እዋናዊት ሕቶ ሓቀይ?

ንነገሩ ‘ንዝተሸመ ተኸተሎ’ ብኸመይ ተባሂሉ? እንታይ ማለት ኢዩኸ? ምስቲ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና”ዝብል ምስላ ቀ ዳሞትከ ምሕዝነት ኣለዎ ድዩ? ክንብል ንኽእል ንኸውን። ካልእ ብዙህ ብዙሕ ቅዉምነገርን መዳኸምያን’ውን ክንጠቅስ ንኽ እል። ዋና ገዛኢና ግና ዘለናዮ ግዜ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ ይበልጽ እብል ብወገነይ። ብቑዕ ዝመስለኒ ምኽንያት’ውን ኣለኒ።

“ብእዋን ውበ ዝጸመመስ ዝባን ውበ ክብል መተ” ተባሂለ ከምዝዳቐቕ እናተረዳእኩ ኣነ ድማ ሓደ ካብቶም ብግዚኦም ኣንጊ ሆም ናብ መስርዕ ናጽነት ዝወፈሩ ብምዃነይ፡ ኣብ ክፍሊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ድማ ናጽነት ናብ ሓርነት መንጠሪት መሳልል ድኣ’ምበር ንርእሳ ከም ውድእቲ ዓላማና ከምዘይምዃና ስለዝተማሃርኩ፡ ኣዒንተይ ካብ ብንጉኡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንህዝባዊ ት መንግስቲ ከቛምታ ቆሊዐን ተሪፈን እብለኩም። ከምኡ’ውን’ቶም ከማይ። እሞ ዋላ’ዃ ንእዋኑ ይኹን፡ ምዕዋርና ካብ ዘይ ተረፈስ መንድኣ ይምረሓና? ንበል’ሞ ሽዑ’ቲ መልሲ ባዕሉ ደበኽ ክብል ይመስለኒ ኣሎ። ዝኸፍአ እንተኸፍአስ ኣብ ዓዲ ዕዉ ራት’ኮ በዓል ሓደ ዓይኒ ኢዩ ዝነግስ። ግና ድማ እቲ ወናኒ ሓንቲ ዓይኒ ክነግስ ዝኽእል እንተኾይኑ ማለተይ ምዃኑ ብዙሓት ከምዚከማይ ይሰማምዕሉ ኢዮም።

መቸም ምምራሕ ርእሱ ዝኸኣለ ስነ-ፍልጠት፡ ቆራጽነትን ግዜን ይሓትት’ዩ። ማለተይሲ ከማይ እንተኾንኩም መሪሕነት ንኣር ሓነት ኢዩ ዝእምተኒ። ኣርሓነት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትን ልግሲ ግዜን ኢዩ በሃላይ ኢየ። ግዜ ዘዝሃቦ ኩሉ ብእዋኑ ክዋሳእ ይር አ። ሽዑ ኣርሓዊ ውድቀትን ዓወትን ምስተኸስተ እቲ ሰዓቢ ድማ የግዲ ክስዕብ ኣለዎ። ኣርሓ ምስ ዝሰንፍ’ሞ ተካእቲ ንርእሳ ቶም እንተበርዒኖም ከድኣ መን ይተክእ ኢዩ ዘዛርብ ዘሎ። ተዋሳኢ ዘይብሉ ተዓዛቢ ወይ ተጸባይ ምዃንከ እንታይ ይመስል?

“ሃገር ድኣ’ሞ ዝመርሓ’ኮ ኣይትስእንን ኢያ” ኢልኩም እንተሓሲብኩም ሓቅኹም ኢኹም። ምኽንያቱስ መሲልና ድኣ ንቀናዞ ኣሊና’ምበር ድሮ’ዃ ዝመርሑናስ ተዳልዮሙልና ይህልዉ። ብዝተረፈ ስልጣን ብባህሪኡ ናይ ህልኽን ውድድርን ባይታ ብም ዃኑ ስልጣን ክትሻሞ ነብስኻ ብቕዕቲ ምግባራ ቀዳመይቲ ረቛሒት ኢያ። ኣብ ብዓለሙ ብፍቶት ስልጣን ዝሓድግን ዝወስድ ን ስለዘየለ ማለተይ’የ።

ኣብ ጉዳይና ምስእንምለስ፡ እንተድኣ ካብቶም ቀዳሞት ተቓወምቲ ክመርሕ ዝኽዕል ተረኺቡ ወሸለ በዓል ፈረስ ይኹኑ’ም በር ሜዳስ እንሀሉ። ከምኡ ስለዘይተኻእለ እንተድኣ ተጠማሚትካ ደውን ብጭጉራፍ ቃላት ክትናቖት ጥራይን እንተኾይኑ ቀደሙ’ውን ‘ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፡ ንስኺዶ ከይትበልዒ ሰዊት’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ብኸምኡ ኢዩ።

መን ኢዮም ስልጣን ዝሕዙ? ጀብሃዶ ሻዕብያ ወይስ ካልኦት? ብርጌደ-ሜጀር ጀነራላትዶ ምንኣሶም ካብእግሪ? ሃማሴነቶትዶ ካብቶም ካልኦት? እቲ ተጋዳላይ፡ ማእከላይ ሽማግለ፡ ሚኒስተርን ሎሚ ድማ ሰልፉ እናመርሐ ‘እነኹ’ ዝብል ዘሎ መስፍን ሓጎስዶ ስብሓተ-ፍሊጶስ? ጀነራል ጠዊልዶ ዳግማይ ወዲ-ዓሊ? ወይስ ኣይሕሱብ ካብስዉራን ወንበሩ ክኹደጭ?……..

መዓስን ስለምንታይን ከምተባህለ ከይተጣለለ ብዛዕባ ብስም ‘ተባሂሉ’ ተባሂሉ ከይንሰማማዕ ከምዝተሰማማዕና፡ ዝውረ ላሕ ኲ ብሂላት ዝፈለጥክዎ’ዃ እንተዘይሃለወ፡ ብከምኡን መሰሉን ኣኹሪፍና ንሕሰሞ ረብሓስ ኣይወሓደን። ልክዕ፡ ኣሉታስ ብከላ እንድዩ፤ ነቲ እምባ ቅዉም-ነገር ሰባት ብዝናኣሰት ኣበር ኣጋኒንካ ብዝላኻዕ ወረታት ኣማሪረ ንነብሰይ ከምግዝእቲ ናይዚ እዋ ን መጠን ከምቲ ዝውረየልና ደቂ ኤርትራ በይኑ ዝዓይነትና ሓሳዳት ስኑፋት ወይ ድማ ሕሉፋት ንበሃሎ ከይትኣምን ምሒር ከጓጥተላ እንከለኹ፡ ክሳብ ግዚኡስ ልብና ድማ ክሳብ ክንደይ ከምዝዕሹን ከምዝኸውሐን ከይዓጀበኒ ኣይሓልፍን።

ነገር ምርጫ ኮይኑ ሰብና ድማ “ሰይጣንዶ መልኣኽ ትመርጽ”? ተባሂሉ እንተዝሕተት ብዘተፈጥሮ መልኣኽ ምሓረየ እብል። እናሓንሳብ ግና ኣይኣዝዝ’ምበር ወዝቢ እንተኣጓኒፉስ ምርጫኹም ጭራሽ ካብ ክልተ ሰይጣውንቲ ጥራይ ሓዲኦም ምምራጽ ምስትሕተቱ ኣየናይ ዝዓይነቱ ሰይጣን ምመረጽኩም? ዶስ መሰል ተዓቅቦ ክወሃበኩም ሕቶኹም መንበልበልኩማ?

ይቕጽል…….                                                                                                                                                                          ጎደፋ፡


ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን: ውልቃዊ ትዕዝብቲ: ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም ( 9ይ ክፋል)

$
0
0

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     9ይ ክፋል         23/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

“ኣብ ዝቕጽል 9ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ምእታወይ፣ ብዛዕባ’ቶም ኣነ ካብ ዝስለፍ ክሳብ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ኣሃዱ ዝወጽእ፣ ከይተቐየሩ ኣዛዚ ብርገድን መራሕ ሓይልን ዝነበሩ ክልተ ሰባት፣ ማለት ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክጽሕፍ ኢየ” ክብል ኢየ ተፋንየኩም። ንእግረ መንገደይ እዚ ዝትርኸሉ ዘለኹ እውን፣ ብርጌዳትና ኣብ ቀዋሚ ግምባር፣ ኣብ ጸቢብ ቦታ ዓሪደናሉ ዝነበራሉ እዋን ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።

መቐጸልታን 9ይ ክፋልን ድማ ይስዕብ…..

ገለ ካብ ኣብነታውያን ሓለፍቲ፦

ኣብተን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዝጸናሕኩለን 5 ዓመታት፣ ዘይሃስስ ተዘክሮታት ካብ ዝገደፉለይ ብዙሓት ሓለፍቲ ከም ኣብነት፣ ብዛዕባ ዓሊ ኢብራሂምን የማነ በርሀን ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ካብቲ ኣብ ብርገድ 51 ዝኣተኹሉ ግዜ (ክራማት 1978) ክሳብ’ታ ተወጊአ ካብታ ብርገድ ዝወጻእኩላ ዕለት (ሓምለ 1983) ከይተቐየረ ከም ሓላፊ ናይታ ብርጌድ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ኢብርሂም ኢዩ። የማነ በርሀ’ውን ከምኡ ክሳብ’ታ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ዝተቐየርኩላ ዕለት፣ ንሱ ኢዩ ኮሚሳር ሓይሊ 32 ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ። በዚ ከኣ ኢየ ብዛዕባ ክልቲኦም ቁሩብ ክዛረብ ዝደለኹ።

ዓሊ ኢብራሂም

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ ዓሊ መበቆሉ ካብ ብሀረ ሳሆ (ዓዲ-ቀይሕ) ኮይኑ፣ ካብ  ቤት-ትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ (2ይ ደረጃ ዓዲ-ወግሪ) መንደፈራ ምንባሩ ኢዩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓለፈ። ዓሊ ሓደ ካብቶም ሰውራ ኤርትራ ዘፍረዮም ውሑዳት ጀነራላት ኢዩ። ብዛዕባ ግምባር ናቅፋ ተዛሪብካ ንዓሊ ከይዘከርካ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኮነን። ንሱ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መራሕቲ ውግእ ምንባሩ፣ ብዙሓት ፈለጥቱ ይሰማምዑሉ። ንኣብነት ሓደ ንዓሊ ብቐረባ ዝፈልጦ ሰብ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዚ ዝስዕብ ኣዘንቲዩለይ፦

“ብገለ ምኽንያት ናብ ሓለዋ ሰውራ ምስ ከድኩ፣ ሓደ ተኪኤ ዝበሃል፣ ኣብ ወታደራዊ ስርሒት ዝተማረኸ፣ ናይ ጀነራል ታሪኩ ኦፐረተር (ኣዛዚ ናደው እዝ) ዝነበረ ወታደር ረኺበ። ብዛዕባ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባር ከዕልል ከሎ፣ ‘ልዕሊ ኩሎም ሓለፍትኹም ዝፍራሕ ጀነራል ዓሊ ኢዩ። ጀነራል ታሪኩ ኣዝዩ ኢዩ ዘድንቖ። ኩሉ ግዜ ‘ጀነራል ዓሊ’ እናበለ ኢዩ ዝጽውዖ። ‘መልእኽቲ ጀነራል ዓሊ እንተጠሊፍኩም ወይ ካብ ጀነራል ዓሊ ዝሓልፍ መልእኽቲ እንተረኺብኩም፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣተንሲእኩም ንገሩኒ’ ይብለና ነይሩ። ኣነ’ውን ዕድል እንተዝረክብ ንጀነራል ዓሊ ክርእዮ ምደለኹ…” ከም ዝበሎ ይዛረብ።

ዓሊ እምበኣር ብጸላእቱ ከይተረፈ ‘ጀነራል’ ዝተባህለ፣ ብወታደራዊ ብቕዓቱ ዘመስከረ ብቑዕ ወታደራዊ መራሒ ኢዩ ነይሩ።

ምስ ዓሊ ዝነበረኒ ሌላ ከም ኣዛዚ ብርጌድ ካብ ናይ ማዕዶ ፍልጠት ዝሓልፍ ኣይነበረንን። ኣብታ ንመወዳእታ እዋን ዝተራኣኣናላ መዓልቲ፣ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1983፣ ብምኽንያት ስንክልና ካብቲ ብርጌድ ክወጽእ ስለ ዝነበረኒ፣ መሰነይታ ወረቐት ክወስድ ናብቲ ኣብ እማባልቆ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት (እዚ) ብርጌድ 51 ምስከድኩ ኢየ። ወዲ ሓወልቲ ዝበሃል ፐርሰነል ናይቲ ብርጌድ “ዓሊ ይደልየካ ኣሎ” ምስ በለኒ፣ ናብታ ዓሊ ዝነበራ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሰርሐት ክፍሊ ከይደ። እታ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተደኮነት ገዛ፣ ብላዕሊ ዝኾነ ናይ ገዛ ምልክት የብላን። እቲ ናሕሲ ‘ቅንጭቢ’ ዝበሃል ገረብ በቊሉዎን ተመሳሲሉን ኢዩ። እታ ንመእተዊ ዝተዃዕተት ካናለ’ውን ብየማነ ጸጋም ተመሳሲላ ኢያ። ንውሽጢ ምስ ኣተኻ ግን ብሕብርታት ዘገጼት ኢያ። ኩሉ ዓይነት ንብረት ማለት ኮፍ መበሊ፣ መጽሓፊ ጣውላ፣ መደቀሲ ወዘተ ኣለዋ። ብዛዕባይ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ገምጋም ኣለኒ፣ ብፍላይ ናይቲ ኣብ ጋንታ ሃንደሳ ዝነበርኩሉ እዋን። ኣነ ካብቲ ብርጌድ ጠቕሊለ ዝወጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ፣ ርክብና ካብ ተራ ናይ ምፍናው ዕላልን ለበዋን ዝሓልፍ ኣይነበረን። ብብቕዓት ወታደራዊ ኣመራርሕኡ ግን ዕጉብ ኢየ።

እቲ ዓሊ ዝመርሖ ‘ብሓላው ማዕጾ፣ ቆፋሪ ብርጌድ’ ዝፍለጥ ኣሃዱ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ኢዩ ዝዓጹ። ንኣብነት ኣብ ኩሉ’ቲ ናይ ምዝላቕ እዋን፣ ኣብ ዕላበርዕድ (ኣብ ጸሊም ጽርግያ)፣ ኣብ ገንፎሎም፣ ግዝግዛ፣ ሕዳይ ወዘተ ብማእከል ጽርግያ እናኸድና፣ ኣብ ቀንዲ ጽርግያ እናዓረድና ኢና ግምባር ናቕፋ በጺሕና። ናቕፋ ምስ ኣተና’ውን፣ ነቲ ዳሕራይ ብርጌድ 58 ዝተረከቡና፣ ኣብቲ ቀንዲ ጽርግያ ዓሪድና ኢና ንጸላኢ ተጸቢናዮ። እቲ ቀንዲ ናይ ናቕፋ ውግእ ግን፣ ታንክታት ሰሪዕካ ብማእከል ጽርግያ ዘይኮነስ ኣብ ጎቦ ደንደን ኢዩ ጽዒቑ። ከይደንጎየ እቲ ዓሊ ዝመርሖ ብርጌድ፣ ጎቦ ደንደንን የማነ ጸጋሙ ዝነበረ ድፋዓትን ክዓጹ ተኣዚዙ። እቲ እዋን ጸላኢ ንጎቦ ደንደን ክቆጻጸር፣ ኣሃዱታትና ድማ ክከላኸላ ዝነበረ ናይ መጥቃዕትን ጸረ-መጥቃዕትን ውግእ ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። እቲ ብኣግራብ ዝማዕረገ፣ ስሕት ኢሉ ብግመ ዝሽፈን ኳዕናን ጎቦ ደንደን፣ ናብ ናይ ሓጺን መምከኺ ፎንደርያ ዝተቐየረ ኢዩ ዝመስል። እቲ ካብን ናብን ዝወናጨፍ ሓባሪ ጠያይቲ (ብፍላይ ብለይቲ)፣ እቲ ካብ ወገን ጸላኢ ጥራይ ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ሞርታራትን፣ እቲ ካብ ነፈርቲ ዝድርበ ፋሽሽቲ፣ ነቲ ጎቦ ናብ መግሃር ሓዊ ኢዩ ቀይርዎ። እምባ ደንደንን ከባቢኡን ናብ እሳተ-ጎመራ ተቐይሩ። ኣብ ማእከል’ቲ ዝነድድ ዝነበረ መሬት ከኣ ስጋ ዝለበሱ፣ ካላሽንን ቡምባ ኢድን ጥራይ ዝሓዙ ተጋደልቲ።

ቁሩብ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጅማር ውግእ ደንደን፣ ሓደ “ነቲ ኣብ መንጎ ዓልን ኣብቲ ውግእ ዝነበረ ሓላፍን ዝግበር ዝነበረ ናይ ሬድዮ ርክብ ሰሚዐዮ” ዝበለኒ ተጋዳላይ ዘዕለለኒ ወስ ከብል። ነቲ ትንፋስ ዘይህብ ተደጋጋሚ ህጁማትን፣ ኣብቲ ዘይተሃደመ ካናለታት ዝዘንብ ዝነበረ ጻዕቂ ደብዳብን ጠቒሱ፣ “እዚ ኩነታት ጽንኩር ኢዩ ዘሎ” ምስ በለ፣ ዓሊ ድማ “ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ! ነቲ ትብሎ ዘለኻ ጽንኩር ኩነታት፣ ብጽንኩር እንተ-ዘይሓሊፍካዮ፣ ካልእ ካብኡ ዝጸንከረ ክመጽእ ኢዩ” ኢሉ ከም ዝመለሰሉ ኣዕሊሉኒ። እዛ ‘ካብ ኣፍ ዓሊ ወጺኣ’ ተባሂላ ዝተነግረትኒ ‘ጽንኩር ብጽንኩር ኢዩ ዝፍታሕ’ ትብል ጥቅሲ እምበኣር፣ ኣብ ኣእምሮይ ሓያል ድርኺት ኣቐሚጣ ኢያ ሓሊፋ። ከም ኩሉ ተጋዳላይ ኣብ ኣዝዩ ከበድቲ ውግኣት ተኻፊለ ኢየ። ኣብ ህይወተይ’ውን ብዙሕ ፈታኒ ብድሆታት ኣጋጢሙኒ ኢዩ። ኩነታት ጸልሚቱ፣ ጉዳያት ከቢዱ፣ ፍታሕ ዘይርከቦ ኮይኑ እንተ-ተራእዩኒ፣ እታ “ጽንኩር ብጽንኩር’ዩ ዝፍታሕ” ትብል ናይ ዓሊ ዘረባ ብቐጥታ ኣብ ኣእምሮይ ‘ከተፍ’ ትብል። ነቲ ጽንኩር ብጽንኩር ንምፍታሕ ድማ ብውሽጢ ደፋኢ ድርኺት እውስኽ።

እቲ ኣብ ዝተፈላሰየ እዋን ከም ወኪል ፖሊቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፣ ግዝያዊ ሓላፊ ግምባር ናቕፋ፣ ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዓሊ፣ ኣብ መጋቢት 1988 ናደው እዝ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ውግእ፣ እታ ንሱ ዝመርሓ ዝነበረ ክ/ሰራዊትን ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታትን፣ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣትየን፣ ንመስመር ኣፍዓበት ከረን በቲኸን፣ ነቲ ኣብቲ ግምባር ዝቕጥቀጥ ዝነበረ ጸላኢ፣ ካብ ከረን ሓገዝ ከይመጾ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንባዕሉ’ውን ንከረን ገጹ ንኸይሃድም፣ ብቕድሚትን ድሕሪትን እናተዋግኣ (ኣብ መንጎ ክልተ ጠያይት ተቐርቂረን) ጸላኢ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ከም ዝጠፍእ ገይረንኦ ኢየን። ንባዕሉ’ውን ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ፣ ኣብቲ መንቀራቅሮ ኮይኑ እናተዋግአን እናኣዋግአን ኢዩ ተሰዊኡ።ዓሊን እቲ ንሱ ዝእዝዞ ሰራዊትን እምበኣር፣ ፊት ንፊት ገጢሙ ዝሰዓረ፣ ብጸቢብ ሰሊኹ ኣብ ሕምብርቲ ጸላእቱ ኣትዩ፣ ንዕኦም በቲኑ (ተደረብቲ ኣሃዱታት’ውን ዝነበሩዎ) ሩስያውያን ኣማኸርቱ ዝማረኸ፣ ትእምርቲ ኤርትራ ኢዩ። ብወገነይ እዚ ጠላም ስርዓት ተኣልዩ፣ ታሪኽ ናብ ዋናታቱ ምስ ተመልሰ፣ ዓሊን ካልኦት ዓሊታትን፣ ኣብቲ ከም ትእምርቲ ጽንዓት ተጋዳላይ ክሳብ ሕጂ ምስልታቱ ዘይጠፍአ ድፋዓት ናቕፋ፣ ኣብ ክብ ዝበለ ርኡይ ቦታ ሓወልትታቶም ክስራሕ ይግበኦ በሃላይ ኢየ።

የማነ በርሀ (ሻባይ)

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፣ የማነ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ኢዩ ነይሩ። ኣባላት ናይተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ኣሃዱታት፣ ‘ሓይሊ 32’ ካብ ምባል ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ኣብ እዋን ሰላም ወድ በርሀ ኩሉ ኢዩ። ኣብ ጭርቃን ተጫራቓይ፣ ኣብ ጸርፊ ተጻራፋይ፣ ኣብ ፖሊቲካ መዳራይ፣ ኣብ ጓይላ ሳዕሳዓይን ኣቦጓይላን ወዘተ። ኣብታ ሓይሊ ‘ብወዲ በርሀ ዘይተጸርፈን ዘይተጨርቀሉን ነይሩ’ ንምባል ዝከኣል ኣይመስለንን። ንኹሉ ምስ ጭርቃን ኣሰንዩን እናሰሓቐን ስለዝገብሮ ግን ቅርሕንቲ ወይ ቂም ዝሓዘ ሰብ እንተልዩ’ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

ድሕሪ’ቲ ነዊሕ ናይ ምዝላቕ ጉዕዞ፣ ኣብ መፋርቅ ወርሒ መጋቢት 1979፣ እተን ኣብ ግምባር ናቕፋ ዝነበራ ብርጌዳት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ከባቢ ኣስመራ ኣትሒዙ ደድሕረና ዝሰዓበ ጸላኢ፣ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካይደን ነይረን። ነቲ ግምባር ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪስና፣ ሕዳይ ቅልቅል ክንብል፣ ኣብ ‘ኢትሓልበብ’፣ ጸጋም ካብ ጽርግያ (ሸነኽ ምብራቕ) ዝነበረት ነዋሕ ጎቦ፣ ዓሪዱ ዝጸንሐ ኣሃዱታት ጸላኢ ‘ምንቕ‘ ክብል ኣይከኣለን። ናብታ ብዙርያኣ ብጸድፊ ዝተኸበት ነዋሕን በላሕን ጎቦ ዝተጸግዐ ተጋዳላይ፣ መደያይቦን መእተውን ስኢኑላ። ሓይልና ሽዑ ነታ ካብ ጽርግያ ንምዕራብ (የማን) ዘላ ‘እንዳ ሓሰር’ ዝበልናያ በላሕ ጎቦ ከተጥቅዕ ተኣዚዛ። እንዳ ሓሰር ንውሽጢ እትው ዝበለት ኮይና፣ ናብኣ ክትድይብ እንተፈቲንካ እቲ ብየማነ ጸጋማ ዘሎ ሓይልታት ጸላኢ፣ ብድሕሪት ብሕቖኻ ኢዩ ዝሃርመካ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ከባቢ ኢትሓልበብ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ኣሃዱታት። ብጉያን እናተጠዋወናን፣ ኣብ እግሪ እታ ታባ ምስ በጻሕና፣ እቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ዘይኮነስ፣ ብኽልተ ጎድንና ዝነበረ፣ ብካላሽናት ከነርክበሉ ዘይንኽእል ረሽራሻት ጸላኢ ፍጹም ከሰጉመና ኣይከኣለን። እዚኣ -እቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ግምባር ዝወሰድዋ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ይመስለኒ።

ነዚ ዝተዓዘበ የማነ በርሀ፣ ካብቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቦምባ ኢድ ኣኪቡ፣ ኣብ ነጸላ ጠሚሩ፣ ቀስ እናበለ ንበይኑ ነታ ታባ ደይቡዋ። ኩሉ’ቲ ዝሓዞ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ርእሲ’ታ ታባ ዝነበሩ ወታደራት ኣዝኒቡ፣ ኩሉ ዝወሰዶ ቦምባታት ምስ ወድአ፣ ከም ኢራብ እናነጠረ ኣብ ብጾቱ ተጸንቢሩ። እቲ ከም ማይ ዝዘንቦ ዝነበረ ጠያይት፣ ነቲ ከም ተመን ዝጠዋወ የማነ በርሀ ጨሚቱ ዝሃርም ኣይነበረን። እዛ ናይ እንዳ ሓሰር ፈተነ ከይተዓወተት ምስ ተረፈት፣ ሓለፍቲ ናይቲ ግምባር ነቲ ሰራዊት ናብቲ ዝነበሮ ቦታ ክምለስ ኢዮም ኣዚዞም። ነዚ ዘምጽኦ ዘለኹ ድማ ወዲ በርሀ ከም ኣብ እዋን ሰላም፣ ኣብ እዋን ኲናት’ውን ልዕሊ ሰቡ ተዋጋኣይ ምንባሩ ንምብራህ ኢየ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። ኣብ ዝሓደርናሉ ቦታ፣ ብውሑዱ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዝዓልብ ቦምባታት በጥ ኢልካ ነብስኻ ተድሕነሉ፣ ብቕድሚት ካብ ዝትኮስ ጠያይት እናተኸላኸልካ ትትኩሰሉ ድፋዕ ተዃዒቱ ክሓድር ኣለዎ። ብዙሕ እዋን፣ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ እዋን፣ ኣብቲ ድፋዓት እናተዘዋወረ፣ ኣየነይቲ ድፋዕ ነየናይ ከባቢ ክትቆጻደር ኣለዋ ዝሕንጽጽ ወዲ በርሀ ኢዩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ 1983 ዝነበረ ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር (ተኽሊጥ) ናብ ክፍለ-ሰራዊት 85 ኢዩ ተቐይሩ። ኣብኡ’ውን ብደረጃ ናይ ቦጦሎኒ ሓላፊ ይሰርሕ ምንባሩ እፈልጥ።ልዕሊ’ቲ ዝነበሮ ወታደራዊ ጥበብን ቆራጽነትን፣ እቲ ዘውጽኦ ሓደ ሓደ ቃላት ዝያዳ ሚዛን ስለ ዝተዋህቦ ወይ’ውን ብኻልእ ምኽንያት ካብቲ ዝነበሮ ሓላፍነት ናይ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ናብ መራሕ ሓይሊ ከም ዝመለስዎ ሰሚዐ። እዚ ኩነታት’ዚ ግን ኣብ ተወፋይነቱ ይኹን ወታደራዊ ክእለቱ ኣይተንከፎን። ንኣብነት፣ ኣብኡ (ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 85፣ ‘መራሕ ጋንታ ነይረ’ ዝበለኒ ሓደ ብጻይ፣ ነቲ ኩነታት’ቲ ኣመልኪቱ፣ ብዛዕባ የማነ በርሀ ከምዚ ክብል ኣዕሊሉኒ።

“ኣብ 1985፣ ኣብ ወራር ባሕረ ነጋሽ፣ ሓይልታት ህዝባዊ ግምባር ካብ ከተማ ባረንቱ ዘዝለቓሉ እዋን ኢዩ። ነታ ቅድም ንሱ ኣብ ብርገድ 51 ኮሚሳር ሓይሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝነበራ ድፋዕ (ድፋዓት ግሎፕን ፊደል ‘ተ’ን) ጸላኢ ተቖጻጺሩዋ ነይሩ። ወዲ በርሀ ዝሓዛ ኣሃዱ ናብቲ ኣብ ፊት ናይ ቀደም ድፋዕና ዓሪዱ ዝነበረ ጸላኢ ምስ መጸት፣ የማነ ፍጹም ኣይተዋሕጠሉን። ‘ጸላኢ ኣብ መቓብር ብጾትና ክሸይን!’ ክብል ይስማዕ ነይሩ። ሽዑ ነታ ንሱ ዝሓዛ ኣሃዱ ኣኪቡ፣ ኩለን ሬድዮታት ርክብ ከም ዝዕጾዋ ገይሩ። ነቲ ቦታ ከም ኣጻብዕቲ ኢዱ ኢዩ ዝፈልጦ። ብናይ ወርሒ ብርሃን ተሰንዩ፣ ኣሃድኡ መሪሑ፣ ብገለ ክፉት ቦታ ሰሊኹ ብድሕሪት ነቲ ተዛንዩ ዝነበረ ጸላኢ ሓደጋ ወዲቑዎ። ኣብ ሓጺር እዋን ድማ እታ ብኣዕጽምቲ ጀጋኑ ዝተነድቀት፣ ናይ ቀደም ድፋዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትያ። እቶም ብልሓት ናይቲ ጽዕጹዕ ተኹሲ ዘይተረድኦም ላዕለዋት ሓለፍቲ፣ ነቲ ኩነታት ክፈልጡ ደጋጊሞም ክገብርዎ ዝጸንሑ ፈተነ ሬድዮ ርክብ ኣይሰለጠን። ሬድዮታት ዕጹዋት ስለ ዝነበራ ካብ የማነ መልሲ ክረኽቡ ይኽእሉ ኣይነበሩን። ንሱ ዕላምኡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ሃረመ (ነቲ ናይ ቀደም ድፋዓት ምስ ተቖጻጸሮ) ጥራይ ኢዩ፣ ሬድዮ ርክብ ከፊቱ እቲ ኩነታት ዝሓበሮም”… ይብል።

ካልኦት ተጋደልቲ’ውን “ንሱ ኣሃዱኡ ሒዙ ብረዳት ናብቲ ቦታ ምስመጸ፣ ብኸምቲ ኣቐዲሙ ኣብ እንዳሓሰር ዝገበሮ፣ ቡምባ ኢድ ብነጸላ ጠሚሩ፣ ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ጸላኢ ተጸጊዑ ኢዩ፣ ብብዝሒ ቦምባታት ብምድርባይ ጸላኢ ቦትኡ ክለቅቕ ዝገበረ” ዝብሉ’ውን ኣለዉ። በቲ ኮነ በቲ የማነ በቲ ዘጋጠሞ ግዝያዊ ጸገም (ካብ ሓላፊ ቦጦሎኒ ናብ መራሕ ሓይሊ ምምላሱ) ከይተዳህለ፣ ኣብ ድፋዓት ግሎፕ ዕዙዝ ተራ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዝንገር።

የማነ በርሀ እምበኣር ብወታደራዊ ጥበቡን ክእለቱን ዝተኣማመን፣ ‘ክግበር ኣለዎ’ ኢሉ ንዝኣምነሉ ዕማም፣ ትእዛዝ ከይተጸበየ ብጽፈት ዝዓምም ተጋዳላይን መራሕን ኢዩ ነይሩ። እቲ ክኢላን ተባዕን የማነ በርሀ፣ ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፣ ኣብቲ ናይ ጎላጉል ውግእ ብመስዋእቲ ሓሊፉ።

የማነ በርሀ ምስ ጠባያት ተስፋልደት ስዩም ዘመሳስል ነይሩዎ፦ ብዛዕባ ተስፋልደት ስዩም ብዙሕ ኣብ ኢንተርነት ስለ ዝተጻሕፈ፣ ኣብዚ ምድጋሙ ዘድሊ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ኣብዚ ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ግን ኣሎ። ኣብዚ ኣብ ስደት ከለኹ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ዶብ ኲናት ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ‘ኢሉዎ ወይ ገይርዎ’ ኢሎም ገለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩ መንእሰያት ከዕልሉ ሰምዐ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ዝሰማዕኩዎ ምስ ጠባያት የማነ በርሀ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገረመኒ ግን፣ እቲ ኣዝዩ ተባዕ፣ ማዕረ ትብዓቱ ድማ ዘረብኡ ጥንቁቕ ዝነበረ ወዲ ስዩም “ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ስርዓት ኣመልኪቱ ብቕሉዕ ክዛረብ ጀሚሩ? እንታይ ስለ ዝተዓዘበ ኢዩ’ኸ ናብ ከምኡ ወዲቑ…? ወዘተ ክብል ወትሩ ንነብሰይ ምስ ሓተትኩዋ ኢየ።ኣብ 1978 ኣነ ካብ ታዕሊም ናብ ሓይሊ 32 ክምደብ ከለኹ፣ ወዲ ስዩም’ውን ኣብታ ሓይሊ፣ መራሕ መስርዕ ጸኒሑኒ። ኣነ ካብታ ሓይሊ ናብ ጋንታ ሃንደሳ ክስሓብ ከለኹ’ውን ኣብታ ሓይሊ መራሕ ጋንታ ከሎ ኢየ ገዲፈዮ። ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ኣስመራ (መዓስከር ቃኘው) ብዙሕ እዋን ተራኺብናን ኣዕሊልናን ኢና። ስምዒተይ’ውን ሓቢአሉ ኣይፈልጥን። ናብዚ ዳሕራይ ‘ተዛሪቡዎን ገይሩዎን’ ዝበሃል ነገራት ዘብጽሕ ባህርያት ግን ርእየሉ ኣይፈልጥን። ሓደ ‘ክኸውን ይኽእል’ዩ’ ዝብሎ ሓሳባት ግን ኣሎ። ክልቲኦም (ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን) ኣብ ነንበይኑ ግዜ፣ ኣብ ኣመራርሓን ኣተኣላልያን ናይቲ ውድብ ይኹን ዳሕራይ መንግስቲ፣ ሓደ ፍጊዕ ዝበሎም ነገር ምንባሩ ኢዩ። ከም ሓቂ‘ውን ኣይኮነንዶ ንሳቶም ቅድመይ ንሓያሎ ዓመታት ኣብቲ ገድሊ ዝጸንሑን፣ ነቲ ግናይ ኣሰራርሓ ልዕለይ ዝተዓዘቡን፣ ኣነ ድሒረ ዝመጻእኩ’ኳ ነዚ ዝገለጽኩዎን ብሕጂ ዝገልጾን ርእየን ተዓዚበን ነይረ። ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ወዲ በርሀን ወዲ ስዩምን፣ ንሓንቲ ደቒቕ‘ውን ትኹን ህይወቶም በቒቖም ዘይፈይልጡ ኣዝዮም ደፋራትን ብሱላትን ተጋደልቲ ምንባሮም ክገልጽ ደስ ይብለኒ። የማነ በርሀ ኣብ ኲናት’ዩ ተሰዊኡ። ተስፋልደት ስዩም ግን፣ በቶም ቀደም ከም ብጾቱ ኣሚኑ ኣብ ጎድኖም ዝተቓለሰ፣ ብዝኾነ መልክዕ ግን ማዕሪኡ ውፉያት ዘይነበሩ፣ እኳ ድኣ ገሊኦምስ ተሓንጊሮም ዝመጹሞ ሎሚ ናብ ጎይቶት ዝተቐየሩ ሓለፍቲ ምስ ተኣስረ ደሃዩ ጠፊኡ ኣሎ።

የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።

…. ይቕጽል

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን –ውልቃዊ ትዕዝብቲ ታደሰ ኪዳነ: በርሚንግሃም (10ይ ክፋል)

$
0
0

 

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     10ይ ክፋል         26/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ 9ይ ክፋል፣ ብዛዕባ የማነ በርሀን ዓሊ ኢብራሂምን ኢየ ተዛሪበ። ነቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ዝጸንሐ ኣብ ታሪኽ ንውልቀ-ሰብ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዘይጸንሐ፣ ንዕኡ ንምስዓር ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ ታሪኽ ናይ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ህዝቢ ዝመርሑ ውልቀ-ሰባት ስለዝኾኑ፣ ሰባት ከከም ኣበርክቶኦም ክግለጹ ጽቡቕ ይመስለኒ። በዛ ትስዕብ ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“የማነ በርሀን ተስፋልደት ስዩምን ከም ኣብነት ድኣ ቀሪቦም እምበር ካልኦት ከም በዓል ኢያሱ (ዓዲ-ቢደል) ወዲ ዘረፋ፣ ዑቕባይ (ዓድታቶም ኣይፈልጦን ኢየ) ብርሃነ ካሕሳይ (ዳሕራይ መራሕ ጋንታ)፣ ኪዳነ ገብረስላሴ (ቂጣው) ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣድናቖት ዝገደፉለይ መራሕቲ መሳርዕን ምክትላቶም ምጥቃስ’ውን ግቡእ ይመስለኒ። ኩሎም እዚኦም ግን፣ ገለ ኣብነታት ናይቶም ኣሽሓት ተጋደልቲ ጥራይ ኢዮም።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ …

 

ጨንፈር/ ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ካብ ሓይልታት ድሕሪ ምውጽአይ፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ (ጨንፈር ትምህርቲ) ከም ዝተመደብኩ ክብ ኢለ ገሊጸ ኣለኹ። ኣብ መጀመርያ ሚያዝያ 1983፣ ኣነ ናብቲ ኣሃዱ ቅድሚ ምምጽአይ፣ እቶም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ዓበይቲ ተማሃሮ፣ ብገለ ኣባላትን መማህራንን ተሰንዮም ብስም ‘መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ’ ናብቲ ብድሕሪ መስመር ዝፍለጥ፣ ሓውሲ ሓራን ተወራራሲ ቦታታትን ፋሕ ኢሎም ነይሮም። ምምሕዳሮም ድማ ብዞባታት ዝተጠርነፈ ነይሩ። እቲ ዞባታት ነቲ ኣብ መንጎ ቀንዲ ጽርግያታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዝርከብ፣ ጸላኢ ብቐሊሉ ዘይበጽሖ ከባቢታት የጠቓልል። እቲ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ዘመተ እምበኣር፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝተባህለ ጸቢብ ቦታታት ተቐርቂርካ፣ ምስ ወፍሪ ወዶ-ገባን ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ስልኳታትን እናተቖራቖስካ፣ ኣብ ዝከኣለሉ ቦታ ጥራይ ዝግበር፣ ፖለቲካ ዝዕላምኡ ወታደራውን ኣካድያሚያውን ስራሕ ኢዩ ነይሩ። ምስ ብርትዐን ድኻምን ጸላኢ፣ በብግዝይኡ ዝቀያየር’ኳ እንተነበረ፣ እቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብኣጠቓላሊ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

 

ዞባታት- ዘመተ ምጥፋእ መሃይምነት፦

  1. ዞባ ሱዳን፦ እዚ ነተን ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝነበራ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ዝመሃሩለን ኣብያተ-ትምህርቲ የጠቓልል።

  1. ዞባ ሳሕል፦ ነተን ኣብ ሓራ መሬት ማለት ኣብ ሳሕል፣ ከም ባቕላ፣ ሮራ፣

ኣግራዕ፣ ከባቢታት ናቕፋን ካልእ ከባቢታትን ዝነበራ ኣብያተ-

ትምህርቲ የጠቓልል።

  1. ዞባ ባርካ፦ ካብ ጽርግያ ከረን ኣፍዓበት ንምዕራብ፣ ካብ መስመር ከረን

ኣቑርደት ድማ ንሰሜን ኣብ ዘሎ ከባቢታት ማለት ንከባቢታት

ኣስማጥ፣ ማርያ ቀይሕን ማርያ ጸሊምን፣ ሸርኢት፣ ሃበሮ ወዘት

የጠቓልል።

  1. ዞባ ጋሽ ባርካ ፦ ንከባቢታት ሸላሎ፣ ተኾምብያ፣ ኣውጋሮ፣ ሃዳሙ፣ ዓዲ ተኽላይ፣

ዓዲ በርበረ ወዘት የኣጠቓልል።

  1. ዞባ ምዕራብ፦ ንከባቢታት ደምበላስን፣ ከባቢታት ማይድማን ትኹልን..

የጠቓልል፣

  1. ዞባ ሰሜን፦ እዚ ድማ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ከረን ንደቡብ ዝርከብ፣ ካብ

ምቁጽጻር ጸላኢ ርሕቕ ዝበለ ቦታታት ማለት ንከባቢታት ላዕላይን

ታሕታይን ዓንሰባ፣ ከምኡ’ውን ንገለ ዓድታት ላዕላይ ባርካ ማለት

ገርገር፣ ጉርዒ፣ ዓዲ-ዑመር፣ ሸበቕ፣ ዴዳ፣ ዒን፣ ክሳብ ከባቢ መንሱራ

ይዝርጋሕ።

  1. ዞባ ደቡብ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ኣስመራ – ዓዲ-ዃላ ንምብራቕ፣ ካብ

መስመር ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ድማ ንደቡብን ምዕራብን ማለት ንከባቢታት መረታ-ሰበነን መረታ ቀይሕን፣ ተድረር፣ ትምዛኣ፣ እገላሓጺን፣ ክሳብ ጾሮና ዝዝርጋሕ ኮይኑ፣ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ዓዲ-ቀይሕ ንሰሜን ድማ ንከባቢታት ዓላን ዓደረሶን’ውን የጠቓልል።

  1. ዞባ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ – ባጽዕ ንደቡብ ክሳብ ደንከል

ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንከባቢታት ፎሮ፣ ኣፍታ፣ ዙላ፣ ኢዶፋይለ፣ ባዳ፣

ወዘተ የጠቓልል።

  1. ዞባ ማእከላይ ምብራቕ፦ እዚ ድማ ካብ መስመር ጊንዳዕ – ባጽዕ ንሰሜን፣ ካብ

መስመር ከረን ኣፍዓበት ድማ ንምብራቕ ኮይኑ፣ ንከባቢታት

ሸባሕ፣ ሽዕብ፣ ገድገድ፣ መትከል ኣቤት፣ ሰለሙናን ከባቢታት

ሰሜናዊ ባሕርን የጠቓልል።

 

… ብዘይካ እዚ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ፣ ሓደ ንመዓስከር ስደተኛታት ሰለሙና (እንዳ ህዝቢ) ዝከታተል ኣካል ከም ዝነበረ’ውን ይዝረብ ኢዩ። ኩሉ’ዚ ኣከፋፍላ’ዚ ናተይን፣ ነዚ ናይ ሕጂ ጽሑፈይ ክሕግዘንን ድኣምበር፣ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ናይ ጨንፈር ትምህርቲ ከም ዘይኮነን ኣንባቢ ክርድኣለይ እፈቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም እቶም ብህይወት ዘለዉ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ብንጹር ዝፈልጡ ኣብ ኤርትራ ስለዘለዉ፣ እቶም ኣብ ስደት ዘለዉ ድማ ክዛረቡ ዘይደልዩ ወይ ድማ ክረኽቦም ዘይከኣልኩ ኢዮም። ስለዚ ከኣ ኢየ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ከቕርብ ዘይከኣልኩ። ኣብቲ እዋን’ቲ መማህራንን ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነትን ምስ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተዘራረብኩሉ ግን ክገልጽ እፈቱ።

 

በብግዜኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዞባታት፦

ነዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ዞባታት በብእዋኑ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ (ዋላ’ውን ንሓጺር እዋን) ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም። ሕጂ’ውን ኣብ ስደት ኮንካ ዝተማልአ ጽፉፍ መጽናዕቲ ከተካይድ ስለ ዘይከኣል፣ ገለ ዝተረስዐ ወይ ጌጋታት ክህሉ ከም ዝኽእል ክገልጽ እፈቱ። እዚ ግን ካብ ናተይን ካብ ገለ መሳርሕተይ ዝነበሩ መማህራንን (ካብ ዝዘከርናዮ ጥራይ) እጽሕፍ ስለ ዘለኹ፣ ንዝፍጠር ሃጓፋት ቦታ ንምግዳፍ ድኣምበር፣ ‘ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ’ ንምባል ኣይኮነን። እቶም በብከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ እምበኣር፦

 

ቃልኣብ ሃይለ፣ ጎይትኦም ተስፋዮናስ፣ ተስፋማርያም ተኸስተ – ወዲባሻይ- (ሕጂ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ እስራኤል)፣ ጸጋ ጋይም (ጓል-ሻምበል)፣ ወልደ-ማይክል፣ ሃይለ ኣልኣዛር፣ ሓኽሊ ዝበሃል (ሕጂ ስሙ ዘይዝክሮ)፣ ሃይለ መብራህቱ፣ ሃይለማርያም ኢዮብ፣ ገብረስላሴ ዮሴፍ፣ ጎይትኦም (ደጎም)፣ ዑስማን ሳልሕ (ናይ ሕጂ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ መጀመርያ እዋን)፣ ወዘተ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ሓላፍነት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ትሰርሕ ዝነበረት’ውን ኣስመረት ሃብተሚካኤል ነይራ። ንኹሉ’ቲ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝካየድ ዝነበረ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ድማ ጴጥሮስ ሃይለማርያምን መሓመድ ኑር ኣማንን ከም ዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ መማህራን ይዛረቡ። ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮም ዘለኹ ሓለፍቲ፣ ብዘይካ ሓኽሊ (ኣቐዲሙ ካብቲ ጨንፈር ዝተቐየረ) ክሳብ ናጽነት ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዝነበሩን፣ ብህይወት ዝኣተዉን ኢዮም።

 

እዞም ክብ ኢሉ ኣስማቶም ተገሊጹ ዘሎ ሓለፍቲ፣ ነቲ ብኸበሳን መታሕትን ዝፍለጥ ጅኦግራፍያዊ ምክፍፋል ወይ’ውን ንክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታትን ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራን ብልክዕ ዘንጸባርቑ‘ኳ እንተዘይኮኑ፣ ብውሑዱ ግን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጹን፣ ምስቲ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ወፍርታትን ስልኳታት ወዶ-ገባን እናተዓጻጸፉ ነቲ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዘወሃህዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢዮም። ኣብ ግንቦት 1991 ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ጨንፈር (ጨንፈር ትምህርቲ) ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ናይ ሎሚ ሚኒስተር ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ኢዩ።

 

ድሕሪ ናጽነት

ህዝባዊ ግምባር ኣስመራ ኣትዩ ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ዘቖመሉ እዋን፣ እቲ ብደረጃ ጨንፈር ትምህርታዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ትካል፣ ክፍሊ ትምህርቲ ተባሂሉ ኢዩ ክጽዋዕ ጀሚሩ። ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ (ሎሚ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተኣሲሩ ዘሎ) ድማ፣ ንዑስማን ሳልሕ ተኪኡ፣ ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ ተመዲቡ። በራኺ ብደረጃ ሚኒስተር ከም ሓላፊ ናይቲ ክፍሊ (ደሓር ሚኒስትሪ) ድሕሪ ምምዳቡ፣ ኣብ ማ/ ቤት ጽሕፈትን ኣብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን ከም ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ሰባት – ኣስማትምን መበቆል ዓዶምን እዞም ዝስዕቡ ነይሮም።

 

ማእ/ቤት-ጽሕፈት

  1. በራኺ ገብረ-ስላሴ = ሽማ-ንጉስ – ካርነሽም — ሚስተር ትምህርቲ
  2. ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ-ባሻይ) = ሽማ-ንጉስ – ካርነሽም ንቃልኣብ

ሃይለ ተኪኡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን

  1. ሰመረ ሰሎሙን (ሕጂ ኣብ ስደት ዝርከብ) = ዓዱ ኣይፈለጥኩዎን –

ንጴጥሮስ ሃይለማርያም ተኪኡ ሓላፊ ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ

ሰብን (HRD)

  1. ተስፋሚካኤል ገራህቱ = ሕምብርቲ — ሓላፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ

 

ሓለፍቲ ኣውራጃታት፦

  1. ሃይለ ኣልኣዛር = ጻዕዳ ክርስትያን – ሓላፊ ኣብያተ ትም/ኣውራጃ

ኣስመራ ( ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣስመራ ንበይና ከም ሓንቲ ኣውራጃ

ትመሓደር ነይራ ኢያ)

  1. ኣስጎዶም ካሕሳይ ዳምር = ደቂ-ሸሓይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ

ሓማሴን (ንከተማ ኣስመራ ገዲፍካ ኩለን ዓድታት ሓማሴን)

  1. ነፍሲሔር ሃብቶም ጉዱም = ዓደኮሎም – ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰራየ
  2. ኣብርሃም ርእሶም = ዓዲ-ተከለዛን (ደምበዛን) ሓላፊ

ኣብ/ትም/ኣው/ኣከለጉዛይ

  1. በኹረጽዮን ሃብተሚካኤል = ደርሰነይ (ዓንሰባ)፣ ሓላፊ ኣብ/ትምህርቲ

ኣውራጃ ሳሕል

  1. ግርማይ ገብርሂወት = ነፋሲት፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ደንከል
  2. ኣብርሃም ተኽለ = ዓደልገስ – ሰራየ፣ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣውራጃ ሰምሃር
  3. ወልዱ በርሀ = ዓዲ ቀሪጫ (ኣከለ-ጉዛይ)፣ ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ

ኣውራጃ ጋሽን ሰቲትን

  1. ኣብ ከረን ዝነበረ ሓላፊ ኣብ/ትም/ኣው/ሰንሒት ንግዝይኡ ኣይዘከርኩዎን

 

ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።

 

… ይቅጽል

 

ወዲ ተምነዎ!

$
0
0
ወዲ ተምነዎ!
ትማሊ ነዚ ንፋህማት (ንመስተውዓልቲ) ዘስደመመ ቃለ ምልልስ ደማሒ (መላኺ) ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰማዕኩ፡ ሰዓብቱ ብኸመይ ከም ዝተረድእዎ ንኽፍትሽ ኢለ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፋውያን ሃሰስ ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኩ ግዜ’ዩ፡ ኣብታ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ፡ ኣለናልካ (ኣለናልኪ) ንጎብለል ፍትሕን ሓርነትን ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ዘጥቅዕ፡ ብሓደ መንነቱ ዘይገለጸ ካድር ህግደፍ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ቀዳማይ ክፋሉ ኣንቢበ። መወዳእታኡ ንኸንብብ ከኣ ነዊሕ ተጸቢየ። እንተኾነ ጸሓፊ፡ ህግደፋዊ ብምዃኑ፡ ስርሓት ህግደፍ ድማ ጅማረ’ምበር ፍጻመ ስለ ዘይብሉ፡ ከሳሲውን ከም ካድር ህግደፍ መጠን፡ ክሱ ጀሚሩ፡ ጓዛ (ተጀሚሩ ዘይተዛዘመ) ጌሩ’ዩ ኣቋሪጹዎ። ስለዚ ድማ ሕጂ ኣነ ነዚ ሻቡ ከም ግብረ መልሲ ዘዳለኹዎ ጽሑፍ፡ ትጽቢት ስለ ዝነውሐ፡ ናብ ኣንበብቲ ከብሎ መሪጸ ኣለኹ።
እቶም ወትሩ ‘ንዚኾነ ዚነብሕ ሰብ መልሲ ምሃብ ኣይባህልናን’ዩ!’ ብምባል፡ ናይ መኸተ ድኽመቶም ንምሽፋን፡ ወትሩ ክዋራዘዩ ዝፍትኑ ህግደፋውያን ግን ኣብቲ ክልተ ክፋል ጽሑፋቶም፡ እንታይነት ወዲ ተምነዎ ማለት፡ ዓዱ፡ ሃይማኖቱ፡ ኣተዓባብዩኡን ኣስሉን (ትውልዱን) ወዘተ. ብዝርዝር ክጽሕፉ ምዃኖም’ዮም መብጸዓ ብምእታው ተፈሊዮሙና ኔሮም። ክሶም ትርጉምን መሰረትን ስለ ዘይብሉ ግን ኣይቀጸሉዎን። ብዓብይኡ ግን “ድሙስ ቀርኒ ከም ዘሎዋ ፉፍ ትብል!” ስለ ዝኾነም ጥራይ እዮም ከቋሩጹዎ ተቐሲቦም።
ከምቲ፥ “ሰብ ንሰብ ይሓምዮ፡ ናይ ባዕሉ ስለ ዘይርእዮ!” ዝብሃል ከኣ ዕሱባት መላኺውን ‘ወዲ ተምነዎ ብረት ስውእ ሒዙ ካብ ገድሊ ብምህዳም፡ እንደገና ነቲ ብረት ሸይጡ ንርእሱ ስለ ዝተጠቕመ፡ ዓቢ ገበን ፈጺሙ’ዩ!’ ክብሉ ኣብ ጽሑፋቶም ኣንቢቦሙና። ብመግለጺኦም ድማ ኣዝየ ተገሪመ። ምኽንያቱ፡ እቲ ገበነኛ ዝብሃልስ እቲ ሕድሪ ስውእ ጠሊሙ፡ ብብረት ስውእ፡ ወለዲ፣ ደቂ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ስውኣት ብኣልማማ ዝገፈዐን ሰብኣዊ መሰሎም ገፊፉ ዘሰደደን ሽፍታድዩ ወይስ እቲ ካብ ጸላኢ ዝማረኾ ብረት ሸይጡ፡ ነብሱ ዘድሓነ ሓርበኛ? እዚ፡ ንፍርዲ ሓቀኛ ልቢ እገድፎ። ናይ ህግደፋውያን ነገር ግን ከምቲ፡ “ጉደን ክወጽእ እንተ በለስ ጉድ እንዳማተን ይናዘዛ!” ዝብሃል’ዩ ነገሩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣለናልካ ኮነ ኣብ ካልኦት ንኣኡ ዚመሳሰላ መራኸቢ ብዙሓን ዝወጸ ክሲ እንተ ርኢናዮ፡ ሓደ፥ ንቃለ መሕተት ተባዕ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ምስ ታሪኽ፡ ህዝብን ሰውራን ኤርትራ ብምትሕዉዋስ፡ ነቲ ንጹርን ህያው ምስክርን ዘሎዎ መግለጺ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፡ ‘ዝንቡዕ ወይ ድማ (disinformation)’ እናበሉ ንገዛእ ርእሶም ዝንቡዕ ሓበሬታ፡ ትንታነን መግለጽን ክህቡ ሰሚዐን ኣንቢበን ኣለኹ። ገሊኦም ነቲ ወዲ ተምነዎ ዝገለጾ ታሪኽ፡ ግዜን ቦታን ብምልካዕ ‘ኣብ ከምዚ እዋን ክልተ ካልኢት ተጋግዩ፡ ምኽንያቱ፡ እቲ ፍጻመ ቅድሚ ክልተ ካልኢት’ዩ ተፈጺሙ፣ ኣይ! ኣይፋሉን እታ ኣብ ዓዲ እከለ ዝገለጻ ቦታ፡ ኣብኣ ኣይኮነትን ኔራ፡ ካብኣ ሓደ ኪሎ ሜተር ርሒቓ’ያ ተፈጺማ። ወዘተ.’ ክብሉ ክስምዑ እንከለዉ፤
ገሊኦም ድማ ‘ታሪኽ ክትትንትን ከለኻ፡ ብውልቂ ዘይኮነስ ተኣኪብካ፡ ብጉባኤ ወይ ድማ ብሰሚናር’ዩ ኪኸውን ዘለዎ፡ ወዘተ.’ ብምባል፡ ያኢ ታሪኽሲ ህዝቢ ዝምረሓሉ ስድቢ ወይ ድማ ቅዋም ተረኺቡስ፡ ሰባት ኣኪብካ ብኸምዚ ጽሒፍና ነጽድቆ ብምባል፡ ተመያይጥካ ኪጸሓፍ ኣለዎ ኢሎም ዝመጎቱውን ሰሚዕና። ኣብዚ ነቶም ናይ ግዜን ቦታን ናይ ካልኢታትን ናይ ሜትሮታትን ፍልልይ ስለ ዘሎዎ፡ ትረኻ ተጋዳላይ ተስፋይ ተምነዎ ‘ዝንቡዕ’ዩ (disinformation)’ ዝበሉ ገዲፈ፡ ነቲ ‘ታሪኽ ተኣኪብና ክንጽሕፎ ኣለና’ ዝበለ መሓዛን መጋብርቲ ኩሉ እከይ ተግባራትን መላኺ ዚኾነ ሰብ ግን ሓንቲ ኣብነት ክጠቕሰሉ ባህ እብለኒ።
እቲ ብ66 ክፋላት ዝቖመ ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተኾነ፡ ነብያት ተኣኪቦም ከምዘይጸሓፉዎ ከዘኻኽሮ እደሊ። ዝተፈላለዩ ቅዱሳን (ነብያት) ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ኮይኖም እዮም ጽሒፈሞ። ሓቂ ስለ ዝኾነ ኸኣ ንሓድሕዱ ዝመላላእ እምበር ዝጋጮ ወይ ዝቃረን ዋላ ሓንቲ ቃልውን የብሉን። ስለዚ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ኩሉ ዘዝፈልጦ ምስ ጸሓፈን ምስ ኣዘንተወን ሽዑ ኢኻ ናይ ኩሉ ኣኪብካ፡ ዘድሊ እርማት ብምግባር፡ ብምንጽጻርን ብምምልላእን ሓደ ምእ ታሪኽ ኪጸሓፍ ዚከኣል። ብተወሳኺ ኣብዘን ክሳዕ ሕጂ ብገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ ተኻይደን ዘለዋ 38 ክፋል ቃለ መሕትታት፡ እንትርፎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስልጣኑ ንምሕላው ዝተጠቀመሉ ክፋእን ተንኮልን ምግላጽ፡ ካልእ ዝተንከፎ ወይ ዝገለጾ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ሰውራ ኤርትራ የለን። ኣብዚ እቶም መኻፍልቲ ኣበሳ ደማሒ (መላኺ) ዝኾኑ ሰባት፡ ብውልቆም ኣብ ገበናት መላኺ ስለ ዝተኻፈሉ ተተንኪፎም ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ ከቐንዝዎም ይኽእል’ዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዝብሎ፥ “ብዘይነገርካ ኣይትበኣስ፡ ደሓር ከይትጣዓስ!” ስለ ዚኾነ ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምቕራብ ከየሕፍሮም ክጥንቀቑ’የ ዝመክር።
ውልቃዊ ገበኖም ከይቅላዕ ክብሉ፡ ፈርጊ (ጋቢ) ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተጎልቢቦም፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ንኸይስነድ ምኽልካሎም ግን ቅቡል ኣይኮነን። ስለዚ፡ ነቲ ኣነዋሪ ታሪኽ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስቲ መዘና ኣልቦ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብምትእስሳር ክደባልቑዎ ኣይፈትኑ። ብተወሳኺ ነቲ ወዲ ተምነዎ፡ ቦታ፡ ዕለትን ስም ውልቀ ሰባትን እናጠቐሰ ዝተንተኖ ፍጻመ፡ ንሳቶምውን ብኸምኡ ደረጃ፡ ነቲ ዝህብሉ ዘለዉ ኣሉታ ምላሽ፡ ጭብጢ ብጭብጢ እናሰነዩ ደኣ ዘይሓቅነቱ ከረድኡ ምፈተኑ’ምበር፡ ኣልዕል ኣቢልካ፡ ብዘይዝኾነ ኣእማኒ ምጉት፡ ንወዲ ተምነዎ ብምዝላፍ ኣይኮነን ዝብዳህ! ከምቲ “እንዳባ ከይሲ እንተ ነፍዑ ብነፍጢ፡ እንተ ሓመቑ ብሸፍጢ!” ዝብሉዎ ግን ተማጻደቕቲ፡ ብሽፍኑ ስም ስውኣት፡ ህዝብን ሃገርን እናልዓሉ ምፍርራህ፡ ሞዳኡ፡ ማለት ፋሽኑ ዝወደቐ ኣረጊትን ድሑርን ሜላ ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። ሎሚ በዚ ዝደናገር የዋህ ዜጋ ከምዘየለ ንህግደፋውያን ክበርሃሎም ኣለዎ። “ዓሻ ከም ነጋሪኡ፡ መጥሓን ከም ወቓሪኡ!” ስለ ዝኾነ ግን ከም ኣመሎም ንገለ የዋሃት ንግዜኡ ከየደናግሩ፡ ንሓሶታቶም ናይ ምቅላዕ ስራሕና ኪዓዝዝ ኣለዎ በሃላይ እየ።
በዚ ኣጋጣሚ ንገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሎ፥ ከምቲ ምስላ ኣቦታትና፥ “ዓይኒ ዘይንብዓል ዕዳኣን ጸላኢኣን ንምርኣዩ ትጸልኦ የብላን!” ዝበሎ፡ ህግደፋውያንውን ከም ንሓቀኛ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝትንትን ሰብ ጌሮም ንምስምዑን ንምርኣዩን ዝጸልእዎ የብሎምን! ስለዚ፡ ህግደፋውያን ዓቕሊ ኣጽቢቦም ጠራዕራዕ እንተ በሉ፡ ተባዕ ተጋዳላይ፡ ከፋት በሪ ታሪኽ፡ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ ድምብርጽ ከምዘይብለካ ርግጸኛ’የ። ቅድሚ ኹሉ ዝስራዕ ግን ኩነታት ጥዕናኻ እዩ’ሞ እቲ ልዑል ፈጣሪ ምእ ምሕረት ክህበካ እናተመነኹን ኣብታ ትንፋስ ዝረኸብካላ ህሞት ድማ ብዛዕባ’ዚ ብዘይዕረፍቲ ብጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝብኻ ከይተሓለልካ ክትሰርሕን ተንኮላት ደማሒ ብምኽሻሕ ሓቂ ንምብሳሩ፡ ነቲ ዕውት ወፍርኻ ክትቅጽሎን እላወበካ።
ንነባሕትን ተሓባበርቲ ገበነኛታትንውን እዝኒ ኣይተሃቦም። ንኽንደይ ሰባት ካብ ድቃስን ካብ ሕልምን ኣባራቢርካ፡ ኣጽዋር ሓቂን ንቕሓትን ኣዕጢቕካ ኢኻ’ሞ ሃገርና ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ናታ ህዝባዊ መንግስቲ ንኽትተክል ጉዕዞኣ ዳርዩ (ቀሪቡ) እዩ። ሃየ ኣብዛ ቮላታ ብስም’ቶም ንሰላምን ራህዋን ህዝቦም ክቡር ህይወት ዝበጀዉ ሰማእታትና ሓቦ ተዓጢቕካ ቀጽል። እንተ ናይ ህግደፍ ነገር ግን፡ “ደርሁየ ብኣኻትክን ሓፊርና፡ ማይ ሰቲኽን ስለ ዘይትሸና!” እዩ ኮይኑና። በል እስከ ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፡ በዛ እትስዕብ ናዕታ ኣቢለ ንስለ ክብርኻ ማሰ ክብል ፍቐደለይ?
ወዲ ተምነዎ!
ማሰ ማሰ ማሰ…….ሰዶ ሰዶ ሰዶ
ኣቱም ሰብ መረባዕ ሰብ *መርጡል ሰብ ኣጉዶ  *ቪላ፡ ኣዳራሽ
ኣቱም ሰብ ጭማራ ሰብ ሕላስ ሰብ *ጉዶ       *ጉራደ፡ ሽቶል
ታሪኽ ርብዒ ዘመን ተስፋይ ዝሰነዶ
ክፍኣት’ዞም ጉጅለ ገበን ሰሚዕኩምዶ?
እዞም ገበርቲ እከይ ውሑዳት ዘይረብሑ
ክፍኣቶም ከይቅላዕ ስለ *ዝገብሑ             *ዝረዓዱ
ጉድለቶም ኣሪሞም ክንዲ ዝናስሑ
ታሪኽ ንዘልዓለ ከም ከልቢ ክነብሑ
ጻህያይ ካብ ዘራእቲ ነጺልና ክንምሑ
ሓየት ከፋት በሪ ኣፍ ልጉማት ፈቲሑ!
ሕሉፍ ገበናቶም’ወ ናብ ህዝቢ ከይቕላዕ
መላኽን ሰዓብቱን ኢሉዎም ጸላዕላዕ
ዘይጽወር ኮይኑዎም ትም ኢልካ ዘይስማዕ
ታሪኽ ንኽቀብሩ ጀሚሮም ጠራዕራዕ!
ታሪኽ ናይቲ እኩይ ተመቃሊ ሞባእ
ዝኣለሞ ተንኰል ጀጋኑ ንምጥፋእ
ካብቲ ባሕሪ ገበኑ ገሊልካ ዘይውዳእ
ብጭልፋ ቀዲሕካ ዝበልካና ጆባእ
ሓየት ሰባር ስቕታ ድምጽኻ ኣይጥፋእ
ኣዕልለና ደኣ ዝተሓብአ ይውጻእ!
እዚ ምስሉይ መላኺ ኣብ ስልጣን ኪነብር
እከይ ተግባራቱ ካብ ህዝቢ ኪስውር
ናባኻ ኪነብሕ ሓቂ ከይትምስክር
ስምካ ዘጸልሙ ዕሱባት ከዋፍር
ላዕልን ታሕትን ኢሉ ጀሚሩ ከዕገርግር!
ክንደይሻዕ ህዝብና ኪነብር ኣብ ከውታ
ጸሓይና በሪቓ ኪኸውን ወጋሕታ
ኣንታ ማህደር ታሪኽ ዘይብልካ መሰታ
ግለጾ’ቲ ምስጢር ተዛረብ ብዓውታ
*ደማሒ ብህይወት ከይቕጽል ጸወታ      *መላኺ
ነዛ ሃገር ምስ ህዝባ መክት ንድሕነታ!
ዕሱባት መላኺ ክሰልቡ *ኣብሪምና        *ልብና
ቁስልና ክጎድኡ ኣብታ ተሕመና
ንኣኻ ንተስፋይ ናይ ጀጋኑ ጅግና
‘ብረት ስውእ ሸይጡ ሃዲሙ’ ኢሎሙና!
ቁንጣሮ ጉጅለ *ሕፍንቲ ዘይኣኽሉ          *ዕማኾ
ገበኖም ንምስታር ዝተመሓሓሉ
ንስውእ ጠሊሞም ቃል ዝኣተውሉ
ብረቱ ኣልዒሎም ደቁ ዝቐተሉ
ንወዲ ተምነዎ ከዲዑ እንተ በሉ
እስከ ሰብ ሕልና ፍርድኹም ሃቡሉ
መኖም’ዩ ንስውእ ዝያዳ በዲሉ?
እንተ ንመላኺ እንተ ነዛ ነብሶም
ብሕሉፍ ገበኖም ህዝቢ ከይኸሶም
ይቕሬታ ከይሓቱ በደሉ ክሒሶም
ስቕታ ዝመረጹ ኣፎም ተዓቢሶም
ሓቂ ዘይገለጹ ማሕለኻ በንጢሶም
ክንደይ ከይቐስኑ ከይሓድሩ ደቂሶም!
ወዲ ተምነዎ ግን ንራዕዲ ስዒርካ
ስረ ናይ ጅግንነት ብትብዓት ዓጢቕካ
ንድሕነት’ዚ ህዝቢ መስዋእቲ ከፊልካ
ተንኰል ናይዚ እኩይ ስለ ዝኸሻሕካ
ሃምበል ዜጋ ኢኻ ሰማእታት ዘቕሰንካ
ብስም እዛ ሃገር ምስጋና ይብጻሕካ!
ዕድመን ጥዕናን ነቲ ከፋት በሪ ታሪኽ ዝኾነ ሓርበኛ ተጋዳላይ፡ ኣቦና ተስፋይ ተምነዎ።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 27/11/2013

መርሓባ ንኹሉ ንፍትሒ ዝነቐለ ዜጋ

$
0
0

ዮውሃንስ ጸጋይ  (ለንደን)  28 November 2013

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡

 ኣብዛ  ሓጻር  ጽሑፈይ፡  ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ዝበጋገስ ዘሎ ንቕሎ ንፍትሒን ምትካል ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራን፡  ኣብ ቅድሚ’ዚ ማዕበል ሓፋሽ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሃሳዪን ምድንጋር ዝዕላምኡን  ጽሑፋትን ዘመተታትን:  ናትና ከም ኤርትራውያን ክኸውን ዘለዎ ግብረመልሲን፡  ኣመልኪተ፡  ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ  መልእኽተይ  ከሕልፍ  ኢየ።

Download (PDF, Unknown)

ዝመረረ ተመክሮ ህይወት: መሰረት ጽኑዕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!!

$
0
0

ዝመረረ ተመክሮ ህይወት

መሰረት ጽኑዕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!!

ዑቕባይ ገብረመድህን ( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

28 ሕዳር፡ 2013

—————————–

ባህሪ ኣብ ጣዕሚን ህድኣትን ኪምዕብል ኣይኽእልንዩ።

ብናይ ፈተነን ስቓይን ተመክሮ ጥራይ ኢዩ ነፍሲ ኪሕይል፣

ድልየት ኪበራበር፣ ዓወት ኪርከብ ዝከኣል።”– (ሀለን ከለር፡-ኣዒንታ ዓዊራ፣

ኣእዛና ጸሚማ፣ ኣፋ ተዓቢሳ፡ ካብ ሓሙሽተ ህዋሳት ሰለስተ ወሰንቲ

ስኢና ዝተወልደት ኣመሪካዊት ክነሳ፡ ተኣምር ጥራይ ኪበሃል ዚከኣል

ሓድጊ ገዲፋ ዝሓለፈት ኣብነታዊት ሰብ ኢያ ኔራ።)

 

(“Character cannot be developed in ease and quiet.

Only through experience of trial and suffering

can the soul be strengthened, ambition inspired,

and success achieved.” Helen Keller)

————————-

     ባዕዳዊ ሓይሊ ጨቊኑ ብምግዛእ ደም ከንብዓካ’ምበር ጠስሚ ኪለኽየካ ኣይመጽእን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተረዲኡ፡ ዘይነጽፍ ኒሕን ዘይነቅዕ ጽንዓትን ተዓጢቑ፡ ብውሑድ ሓቕሚ ሰብን ንኡስ ንዋትን መሪር መስዋእቲ ከፊሉ፡ ንዓለም ብዘገረመ ሰንሰለት መግዛእቲ በንጢሱ ካብ መዓሙቕ ጸልማት መግዛእቲ ናብ እምባ ብርሃን ናጽነት ቦሎኽ ኢሉ። እንኮ ሓጢኣቱ ናጽነተይ ንዝበለ ከም ኤርትራ ንእሽቶ ሃገርን ውሑድ ህዝብን፡ ምስ ብዕስራ ኢድ ዝገዝፎ ሓይሊ መግዛእቲ፡ ዝርያ ሓያላን መንግስታት ተሓዊሱዎ ናጽነቱ ኪንፈጎ ኸሎ፡ እዛ ሓላል መሬት (EARTH) በታ  ሓይሊዩ ቅኑዕ (Might is Right) ዝብል ሓደገኛ ዕላማ ሒዛ እትጐዓዝ ሰብ-ዝሰርሓ ፍትሒ ዝሓረማ ዓለም ተዓብሊላ ከም ዘላ’ዩ ዘረጋግጸልካ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ኣብ መስዋእትን ዕንወትን ተሸኺሉ፡ ብብዝሑ ከይስስን ብምዕባለ ከይስጕም ዝተኸልከለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ርእሲ ኹሉ እፎይታ ሰላም ረኺቡ ናብ ብሩህ መጻኢ ኪጥምት ምተገብኦ።

ኣይኮነሉን ግን። ዘይተጸበዮ ሕሱም ኣጋጢሙዎ። እዋን ናጽነት ካብቲ እዋን መግዛእቲ ዝጸልመተን ዚመረረን ኪኸውን መን ይጽበዮ! ኣብ ዝባን መሬትን ህዝብን ዚረአ ዘሎ ናይ መሪር ዝመረረ ሓቂ ግን ንሱ ኢዩ። ክትዝርዝሮ ምፍታን እውን ካብ ባሕሪ ብርብዒት ምቕዳሕ ኮይኑ’ዩ ዚተርፍ። እቲ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤት ዚኣተወ ዕምቈትን ስፍሓትን ሃገራዊ ማህሰይቲ ብግቡእ ንምግምጋም መዳርግቲ ዘይብሉ ልዕሊ ዓቕሚ ቃላት ኢዩ እንተ በልኩ ምግናን ኣይከውንን። ብጽንዓት ንልዕሊ ሓደ ወለዶ ተቓሊሱ ብርእሰ ሓያላን ንዝተደገፈ ገዚፍ ሓይሊ መግዛእቲ የዕኒዩ ብዓወት መሰስ ዝበለ ህዝቢ፡ ናጻ ምስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓደ ወለዶ  ዕድመ  ብዝተዓጻጸፈ ኣብ ክንዲ ዚስስን ኣብ ፍጹም ጥፍኣት ናይ ምግምጋሙ ሕንቅልሕንቅሊተይ ብኸመይ ክትርድኦ ይከኣል? ምስ ዘይትርድኦኸ ክትገልጾ ይከኣልዶ?

ዕርቃን ሽፍታዊ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢስያስ ምሉእ ተቓሊዑ ሓቀኛ መንነቱን ዕላማኡን ስጡሕ እኽሊ ካብ ዚኾነና ዓመታት ሓሊፉዎ ኢዩ። ንዕኡ ኣብ ምኽሳስን ምርጋምን ተሓጺርና፡ ጐሲናዮ ክንሓልፎ ዝጸናሕና መሰረታዊ ሕቶ ግን ኣሎ። ከመይ ኢልና ናብዚ ደልሃመት ክንወድቕ ክኢልና?  እቲ ምስጢር መልሲ ንግዳም ብምጥማት ዘይኮነ ናብ ውሽጥና ብምጥማትን ብኽፉት መንፈስ ብምፍታሽን ጥራይ ዚርከብ ምዃኑ ምግንዛብ የድልየና። ኣብዚ ናይ ሞትን ህይወትን፡ ናይ ጥፍኣትን ድሕነትን ህሞትና ኸኣ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ከም ህዝቢ ንሓዋሩ ኣደልዲልና ክንረግጽ እንተ ኾይኑ፡ ብሓባር ውሽጥና ፈቲሽና  ነቲ ጠንቂ ጥፍኣትና ብግቡእ ክንርዳእን መፍትሒ ክንረኽበሉን የድልየና። እስከ ንሕሰብ፡ ሓረስታይ ግራቱ ብግቡእ ሓሪሱ ኣብ እዋኑ ዘሪኡ ምስ ኣብቈለ፡ ብጻህያይ ኪጕበጥን ኪሕነቕን እናረኣዮ ትም እንተበለ ጻማ ጻዕሩ ምህርቲ ዚሓፍስዶ ይመስለኩም? ጻህያይ ክርዳድን ሓርኢ-እኽልን ኣብ ግራቱ ገና ውልዶ ከሎ እንተ ዘይተጻህዩን ተማሒዉን፡ ኣብ እዋን ዓጺድ ይኹን ኣብ ዓውዲ ምስ ወደቐ ኪእለ ዝከኣል ኣይኮነን።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዚሓለማን -ሓዳስ - ኢሉ ዝሰመያን እዛ እንርያ ዘለና ምርኣይ ምግጋይ ዝኾነት ኤርትራ ኢያ። ብተኻታታሊ ኲናታት ሓይሊ ሰባ ዝደኸመ፣ ምእንቲ ህዝቦም ዚሰንከሉ ጀጋኑ ደቃ ብጥይት ኪረግፉ ኸለዉ ረዳት ዚሰኣኑላ፣መሰልና ዝበሉ ተመሃሮ ዩኒበርሲቲ ናብ ህይወት ዘይሰፍሮ ንመቕጻዕቲ ተጓሪቶም ንሞት ዝተፈርዱላ፣ ፍቕሪ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፡ ናይ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ባህላ ዝተበከላ፣ ህዝባ ካብ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ንላዕሊ ብድሑር ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዝተፈላለየላ፣ መልክዓ ዝተደወነ፡ ትብዓታ ዝተዳህለ፡ ኒሓ ዝዓበረ፣ደቃ ኣብ ክንዲ መኣዲ ትምህርቲ ንወፍሪ ባርነት ተፈሪዶም ግደ ስደትን ጥፍኣትን፡ ቀለብ ጸሓይ ምድረ በዳ ሰሓራን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን፡ ቀለብ መሸጣ ባርነት ዕዳጋ ኰላሊት ሲናይን ዝኾኑላ፣ ብኹሉ ዝጸልመታ ኤርትራ ሓሊሙን ኣተግቢሩን እነሆ። እቶም ብኣፍና ንዀርዓልኪ እንብላ ዜጋታታ እዚ ኹሉ ኣበሳ ኪፍጸም ኣበይ ኔርና?! ብሓባር ክንምልሶ ዝግባኣና ከቢድ ሕቶ’ዩ።

ብኽቡር ኣዕጽምትን ንጹህ ደምን ላህመት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝመጸ ናጽነትና ጻህያይ ዘርኢ ክርዳድ ከይዕብልሎን ከይዕፍኖን ካብ ንጕሆኡ ንምጽሃዩን ንምጽራዩን ኣይተዓጠቕናሉን። ከምቲ ሕማቕ ሓረስታይ ዘሪኡ ንዘብቈሎ ብጻህያይን ምጕያን ኪዕበጥን ኪሕነቕን ዚሓድጎ፡ ናጽነትና በቶም ሕድሪ ስዉኣት ጠሊሞም ባህጊ ህዝቢ ዘጸልመቱ ቖንጠጠፈ ኪሕነቕ ትም ኢልና ርኢናዮ። ሳዕቤኑ ኸኣ እነሆ፡ ኣብ እዋን ተኻታተልቲ መግዛእቲታት ዘይተራእየ ጥፍኣትን ጸልማትን ኣብ ልዕሊ እዛ ሓላል መሬትና ይዝምቢ። እቲ ክንጥምቶ ዘይከኣልና ሓቂ፡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ብዝራሕራሕናሉ ህዝባዊ ስልጣንና ይረግጸናን የጽንተናን ምህላዉ ኢዩ ። መፍትሒኡ ኸኣ ስልጣንና ምምላስ ጥራይ ኢዩ።

ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ፣ ንዘልዓለም ዚቕጽል ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ዕርበትን ጸልማትን ስለ ዘየሎ ኸኣ፡ እነሆ ሎሚ እቲ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብነድሪ ማዕበል ድምጹ-ይኣክል! ይኣክል ውርደትን ጥፍኣትን! -ይብል ኣሎ። ደጊም እዚ ዝተወሃሃደ ህዝባዊ ነድሪ’ዚ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልን ስልጣንን ዘይብሉ ከይሲ፡ ዝረገጾ ሃደሽ ኣቢሉ ናብ ናይ ታሪኽ ጐሓፍ ናይ ምጕሓፉ ጊዜኡ ዝኣኸለ ይመስል። እቲ ዚዓበየ ዕማም ኣብ ዝባንና ዚህሉ ግን፡ ነዚ ዛጊት ብድሑርን ኣዕናውን ተግባሩ ቦዅቢኹ ዘሎ ሽፍታዊ ስርዓት ምእላይ ኣይኮነን፤ ኣብ ዑናኡ ከመይ ዝበለት ኤርትራ ንሃንጽ ኢዩ።

እታ ክቡር ኣዕጽምትን ንጹህ ደምን ላህመት ደቃ ኣብ ከብዳ ዘእተወት፡  ራኢ ሓርነት ህዝቦም ልዕሊታ መተካእታ ዘይብላ ህይወት ብምስራዕ ዝወደቑላ ሓላል መሬት፡ ሕድሮም ህያው ዝኾነላ ሃገር ንምህናጽ ዚለዓለን እንኮን ዕላማና እንተ ኾይኑ፡ ጕዕዞ ፓለቲካዊ ርጋጽና መርማርን ጽጹይን ኪኸውን ግድን፤ ካልእ ምርጫ የብልናን። ቀሊል ጕዕዞ ከም ዘይኮነ፡ ኣብዚ መንነት ሽፍትነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብኣረሜናዊ ተግባሩ ዕርቃኑ ወጺኡ  ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ኣዳዕዲዖም ዝድግፉዎ ንጐኒ ገዲፍና፡ ዋላ ካብቶም ከም ተቓወምቲ ዝፍለጡ ዜጋታት እውን ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ከም ዝተቓለሰ ዝርእዩን ዝከራኸሩሉን ኣይተሳእኑን። ኣብዚ ዕስራን ክልተን ዓመታት፡ ብፍላይ ግን ካብቲ ኢሳያስ ካብ 2001 ጀሚሩ ምልካዊ ስርዓቱ ዚኣወጀሉን፡ ኣዳዕዲዑ እንታይ ማለትዩ ደሞክራሲ? . . . ምርጫ ዝበሃል ኣይክህሉን  ኢዩ . . .ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ -ኣርባዓ ዓመታት” – ብምባል ዘባጨወሉ፡  ብስም ቃልሲ ንደሞክራሲ ኣብ ደምበ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብተን መሰረት ደሞክርሲያዊ ሓይሊ ህዝቢ ኪኾና ትጽቢት ዝግበረለን ሲቪክ ማሕበራት፡ ኣብቲ ልዕሊ ኹሉ ዝተወጽዐ ደምበ መንእሰያት በብዓይነቱ ዘልሓጥሓጥን ምፍንጫልን ኪረአ ጸኒሑን ኣሎን። እቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ፡ ንጹህ ድልየት ናይቲ መብዛሕትኡ ተቓላሲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ኢዩ። ግን ዕምቈት ኣተሓሳስባ ዘይሓትት ጉዳይ እንተ ኣሊዩ፡ ኣብ መንጎ ሽሕ ዓሰርተ ዝተወደቡ ዘረግቲ ከድምዑ ከም ዝኽእሉ ዚከሓድ ኣይኮነን። እዚ ኢዩ ኸኣ ንደሞክራሲያዊ ቃልሲ ኣዚዩ ሓያልን ጽንኩርን ዝገብሮ። ኣብዚ እዋን’ዚ ውዕዉዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጢ ጀሚሩ’ሎ። ኣብ መንጎ’ዚ ንጹህ ህዝባዊ ጻውዒት ንመሰረታዊ ለውጢ፡ ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዞም ዝጐዓዙ ከም ዚህልዉ ክንህመለሉ ዘይግባእ ተርእዮ ኢዩ። ኣብ ዓለም ብጸቢብ ረብሓ ዚጐዓዙ፡ ምውህሃድን ሰላምን ህዝቢ ዘይወሓጠሎም ፍጥረት ሰባት እንተ ዘይህልዉ፡ ዓለም ብዘየቋርጽ ኲናታትን ምጽናት ንጹሃትን ኣይምጸልመተትን፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳግማይ ጸልማት ህይወት ኣይምተሸመመን። ስለዚ፡ ነባሪ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን፡ ራህዋን ሰላምን ህያው ዚገብር ትርጉም ዘሎዎ ቃልሲ ከነካይድ እንተ ድኣ ዓጢቕና፡ ኣብ ክንዲ ሚሐ ጸቢብ መንፊት ክንጥቀም፡ ሓሙሻይ መስርዓት ከይሳዕረሩ ጐሊልና ከነውጽእ ክንክእል ይግብኣና። እዚ ሓደጋዚ ጐሊሑ ዝረአ ኣብቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ምዃኑ ጋህዲ ነገር ኢዩ። ርእሲ ኹሉ ካብ ህቡባት ንጠንቀቕ፣ ካብ ኢሳያስ ንመሃር፤ ንምልኪ ብኻባ ህቡብነትዶ ከይኮነ ኣቲዩዋ። ናይ መወዳእታ ግን ኣይኮነን፣ ከምኡ ወትሩ ኪህልዉ ኢዮም፤ምዕዋቶምን ዘይምዕዋቶምን ግን ደረጃ ንቕሓትናን ድሉውነትናን ኢዩ ዝውስኖ።

ብሰሪ ካብ ታሪኻዊ ተመክሮታትና ዘይምምሃር፡ ዚሃሰዩና ጌጋታት ዝደጋገምናሉ ጊዜ ውሑድ፡ ዝሓለፍናዮ መዋእል ሓጺር ኣይኮነን። ነዚ መሪር ትምህርቲ’ዚ ብግቡእ ነቒሕናሉ ብሕጂ ንእንተኽሎ ህይወት ሓርነት ብሸለልትነትናን ብጸቢብ ፍልልያትናን ንፋስ ከይነእትወሉ ከም ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ብስም ስዉኣትናን ብኸንቱ ዝጠፍኡ ደቅናን ዘይገሃስ ቃል ክንኣቱ የድልየና። ሓርነት ብጓይላን ዳንኬራን ውሕስነታ ከም ዘይረጋገጽ ብመሪር ተመክሮ ተማሂርናዮ ኣለና። ሓርነት ትኩር ዘለዓለማዊ ሓለዋ ዘድልያ ምኽንያት እቶም ደቂሶም ዘይሓድሩን ኣድቢዮም ዝጽበዩን ናይ ውሽጢ ጸላእታ ሓሙሻይ መስርዕ ብቐሊል ኪልለዩ ስለ ዘይከኣል ኢዩ። ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ዚጣበቕ ሓያል ናጻ ፕረስ ብምትካልን ናጻ ሲቪካዊ ማሕበራት ብምምዕባልን ጥራይ ኢዩ ኸኣ፡ ነቶም ነቐዝ ርግኣትን ሰላምን፡ መርዚ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝኾኑ ክርዳድ ሃገር ብውልዶ እናጸሀኻ ውሕስነት ሓርነት ዚራጋገጽ።

ኣብዚ ካብ ዝኾነ እዋን -ፍጹም ይኣክል! – ብምባል ናይ ሞትን ህይወትን ቃልሲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ታሪኻዊ ሓላፍነት፡ ኣብ ኣተሓሳስባን ግብርን መሰረታዊ ለውጢ ዚሓተና፡ ካብ ንህሉው ኩነታት ንዚሓለፈ ዘመጕስ ተርእዮ ኣሎና። -ዓሚ ይሓይሽ! – ዝብል ብሂልና፡ ኣንፈት ጕዕዞ ታሪኽና ኣብ ክንዲ ናብ መጻኢ ብተስፋ፡ ናብ ሕሉፍ ብናፍቝት ክጥምት ከም ዚጸንሐ ኢዩ ዚሕብረና። ነጸብራቕ ናይ ዘይባህሪያዊ ኩነታት ዘይባህሪያዊ ኣጠማምታ ምዃኑ ኣየካትዕን፤ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንቅይሮ ኸኣ ይግብኣና። ንምቕያሩ ክንክእል ግን -መረዳእታ መጀመርያ ሓርነትዩ – ከም ዝበሃል፡ ስለምንታይ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት፡ ማለት – እቲ ሓጺር ዕድመ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ፈደረሽን ብመግዛእቲ ሃይለስላሴ ምስ ተወርሰ ዓሚ ይሓይሽ ተባሂሉ፣ ስርዓት ሃይለስላሴ ብደርጊ ተገምጢሉ መግዛእቲ ምስ ከረረን ምስ መረረን ዳግም ዓሚ ይሓይሽ  ተባሂሉ፣ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈሪሱ ኣብ ዑናኡ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኪትከል ትጽቢት እናተገብረሉ፡ ኣብ ታሪኽ መዳርግቲ ዘይብሉ ዕንወትን ምጽናትን፡ ድሕረትን ምጽልማትን ስዒቡ – እቲ ዓሚ ዝብሃል ኣዚዩ ርሒቑ፡ እቲ መሰነይታኡ  ይሓይሽ ዝብል ቃል ተረሲዑ ነእምሮ ፍጹም ዘደንዘዘ ህይወት ይሕለፍ ምህላዉ ኣዕሚቝና ምስ እንርዳኦ ቀዳማይ ሓርነትና ይኸውን። እቲ ዓሚ ይሓይሽ ዝብል ብሂል ጭብጢ ኣይነበሮን ወይ የብሉን ኣይኮነን እቲ መጎተይ፣ ባህሪያዊ ኣይኮነን ኢዩ። እቲ ባህሪያዊ ኣንፈት ጕዕዞ ህይወት ብርእሰ ምትእምማን ሎም ዘመን ካብ ዓሚ ይሓይሽ፡ ንዓመታ ኸኣ ካብ ሎሚ ዝበለጸ ኪኸውን ኢዩ ኪበሃል ከሎ ኢዩ። እምበኣር ቃልስና ኣንፈት ታሪኽና ካብ ዕጉብ ሎሚ ናብ ትስፉው ጽባሕ ንምቕያሩ ኪኸውን ይግባእ።

 

እዚ ባይታ’ዚ ምስ ተረጋገጸ ኢዩ ኸኣ፡ እቲ እንዀርዓሉ ሰፊሕ ኤርትራዊ ባህልና፡ ንዝወረዶ ብከላ ከም ዕፋፈት ደርቢዩ፡ ብዝማዕበለ ደረጃ ተሓዲሱ ህያው ኪኸውን ዚኽእል። ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጀሚሩ፡ ብኹሉ መኣዝናት ብዝኸፍአ ደረጃ ተሃሲዩ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕባለ ረጊጽና እፎይ ክሳብ እንብል ኣብ ዝባንና ዘሎ ብድሆ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ስምዒታት ኣወጊድና ብዕትበት ክንግዘቦ ይግባእ። ብጽሞና’ሞ ነቲ ብናይ ጥርጣረን ፍርሃትን፡ ሸለልትነትን ምስሉይነትን ዝቐበርናዮ ሕልናዊ ሓቂ ንመርምሮ፡ እቲ ፍታሕ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኢድና ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ክንርዳእ ኢና። ዘይብድሁ ንዝመስሉ ዝነበሩ ባዕዳዊ ሓይሊታት ብርእሰ ምትእምማንን ዘይጽንቀቕ ተስፋን ርእስና ዓቕኒዕና ብምቅላስ ዝተዓወትና ህዝቢ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ርእስና ምድናንና ዘይባህሪያዊ ምዃኑ ምስ ተረዳእና፣ ህዝባዊ ስልጣንና ንጐሓላሉ ብምርሕራሕ ባዕልና ንዝፈጠርናዮ ግመ ብምግላህ ሓቂ ጥራይ ሓራ ከም ተውጽኣና ከም ብርሃን ወጋሕታ ኪበርሃልና ኢዩ። ባይታ ዝተነፍጎ ህርኩትናና ካብ መቝሕ ድስካለን ስደትን ናጻ ኮይኑ ኣብ መሬቱ ኣደልዲሉ ምስ ረገጸ ኣኽራናት ኪደፍእ ከም ዝኽእል ኸኣ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኩሉ ኣብ ኢድና ምዃኑ ክሳብ ዘይዘንጋዕና፡ ደረት ዓወት ጕዕዞና ሰማይ ትራይ ኢዩ። ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ምስ ተፈተነ ዝፍለጥ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ብመሪር ተመክሮ ዝተፈተነ ብምዃኑ፡ ኩሉ ዓይነት ድሑሩ ኣተሓሳስባታት ከም ዕፋፈት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ኣብ ነባሪ ጽኑዕ ሓድነት ደው ከም ዝብል ኣየጣራጥርን። ወነንቲ ህይወትና፡ ጎይቶቶ መጻኢና፡ ሃነጽቲ ታሪኽና ክንከውን ምስ በቓዕና፡ እታ ቐለቤት ምልእቲ ኮይና ማለት ኢዩ። ከም ንበጽሖ ኸኣ ሓያል እምነት ኣለኒ።

 

ክቡር ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!!!

 

 

 

ሕቶታት ኣለዉኒ፡ ሕጂ ውን ዝምልስ እንተሎ ዓይንኹም ይብራህ – (2ይ ክፋል)

$
0
0

ማሕሙድ ሳልሕ

11- እንታይ ስለዝገበርናዮም ኮን ይኸውን እዞም ኣማርካ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝጭክኑልና?( ቀንዲ ምኽንያት መጽሓፊ ናይዚ ዓምዲ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ኣሎ)

ንመበራበሪ ክኾነና፡   

ናይ ጆን ፎስተር ዳለስ ጥቅሲ ትደጋገም እያ። ንሳ ቅድሚ ኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኩነታት ዓለምናን መዋእልን ዝተባህለት እያ። እቲ ዝሰዓበ መርገጺ ኣመሪካ ዘገደደ ኩነታት እውን ሎሚ የለን። ኣመሪካ ዝወሰደቶ ናይ ሽዑ መርገአጺ ኣንፈት ታሪኽና ከምዝቀየረን ድሕርኡ እውን ኣመሪካ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንምጉዕጻጽ ኣሉታዊ ተራ ከም ዝነበራን ምዝጉብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ ለውጥታት ተራእዩ። ወዲ ሰብ ንጠፈር መሊኹ፤ ኣመሪካን ቻይናን ዕርክነት ጌረን፤ ዝሑል ኲናት ኣብቂዑስ ሶቬት-ሕብረት ናብ ዳግም ክገጣጠም ዘይክእል ስብርባራት ፋሕፋሕ ኢላ። እቲ ቀደም ብኑኵሌሳዊ ኣጽዋር ዓለም ክህሙኽ ተፋጢጡ ዝነበረ ሓይልታት ምዕራብን ምብራቕን ሎሚ ብንግድን ዓለማዊ ምትሕብባርን ተጠናኒጉ ካብ ብኵናት ዝረብሖ ብኵናት ዝኸስሮ ስለዝበዝሕ ፍልልያቱ ብሰላም ኣብ ምውጋድን ኣብ ዕቤታዊ ውድድርን ኣትዩ ኣሎ። ደሓር ከኣ፡ ዝምድናታት ሃገራት ብናይ ክሉ-ግዜ ፈታዊ ወይ ናይ ክሉ-ግዜ ጸለኢ ዝብል ምድባት ኣይኮነን ዝምራሕ። ዕምቆት ዝምድናታተን  ዝውስኖ ሃገራዊ ረብሓአን እዩ። መን ምስ መንን እንታይ ዓይነት ዝምድናን ዕምቆቱን ዝውስና ንሰን እተን ውልቀ-ሃገራት እየን።

መራሕቲ ህግድፍ ክሉ ሕመቖም ብኣመሪካ ከመኻንዩ ካብ ዝስምዑ ነዊሕ ኮይኑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ገኒኑ። ድሕነት ኤርትራውያን ቆልዑ ዘይሓለዉስ ክሉ ፍልሰትን ህልቂትን መንእሰያትና ጠንቁ ምሉእ ብምሉእ ኣመሪካ እዩ ይብሉና ኣለዉ- ከይሓፈሩ። መነባብሮ ኣንቆልቊሉ? ኣመሪካ ይስከሞ። ዜጋታት ፍትሒ ስኢኖም? ፍትሒ ኣመሪካ ሰሪቖሞ። ሰበስልጣን ብብዕልግና ሃገር ኣጥፊኦማ። ሲ.ኣይ.ኤ-ላንግሊ ድውሉ። ንምንታይ ደንጒኻ ቤት ጽሕፈት ተኣቱ? ኣመሪካ ራይድ ኣይሃበንን። ሰባይትኻ ብከመይ ተገላጊላ? ብሰንኪ ኣመሪካ 6 ሳዓት ተጻዒራ።ካን፡ ወላ ከፊላዊ ሓላፍነት ምስካም እውን ኣብዩዎም። ብዝኾነ፡ ብቀደሙ ሓላፍነት ዘይስመዖ ጉጅለ ማፍያ እዩ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ። እዚ ክስታት እዚ በቲ ንሶም ዝቆጻጸርዎ ማስ ሚድያን ኣብ ደገፍቶም ጥራይ ዝሳተፍዎ ኣኼባታት ስለዝደጋግምዎ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ናጻ ዜጋታት ገጽንገጽ ክገጥምዎ ኣሸጊርዎም ኣሎ። ጠገለ ብዝበተኸ መልክዑ ከኣ ይቅጽል ኣሎ።

እስከ ጭብጥታትኩም ኣቅርቡ፡ ከመይ ኢልክም ኢኹም ኩሉ ፍሽለታትኩም ንኣመሪካ ተሰክሙ? ኣይበዝሐን’ዶ? ቅሩብ ከ ክንደይ ንሕመል ትብሉ ትኾኑ? ሃገራት ንርእሰን እየን ዝሰርሓ። ኣመሪካ ከ ንሃገራዊ ረብሓኣ ብዘሰስን እንተሰርሓት ኣብ ዓለም ሓዲሽ ድዩ? ተንኮላትን ሸርሕታትን ኣመሪካ እንተሃለወ ከ ንዕኡ ዘፈሽል ሜላ ዘይምክታልን ኣብ መጻወድያኡ ዘይምእታውን ሓላፍነትኩም ‘ዶ ኣይኮነን? እንተደኣ ኣመሪካ ዓመት ድሕሪ ዓመት ኣላሽ ተብለኩም ኮይና እቲ ሕመቕ መን እዩ ዝስከሞ? ኣመሪካ ንረብሃኣ እምበር ንረብሓ ኤርትራ ኣይክትሰርሕን እያ። ክትሰርሕ እውን ዝጽበያ የለን። ምምሕዳራት ኣመሪካ ብሕጊ ዝምእዘዝን ቁጽጽር ዝግበረሉን እዩ። መራሕቲ ኣመሪካ፡ ንረብሓ ኣመሪካ ክሰርሑ እዮም ማሕላ ዝጠቕዑ። ብውልቃዊ ዕርክነትን ሕብእብእን ኣይኮነን ዝሰርሑ ። ብናይ ውልቀሰባት ዊንታ ዝቀያየርን ዝጠዋወን ኣይኮነን (ኢሰያስ፡ ምስ ሓለፍቲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዝነበሮ ኩራ፡ ኤርትራ ክሳርኣ ክተውሕድ ወይ መክሰባታ ክተዕቢ ዝነበራ ዕድላት ቆምሲሉ ከምዝተረፈ ይንገረሉ እዩ)። እዚ ትፈልጥዎ ኢኹም። እናፈለጥኩም፡ ንኩምራ ሕመቕኩምን ፍሽለትኩምን ናብ ኣመሪካ ምስልባጥ ነታ “ቆምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ “ እትብል ምስላ የዘኻኽረኒ።  እስከ እዚ ክስታትኩም ንርኣዮ። ብሓቂ ማይ ዘየሕልፍ ስጥም-ግጥም ዝበለ ይመስል ‘ዶ ይኸውን? ጭብጥታት ኣቕሪብኩም ስለዘይትፈልጡ፡ ሓደ ናጻ ኣእምሮ ዝውንን ተራ ሰብ ንክስታትኩም ብከመይ ክርእዮ ከምዝኽእል ከርኢ ክፍትን እየ። ተራ ሰብ ማለተይ እየ። (እዚ ናይ ወያነ ‘ዩ ትብሉ እንተኰንኩም፡ ጭብጥታት ክተቕርቡ ብትሕትና ትሕተቱ- ጭብጥታት ምቕራብ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ‘ኳ እንተዘይኮነ)።

ሀ- ኣመሪካ ንናጽነትና ኣይተኣምንን ‘ያ። ንሕና እንኮ በዳህቲ ኣስፋሕፋሒ ፖሊሲ ኣመሪካ!

ደድሕሪ ረፈረንዱምን ምእዋጅ ናጽነትን፡ ፕረሲደንት ክልንተን ከብቶም ቀዳሞት ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደዱ መራሕቲ ዓለም እዩ ኔሩ። መንግስቲ ህግድፍፍ እውን ኣቓልቦ ኣመሪካ ክስሕብ ኣንጊሁ እዩ ተበጊሱ። ነዊሕ ከይገበረ፡ መራሒ ኤርትራ ብዘይ ምረቓ ህዝብና ንዕላማታ ኣመሪካ ብወኪልነት (ከዳምነት ክትብልዎ ትኽእሉ ኢኹም) ከሳልጥ ይጓየ ከምዝነበረ ናይ ትማሊ ዝኽሪ እዩ። ንመንግስቲ ሱዳን ንምውዳቕ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ልፍንትን ከም ውጽኢቱ ሰራዊት ኤርትራ ልኡላዊ መሬት ሱዳን ጥሒሱ ክሳብ ቶኮር ከም ዝበጽሐን፡ ብጾትና ኣብ ዓበይቲ ቀላያት፡ ክሳብ ኮንጎ፡ ከም ዝተላእኩ ‘ኮ ኣይተረሰዐን። ናይቲ ዕንደራ መወልትን ደፋፋእትን መን ኔሮም? ኣመሪካውያን። ” መን እሙን ዓርኪ ኣመሪካ ይኸውን” ኣብ ዝብል ህልኽ ምስ መንግስቲ ወያነ ኣብ ቅልስ ተጸሚዱ ዝነበረ መን ድዩ? እንተ ከዳሚ ንበሎ እንተ ወኪል፡ ብርግጽ መንግስቲ ህግድፍ እዩ ኔሩ። ስለ’ዚ፡ 1- ኣመሪካ ንናጽነት ኤርትራ ምእማና ኣብ መዝገብ ኣሎ፤ 2- በዳህቲ ኣመሪካ ዘይኮነስ ብዘይ ፍቓድ ህዝብና፡ ብዋጋ መንእሰያት ኤርትራ ፖሊሲታት ኣመሪካ ክተተግብሩ ትጓየዩ ከምዝነበርኩም ኣይተረሰዐን። በዚ ከኣ፡ እዚ ምጉት እዚ ውዱቕ ይኸውን።

ለ- ካልእ ዝደጋገም ሕቶ ጂኦፖለቲክስ እዩ። ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ስለትርከብ ብኣመሪካ ዝዝወር መንግስቲ ክትተክል ትደሊ። (ያኢ፡ ብኣኣ ከምዘይተዘወሩ- ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥቢ ረአ)

ዝሑል ኵናት ኣብቂዑ እዩ። ኣመሪካ ኣብ ቃኘው ይኹን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትሰፍር ኣየድልያን እዩ። ምዕባለ ተክኖሎጂ ኣጽዋር ውግእ ይኹን ዳግመ-ስርርዕ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓይልታት ዓለም ነዚ ብሉይ ዶክትሪን ኵናት ቻው (ባይ-ባይ) ኢልዎ እYU። ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ዘድልያ መደበራት ኣለዋ። ንኤርትራ ዝቐረበ እቲ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ እዩ። ነዚ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ መደበር እዚ ኣብ ኤርትራ ንምግባሩ መራሕቲ ህግድፍ ዝገበርዎ ፈተነ ተጻሒፍሉ እዩ። ስለ’ዚ በጃኹም ኣዕርፉና። ተቐናቐንቲ ኣመሪካ  ኮይንኩም ኣይትቕረቡ። ኣብቲ ኩርክስ እትጉዳእ  ኤርትራ እያ። ኣብ ጉስጢ ክብደትካ ምፍላጥ ወሳኒ እዩ። ልቦም ክትሰልቡ ትጓየሉሎም ነይርኩም ከ ኢልና ‘ዶ?  ስለ’ዚ፡ ካልእ ውዱቕ ምጉት ንበሎ።

ሐ- ዕዳጋ ክንኮነሎም ይደልዩ፡ ንእሽቶን ድኻን ህዝቢ ኢና። ስለዚ፡ ንዕዳጋ ሃለኽቲ ኣመሪካውያን ክሳብ ሕጂ እንነወናውን ኣይኮናን። ተስፋ ኣሎኒ ክንክውን።  በዚኣ ንሕለፋ።

መ- ሃብትና ክምዝምዙ ደልዮም። ክሳብ ሕጂ ኩዌት ወይ ዛየር ኣይኮናን ዘለና። ንኣመሪካ ክሳብ ክንድ’ዚ ዘጸልል ሃብቲ ዛጊት ኣይተለለየን። ተስፋ እገብር ክርከብ። ካልእ ውዱቕ ምጉት።

ሐ- ኣመሪካ ንኣፍሪቃ ኣብ ዞባታት ከፋፊላ ብጎባልል ዝበሃላ ሃገራት ክትቆጻጸራ ትደሊ (ህግድፍ ከዳምነት እዩ ዝብሎ)። ተዛረብቲ እንግሊዘኛ ከምዚ ከጋጥሞም ከሎ “ So, what?” ይብሉ። እዚ ‘ሞ ሓድሽ ድዩ? ንውሽጣዊ ናጽነት ናይተን ካልኦት ሃገራት( እተን ዘይጎባልል) ከ ብከመይ ይጸልዎ? ንኣብነት፡ ኢትዮጵያ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ ንበል። እዚ ተራ’ዚ ወይ status ንውሽጣዊ ናጽነት ከንያ ወይ ዩጋንዳ ወይ ርዋንዳ ብከመይ ይጸልዎ? ኣመሪካ ከ ምስ ዝተፈላለየ ሃገራት ብዝተፈላለየ ደረጃታት ዝምድና ክትገብር መሰላ ‘ዶ ኣይኮነን? ንሳ ‘ኮ ንሃገራዊ ረብሓኣ እያ ትሰርሕ። ሕራይ’ስከ እዚ ምጉት እዚ ቅሩብ ‘ዶ ሓቂ ይኸውን ንበል። እሞ ካልኦት እንተከደሙ ህግድፋውያን እንታይ ዓጠጦም? ዘይምክዳም ተረፎም። ከምዚ ዓይነት ርእሰ-ምዕባይን ምትዕናናትን ህግድፍ ዝጀመሮ ዘይኮነስ ካብቶም ገና ንዜጋታቶም ዓፊኖም ዘለዉን ካብቶም ዜጋታቶም ዝደርበይዎምን ብልሽዋት ዲክተተራት ዝተማህሮ እዩ። ከክፍኡ ኣብ ምምሃር መቸም ዝቅድሞ የለን። ነቶም ክሓቱካ ዕድል ዘይብሎም ወይ ድማ ነቶም ከብዶም መኺርዎም ሰማዕቲ ጥራይ ክኾኑ መሪጾም ዘለዉ ክተጸምም ትኽእል ኢኻ። ስለ’ዚ፡ ኣኳስ ምጉት እዩ ምባሉ ይከኣል።

ሰ- ወያነ ዘይኮነስ ኣመሪካ እዩ ተዋጊኡና። ዶብና ክሕንጸጽ እውን ኣይትደልን እያ።

ምኽሪ ኣመሪካ ሰሚዕካ ኔርካ እንተትኸውን ብዙሕ ሂወት ምደሓነ ‘ሞ ሎሚ ገጽ ብዙሓት ኣደታትና ፍሽኽታ ዓሲልዎ ደቂ-ደቀን ከሰራስራ ምረኣና ኔርና። ክሳራ ክልቲኡ ህዝብታት ምወሓደ ኔሩ። እቲ ሓቂ፡ ኣመሪካ ካብ መጀመሪያ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ”ይግበኣኒ” ‘ዩ እትብሎ ቦታ፡ ናይ ይብጸሓኒ መሰላ ብዘይትንክፍ ደረጃ ናብ ዝነበሮ ቦታ ክምለስን እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕን ጽዒራ እያ። እቲ ኵናት ምስ ቀጸለ እውን ክልቲኡ ወገናት ቶኵሲ ደው ከብሉ ብዘይ ዕርፍቲ ሰሪሑ። ስምምዕ ኣልጀርስ ብቀንዱ ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን(UN) ይምልከት። ኣቲ ስምምዕ ትጽቢት ዘንበረሉ ምትሕብባር ክልቲኡ ወገናት እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ሓደ ወገን እንተሓንጊዱ ንምትግባሩ ብሓይሊ ወይ ብውግእ ወይ ብእገዳ ክግደድ  እዩ ዝብል ኣንቀጽ ይኹን ሓረግ የብሉን። እዚ ከኣ እዩ እቲ ድኹም ጎኒ ናይቲ ስምምዕ። እዚ ይኹን እቲ፡ ክሳብ ሕጂ መርገጺ ኣመሪካ፡ ንብይን ናይቲ ኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ዝቅበልን ንኢትዮጵያ ነቲ ፍርዲ ከምዘለዎ ክትቅበሎ ዝጽውዕን ‘ዩ። ኣብ ቦታ ኤርትራ ኮይና ንኢትዮጵያ ክትዋጋእን መሬት ኤርትራ ክትሕርርን ግን ትጽቢት ዝግበረላ ኣይመስለንን።

ንእግረ-መንገድና፡ ኣብ 1998፡ ኲናት ዶብ ጀሚሩ ምስ ሰማዕኩ ከኣምኖ ኣሽጊሩኒ። ባድመ ኣብ መፋርቅ ሰማንያታት ውዒለ ሓዲረሉ ኣለኹ። ሽዑ እውን ኣብ ትሕቲ ወያኔ ኔሩ። ብዛዕባ እዚ ቦታ’ዚ ዝነበረ ናይ ጀብሃ ይኹን ድሕርኡ ዝሰዓበ ፖሊሲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. እፈልጦ እየ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣሃዱ ካርቶግራፊ ወያነ ወሰናስን ከጽብቡን ከግፍሑን ከምዝከረመን ሓረስቶት ኡይ ይብሉ ከምዝነበሩን ይዝከር። ቀቅድሚ እቲ ውግእ ኣብ ዝነበራ ሳምንታት፡ ኢሰያስ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ጥይት እውን ዘተኩስ ኩነታት ከምዘይነበረ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።  መራሕቲ ህግድፍ፡ ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ኣቤቱታ እንተዘቅርቡን (ንኣብነት ውድብ ሕ.ሃን ውድብ ው.ሓ.ኣን) ነቲ ሽግር ኣብ ቅድሚ ዓለምን ህዝቦምን እንተዘልዕልዎን ብሰላም ክፈትሕዎ ፈተነታት ገይሮም ነይሮም እንተዝኾኑ ሃንደበት ኣይምኾነን። ምናልባት እውን ከም ርእሰ-ምክልኻል ክትርጎም ምተፈተነ።  ኣብ ዓለምና ምስሕሓብ ዶባት ዘለወን ሃገራት ብዙሓት እየን። ገሊአን ‘ሞ ኑክሌር ዝውንና እየን። ይኹን እምበር፡ ናይ መጀመርያ ወስተአን ብታንክታት ዝገበርኦ እንተለዋ ኣዝየን ውሑዳት እየን። ህ.ግ. ኣብ ሰማንያታት ልቦና ከርኢ እንከሎ፡ ምስ ግዜ ዝያዳ በሲሉ ይኸውን ኢልና ኣብ እተጸበናሉ መወዳእታ ትስዓታት ግን ናይ ምምዛን ዓቅሙ ኣጕሂዩና። እቲ ውድብ ድሮ ብህግድፋውያን ተጨውዩ ኔሩ። ንሓደ  ከብቶም ንሃገርና ኣብ ሰለሎ ኣእቲዩ ዘሎ ዕንደረኦም ደፋፊኦምልናን ኣስገዲዶምልናን። ሳላ እቶም ኣብ ጥራሕ ጎላጉል ደንካልያን ኣብ ሰናጭሮታት ዳሴን ኣብ ዝባውንቲ ከበሳን  ንሓጻውንቲ ዘምከኹ ጀጋኑና’ምበር ሎሚ እቲ ጸወታ ካልእ ምኾነ።( ንሓበሬታ፡ እቲ ኲናት ክውገድ ዝግበኦ ከምዝነበረ ናይ ሽዑ እምነተይ ኔሩ። ሕጂ ውን ጸኒዐሉ ኣለኹ)። ኣቶ ኢሰያስ፡ ነቲ ኵናት ሎሚ ወሊዕዎ ኔሩ እንተዝኽውን፡ እንተወሓደ ምኽኑይ ምኾነ። እዚ ንምጉት እምበር ኵናት ስለዝምነ ኣይኮንኩን። ድሌተይ ንደቅና ኵናት ዘይኮነስ፡ ሰላምን ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ሃገር ክንገድፈሎም እዩ።

እቲ ቁምነገር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ብይን ብዘይ ዕጸምጸ ክትግብርን ህግድፍ ኣመሪካ ኣየተግበረትለይ ኢሉ ዝገብሮ ብኽያት ሕንቁቅ ቆልዓ ከቋርጾ ኣለዎ። ብፍላይ ትግራዎት፡ እቲ ኲናት ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዝያዳ ንስኹም ተሃሲኹምሉ። መቸም፡ ዝኾነ ኮይኑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንመራሕትኹም ታሪኽ ክተዘኻክርዎምን እቲ ጉዳይ ብዘይወዓል ሕደር በቲ ተበዪኑዎ ዘሎ ክፍታሕ ጸቅጢ ክትገብሩሎም ሓላፍነት ኣለኩም። ዝምድና ክልቲኡ ኣህዛብ ከም ክሉ ካልእ ጎረባብቲ ብሓጎጽጎጽ ዝመልአ ምዃኑ ይርደኣኒ እዩ። ግን ብሓንሳብ ጠሚናን ደሚናን  ሓዚንናን ኢና። ኣዕጽምቲ ትግራዎት ኣብ በረኻታት ሳሕል ኣሎ። ኣዕጽምቲ ኤርትራውያን እውን ኣብቲ ተልምዕዎ ዘለኹም መሬት ከምዘሎ ኣይትስሕትዎን። ክልቲኡ ኣህዛብ ካብ ብኲናትን ምትፍናን ዝረኽብዎ ብስኒትን ምትሕግጋዝን ዝረኽብዎ መክሰብ ይበዝሕ። እዚ ድማ በቲ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዕቍባኹም ዘለዉ ኤርትራውያን እትገብርዎ ኣተሓሕዛ ይጅምር። ሓገዝ ኤርትራውያን ተነፊጉኩም ኣይፈልጥን እዩ እሞ ሓገዝኩም ኣይፈለዮም። እዚ ክፉእ ግዜ’ዚ ክሓልፍ እዩ። ባህልታት ክልቲኡ ኣህዛብ ንሓደጋ ዝምነን ዝወራዘየሉን ኣይእንግድን እዩ።

ሸ- ንሶማል ካባና ዝብጸሖ ወገን የለን። ኣመሪካ ብካዳሚኣ ወያነ ክትቆጻጸራ ደልያ።

ህግድፍ ንኣልሸባብ ሓገዝ ይህብ ‘ዩ ወይ ውን ናይ ስራሕ ዝምዳና ኣለዎም ንምባል ዘኽእል ጭብጥታት ዘቕረበ ወገን ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ብጸላእቲ ኤርትራ ርኡይ ብዝኾነ ዝተፈብረከን ዝተቃመመን “መርትዖታት” ሕምቀት መራሕትና ነይሩ እንተዘይከውን ኣብ ክትዕ እውን ኣይምቐረበን። ግን ምሩር ምሩር እዩ። ሕመቕ ዝለገቦ ሰብ፡ ድኹማት ይቅድምዎ፤ ገበነኛታት ይረትዕዎን ትንዕ-ትንዕ ይበዝሖን።

ሶማሊያ ብዙሓት ሓይልታት ከምዝተቀያየሩላን መራሕቲ ህግድፍ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቁርቁስ ኣትዮምላ ከምዝነበሩን ካልእ ግንባር ንምፍጣር ከምዝጸዓሩን ግን ንሶም እውን ኣይክሕድዎን። መራሕቲ ህግድፍ፡ ሶማል ንናጽነት ኤርትራ ስለዘበርከተቶ ሓገዛት ጽቡቓ ንምምላስ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና ‘ውን ክብሉ ይስምዑ እዮም። ንዓመታት፡ ኣክንዲ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣንጻሩ ክረባረቡ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ብሃንደበት ኣንፈት ቀዪሮም ምስኡ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት ክሕንብሱ ጀሚሮም ኣለዉ። ግን ህግድፍ ደንጉዩ እዩ ልቢ ኣዕቢዩ- ናይ ብሓቂ ውጽኢት ዕቤትን ልብምናን እንተኾይኑ።( እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንግምቶ ንኸውን)። እዚ ዕንደራታት እዚ፡ ንሃገርና ድሕሪ ምብርቛስ ህግድፍ ክጸንሕ ዝኽእል እገዳን ሕማቕ ስምን ኣስዒቡላ ኣሎ። ውጽኢት ዕንደረኦም በንጻር ትጽቢቶም ንኢትዮጵያ ኣርቢሑ።  ኢትዮጵያውያን ከይተዋግኡ ስግኣት ኤርትራ ደሪቶሞ ማለት እዩ። ንሶም ክዓጥቁ ከለዉ ንሕና መቀያየሪ ናይቲ ኣሪጉ ዘሎ ኣጽዋርና እውን ክንረክብ ኣይንኽእልን። ካብዚ ዝኸፍአ ሃገራዊ ስግኣት የለን። እዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ‘ዩ።

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ባእሲ እንከለዉ፡ ኣመሪካ ኣንጻሮም ምዃና እናፈለጡ፡ ከመይ ኢሎም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መጻወድያ ይኣትዉ? ከመይ ጌሮም ንኢትዮጵያ ዲል ይህቡ? እስከ ንማለቱ፡ ብወገን ሶማል ክፍጠር ዝተሓስበ ግንባር ወላ ሓዪሉ እንተዝኸውን፡ ንሱ ዝፈጥሮ ጸቅጥን ብወገን ኢትዮጵያ ንዕኡ ዝውገን ሰራዊትን ንወተሃደራዊ ስትራተጂ ሰሜን ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ምጸለዎ? ከብዚ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ትረብሕ ከምዘላ ፍሉጥ እዩ። እሞ መን እዩ እቲ ከዳሚ? ኣመሪካ ድያ ንኢትዮጵያ ትክድም ዘላ ወይስ በንጻሩ? ነዛ ምጉት እዚኣ ቅሩብ እንተሳለናያ፡ መን ንመን እዩ ዝኽድም? ኢሰያስ ድዩ ዝከደመ ወይስ ቀዛፊ፡ ቀጠር ድዩስ ወይስ ህግድፍ፡ ኣልበሺር ድዩ ወይስ ኢሰያስ እቲ ከዳሚ? ናተይ ቋንቋ ኣይኮነን። ኣነ ዝምድናታት እየ ዝብሎ።

ዝምድናታት ሃገራት፡ ኣብ ዓምን ከዳምን ዘይኮነ ኣብ ምክብባርን እንካን ሃባን ‘ዩ ዝምስረት። ሓባራዊ ረብሓ ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ‘ዮም መስለኒ። ንፉዕ መራሒ ከብዚ ዝምድናታት ክረኽቦ ዝኽእል ረብሓ ከምዝብርክትን ዝኽዕብትን ይገብር። ብኣምልኾ ነብሶም ዝሻቀሉ መራሕቲ ግን እዚ ክርደኦም የጸግሞም እዩ። መለኾታዊ ሓይሊ ዘለዎም ስለ ዝመስሎም፡ ዓለም እምበር ንሶም ዝጋገዩን ኮይኑ ኣይስመዖምን። ኣዱንያ ኣብ ዙርየኦም እተኹድድ ‘ዩ ዝመስሎም። ውሳነኦም ዝዓጽፍ፡ ድምጾም ዝዕብልልን ድምቀቶም ዘህስስን ዘሎ ኣይመስሎምን እዩ። ወርሕን ጸሓይን ንዕኦም ክውድሳ ኣብ ቀጻሊ ታንጎ ዘለዋ ኮይኑ እዩ ዝስመዖም። ሳዳም ሑሴን ብጀነራላቱ ዝወሃቦ ዝነበረ “ኣመሪካውያን ይሰዓሩ ኣለዉ” ዝብሉ ጸብጻባት እና ኣመነ እዩ ብሃንደበት ናይ እግረይ-ኣውጽእኒ ሓደጋ ዝወደቖ። ቀዛፊ ብውድቀቱ ከይኣመነ እዩ ተበሳሲዑ። ጸገም ናይዞም ውልቀምልካውያን፡ ሕመቖም ናይ ግድን ካልእ ዝፈጠሮ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ስለዝኣምኑ እዩ። ደሓር ከኣ ብኣተሓሳስበኦም ሰብ እምበር ንሶም ኣይጋገዩን- ንርእሶም ልዕለ ሰብ ምስ ወሰድዋ እዮም። ኣማኸርቶም ‘ውን ጽቡቕ ስራሕ ኣይሰርሑን። እቲ ክዉን ዘይኮነስ፡ ቀርበቶም መታን ከይጽይቑ፡  ንመራሕቶም ዝሕጉስን መራሕቶም ዝጽበይዎን ሰናኒዖም የቕርቡሎም። ሕመቕ ኣብ ርእሲ ሕመቕ። ክሳብ ሕመቖም ጸቒጥዎም ዝቅበሩ።

ፍትሕን ርትዕን ንህዝብና

ማሕሙድ ሳልሕ

ከም ዝፈርሐ ከልቢ ኣብ ገዛና ጭራና ኣይንደጉል –መልእኽቲ ካብ ኣስመራ

$
0
0

ከም ዝፈርሐ ከልቢ ኣብ ገዛና ጭራና ኣይንደጉል

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራውያን ኣብ ቀራና መንገዲ ንርከብ ኣሎና። እዚ ድማ ንሕና ኣብ ዓለም ህላወና ንምርግጋጽ ዝኸድናዮም ግዕዞ ዝወረደና በሰላ ክነሕዊ ነዊሕን መሪርን እዩ ነይሩ። ነዚ ግን ከም ሰባት ብዓለም ዝግባኣና መሰል ርእሰ-ውሳነ ዝተነፍገና ክንመልስ፥ ህላወና ድማ ከም ሰባት ከነረጋግጽ – ኣንቱም ሰባት! እታ መተካእታ ዘይብላ ህይወት እኳ`ዩ ተኸፊሉ። ነብዒና፥ በኺና! በቲ ድማ ኮሪዕና ከም`ቲ የማነ ባርያ ዝደረፋ፥ “እንታይ`ሞ ዘይከኣል ኮይኑ እምበር ክልቲኡ ምደለና።” እዚ ዝሓለፍናዮ መስገደል ግን ንኾንቱ ኣይነበረን፥ ካብ ባዕዳዊ መግዛእትን፥ መግረፍትን፥ መቕተልትን ተገላጊልና። እወ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣሕዋትን ኣቦታትን ደቀን በጃ ምሕላፍ ዝመጸ እምበር ብኸምኡ ኣይነበረን። ስለዚ ነዚ ዝተኸፍለ ዋጋ ዝኾነ ሰብ ዝኸዶ ግዕዞ ድማ እዩ።

ምናልባት ሰባት ነዚ ዓወት ዝተጨበጠ ብቐንዱ ታሪኽ ኩሉ ዜጋ ኤርትራ እዩ። በዚ ድማ ንሕበንን ንኾርዕን፡ እቶም ኣብ ገድሊ ህይወት ዝተሳተፉ ጥራይ ናይ`ዚ ታሪኽ ወነንቲ ይመስሎም ይኸውን – እሶም`ውን እንተኾኑ ኣካል ናይ`ዚ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ኣይንዘንግዕ። እንተኾነ እዚ ቃልሲ ሙሉእ ህዝቢ ዝተሳተፎ እዩ። እቲ ሓደ ኣካል እታ ዝዓበየት ህይወት ከፊሉ፥ ካልእ`ውን ብገንዘቡ፥ ብግዚኡ ሰዊኡ ክበጽሖ ዝግባእ ተኾሊፉ። በዚ ድማ ሓርነት ምስ ተረኽበ ከም ብተይ ዘሊሉ፥ ሓጎሱ ንምግላጽ ከም ዕቡድ ሰብ ሳዕሲዑን ተላህዩን።

ድሕሪ ሓርነት ኩሉ ኣብ መግዛእቲ ዝነበረ ኩነታት ይቕየር ዝብል እምንቶ ክቕህም ንዕዘብ ኣሎና። ብፍላይ ኣብዚ ቐረባ ግዚያት ወልቀ-ምላኽነት ሳዕሪሩን፥ ኤርትራውያን ንሓልፎ ዘሎና ግዕዞ ህይወት ንጸላኢኻ እውን እንተኾነ ዘይትትምነዮ ኩነት ነስተማቕር ኣሎና። ስለምታይ ግን እዚ ኩሉ ንኤርትራዊ፤

ስደት ኣብቒዑ፥ ሰናይ ዘመን ክነግስ ዝተተምነየ ህዝቢ፥ ሎሚ ካብ`ቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ብዝኸፍአን ብዝባኣሰን ኩነት ክድገም ንዕዘብ ኣሎና። ምዓንጣ ዘይቖጸሩ ኣሕዋትናን ደቕናን ብሃረሩማ በረኻ ሳህራ ክሰግሩ፥ ወዲ ኣዳም ብእኡ ክሰግር ዘይትጽበዮን ዘይትሓስቦን ክንደይ ኮን ኣብ በረኻ ተደርብዮም ግዳይ መግቢ ኣራዊት ዘይኮኑ። እዚ ነታ እዚ ሓዘን እተስተማቕር ዘላ ግዳይ ናይ`ዚ መስተንክራዊ ግዕዞ ዝኾነት ስድራ ንግደፎ! ክሳብ ክንደይ ከቢድን ክትጻወሮ ድማ ዘይክኣል ምኻኑ ግን ተሞክሮና ብዛዕባ ሞትን ምፍላይ እንፈትዎም ኣባል ስድራ-ቤትና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ቤት ዘሎን ንፈልጦን ድማ ኢና።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን ናይ ኤርትራዊ ዕጫ! መንገዲ ቐይሩ ናብ ዝሓሸን ናብርኡ ከምሓይሽ፥ ስድርኡ ክጥውር ዝብለሉ ሃገር እንተበለ፥ እንታይ`ሞ ይገበር፤ ሕጂ`ውን እዞም ገበርቲ እከይ ኣኳሊሞሞ። እቲ ዝሕዝን ኣብዚ ግዕዞ፥ ኤርትራዊ ኣብ በረኻታት ሲናይ ተጨዊዩ፥ ተገሪፉ፥ ተቐቲሉ። ስለምንታይ እዚ ኩሉ ንኤርትራዊ፤ ካልእ ድማ እቲ ዝኸፍአ ናይ`ዚ ዓሎቕ፥ ያእዪ ናይ ኤርትራዊ ናውቲ ውሽጣዊ ኣካላት ፍሉይ ስለዝኾነ ድዩ ኩሊቱ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ዝወረደ፤ ኣይመስለንን! ስለምንታይ ካልኦት ህዝብታት ከም`ዚ ናትና ዘይወርዶም፤ ስለምንታይ ንኤርትራዊ፤

ንኤርትራዊ ግን ተፈጥሮን ሰብን ንኽነብር ተጻቢኦሞ። ይቓለስ እሱ፥ እንታይ`ሞ ኣይተኻእለን። ኣብ ስድሪ ጉዕዝኡ ህይወት ይኸፍል! እተን ኣብ ዓለም ዘሰንብዳ ዝተፈጸማ ግና ነዛ ኣብ`ዚ ሳልስቲ ዝተፈጸመት ኣሰባዲትን ዘስካኽሕ ፍጻሚ ከም ኣብነት ወሲድና ክንዝትን ክንመያየጥን እስከ ንፈትን።

ኣብ`ዚ ሳልስቲ ዝተፈጸመ ድማ ከም`ዚ እዩ። ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጢሒላ፥ ኣብኣ ካብ ዝተሳፈሩ መብዝሕቶኦም ዜጋታት ቐርኒ ኣፍሪቓ ዝኾኑ ልዕሊ 300 ሰባት ህይወቶም ሲኢኖም። መን`ዮም እዞም ስደተኛታት ኣፍሪቓ፥ እንድዒ! ኣይፈልጥናዮምን ኣሎና። መን`ዮም እዞም ዜጋታት ቐርኒ ኣፍሪቓ፥ እዞም ኣብ ፈቐድኡ ሰሌዳ መለጠፊ ሓበሬታ ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ መልቐስ ብዝብል ምልክታ ዝተወቐጦ ሓበሬታ ዝተለጠፈ`ዶ ኣይኮኑን፤ እንድዒ! ዘገርም`ዩ ናይ ኤርትራን ህዝባን ነገር።

እንታይ ገበን ኢና ፈጺምና ከምዚ ዓይነት ውርደትን ሓሳረ-መከራ ንጸግብ ዘሎና፤ እቶም ካልእ ሃገር ዘይናታ፥ ዜጋታታ ዘይኮኑ ክትሓዝነሎምን ናይ ሓዘን መግለጺ ክትእውጅ፥ እንታይ ድኣ ወረዶ እቲ ብደምናን ደም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ኣብ ወንበር ስልጣን ዝተኾየጠ ሰብ! ቕሩብ ድንጋጸ የለን! ርህራሄ ኣየርእን!

እዚ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ወይ`ውን ፖለቲካዊ ትንታነን ዛዕባን ኣይኮነን። እዚ ብዛዕባ ሰብኣውነትን ድንጋጸ ኣብ ልዕሊ ወዲ ኣዳም እተርእዮ ውሽጣዊ ስምዒት ዝገልጽ ኩነት እዩ። ነዞም ኣብ ኮረቻ ስልጣን ዝተቐመጡ ወይ ዝተኾየጡ ብገለ ካብ`ዞም ኣብ ባሕሪ ድራር ዓሳ ዝኾኑ ኣዝማድ የብሎምን ድዩ፤ እዋእ ወጻእተኛታት`ኳ ዝሓዘንሎም። ከመይ ድዩ! እሞ እንታይ ድኣሉ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭካነ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትካ፤ በዲልና ዲና፤ እንድዒ እምበር ኣይመስለንን። ብኣንጻሩ ነዞም ኣሕልቝና ኣኽቢርናዮም፥ ተኣዚዝናዮም፥ ተገዚእናዮም።

ኣብ ካልእ ፖለቲካዊ ሽኵሽኳ ከይኣተና ግን ምናልባት ንኤርትራ ዝቐንዐ ካልእ ዕላማ ዝገበረ ብሉይ ኣተሓሳስባ ከይህሉ የፍርህ። ዋላ`ውን እዚ ብሉይ ዝብሃል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ብዋጋን፥ ደምን ህይወትን ኤርትራዊ ዝኸውን ስለምንታይ፤ ንሕና ኤርትራውያን ከም ትምቢታት ቕዱስ መጽሓፍ ዝብሎ፥ ክንበታተንን፥ ፋሕ ክንብል ወረ እቲ ዝኸፍአ ድማ ህይወትና ኣብ ሓደጋን ሞትን ክንእቱ ከምዝተፈጠርናን ዝተፈረድናን እዚ ኩሉ ሓሳረ-መከራ ግን ንምንታይ ንኤርትራዊ ጥራይ፤

ከምቲ ኣበዋት ዝብልዎ ብሂል – ደርሆ`ሲ በኣምዑት ደቓ ትጻወት ኮይኑ ነገሩ ነገር ኤርትራውያን። ለለይ ዝብሉ መንእሰያትን ኣቦታትን ኣብ ቅድም የሕሊፍናን ቐቢርናን፤ ሕጂ ድማ ታሪኽ እንክድገም ክመስል መዓንጣ ዘይቖጸሩ ህይወቶም ክትሓልፍ ንርኢ ኣሎና። ከም ወያ ሰገን ካብ ሽግር ሞትን ተምልጥ መሲልዋ ርእሳ ትቐብር ከም ዝብሃል ካብዚ ሽግር እነምልጥ መሲሉና ዝባና እንህብ ዘሎና ኤርትራውያን ብዙሓት ኣሎና። ነዚ ሓሳረ-መከራ ከም ተዓዘብቲ ኮይና ንዕዘብ ኣሎና። ታሪኽ ከይፈርደና ጽባሕ!!

ካብ ክውንነትን ሓቕን ክትሃድም ምፍታን ከንቱ ፈተነ እዩ። ምኽንያቱ፥ ሓቒ ኩሉ ግዜ ነባሪት ስለዝኾነት ጽባሕ`ውን ክትምለሰና ምዅና ኣይንዘንግዕን። እንስሳት ኣብ ናቶም ግዝኣት ክሳብ ሞት ይስየፉ። ንሕና ኤርትራውያን ከ፤ ፈራሕ ከልቢ ኣብ ቤቱ ጭርኡ ይድጉል ከም ዝብሃል፥ እዚ ወሪዱና ዘሎ መዓት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ እየ ዝብል ኤርትራዊ እዩ`ሞ፥ ካብ ሓቕን ክውንነትን ኣይንህደም። ነዞም ኣሕዋትናን ደቕናን ኣደዳ ሞትን ስደትን ካብ`ዚ  ሓሊፉ ናውቲ ኣካላቶም ክሽየጥ ዝቕስብ ዘሎ ጸላኢ ምሳና እዩ ዘሎ`ሞ ንግጠሞ።

ድሕሪት ምጥማት ኣይከድልየናን እዩ። ምኽንያቱ በዓልቲ ቤት ሎጥ ዘጋጠማ ናብ ዓንዲ ጨው ተቐይርካን ተዓኒድካ ምትራፍ እዩ። ታሪኽ ሰውራ ዝገደፎ በሰላን ኣብኡ ዝተራኣየ ጌጋታት ብዛዕብኡ ምዕዝምዛም ንወልሓደ ኣብዚ እዋን ዘርብሕ ኣይኮነን። ብዓቢኡ ድማ እቲ ዝድለ ንዓመታት ዝተጸበናዮ ዓወት ስለዝተጕናጸፍና ደበስ ስውኣትና ኮይኑ እዩ`ሞ በዚ ዝሓለፈ ጉዳይ ኣይንቖዝምን ኣይነስቖርቕርን። ሕጂ ሒዙና ዘሎ መዓት`ሞ ነቛምት፥ ኣብኡ ጥራይ ምትኳር የድሊ። መፍትሒ ድማ ክንረኽበሉ ኢና።

ብዝኾነ ካብ ብኽያትን ንብዓትን ዓዲ ኣይወዓልናን። ጸቢብ ኣተሓሳስባ እውን እንተኾነ ረብሓና ኣይኮነን፤  ክኸውን እውን ኣይክእልን። እዚ ንጸላኢና ገዓት እዩ። ሕጂ ብጎሮሮና ሓኒቑ ሒዙና ዘሎ ርኹስ ጸላኢ ነስተብህለሉ። ነቲ ነዚ ሽግር ክንብል ንኸፍሎ ዋጋ እውን ብመንጽር እዚ ዝወረደና መዓት ክረአ እንከሎ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ኣንታ ደቒስካ ዘሎኻ ተበራበር እግዚኣብሄር ከብራሃልካ እዩ`ሞ ተንስእ። ሽግርና ክቕንጠጥ ሃየ ድኣ ሻማ ንበል።

 ኣይትብሃልን

ኣሕዋትካ ክሞቱ እተጽቕጥ

ኣዝማድካ ክሕረዱ እትሕባእ

ዜጋታትካ ክእሰሩ ኣይተፈትሕ

ሓው ኣይኮንካን ናይ ሕውነት የብልካን።

ኣዴታትካ ክድፈራ

ኣሓትካ ክዕመጻ

ደቕኻ ክጭወያ

ስድራ-ቤትካ ክትዝመት

ኣበይ ኣሎ ሕውነትካ ሓው ዘስምየካ።

ብጾትካ ክስደዱ

መንእሰያትካ ብሓዊ ክሓልፉ

ለለይ ዝብሉ ብሃረሩማ ጸሓይ ንኽጉዓዙ ክፍረዱ

ተዛረብ መን`ኻ ንስኻ ኣበይ ቦታኻ።

ኣንጻር የሕዋትካ ትቓለስ ንሓላፊ ረብሓ

የሕዋትካ ትቐትል ገንዘብ ኣቐዲምካ

መን ክንብለካ መን`ዩ ስምካ።

ሓቂ እትኽውል ስልጣን ደሊኻ

ኣገልጋሊ ሓሶት ካባ መጠሊና ተኸዲንካ

ናይ ውሑዳን ዕብለላ እተስተናግድ

ደሊኻ ወልቓዊ ረብሓ

መን`ኻ መን ክንብለካ።

ህዝብኻ ክትጭፍጭፍ እትዕመት

ሰብካ ክሕረድ ዝባንካ እትህብ

ክሓዲ ተባለጽን እዩ ስምካ

ካልእ ኣትብሃልን`ኻ።

ብ ሃንቀውታ ወዲ ሃንስ (ካብ ኣስመራ)


ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን –ውልቃዊ ትዕዝብቲ (ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም)

$
0
0

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 11 ክፋል         30/11/2013

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ 10ይ ክፋል በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“ኣስማትን ከባቢያዊ መበቆልን ናይዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ኣብ/ትምህርቲ፣ ብውሑዱ 3 ካብቶም ኣብ ወሳኒ ቦታ ናይቲ ሚኒስትሪ ዝነበሩን፣ ሓለፍቲ ናይ 6 ካብተን ዝነበራ 9 ኣውራጃታትን፣ ተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ንመብዛሕትኦም ኣብቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኣካድያምያውን ወታደራውን ስራሕ ብተዓጻጻፍነት ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣሊኻ ወይ ኣደስኪልካ ዝተገብረ ስለ ዝነበረ፣ ብመደብ ልዕልና ተወለድቲ ውሱን ከባቢ ንምርግጋጽ ዝተገብረ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምስቲ ክብ ኢለ ኣብ ብርገድ 51ን 58ን ነይሩ ዝበልኩዎ ኣወዳድባ ሓለፍቲ ብምንጽጻር ክረአ ከሎ ድማ፣ ብገርሂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣጋጣሚ ሕቶ ኢዩ ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን።”

መቐጸልትኡ ይስዕብ፦  …

ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት እቶም ብስምና ወይ ብሳጓና ጥራይ ንፋለጥ ዝነበርና ተጋደልቲ፣ “ስድራ ከመይ ጸኒሖሙኻ? ወለድኻ ብህይወት’ዶ ኣርኪብካዮም…?” እናበልካ ኩነታት ቤተ-ሰብ ሓድሕድ ክትተሓታተት፣ ናብቲ ገጠራት ንምምልላስ ዝነበረ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ድማ “ዓድኹም ቀረባ’ድዩ ርሑቕ? መካይን ይኣትዎኦ ድየን?” ዝብሉ ሕቶታት ክስዕቡን ባህርያዊ ኢዩ። እቲ እዋን እምበኣር እቶም ንነዊሕ እዋን ንቀራረብ ዝነበርና ተጋደልቲ፣ ዳርጋ ንመጀመርያ ግዜ ክበሃል ይከኣል፣ ብዛዕባ ስድራ-ቤትናን መበቆል ዓድናን ዓው ኢልና ከነዕልልን ክንዛረብን ዝጀመርናሉ እዋን ኢዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ከባብን ዓድታትን ናይቶም ሓደስቲ ናብ ሓላፍነት ዝደየቡን፣ ካብ ዝነበሮም መዝነት ደው ዝበሉን ሓለፍቲ።

ገለ ካብቶም ናይ ኣውራጃታት ሓለፍቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ተጋደልቲ፣ ቅድሚኡ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሰሪሖም ዘይፈልጡ ስለዝነበሩ፣ ምስ ብዙሓት መማህራን (ብፍላይ ተጋደልቲ) ኣብ ሕቶ ምደባን ካልእን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ቆይቚን ክኣትዉ ይረኣዩ ነይሮም። እዝከረኒ ሽዑ እዋን “ምስ እገሌ ኣይሰርሕን ኢየ፣ ናብዚ ቦታ’ዚ ኣይከይድን ኢየ…” ዝብሉ መማህራን ኣብ ኮሮድዮታት ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብብዝሒ ይረኣዩ ነይሮም።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። እዞም ሓደስቲ ዝተሾሙ ሓለፍቲ (ንኣብርሃም ተኽለን ወልዱ በርሀን ገዲፍካ) ኩሎም ካብ ሓደ ኣውራጃ ብምንባሮም፣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቶም ተጋደልትን መማህራንን ንኣውራጃዊ ምጥርናፍ ብዝምልከት፣ ካብ ትሒምሒም ሓሊፉ ዓው ኢልካ ምዝራብ ስዒቡ። እቲ ቅድም ክንጽመሞ ዝመረጽና፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ክድገም ምስ ረኣናዮ ግን ዝያዳ ቁጥዐን ዘይርግኣትን ኣስዒቡ ኢዩ። ካባና ሓሊፉ ናብ ናእሽቱ ኣሕዋትና ክሰግር ድማ ግቡእ ኣይነበረን። ንክብደት ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ስምዒታት ብቓላት ናይ ሓደ ሰብ ክገልጾ ዝሓሸ ይመስለኒ።

እቲ ግዜ ን3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር ምድላዋት ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ንኣባላት ሚኒ/ትምህርቲ ወኪሎም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ሰባት ንምምራጽ፣ ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ዝመርሖ ኣኼባ፣ ኣብ ኣዳራሽ ሚኒ/ትምህርቲ ተኣኪብና። ሚኒስተር በራኺ ኣብቲ ኣኼባ “ብምሉኦም ህልዋት ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግምባር፣ ብዘይ ምርጫ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም” ምስ በለ፣ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ናጽነት ከም ሓላፊ ናይ ሓንቲ ዞባ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ድሕሪ’ቲ ሓድሽ ውደባ ግን ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ተጋዳላይ ከምዚ ዝስዕብ መሊሱሉ፦

  “…እዚ ዝጸንሐ ማእ/ሽማግለ ብኣውራጃውን ወገናውን ኣሰራርሓ ክኸፋፍለና ስለዝጸንሐ፣ ብምሉኡ ወሪዱ፣ ንብምሉኡ ተጋዳላይ ዝውክል፣ ሓድሽ ማእከላይ ሽማግለ ክምረጽ ኢና እንደሊ..” ኢሉ ድሕሪ ምዝራቡን፣ ሚኒ/ በራኺ ድማ “… ከም ርእይቶ ነሕልፎ” … ዝብል መልሲ ምሃቡን ጥራይ ዕርገት ናይቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ብቐሊሉ ንምግማት ይከኣል።

ክብ ኢልና ከም ዝረኣናዮ፣ እቲ ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ዝተራእየ ኣወዳድባ፣ ምስቲ ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51ን 58ን ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣተኣሳሲርካ ክረአ ከሎ፣ እዞም ኣብ ክልቲኡ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ብዋጋ ካልኦት ብጾቶም ዝተሾሙ ሓለፍቲ፣ ነቲ ከባቢያዊ ምጥርናፍ፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። እዚ ኩነታት’ዚ (ብፍላይ እዚ ዳሕረዋይ ፍጻሜ) ንብዙሓት ሰባት ንኹሉ’ቲ ኣብቲ ውድብ ቅድሚኡ ዘሕለፍናዮ ተመክሮን ፍጻሜታትን ተመሊስና በብሓደ ክንግምግሞ ደሪኹና ኢዩ። እቲ ኣሰራርሓ እምበኣር፣ ንነዊሕ እዋን ‘ብዛዕባ ዓዲ ምዝራብ ነውሪ ኢዩ’ ዝብል ሓሳብ ተጎልቢቡ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ ኢዩ።

ብወገነይ ዋላ’ኳ ሓደ ካብቶም ኣብ 1992 ዓ.ም ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ዕድል ዝረኸብኩ፣ ግን ከኣ “ተጋደልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃሩ የብሎምን” ብምባል ዕድል ስለዝተኸላእኩ ኣብ ክቱር ስምዒትን ባእስን ኣትየ’ኳ እንተነበርኩ፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቁርቁስ ግን ኣይነበርኩን። ስለዚ እቲ ሽዑ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝነበረ ምደባ ናይ ሓለፍቲ ይኹን፣ እቲ ኣብ 1979/81 ኣብ ብርገድ 51 ዝነበረ ምደባ፣ ብቐጥታ ብውልቂ ዝምልከተኒ ኣይነበረን። እዞም ሓለፋ ተገይሩሎም ናብ ሓላፍነት ዝተመርጹ ሰባት፣ ንሳቶም’ውን ነቲ ኣሰራርሓ ንታሕቲ ገጹ ከም ዝወርድ ክገብርዎ ዝሰርሕሉ ምዃኖም ርዱእ ይመስለኒ። ከምኡ ስለዝነበረ ከኣ ኢዩ፣ ነዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ቅጥዒ ዝሰኣነ ኣውራጃዊ ስምዒት መሰረት ዝኾነ።

ብዛዕባ ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ቁሩብ ክዛረብ፦ እቲ ብዶብ ተሳቢቡ ዝተወለዐ ኲናት ደው ምስ በለ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ዘልዓልዎ ሕቶ ተስፋ ምስ ሰኣኑሉን፣ ብዙሓት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እናፈጠሩ፣ ካብ ሃገር ክወጹ ክበላሓቱ ተራእዮም። ንባህርያት ናይቲ ውድብ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ሚ/ር በራኺ ግን፣ ምእንቲ’ቲ ዘልዓሎ ሕቶ ዝለዓለ መስዋእቲ ንምኽፋል’ዩ ካብ ወጻኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ። ከም ዝበሃል’ውን (ሓቅነቱ ብሕጂ ዝረጋገጽ) “ከምዝን ከምዝን ኢልካ እንተ-ተዛሪብካ፣ ካብ ማእሰርቲ ኣውጺእና ናብ ቦታኻ ክንመልሰካ” ተባሂሉ ከም ዝተለመነ’ውን ሰሚዕና ኢና። በራኺ ድማ “ኣነ ህዝባውን ሓባራውን ሕቶ’ምበር ውልቃዊ ጸገም የብለይን” ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ ተነጊሩና። ስለዚ እዚ ሕጂ በራኺ ፈጺሙዎ ዘሎ ተወፋይነትን መስዋእትን፣ መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ንምዕዋቱ ንቃለሰሉ ዘለና ስለዝኾነ፣ ብዝኾነ መልክዑ ዝንቀፍ ኣይኮነን። እንተኾነ ታሪኽ፣ ታሪኽ ዝኸውን፣ ቦታን ግዜን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባትን ብንጹር ምስ ዝቐርቡ ጥራይ ኢዩ። ስም በራኺ ኣብዚ ምግላጹ እምበኣር፣ ነቲ ዘቅርቦ ዘለኹ ኣርእስቲ ንጹር ስእሊ ንምሃብ እምበር፣ ነዚ ሕጂ ፈጺሙዎ ዘሎ መዘና ኣልቦ ተወፋይነትን ጅግንነትን ብዝኾነ መልክዑ ዝብውዝን ዘህስስን ከም ዘይኮነ ኣንባቢ ክርድኣለይ እደሊ።

“ድሕሪ ናጽነት ብኸምዚ ክኸዱ እንተፈቲኖም ህዝቢ ክብተኖም ኢዩ”

ሓደ መዓልቲ ንሓደ ቅድመይ፣ ቅድሚ 4/5 ዓመት ዝተጋደለ፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ደሓን ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበረ ናይ ቀረባ ዓርከይን መተዓብተይን ጸዊዐ፣ ንኹሉ’ቲ ክብ ኢለ ዝገለጽክዎን፣ ካልእ ኣብዚ ክጽሕፎ ዘይደለኹን ፍጻሜታት ብዝርዝር ገሊጸ፣ ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘… ከምዚ ኢሎም ኣብቲ ውድብ ላዕለዋይ ኢድ ክሳብ ዝሕዙን፣ ሰባት እናመረጹ ብብዝሒ ንደቂ ከባቢኦም ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ክሰቕሉን ከለዉ እንታይ ትገብሩ ነይርኩም? ንስኻ ኣብ 1974/75 ተሰሊፍካ፣ ሽዑ ነዚ ኩነታት’ዚ ተዓዚብካዮ’ዶ? ብንጉሁኡ ንምግትኡ’ኸ ተፈቲኑ’ዶ?…” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣዝነብኩሉ። ንሱ ንገለ እዋን ዝን ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ፦

“እዚ ትብሎ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ። ንስኻ ሎሚ ኢኻ ትዛረበሉ ዘለኻ። ንሕና ግን ሽዑ ናብቲ ውድብ እትው ምስ በልና ኢና ነቶም ቅድሜና ዝተሰለፉ ላዕለዎት ካድረታት ሓቲትናሉ። ሕጂ’ውን እቶም ቅድመይ ኣብቲ ውድብ ዝጸንሑኒ ገዳይም ተጋደልቲ ዝሃቡኒ መልሲ ጥራይ ኢየ ክህበካ። እቲ ሽዑ ዝተዋህበኒ መልሲ ድማ…” ይብል’ሞ ነቲ ቅድም ተነጊሩኒ ዝበሎ ብኸምዚ ይገልጾ። “’እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ ኢዩ። ኣዘንጊዖሙና ኢዮም። ሕጂ ግን ኣውራጃና ተበዲሉ፣ ንስኹም ጥራይ ሓለፍቲ ትኾኑ ኣለኹም’ ኢልካ ምክርኻርን ንዕኡ ክተስተኻኽል ምፍታንን፣ ተመሊስካ ኣብቲ ናይ 60ታት ኣውራጃዊ ምምቕቓል ምምላስ ኢዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምቕቓል ዝኸስብ ድማ ስርዓት ደርጊ (ጸላኢ) ጥራይ ኢዩ። እቲ ዝኸስር ድማ ብምሉኡ ህዝቢ ኤርትራ። እዚ እንርእዮ ዘለና ኲናት ድማ ሓላፍን ተራን ከይበለ ንኹልና ዝበልዓና ኢዩ ዝመስል። ካብ ገዛና ክንወጽእ ከለና’ውን፣ ብመስዋእትና ሃገርና ነጻ ከነውጽእ እምበር፣ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቀርቊስ ክንኣቱ ኣይነበረን። ስለዚ ሕጂ ኩሉ ኣድህቦና ናብ ጸላኢ ገርይና ሃገርና ነጻ ንምውጻእ ንቃለስ፣ ሃገርና ንምርካብ ንሰዋእ። እቲ መስዋእቲ ንዓኣቶም’ውን ዝተርፎም ኣይኮነን። ምናልባት ውሑዳት ናጽነት ዝርእዩ እንተሃልዮም’ሞ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን ብኸምዚ ሕጂ ዝኸድዎ ዘለዉ ክኸዱን ሰብ ክፈላልዩን እንተፈቲኖም፣ ህዝቢ ክብተኖም ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ምፍልላይ ዝቕበል ህዝቢ ኣይኮነን። ንሕና ድማ እምነትና ኣብ ህዝቢ ገርና ንኺድ። እቲ ዝተረፈ ንህዝቢ ንግደፈሉ፣ ህዝቢ ባዕሉ ክምልሰሉ ይሓይሽ…’ ዝብል ኢዩ። ንስኻ ዘይትፈልጦ ካልእ ውደባ’ውን ኣሎ። እቲ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተዋህበኒ መልሲ ድማ ነዚ ይመስል። ንዕኡ እኣምን፣ ንዕኡ መሰረት ገይረ ድማ ክሳብ ሎሚ እቃለስ ኣለኹ…”

… ክብል ዘረብኡ ድምዲሙ። “ንስኻ ዘይትፈልጦ ካልእ ኣውዳድባ’ውን ኣሎ” ምባሉ፣ ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ፣ ንኣወዳድባ ናይታ ውሽጣዊ ሰልፍን ንሳ ኣብቲ ጉዳይ ዝነበራ ተራን ማለቱ ኢዩ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣበሃህላ ከም ዘነጽሮ፣ እዚ ወገናውን ኣውራጃውን ምጥርናፍ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ፣ ዳርጋ ምስ ምምስራት ናይቲ ውድብ ዝጀመረ ዓሚቝ ሰረት ከም ዘለዎ ኢዩ። ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ ኢዩ ዝሕበር። ንሱ ድማ፦

  1. ነቲ ድሮ ጀሚሩን ተኣታትዩን ዝነበረ ኣውራጃውን ወገናውን ምጥርናፍ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከም ዘለዎ ተቐቢልካ፣ ምሉእ ዓቕምኻ ናብቲ ቀንዲ ሃገራዊ ሕቶ ኣተኲርካ ምቅላስ
  2. ነቲ ቀንዲ መግዛእታዊ ሕቶ ንግዜኡ ኣወንዚፍካ፣ ንዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ቀዳምነት ሂብካ ኣንጻር’ቲ ጠንቂ ዝኸውን ዝነበረ መሪሕነት ምቅላስ። እዚ ድማ ነቲ ዝነበረ ኣመራርሓ ኣፍሪስካ ሓድሽ ውደባ ክሳብ ምፍጣር ዝኸይድ ኢዩ።

እቶም ሽዑ ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት እምበኣር ነቲ ቀዳማይ ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢዩ ዘነጽር። ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ከም ዘዕልልዎ’ውን ውድብ ኣብ ሓደጋ ምብትታን ምስ በጽሐ፣ ‘ህዝባዊ ሓይልታት ክብተን የብሉን’ ዝብል መርገጺ ከም ዝወሰዱን፣ ካብ ሓደጋ ምብትታን ንምድሓን ድማ ጸግዒ ናይቲ መሪሕነት ከም ዝሓዙን ይዛረቡ ኢዮም። ከምዚ ኢሉ ከኣ እቲ ድሒሩ ግዝያዊ መንግስቲ ዘቖመ ህዝባዊ ግምባር፣ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ውድብ ኮይኑ ማዕቢሉ

ኣብዚ ንእግረ መንገደይ ከብርሆ ዝደሊ ነጥቢ’ውን ኣሎ። ዋላ’ኳ ኣካል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ገይረ ከቕርቦ እንተዘይደለኹን፣ ገና ስፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ዘድልዮን እንተኾነ፣ እዚ ኣውራጃዊ ምክፍፋል፣ ኣብተን ሰለስተ ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ካብ ኩሎም’ቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ኮነ ሎሚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ፣ ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩን ዘለዉን ደቂ መታሕት፣ ኩሎም ደቂ ባርካ፣ ሳሕል፣ ሰንሒትን ደንከልን ተደሚሮም፣ ካብ ተወልድቲ ሰምሃር፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ሕርጊጉን ከባቢኣን ዝበዝሑ ኣይመስለንን። ስለዚ ኢሰያስን ጉጅልኡን ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ኣብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ብማዕረ (ኣብ ኣስላምን ክርስትያንን) ብቑል ካብ ዝብል፣ ከም ፖሊሲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ሜላ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ጉጅለ ኢሰያስ ኣብየናይ ኮረሻ ተወጢሑ ከም ዝመጸ ክበርህ ይግባእ።

… ይቕጽል

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን (ውልቃዊ ትዕዝብቲ) ታደሰ ኪዳነ –በርሚንግሃም

$
0
0

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 12 ክፋል         04/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

 

ኣብ ዝሓለፈ መበል 11 ክፋል ከም ዝገለጽኩዎ፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ኣብቲ ውድብ ምስ ጀመረ፣ ሓደ ወገን ነዚ ሜላ’ዚ ከም ናይ ሓዋሩ ናይ ስልጣኑ መረጋገጺ ክወስዶ ከሎ፣ እቲ ካልእ ወገን ግን ኣብ መንጎ ክልተ ምርጫታት ተቐርቂሩ ምንባሩ፣ እቶም ዝነበሩ ላዕለዎት ካድረታት ድማ፣ ነቲ ጉዳይ ንምዕራይ ክብሉ ናብቲ ናይ 60ታት (ዘምነ ክፍልታት) ዝምለሱ፣ እምነቶም ኣብ ህዝቢ ብምግባር፣ ነቲ ኩነታት ተጻዊሮም፣ ‘ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ (ምብራር መግዛእቲ) ምትኳር ይሓይሽ’ ዝብል ምርጫ ከም ዝወሰዱ ኢየ ገሊጸ።

 

እቲ ውድብ ድማ ብዓቢኡ ብደቂ ከበሳ ዝዕብለል፣ ካብኡ ናብኡ ድማ ንተወለድቲ ዝተወሰነ ከባቢ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝሓሪ ኮይኑ ከም ዝማዕበለ፣ እቶም ናብ ስልጣን ዝሕረዩ ሰባት ድማ፣ እቶም ስም ኣመንቲ ክርስትና ዘለዎም መብዛሕትኦም ካብ ሓደ ከባቢ፣ እቶም ኣስማት ኣመንቲ ምስልምና ዝሓዙ ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ውሱን ከባቢ ምንባሮም’ውን ገሊጸ ነይረ።

 

ኣብ ብዙሕ ሰብ ‘ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ተመሪጹ?’ ዝብል ሕቶ ከለዓዕል ባህርያዊ ኢዩ። እቲ መልሲ ነቲ ውልቀ-መላኺ ብውልቁ ዝህቦ ፍሉይ ረብሓ ስለ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ዕላማን ሳዕቤንን ናይቲ ኣሰራርሓ ቅድሚ ምዝራበይ ድማ፣ ንሎሚ ከም መቐጸልታ ናይዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ኣተዓዳድላ ሓላፍነት፣ ኣብዚ መበል 12 ክፋል፣ ብዛዕባ’ቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝሃቦ ወታደራዊ ማዕረግ ቁሩብ ክገልጽ ኢየ። ኣብቲ ዝቅጽል ክፋላት ድማ ብሰንኩ፣ ኣብ መላእ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘጋጠመ ሳዕቤን ክገልጽ ኢየ።

ወታደራዊ ማዕርግ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ናይዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ሓቅነት ዘረጋግጽ ካልእ ፍጻሜ’ውን ኣሎ። ድሕሪ ናጽነት፣ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ወታደራዊ ማዕረግ ክዕደል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ፕረዘደንት ኢሰያስ ባዕሉ ንገለ ሰባት ወታደራዊ ማዕረግ ከም ዝዓደለ ኣብ ማዕከናት ዜና ወጺኡ ተዛሪቡ። ኣስማቶምን መበቆል ዓዶምን ናይቶም መኮነናት ድማ እዞም ዝስዕቡ ነይሮም፦

1.    ጀነራል ስብሓት ኢፍረም          = እባርዳእ   (ሓማሴን)

2. መ/ጀነራል ገረዝጊሀር ዓንደማርያም    = ኣፍደዩ     (ሓማሴን)

  1. መ/ጀነራል  ተኽላይ ሃብተስላሴ       = ዓዲንፋስ   (ሓማሴን)
  2. መ/ጀነራል   ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ   = ጸሎት      (ሓማሴን)
  3. መ/ጀነራል   ሃይለ ሳሙኤል         =ዓዲመንጎልቲ (ተኸላ -ሰራየ)
  4. መ/ጀነራል   ብርሃነ ገረዝጊሀር       =በራኽ  (ተኸላ – ሰራየ)
  5. መ/ጀነራል   ኣሕመድ ካሪካረ        = ካብ ዓፋር  (ደንካልያ)/
  6. መ/ጀነራል   ሮመዳን ኣውሊያይ     = ካብ ዓፋር   (ደንካልያ)
  7. መ/ጀነራል   ዑመር ጠዊል      = ዓዲ ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ፣ ሰምሃር)
  8. መ/ጀነራል   ኣሕመድ ካካይ      = ካብ ሳሆ (ኣከለጉዛይ)

 

ሓበሬታ፦ እዚ ዝርዝር ኣስማት’ዚ ነቶም ኣብታ መጀመርያ መዓልቲ ኢሰያስ ባዕሉ መጀር ጀነራል ዝሃቦም ጥራይ እምበር፣ ነቶም ናይ ብርጋደር ጀነራል ማዕረግ ዝተዋህቦምን ድሒሮም ነቲ ናይ መጀር ጀነራል ማዕረግ ዝወሰዱን ኣየጠቓልልን ኢዩ።

ኣብዚ ብንጹር ከም ዝረአ’ውን 4 ካብቶም 10 ፕረዚደንት ባዕሉ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም መኮነናት፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምንባሮምን ድሒሩ ኣብ ወሳኒ ቦታ ተመዲቦም ክሰርሑ ምምዳቦምን ጥራይ፣ እቲ ኣሰራርሓ ብቐንዱ እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ ዘተኣታተዎ ምዃኑ ኢዩ። ድሒርና ከም እንርእዮ፣ ካብቲ ዝረኣናዮ ቊጽሪ ንላዕሊ፣ ነቶም ካልኦት ዝተዋህበ ናይ ስራሕ ብጽሒት ብቐንዱ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኢዩ ዘነጽሮ። እቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝጀመሮ ስራሕ ብኡ ንብኡ ንታሕቲ ወሪዱ፣ ሎሚ ዳርጋ ኩሎም ሓለፍቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ሓደ ከባቢ ምዃኖም ዘካትዕ ኣይኮነን። ንኣብነት ካብ ዓዲንፋስ ጥራይ ንመ/ጀ/ተኽላይ ሓዊስካ 6 መኮነናት ናይ ጀነራል ማዕረግ ኣለዎም። ክልተ ካብኣቶም ሓወቦን ወዲሓዉን ምዃኖም ድማ ነቲ ኣሰራርሓ ዝያዳ ዘነጽር ኢዩ። ንሳቶም ድማ፦

    1. መ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ           = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    2. ብር/ጀነራል ተስፋይ ይስሓቕ (ቀያሕታይ) = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    3. ብር/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስ ይስሓቕ       = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    4. ብር/ጀነራል ጸሃየ ካሕሳይ                = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    5. ብር/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም              = ዓዲንፋስ ሓማሴን
    6. ብር/ጀነራል ዳንኤል ኣብርሃ (ጨዓይ)      = ዓዲንፋስ ሓማሴን

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝዝረብ ዕላል’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣናትን (ሚኒስተራት) ሓለፍቲ ጸጥታን፣ ካብ ኩሉ ከባቢታትን ካብ ክልቲኡ ሃይማኖትን እንድዮም” ዝብል ኢዩ። እንተኾነ ነዚኣ ብንጹር እተብርህ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገዲም ተጋዳላይን ኣባል ናይታ ሚጢራዊት ሰልፍን ዝነበረ፣ የማነ ተኽለገርግስ ንሬድዮ ወጋሕታ ዝሃቦ ቃል ነዚ ይመስል፣-

 

 “ድሮ ጉባኤ ‘እዚ ውድብ በዞም ዘለዉ መራሕቲ ገርካ ክስራሕ ኣይከኣልን ኢዩ። ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ሒዝካ ከትከይድ ስለ ዘይከኣል፣ ነዚ ውድብ ኢንስቲቱሽናላይዝድ ክንገብሮ ኣለና።” ዝብል ዘረባ ሰሚዐ ነይረ። እታ ኢንስቲቱሽን’ ትብል ቃል ንቓላ ትርድኣኒ ኢያ። ብኸመይ ይጥቀሙላ ኣለዉ ስለ ዘይተረድኣኒ፣ ሓደ ግዜ ንጴጥሮስ ሰለሞን ከምዚ ክብል ሓቲተዮ። ‘ከመይ ዓይነት ኣሰራርሓ ኢኹም ከተታኣታትዉ ትደልዩ ዘለኹም? እዛ ‘ኢንስቲቱሽናላይዝድ’ ክንገብሮ ኢና’ ትብል ዘረባ ኣይተረድኣትን’ ምስ በልክዎ፣.. “እቲ ክፍልታት ወይ ሚኒስትሪታት ናይ ኤርትራ፣ ሓደ መራሒ ይህልዎ፣ እዚ መራሒ’ዚ ግን ንፈርማ ጥራይ ዘድሊ ሰብ ኢዩ። እቲ ስራሕ ንሱ ኣይኮነን ዝሰርሖ። እቲ ስራሕ ክስራሕ እንተድኣ ኮይኑ፣ ክኢላታት ወይ ምሁራት ሰባት ነቲ ስልጣን ክሕዝዎ ኣለዎም። ንሳዎም ኣጽኒዖም መርሚሮም ምስ ወድኡ፣ ንዕኡ ንፈርማ ጥራይ ኢዮም ዘቕርብሉ። ከምዚ ገርካ እንተዘይኮይኑ፣ እዚ ዘሎ መሪሕነት ዓቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ስራሕ ድማ ዕንቅፋት ይፈጥር ስለዘሎ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ፣ እዚ ውድብ ንቕድሚት ክኸይድ ዝኽእል።…” ኢሉኒ።

 … ቃል ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ቃለ-መጠይቕ ምስ ሬድዮ ወጋሕታ፣ 7ይ ክፋል

እቲ ግዜ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ስርዓት ወይ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። እዛ ሓጻር እትመስል ግን ንብዙሕ ሚስጢራት ናይቲ ኣሰራርሓ ብንጹር ኢያ ትገልጽ። እቶም ድኹማት ዝተባህሉ ሓለፍቲ፣ እቲ ፕረዚደንት ስለዝደለዮም ጥራሕ፣ ባዕሉ ኮፍ ዘበሎም ኢዮም። ዕንቅፋት ዝፈጥርሉ እንተኾይኖም’ውን ንምእላዮም፣ ንምእሳሮም ይኹን ንምቕታሎም ጸገም የብሉን። እንተ’ቲ ‘ክኢላታት ወይ ምሁራት’ ዝብል ዘረባ ግን፣ ኣብ ኤርትራ ምሁርን ክኢላን ክስደድ እምበር ከመሓድር ኣይረኣናን። እታ ‘ክኢላታትን ምሁራትን’ ትብል ሓረግ፣ ‘ብእሙናትን ኣገልገልትን’ እንተ-ተተኪኣ ግን ልክዕ ኢያ ትመጽእ። ጴጥሮስ ንየማነ ዘየግሃደሉ ንእሽቶ ሚስጢር እንተ-ተሪፋቶ ድማ ንሳ ጥራይ ኢያ ነይራ። እቶም ‘ወከልቲ’ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ሚኒስተራን ካልኦት ሓለፍትን እምበኣር፣ በቶም ወግዓዊ ሹመት ዘይብሎም፣ ግን ከኣ ፕረዚደንት ብዝሃቦም እምነት፣ ምሉእ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎም ሰባት ተወዲኡ ዝተዋህቦም ዝፍርሙ፣ ስም ጥራይ ዝሓዙ ምስሊታት ኢዮም። እቶም ወግዓዊ ስልጣን ዘይብሎም፣ ‘ወዳእቲ ስራሕ’ በዓል መን ኢዮም? ዝብል ሕቶ ግን ገና ክምለስ ዘለዎ ኢዩ።

ነዚኣ እትመሳሰል ኣብ ኣስመራ ከለኹ፣ ዝሰማዕኩዋ ሓቤረታ’ውን ኣላ። እቲ ግዜ ኣብ ሚኒስትሪታት ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝጣየሱሉ ዝነበሩ እዋን ኢዩ። ፋዱስ ኮይኑ ኩሉ ሰራሕተኛ ከካብ ቤት-ጽሕፈቱ ናብ ምስሑ ዝወጻሉ እዋን። ሚኒስተር እገሌ’ውን ከም ሰቡ ካብ ቤት-ጽሕፈቱ ወጺኡ፣ ኣብቲ ግዳም ሓደ – ኣብ ትሕት ዝበለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሕ ዝነበረ፣ ዝፈልጦ ሰብ ይርኢ’ሞ፣ ጸዊዑ ምዉቅ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቡ “ስራሕ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ ይሓቶ። እቲ ተጋዳላይ ገሪሙዎ፣ ነታ ሽዑ ዝተቐበላ “ተጣይስካ” ትብል በቲ ሚኒስትሪ ዝተዋህበቶ ደብዳቤ የርእዮ። እቲ ሚኒስተር ሰንቢዱ “እዋእ! ኣነ ድኣ ዘይፈለጥኩ!” ብምባል ነቲ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ደብዳቤኡ መሊሱሉ። እቶም ከም ወከልቲ ዝተቐመጡ ሚኒስተራት እምበኣር፣ ናይ ሚኒስተር ስም እምበር፣ ናይ ሚኒስተር ስልጣን የብሎምን።እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ዶብ ኲናት ደው ኢሉ፣ እቲ መንግስቲ ካብ ውሽጡ ነቒዑ ህግደፍ ኣብ ቅልውላው ምስ ወደቐ፣ ኣብ ክቱር ስግኣት ዝወደቐ መራሕ ሃገር፣ ነቶም ዝኣምኖምን ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝዓደሎምን ጀነራላት ኣብ ጥቕኡ ከቐምጦምን ህዝቢ ከበሳብሱ፣ ምሉእ ስልጣን ክህቦምን ርኢናዮ። እቶም በብግዜኡ እናተቐያየሩ፣ ብባርኾት ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ተቐሚጦም፣ ንኹሉ ጸጥታውን ስለያውን ንጥፈታት ናይቲ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ብምግባር፣ ንምልእቲ ከተማ ኣስመራ ቀጥ-ቀጥ ከብሉዋ ዝጸንሑን ዘለዉን ጀነራላት፣ ተወለድቲ ሓደ ከባቢ እምበር፣ እቶም ኣብያተ-ጽሕፈቶም ካብ ናቕፋ ንዓሰብ፣ ካብ ዓሰብ ድማ ንባረንቱ ዝተቐያየረ ተወለድቲ ካልእ ከባቢ፣ እዚ እምነት’ዚ ክወሃቦም ኣይረኣናን።

ኩልና ክም እንሰማማዓሉ፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ፣ ክብ ዝበለ ወታደራዊ ማዕረግ እምበር፣ ሲቪላዊ ስልጣን ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ካልኦት እቲ ፕረዚደንት ባዕሉ፣ ንይስሙላህ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዝዓደሎም ሰባት፣ ካብቲ ወታደራዊ ጽፍሕታት ተኣልዮም፣ ገሊኦም ኮሚሽነራት ስፖርት፣ ካልኦት ድማ ኣብ ተራ ሲቪላውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ክቀያየሩ ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ንሳቶም’ውን ኣይተኣምኑን። እዚ ንባዕሉ፣ እቲ በቲ ነውራም ተግባራቱ ዝሰግአ ፕረዚደንት፣ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ኣባኢሱ፣ ካብ ዝተወሰነ ከባቢ ጀነራላት መልሚሉ፣ ‘ሓሉዉኒ ከርባሓኩም’ ዝዓይነቱ ኪዳን ክምስርት ናይ ነዊሕ መደቡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘረድእ። ዕላማን ሳዕቤንን ናይ ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ ዝስዕብ ክፋል ክገልጾ ኢየ።

 

… ይቕጽል

ብዛዕባ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን”

$
0
0

ማሕሙድ ሳልሕ

“ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኣብ መንጎ ኣርኪበሉ። መበል 12 ክፋል በጺሑ ገና ‘ውን ዝቅጽል ‘ዩ ዝመስል። ንብጻይ ታደሰ እፈልጦ እየ። ገዲም ተጋዳላይ ምዃኑ ድሮ ፈሊጥክም ኣለኹ። ፍርቂ ኣካሉ ንሃገሩ ዘወፈየ ምዃኑ ምጥቃስ እውን ሓጋዚ ይኸውን መስለኒ። ተ/ታደሰ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከምዝነበረ ውልቃዊ ትዕዝብቱ እና ተወከሰ ከካፍለና ጸኒሑ። ኣብቲ ዝጽሕፎ ዘሎ ትዕዝብትታቱ ሕጽረታት ይረኣየኒ ስለዘሎ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክጽሕፍ እግደድ ኣለኹ። ዕላማይ፡ ነንባባይን ጸሓፋይን ሓጋዚ ሓሳብ ይኸውን ካብ ዝብል ድሌት ዝነቐለ እዩ።

ብጻይ ታደሰ ክልተ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይፍትን ኣሎ።

ሀ- ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ

ለ- እዚ ኣውራጃዊ ፖለቲካ እዚ በሰላታት ሓዲጉ ( በሰላታቱ ገና ከምዘሎ እዩ ዘስምዕ)

ሕጽረታት ናይዚ ሓሳብ

ብመጀመርታ ቅድሚ ሕጽረታት ብጻይ ታደሰ ምጥቃስ ሕጽረታተይ ክሕብር እፈቱ፤ ምኽንያቱ ነቲ ከለልዮ ዝኽእል ሕጽረታተይ ተረዲእካ/ኪ ምንባብ ሓጋዚ ‘ዩ እብል። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበኹ ብምዃነይ ቅሩብ ናይ ይብጸሓኒ ስምዒት ክህልወኒ ይኽእል ( ኣብዚኣ ምስ ታደሰ ሓደ ኢና)። እታ ካልኣይቲ፡ ንኣንባቢ ክሕግዝ ዝኽእል ክረአ ወይ ክድህሰስ ዝኽእል ከም ኣሃዛት ዘመሰለ ሓበሬታ(data) የብለይን። ስለ’ዚ  መንጪ ጽሑፈይ ኣብ ኣቀራርባ ታደሰን ናተይ ትዕዝብትን ዝተመርኮሰ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ከም መልሲ ናይቲ ታደሰ ከስምረሉ ዝደሊ ዘሎ ማእከላዊ ሓሳብ ከምዘይኮነ ክፍለጠለይ እደሊ።  ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ወይ ኣይነበረን ንምባል ዘኽእል ሓበሬታ የብለይን። ከም ኣንባባይ ጽሑፉ መጠን ግን፡ “እዚ እንተዝማላእስ ጽሑፉ ንዘንብቡ ሚዛናዊ መረዳእታ ምረኸቡ” ከም ማለት ክውሰደለይ እደሊ። በዚ ኣጋጣሚ ንታደሰ፡ ስለ እቲ ልስሉስን ወሓዝን ትረከኡ ከድንቖ እፈቱ።

ታደሰ፡ ኣብ ህ.ግ. ኣውራጃዊ ፖለቲካ ነይሩ ንምባል ኣብ በራጊድ 51ን 58ን ክ/ትምህርትን ዝነበረ ኣወዛዝዓ ሓላፍነት ጠቒሱ ኣሎ። እቲ በሰላታት ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ “ኣውራጃዊ ፖለቲካ” ድሕሪ ናጽነት እውን ከም ዝቐጸለ ንምርኣይ ኣብ ሚ/ትምህርትን ምክልኻልን ዝተገብረ ኣወሃህባ ሓላፍነታትን ወተሃደራዊ መዓርግን ከም ኣብነት ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣብዚ፡ ብዘይካ ምእራም ብሄር ሮመዳን ኣውልያይ፡ ብወገነይ ኣብ ኣስማትን ቁጽርን ናይቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት ዝብሎ የብለይን። ኣውልያይ ወዲ ብሄረ ትግረ እዩ መስለኒ። ብዝኾነ፡ ሕጽረት ትረካ ታደሰ፡ ናይቲ ዘቕርቦ ቁጽሪ ዘይኮነስ እቲ ቁጽሪ ንባዕሉ ብከመይ ከምዝመጸ ከርኢ ዘይምኽኣሉ እዩ። ታደሰ ነዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው መደምደምታታቱ ቅሩብ ዲሲፕሊን እንተዝህልዎ ጽቡቕ ምኾነ።

1-      መደምደምታታትካ ካብቲ ኣብተን ሰለስተ ኣሃዱታት ዝረኣካዮ ኣመዳድባ ሓለፍቲ ዝብገስን ኣብኡ ዝምርኮስን ስለዝኾነ፡ እቲ መደምደምታታት ሓቂ ክኸውን እንተኮይኑ፡ እተን ሰለስተ ኣሃዱታት፡ ማለት ብ51ን 58ን ክ/ትምህርትን ብልክዕ ንኣቃውማ ናይ ኩለን ኣሃዱታት ናይቲ ውድብ ይውክላ ከምዝነበራ ንኣንባባይ ክተረጋግጽ ኣሎካ። እዚ ባውራጃን ሃይማኖትን ጥራይ ዘይኮነ ብግድምና እውን ማለት እዩ። ኣብቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝነበርካሉ ግዜ  ኣስታት 10 ብራጊድን ዳርጋ መንግስታዊ ቅርጺ ዝሓዘ ብዙሕ ክፍልታትን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብተን ዝጠቐስካየን ኣሃዱታት ዝነበረ ኣቃውማ ሓለፍቲ ንኩለን እተን ብርጌዳትን ክፍልታትን ዝውክል ከምዝነበረ እንተዘየነጸርካ ከመይ ጌርካ ኢኻ ዓማሚ ሓሳባት ክትስንዝር ትኽእል?

2-     እንተደኣ ንሳተን ንኩሉ ውድብ ዝውክል ኣቃውማ ነይሮመን ኮይነን፡ ካብቶም ዝተሸሙ ንላዕሊ ብቅዓት ዝነበሮም እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ወይ ዝተሃሰዩ ሰባት ክተቕርብ ኣሎካ።

3-     እዚ ንምግባር ድማ ቅጥዒ ኣወዛዝዓን ኣሽያይማን ናይቲ ግዜ እንታይ ከምዝነበረ ክተርኢ ኣሎካ። ኣብ ህ.ግ. እታ ሓንቲ ዝዝክራ “ከም ኣድላይነት” ትብል እያ ነይራ። ስለ’ዚ፡ በጋጣሚ ዝበዝሑ ሓካይም ካብ ሓደ ከባቢ ዝመጽኡ እንተነይሮም ንምንታይ ኣብ ክ/ሕ ጽዒቖም ክንብል ንኽእል ‘ዶ? ወይ ብገለ ተክኒካዊ ብቕዓታት ሓንቲ ኣውራጃ ኣብ ሓደ ክፍሊ ጽዕቕ ዝበለ ውክልና ሓለፍቲ እንተነይሮማ፡ ኣውራጃዊ ምኽንያት ነይርዎ ክንብል ንኽእል ዲና? ስለ’ዚ ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ጌርካ ተሰላስሎ ዘለኻ ኣብ ግምት ክኣቱ እንተኾይኑ፡ብውሑዱ ኣብተን ዝነበርካየን ኣሃዱታት ነቶም ትብሎም ዘለኻ ሓለፍቲ ዝወዳደሩ ዝነበሩ እሞ ብሰንኪ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ዝተረፉ ሰባት ከምዝነበሩ ክትሕብር ኣሎካ።

ጸገም ታደሰ፡ ብትዕዝብቲ ጀሚሩ ኣብ ትዝብቲ ዘይምሕጻሩ እዩ። ነቲ ውሱን ትዕዝብቱ ናብ ሓፈሻዊ ትርጉምን ፍርድን ይመጦ ኣሎ። ንኣብነት፡ ካብ ዓስርተ ኣጣል እተን ሽዱሽ ጸዓዱ እየን ምባልትዕዝብቲ እዩ። እተን ሽዱሽተ ኣጣል ጸዓዱ ስለዝኾና እየን ህጣራታት ኮይነን እንተኢልካ ግን ናብ መደምደምታን ፍርድን ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ናብዚ መደምደምታ ክትበጽሕ ካልእ ኩሉ ከህጥረን ዝኽእል ተኽእሎታት ፈሊኻ ክትውግን ኣሎካ። ብተመሳሳሊ ክንድዚኦም ሓለፍቲ ካብዚ ከባቢ ነይሮም ምባልን እቶም ሰባት ደቂ  እቲ ውሱን ከባቢ ብምዃኖም ሓለፋ ብሻርነት ረኺቦም ምባልን በበይኑ እዩ። እቶም ሰባት ሽመቶም ብወገነይ-ወገንካ ከምዝረኸብዎ ክተረጋግጽ እንተኾይኑ፡ እንተወሓደ እተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ነጥብታት ክምለሳ ኣለወን።

ብካልእ ወገን ዴሞግራፍያዊ ኣቃውማ  ህዝቢ ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ ምንጻር ነንባቢ ሓጋዚ ምኾነ። ህ.ሓ. ኣብ ሰምሃርን ከባቢ ካርነሽምን እዩ ዓብዩ። ደሓር ኣብ ሳሕል ሰሪቱ። ዝበዝሐ ቁጽሪ ቀዳሞት ተጋደልቱ ከብዚ ከባቢ ክኽውን እትጽበዮ ነገር እንተኾይኑ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቱ ‘ውን ከብዚ ውሱን ቦታታት  ክነብሩ ከም ከምዝኽእሉ ዘካትዕ ኣይከውንን ‘ዩ። ትዕዝብቲ ታደሰ ንጂኦግራፍያዊ ውሱንነት ናይቲ ህዝባዊ ሓይልታት ዝዓበየሉ ከባቢ እዩ ዘንጸባርቕ ‘ምበር እቶም ሓለፍቲ ብኣውራጃዊ ፖለቲካ ስልጣን ከምዝተዋህቦም ዘርኢ ጭብጢ የብሉን። ህ.ሓ. ኣብ ቆላታት ሰራየ ተሓጺሩ ዓብዩ ነይሩ እንተዝኸውን ተመሳሳሊ ግድል መጓነፎ። ጻዕቒ ሓለፍቲ ደቂ ሰራየ ምሃለዎ። ካብቲ ታደሰ ኣተኲሩሉ ዘሎ ክርስታያናዊ ህዝቢ ከይወጻእና ንኣብነት፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብብዝሒ ተወላዶ ሰራየን ዓንሰባን እንኮላይ ሰንሒት ነይሩ ይበሃል። ናይ ጀኦግራፍ ረቋሒ ኢለ እየ ዝሓልፎ። ተመክሮይ እንተደኣ ክኣምን ክኢለ፡ ህ.ግ. ብካልኩሌሽን ኣሃዱ ኣከለ ክንድዚ ድቂ ሰራየ ኣለዋ ‘ሞ ክንድዚ ደቂ ሰምሃር ንወስኸላ … ዝበሃል ዝነበሮ ኣይመስለንን። ግን ኣብ ቦታ ቁጽጽር ሰብኣዊ ዓቕሚ ከምዘይነበርኩ ክሕብር እፈቱ። እቲ ጸገም ምብዛሕ ሓለፍቲ ካብ ውሱን ከባቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም፡ እዞም ሓለፍቲ እዚኦም ንሓላፍነቶም ተጠቒሞም ነቲ ወገነይ ዝብልዎ ከባቢ ምስ ዘሻርዉ እዩ።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ርኡይ ደሞግራፍያዊ መቐይሮታት ዝነበርወን መድረኻት ነይረን እየን። ኣብ መጀመርያ ሱሳታት ተ.ሓ.ኤ. ብደቂ ባርካ ተዓብሊሉ ከምዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ኣበይ ድዩ እቲ ሰውራ ተጀሚሩ? ኣብ 1970፡ ደቂ ከበሳን ቀይሕ ባሕርን ማርያን ዝበዝሕዎም ተጋደልቲ ንመሪሕነት ተሓ.ኤ. በውራጅነት ከሲሶም ተፈንጪሎም። ገሊኦም ግን ተጸሚሞም ነቲ ውድብ ከዕርዩ መሪጾም። ኣብ 1972፡ ኣቦ ወንበር ተ.ሓ.ኤ. ክኸውን ዝተመርጸ ወዲከበሳ (ክርስትያን) እዩ ነይሩ። ኣብ ሰብዓታትን ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ተ.ሓ.ኤ. ደቂ ከበሳ በዚሖሞ ከምዝነበሩ እውን ይፍለጥ። እዚ ዘርእዮ እንተሎ፡ ህዝብና ፕሮፓጋንዳ ክልቲኡ ውድባት ዝምክት ኣእምሮ ከምዝነበሮ እዩ። ደቁ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይኮነስ ነናብ ዝቀረበቶም ውድብ ይስለፉ ምንባሮም ‘ዩ። ብኡ መጠን ኣብ ሓደ ውድብ ደቂ ሓደ ኣውራጃ በዚሖም ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ክስለፍ ከለኹ መጠን ብዝሒ ደቂ ከበሳን መታሕትን ተመጣጣናይ ነይሩ። ደቂ መታሕት ብብዝሒ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ክፍለዩ ከለዉ ደቂ ከበሳ ብብዝሒ ናብ ህ.ግ. ይስለፉ ነይሮም። ስለ’ዚ ኣብዚ ንስኻ ትትርኸሉ ዘለኻ ግዜ ህ.ግ. ብደቂ ከበሳ ተዓብሊሉ ነይሩ። ምኽንያት ናይዚ፡ መሪሕነት ህ.ግ. ወይ መስመር ህ.ግ. ኣበር ስለዝነበሮ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ህ.ግ. ቁጽሪ ኣስላምን ክርስትያንን ሓለፍቲ ማዕረ ከምዘይነበረ እናፈለጥኩ ሓደ መዓልቲ ሕማቕ ከይተሰመዓኒ ተጋዲለ። ወደሓንካ ታደሰ።

ሓውኻን ብጻይካን

ማሕሙድ ሳልሕ

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን –ውልቃዊ ትዕዝብቲ –ታደሰ ኪዳነ : በርሚንግሃም (መበል 14 ክፋል)

$
0
0

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     መበል 14 ክፋል         10/12/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተዘርበሉ መሊሱ ክገድድ እምበር፣ ትም ምባልና ዘምጽኦ ፍታሕ የለን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ። 

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ። 

ኣብ ዝሓለፈ መበል 13 ክፋል፣ በዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኢየ ተፋንየኩም።

“እቲ ኣሰራርሓ ንምዕባለ ሃገር ዝሃሲ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዝቐትል’ውን ኢዩ። ዝሓሸ ክእለትን ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ነናቶም ሞያ ተሰዂዖም ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ፣ በቲ ዘቕርብዎ ርእይቶን ዝዛረብዎ ዘረባታትን ጥራይ ከም ቀንዲ ተጠርጠርትን ጸላእትን ተወሲዶም ይህደኑ። ቀንዲ መምዘኒ ሰባት ዝተወልድሉ ከባቢ ይኸውን። ሃገር ድማ ምሁራትን ምኩራትን ደቃ ትስእን። ዘፍርዩን ዝሃንጹን ደቃ ጠፊኦም፣ ብዘህልኹን ዘዕንዉን ሰባት ትዕብለል። ነቐፈታን ቅዱስ ውድድርን ጠፊኡ፣ ‘ወይለኻ’ ዝብል ንህይወቱ ዝሰግእን ሰብን ይበዝሕ። ሰብ ኣብ ክንዲ ብስርሑ ብዘረብኡ ይምዘን። ተጻዋርነት ስለ ዝጠፍእ ድማ ፍርያምነት የንቆልቁል። ሰበ-ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ብስርሖም ዝነቓቐፉን ዝተኣራረሙን፣ ድኽመቶም ኣብ ህዝቢ ከይስማዕ ዝሓብኡን ዝሰታተሩን ይኾኑ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምዕባለ ሃገር፣ ኣብ ሓለዋ ነብሶምን ‘የስጉኡና ኢዮም’ ንዝብልዎም ሰባት ኣብ ምህዳን ይዋፈሩ። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት (1998/2000) ዘጋጠመ ፍሽለትን ህልቂትን፣ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ የለን። ክሳብ ሎሚ ከም ዕትሮ ተሓቲሙ፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ዝነቕፉ ተኣሲሮም ወይ ተባሪሮም ኢዮም፣ ብዝተወልድሉ ከባቢ ጥራይ ዝቀራረቡን ዝሰታተሩን መኮነናት ጥራይ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። ክሳብ መኣስ?”

….. መቐጸልትኡ ይስዕብ

 

ህዝብና ካብዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ይግባእ

ሎሚ እቲ ናይ ምክልኻል እዚታትን ካልእ ቁልፊ ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታታትን፣ ብተወለድቲ ሓደ ከባብን ንሳቶም ብዝኣመኑዎም ውልቀ-ሰባትን ዝተዓብለለ ኢዩ። ንሳቶም እቲ ኣሰራርሓ ንሃገር ዝጠቅም ከምዘይኮነ ኣጸቢቖም ዝፈልጡ’ኳ ኣንተኾኑ፣ ካብኡ ወጺኦም ንምዕራዩ ክሰርሑ ከም ዘይክእሉ’ውን ክብ ኢሉ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝኸውን መሲሉዎም፣ ምስ ናይ ነዊሕ እዋን መሳርሕቶም ዘቲዮም ንምትዕርራዩ ዝፈተኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝወረደ ኣደራዕ’ውን ኩልና ተዓዚብናዮ ኣለና። ንሳቶም ባዕላቶም ብዝሓረይዎምን ዘሰልጠንዎምን ሰባት ተኻሒዶም፣ ብህይወቶም ከለዉ ከም ምዉታት ኣብ ጎዳጉዲ ክነብሩ ተፈሪዱዎም ኣለዉ።

ኣነ ካብ ዝፈልጦ ጥራይ’ኳ፣ እቶም ‘ዝምቡላት’ ተባሂሎም ምስ ተነቕፉ፣ ኣእዛኖም ኣውዲቖም (ኣብ depression ኣትዮም) ‘ዝን’ ኢሎም ዝኸዱ ዝነበሩ ተስፋማርያም ተኸስተን ተስፋሚካኤል ገራህቱን፣ ሓብሒቡን መኺሩን ንቡር ስርሖም ንኽሰርሑ ዘኽኣሎም ሚ/ር በራኺ ገብረስላሴ ኢዩ። ሎሚ የማናይ ኢድ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም፣ ነቲ በራኺን ብጾቱን ዘልዓልዎ ሕቶ የናሽዉን ይጭፍልቑን ካብ ዘለዉ ሰባት ብቐዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ድማ ንሳዎም ኢዮም። ስለዚ ፖሊቲካዊ መርገጺ ተገማጣልን፣ ምስ ረብሓታት ተኣሳሲሩ ዝኸይድን ካብ ኮነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ደድሕሪ’ቲ ተገማጣሊ ረብሓ ውልቀ-ሰባት ክኸይድ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ን30 ዓመታት ዝደመየሉ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ ናብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ምብትታን ንምብጻሕ ኣይነበረን። ኣብ ዓዓዱ ብሰላም ክነብርን፣ ንጸጋታት ናይታ ሃገር ድማ ከከም ዓቕሙ ብነጻን ብማዕረን ክጥቀመሉ ትምኒት ነይሩዎ። ሎሚ ግን ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍ ይትረፍ ተጠቃሚ ጸጋታት ናይታ ሃገር ክኸውን፣ ኣብ ዑናታት ኣባሓጎታቱ ቀሲኑ ክነብር’ውን ኣይተፈቕደሉን። ክነብር ኣይተፈቕደሉን ጥራይ ግን ኣይኮነን።

ሎሚ ኤርትራዊ ደም ዘየጠልቀዮ፣ ኤርትራዊ ሬሳ ዘይተቐብሮ ከባቢታት ዓለም እንተልዩ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ነታ ዝደመየላ፣ ሰዊት ንእስነቱ ዝኸፈለላ፣ ኣቦታቱን ዓበይቲ ኣሕዋቱን ዝሰኣነላን ሃገሩ ገዲፉ ካልእ ዜግነት ክደሊ ናብ እስራኤል፣ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያን ካልእ ከባቢታትን ንምብጻሕ ረጊጹወን ዝሓለፈ ሃገራት፣ ማያትን በረኻታትን ዓለምና ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ንኹሉ ከኣ ሞባእ እናከፈለ ኢዩ ክሓልፎ ጸኒሑን ዘሎን። ሰብኣዊ ክብሩ ኣረኪቡ፣ ክቡር ሂወቱ ከፊሉ፣ ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ከሲሩ ኢዩ ኣብተን ሃገራት ክበጽሕ ዝኸኣለ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኑ ኣሎ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ጸገማት ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ’ኳ እንተኾነ፣ ንፖሊሲታትን ኣሰራርሓን ናይቲ ስርዓት ዝዳረግ ብቑዕ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝበቕዐ ግን ኣይመስልን።

ኣርእስተይ ብቐንዱ ብዛዕባ ኣውራጃዊ ፖለቲካን ሳዕቤናቱን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምፍልላይ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፖሊሲ ስለ ዝኾነ። ተጠቀምቲ ናይቲ ኣሰራርሓ’ውን፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ባዕሉን፣ ቁንጣሮ መሻርኽቱ ጥራይ ምዃኖም ብንጹር ገሊጸ ኣለኹ። ሕጂ’ውን ካልእ ኣብነት ምቕራብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

እቲ ውልቀ-መላኺ፣ ንሃገራዊ ባይቶን ንላዕለዎት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሰራዊትን ከየማኸረ፣ ብኢደ ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ወሊዑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣሽሓት ሂወት ጠፊኡ፣ ብቢልዮናት ዝግመት ንብረት በሪሱ፣ ሓደ ሲሶ መሬትና ናብ ናይ ጸጥታ ዞባ ተቐይሩ። እቲ ካብ ኣቦሓጎታትና ተወሪሱ፣ ነዊሕ ዓመታት እናተነድቀ ዝመጸ ክቡርን ሕፉርን ስም ኤርትራዊ ብሓንሳብ ባይታ ዘቢጡ - ተናዒቑን ተደፊሩን፣ ምስሊ ሃገርና ኣብ ዓለም ተደዊኑ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣዴታት ደቕኽን ስለ ዝተሰውኡ ‘ዕልል በላ’ ተባሂለን። ነዚ ኩሉ ድማ፣ እቲ ፕረዚደንት ንዝኣመነ ኣሚኑ፣ ሕጊ ጥሒሱ ብውልቁ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ።  ንሱ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝፈጸሞ ክሕደትን በደልን እምበኣር፣ ሓንሳብ ዘይኮነስ ሽሕ ግዜ ንሞት ዘፍርዶ ኢዩ።

እዚ ዘሰንበዶም፣ ማዕሪኡን ልዕሊኡን ነታ ሃገር ዝተቓለሱላ መዛንኡ ድማ፣ እቲ ኲናት ምስ ተወለዐ ደው ንምባሉ፣ እዚ ዘይከውን ኮይኑ ምስ ረኸብዎ (ፕረዚደንት ‘ዕጭ ሓምፈፍኩ’ ምስ በሎም) ድማ፣ ኣብቲ ኲናት ዕዉታት ኮይኖም ንኽወጹ ኩሉ ዝከኣሎም ገይሮም። ኣንፈት እቲ ኲናት ንረብሓ ኢትዮጵያ ገጹ ምስ ዛዘወ ድማ፣ ዓለማዊ ሕጊ ተጠቒሞም፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘከራኽር ቦታ ተወሲኑ ደው ክብል ሰሪሖም። ንሳቶም ነዚ ክገብሩ ከለዉ፣ እቲ ብኢደ-ወነኑ ኲናት ዝወለዐ ፕረዚደንት፣ ኣንፈቱ ጠፊኡዎ፣ ሰነዳቱ ካብ ኣስመራ ንሳሕል ልኢኹ፣ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ደንከልን ካብ ብምሉኡ ዞባ ደቡብን ከዝልቕ ኣዚዙ፣ ኣብ ቤት-ገርግስ መህደሚ እትኾኖ ሀሊኮፕተር ቀሪቡ ንህድማ ተዳልዩ ነይሩ።

ኤርትራ ሳላ’ቶም ትእዛዝ ፕረዚደንት ጥሒሶም ብውልቆም ተወፍዮም ዝተዋግኡ  ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፣ ብሱል ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ናጽነታን ክብራን ዓቂባ። እዞም ክልተ ኣካላት እዚኣቶም በብወገኖም ምእንቲ’ታ ‘ናትና’ ዝብልዋ ሃገር ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሖም ናብ ዓወት ገጾም ክቀራረቡ ምስ ረኣየ፣ እቲ ውልቀ-መላኺ ብቐጥታ በትረ ስልጣኑ ንምሕላው ኣብ ምትንዃል ኢዩ ኣትዩ።

እቶም ሃገር ዘውሓሱ መኮነናትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ‘ዝነበረና ድኽመታት ገምጋም ንግበረሉ’ ምስ በሉ፣ እቶም ብዓድን ዓውድን ክኣኻኽቦም ዝጸንሐ፣ ልዕሊ ክብሪ ሃገር፣ ክብሪ ውልቀ-ሰብ ዘገድሶም መኮነናት ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፣ ነቲ ቅኑዕን ሕጋውን ሕቶ ደቚሱዎ። እቶም ሓለፋ ብጾቶም ስልጣን ዝተዓደሉ መኮነናት ዑቕባ ኮይኖሞ። በቲ ንሓለቓኦም ዝገበርዎ ጉንዖ ድማ ሎሚ ናብ ጎይቶት ተቐይሮም ንርእዮም ኣለና። እቶም ልዕሊ ትእዛዝ ፕረዚደንት ክብሪ ሃገር ዘቐደሙን፣ ሃገር ዘውሓሱን መኮነናትን ሓለፍትን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም፣ ተሃዲኖምን ይህደኑን ኣለዉ። እታ ንዓመታት ክሰርሓላ ዝጸንሐ ፖሊሲ ድማ ካብ ሞትን ተሓታትነትን ኣድሒናቶ። ኩሉ’ቲ በደላት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ተፈጺሙ። በዚ ከኣ ኢየ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመክሮ ክመሃር ኣለዎ ዝበልኩ።

ብዛዕባ ፍሽለት ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ተዛሪብካ፣ ነቲ ተኸዲኑዎ ዝጸንሐ ካባ ዝቐንጠጠ ናይ ዶብ ኲናት ከየልዓልካ ምሕላፍ ስለ ዘይከኣል፣ ብዛዕባ’ቲ ብኢደ-ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ዝወለዖ ኲናት፣ ምስ ብቕዓት ናይቲ ወታደራዊ እዚ ኣዛሚደ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕርቂ ንጥቕሚ መን?

$
0
0

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕርቂ ንጥቕሚ መን?

ለማቕነ ብዛዕባ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን  ኣብ ወረ ማዕከናት ኤርትራ ገኒኑ ይርከብ። ብፍላይ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ኣብ ናይ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኢንተርነት መርበባት ይጐልሕ ኣሎ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ’ውን ዳርጋ ትንፋስ መሊሶም “ዮሃና” ዝበሉ ይመስሉ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ገለ ካብ ተቓወምቲ ደንበ ብዛዕባ’ዚ ዝበሃል ዘሎ ዕርቂ ስግኣት ዝሓደሮም ይመስል። እሞ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓቂ እንተ ኮይኑ፡ ኣብ ተግባር ድማ እንተ ዊዒሉ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘኸትሎ ሳዕቤን፡ ገለ ቁሩብ ዘሎኒ ውልቃዊ ሪኢቶይ ከቐምጥ ስለ ዝደለኹ ኢዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ኣይሰላም-ኣይኵናት ዝምድና ኢዩ። እዚ ዝምድና’ዚ ንመን ብዝያዳ ይጐድእ(ይሃሲ) ኣሎ?

ኢትዮጵያ ኩላትና ከም እንሪኦን እንሰምዖን ዘሎና፡ ብዘይ ዕንቅፋት ዕዮ ገዛኣ እናካየደት ኢያ። ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሸነኻት’ውን፡ ቤ/ጽ ኣፍሪቃ ሕብረት ኣብ ሃገራ መስሪታ፡ ምስኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ብጀካ ኤርትራ ጽቡቚ ዝምድና ፈጢራ፡ ዝተረጋግኤ ስርዓት ከም ዘለዋ ብሩህ ኢዩ። ብሸነኽ ቁጠባ’ውን፡ መጋቢ መንገዲታት፤ ናይ ባቡር መስመራት መደብ ኣወጺኣ፡ ናይ ሓይሊ ኤለትሪክ ዘመንጩ ዓበይቲ ሓጽብታት እናሃነጸት ናብ ጽቡቚ ኩነታት ትጓዓዝ ከም ዘላ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ብሸነኽ ትምህርትን ህዝባዊ ክንክን ጥዕናን እውን እንኾነ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይትፈልጥ ምዕባሌ  ኢያ እተርኢ ዘላ። ብሓጺሩ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓንቲ ካንተን ኣብ ዓለም ቑጠባዊ ዕብየት ዘርኢያ ዘለዋ ሃገራት ኢያ። እዚ ዓለም ዝመስከሮ ሓቂ ኢዩ። ክንክሕዶ ኣይንኽእልን።

ኤርትራ በንጻሩ፡ ኣብ ድኽነትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዘላ ሃገር ኢያ። ዜጋታታ ብፍላይ ከኣ መንእሰያታታ አብ ክንዲ ናብ ሃገሮም ናብ ስደት ገጾም ዘምሩሑላ ሃገር ኢያ። ብሸነኽ ፖለቲካ’ውን እንተኾነ፡ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ኮይና፡ ብሓደ ውልቀ-መላኺ መራሒ እትዕብለል ሃገር ኢያ። ዳርጋ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት እትጻባእ ካብ ዓለም ተነጺላ ትነብር ኣላ። ኣይኮነን’ዶ ቁጠባዊ ምዕባሌ ከተመዝግብስ፡ ዜጋታታ ጽሩይ ማይን መብራህትን ከተቕርብ ዘይካኣለት ካብ ሰሜን ኮርያ ቀጺላ ብምሳሌ እትጥቀስ ሃገር ኢያ። ኮታ ብሓፈሽኡ ኤርትራ ብስደትን መከራን ኣብ ዓለም ዝተፈልጠት ሃገር ኢያ። ከምኡ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ክንዲ ህዝቡን ሃገሩን ዘማሓይሽ፡ ኣብ ዓለም ዝተፈልጡ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ክሕግዝ ስለ ዝተረኽበ ብሕቡራት ሃገራት ዝተወሰነ ማዕቀብ ወሪድዎ ይርከብ። ስለዚ ኣይሰላም ኣይኵናት ንስርዓት ህግደፍ ሃስዩዎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዳኺሙዎ ኢዩ።

ካሊእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራን መንግስትን ዘለዎ ዝምድና፡ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ዝምደና ተጻባኢ (hostile) ኢዩ። ኩሉ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ፈተነታት ንኢትዮጵያ ምድኻም ኢዩ ነይሩ። ካብ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ዶባት ጀሚርካ ስጋብ ሶማልያ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ብተዘዋዋሪ ወተሃደራዊ ስሪሒታትን ግብረሽበራታትን ንኢትዮጵያ ንምድኻም ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ካብዚ ብምብጋስ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ማዕቀብ ከም ዝወርዶ ጺዒሩ። ተዓዊቱ ድማ። ንድሕሪ ሕጅ’ውን ኢትዮጵያ ምስ ስርዓት ህግደፍ ነባራዊ ዝምድና ፈጢሩ፡ እምነት ኣሕዲሩ ዝምድና ዝጅምር ኣይመስለንን። ስርዓት ህግደፍ ዝእመን ሰርዓት ስለ ዘይኮነ።

እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና፡ ካብቲ ምስቲ ስርዓት ዘሎዎ ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ-ሕጂ ዝገለጽኩዎ፡ እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘለው ሰልፍታት ኢትዮጵያ ዳር መብዛሕትኦም ኣብቲ ዘሓለፈ ብረታዊ ቃልሶም፡ ማለት ኣብ በረኻ እንከለው ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመኑ ኢዮም። ድሕሪ ናጽነት እውን ንኤርትራ ከም ሃገር ዝኣመኑላ ኢዮም። ይዝከረኒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ተዘይተጋግየ) ኣብ 80ታት ምስ ክልቲኤን ውድባት ኤርትራ ማለት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ተባኢሶሙሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ አብ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮም መርገጺ ነቕ ኣይበሉን። እዚ ዘረድኣና ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ዝምድና መትከላዊ ምዃኑ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ኣብቲ ዝሓለፈ ዳሕረዋይ ኵናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ህዝብና ካብ ሃገሮም ክሰጉዎ እንከሎ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ተቓዊምናን ነቲ ውሳኔ’ውን ኮኒናዮን ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ድሒሩ ነቲ ውሳኔ ጌጋ ምዃኑ ብዕሊ ኣፍሊጡ ኢዩ። ብድሕሪኡ’ውን መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ህግደፋውያን ዝብልዎ ሓዲግና፡ ንብረቶም ብውክልና ኣመዝጊቦም ዝኸዱ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ሽግር ተመሊሶም ንብረቶም ይርከቡ ከም ዘለው ንዕዘብ ኣሎና። ርግጽ ኢዩ፡ ገለ ድማ ሽግራት የጋጥሞም ከም ዘሎ ንርኢ። እዚ ድማ እቲ መመርሒ ካብ ላዕሊ ንጹር ኢዩ። ኣብ ታሕቲ ምትግባሩ ግን ሽግራት ከም ዘሎ ይፍለጥ ኢዩ። እዚ ሽግር’ዚ ድማ ከም ዝመስለኒ ምስ ብልሽውና ዝተተሐሓዘ ኢዩ። መንግሰቲ ድማ ነዚ ዕንቅፋት’ዚ መደብ ኣውጺኡ ይቃለሶ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ግን ኣነ ክብሎ ዝደለኹ እቲ መንግሰቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና መትከላዊ ከም ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ። “ጸላኢ ጸላኢየይ = ፈታውየይ” ካብ ዝብል ተመርኵሱ ኣይኮነን ንተቓወምቲ ዝሕግዝ ዘሎ። ልክዕ ኢዩ ኣብ ዓለም ሃገራዊ ጠቕሚ ኣሎ ኢዩ። ሃገራዊ ጠቕሚ ክበሃል ከሎ ግን ንእትኣምነሉ መትከላት ዓምጺጽካ ዓማጺጽካ እተተግብሮ ኣይኮነን። ሃገራዊ ጠቕሚ ንኻልኦት ኣህዛብ ብዘይሃሲ እትገብሮ’ውን ኣሎ። መትከላት ኢህኣደግ ምስዚ ዝሳማማዕ ይመስለኒ።

ካሊእ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓንቲ እግሩ ጠጠው ኢሉ ንመሰሉ ይቃለስ ከም ዘሎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ቃልሲ’ዚ ኣብ ሸቶኡ ክበጽሕ ከም ዘለዎ’ውን ይኣምን ኢዩ። እሞ ከመይ ጌሩ ድኣ ነዚ ብመትከል ዝኣምነሉ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ምንገዲ ሓዲግዎ ምስ ጸላኢኡ(ስርዓት ህግደፍ) ይዕረቕ? ኣነ ፍጹም ኣይኣምንን።

ብገለ ተቓወምቲ ኣካላት ዝወርድ ክትዕ’ውን ኣሎ። ንሱ ድማ “ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ንምሕያል ዘይገበረቶ ጻዕሪ የለን። ተቓወምቲ ግን ወላሓንቲ ከበርክቱ ኣይከኣሉን። ስለዚ መንግሰቲ ኢትይጵያ ተሰፋ ቆሪጹ፡ እሞ ኤርትራ ድማ ከም ሶማል ከይትኸውን ስለ ዘስገኦ፡ ዝምድና ፈጢርካ ነቲ ስርዓት ምጽጋን ይሓይሽ” ዝብል ኣሎ። ልክዕ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ደሞክራስያዊ ቃልሱ ንምሕጋዝ ጻዕሪ ኣካይዱን የካይድ ኣሎን። ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ’ውን ተስፋ ዘቚሩጹ ኢዮም። ይኹን’ምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ጽገናዊ መንገድ’ዚ ኣይመርጽን። ቅድም-ቅድም ስርዓት ህግደፍ አብ ኤርትራ ስጋብ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ኣይርከብን። ወላ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ መትከላዊ ዝምድና ሓዲጉ፡ ኣብ ሃገራዊ ጥቕሚ ጠራይ ተመረኵሱ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዕርቂ ይግበር እንተ በልና፡ ዘላቒ ዕርቂ ኣይኸውንን። ህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ዝድግፎ ኣይመስለንን።

ስለዚ ናይ ሰላም ዕርቂ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢያ እትጠቅም። ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትጠቅምን ንኢትዮጵያ’ውን ኣይትጠቅምን። እቲ ናይ ወደብ ዓሰብ ፖለቲካ እንተገደፍናዮ ይሓይሽ። ኢትዮጵያ’ውን ንጂቡቲ ዝወስድ መንገዲ ይኹን ዘባናዊ ባቡር ንምህናጽ ብዙሕ ወጻኢ ስለ ዘውጽአት፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ብዙሕ ድሌት ዘለዋ ኣይመሰለንን። ክራይ ኣብ ጅቡቲ’ውን ይኸፍሉ ኣለው ኣብ ዓሰብ’ውን ከኸፍሉ ኢዮም። ርሕቐቱ’ውን ካብ ኣዲስ ኣባበ ዳርጋ ክልቲኡ ሓደ ኢዩ።እቲ ካብ ዓሰብ ዝርከብ ዝነበረ ጥቕሚ ቀደም ስርዓት ህገደፍ ኣጥፊኡዎ። ምናልባሽ ኢትዮጵያ ካብዚ ዕርቂ’ዚ ክትጥቀም እንተኮይና እቶም ስርዓት ህግደፍ ዘዕጥቖምን ዝዕልሞምን ዘሎ ዝተፈላለዩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ጠጠው ምባል ኢዩ። እዚ ከኣ ስጋዕ ክንድ’ዚ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ በዚ ዘለዋ ዓቕሚ ካብ መጥቓዕቲ እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ክትከላኸል ትኽእል ኢያ። ድሓር ኣይንረስዕ ስርዓት ህግደፍ ክወድቕ እንከሎ ምሰኡ ሓቢሮም ዝመቱ ጉጅለታት ኢዮም። እንተ ኮነ ግን እዚ “እንተ” እናበልኩ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዕርቂ፡ ሓቂ ምስ ዝኸውን፡ ንግዜኡ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ክመልስ ይኽእል ኢዩ። ነታ ሓንቲ መተንፈሲት መስኮት (ሱዳን) ዘላቶ ድማ “ኢትዮጵያ” ካልኣይቲ ክትኮኖ ትኽእል። እዚ ድማ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከናወሖ ይኽእል ይኸውን። ግን ጠጠው ኣየብሎን። ስለዚ ከይዱ-ከይዱ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ኣእቲዩ ዘሎ ስርዓት ዕድሜኡ ምንዋሕ ኢዩ።

እሞ እዚ ብመንጎኝነት መንግስቲ ሱዳን ዝፍተን ዘሎ ናይ ዕርቂ ዝርርብ ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኢልኩም ምስ እትሓቱኒ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኩሉ ግዜ ንዕርቂ ሕራይ ምስ በለ ኢዩ። እቲ ዕርቂ ግን ናይ ሓቂ ዕርቂ ድዩ ወይስ ንዲፕሎማሲ ዘገልግል? ኣይንረስዕ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ንሓንጎል ኢሳያስ ኣጸቢቖም ኢዮም ዝፈልጥዋ። ስለዚ እዚ ዝበሃል ዘሎ ዕርቂ ኣብ ተግባር ዝውዕል ኣይመስለንን።

ኣብ መደምደምታ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ህዝብ ኤርትራ መሰሉ ዝረጋገጽ ብቓልሱ ኢዩ። ብፍላይ ምንእሰያትና ክጥርነፉን ክውደቡን ኣለዎም። ብሓፈሽኡ ናይዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ድኹም ቃልሲ ሓላፍነትን መሪሕነትን ክወስድ ኣለዎ።እቲ ኣረጊት ትውልዲ እንተ ኺኢሉ ምኽርን ሓሳባትን ጥራይ ኢዩ ከበርክት ዝኽእል። ስርዓት ህግደፍ እንተ ኾነ ብዕርቂ ስልጣን ዝለቅቕ ኣይኮነን። ኢሳያስ ናብ ዕርቂ ዝቐርብ ስልጣኑ ነቕነቕ ምስ እትብል ጥራይ ኢዩ። ልክዕ  ከምታ ናይ ኣልጀርስ ውዕል። ትዘይ ኮነ ሓደ ዲክታተር ብባህረያቱ ስልጣን ብሓይሊ ኢዩ ዘረክብ።

 

ቃልሲ ህዝብና ክዕወት መንእሰያትና ይጠርነፉ (ይወደቡ)

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

14-12-2013

Comment: A.Fitiwi1993@kpnmail.nl

 

Viewing all 166 articles
Browse latest View live