Quantcast
Channel: ኣተኵሮ – Assenna.com
Viewing all 166 articles
Browse latest View live

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጽምዋ

$
0
0

ቋንቋ፡ ንቃንዛ ንጸላ ንምግላጽ ‘ጽምዋ’ ዝተባህለ ቃል ፈጢሩ። ንግርማ ንበይንኻ ምዃን ንምግላጽ ከኣ ‘ብሕትውና’።

ጳውሎስ ቲሊኽ

ኣብ’ቲ ዝዓሞቐ ሕመረት ጽምዋ ዝተቐብረ ብርቱዕ ድልዬት ሓድነት ምስ’ቲ ዘጥፋእናዮ ነፍስና ኣሎ።

ብረንዳ ፍራንሲስ

ንጽምዋ ትፈርሓ እንተዄይንካ፡ ኣይትመርዖ።

ኣንቶን ቸኮቭ

ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ንሰርሕ፡ ንዛረብ፡ ነንብብ፡ ንጻወት ንዘናጋዕ። ቤተሰብ ንሰምዮ ዕንጩቝ ናይ ገዛእ ርእስና ማሕበረሰብ ነቝውም። ኣብ ኣካላዊ ከባቢናን ፈይስቡክን’ውን ብዙሓት ‘ዕርክነት’ ንሰምዮ ኤለከትሮንያዊ ርክባት ንፈጥር። ኣብ ክልኢታት ምስ ምሉእ ዓለም ንራኸብ። ከም’ዚ ኢሉ ከኣ  እቲ ወልቀሰብ ኣብ ውሽጥና ክሳብ ናብ ደረጃ ሃገርን ኣህጉርን ይመጠጥ። ነዚ ኵሉ ምስ ካልኦት ሰባት ኢና ነካይዶ። ሰባት፡ ብቐንዱ፡ ማሕበራዊ ኢና።  ምስ’ዚ ኵሉ ዘማናዊ ማሕበራዊ ተሳጥሖና ግን ይጽምወና። ጽምዋ (loneliness) ሕማምዕ’ዩ ከምዝኾነ ካልእ መንፈሳዊ ሕማም ኣብ እዋን’ና ከኣ ናብ ምልእቲ ዓለምና ከም ተላጋቢ ሕማም ይባራዕ ኣሎ። ኣብ ሕ.መ.ኣ. 60 ሚልዮን ሰባት (20% ካብ’ቲ  ምሉእ ሕዝቢ) ይጽምዎም። 12% ከኣ ፈጺሙ ልቦም ናብ ዘፍስስሉ የብሎም። ኣብ ጀርመን፡ ሔዚ፡ 16 ሚልዮን ሰባት ንበይኖም ይቕመጡ። ቅድሚ 20 ዓመታት 12 ሚልዮን ነቢሮም። ሓንቲ ጽምውቲ ኤለክትሮኒካዊት ዓለም ከኣ ነፍሳ ኣብ ምህናጽ ትርከብ። [ጽሞና ብመሰረቱ ኣዎንታዊ ኴይኑ ‘ጽምዋ’ መሪጸ።]

ላውራ ደከር፡ ንዓለም ንኽትዞራ 519 መዓልታት ንበይና ኣብ ሓንቲ ንእሽቶም መርከብ ኣብ ባሕሪ ተቐሚጣ። ቦታዊ ግዝኣታ 11ን ፈራቓን ሜትሮ ዝቑመታ፡ 4ሜትሮ ዝስፍሓታ መርከብ ነበረት። “ነበይንኻ ኣብ ንእሽቶም መርከብ ምቕማጥ ክንደይ ኮን ይጥዕም!” ትጽሕፍ ኣብ መዝገባ። እሞ እቲ ንበይንኻ ምዃን ክሳብ ክንድ’ቲ ሕማቕ ኣይመስለንን።  እኳ ድኣ፡ ብዙሕ ሳዕ ተደላዪ እዩ። ነፍሰ ሱባዔ መንፈሳዊ መግቢ እዩ። ሰብ ነፍሱ ክምርምር ናብ ውሽጢ ነፍሱ ክኣቱ፣ ነፍሰ ነገራት ክምርምር ናብ ነፍሶም ክኣቱ፣ ስምዒታቱን ሓሳባቱን ክውድብ፣ ክፈጥር፣ ክደርስ ክቕነ ግድን ብሕትውና(being alone) የድልዮ። ክሳብ ንብሕትውና ከም መሰረት ህይወቶምን ፍልስፍናኦም ዝወስድዎ ባሕታውያን (monks) እውን ኣሎዉ። ብዝወሓደ ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ብሕትውናን ምነናን (hermetism- ምሉእ ነፍሰ-መንጸግቲ) ከም ቃላት ኣይገማድሑን። ብሕትውና ጽምዋ ኣይኮነን። እቲ ባሕታዊ’ውን ግድን ባሕታዊ  ኣይኮነን ምስ ካልኦት ባሕተውቲ እዩ ዝነብር። ብሕትውና ሓደ ዓይነት ኣድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ማሕበራዊ ስልቲ ናብራ እዩ። ጽሞና ግን ኣድማ ኣንጻር’ቲ ምሉእ ማሕበራዊ ስርዓት እዩ። እቲ ዘዛርበኒ ዘሎ እዙይ እዩ። እቲ፡ ምስ ካልኦት’ውን እንዳሃሎኻ ንበይንኻ ምዃን። እቲ ወርትጋዊ ቁሪ። ንጸላ። ነፍሰ ንጸላ። እቲ፡ ንስኻ፡ እቲ ምሉእ ህልውና ምዃን። ኣብ ምልእቲ ዓለም ንስኻ ነበይንኻ ኢኻ። እቲ ዝተረፈ ዓለም ኣይርድኣካን። ኣይግንዘበካን ኣየስተውዕለልካን’ውን። ንስኻ ኣብ’ቲ ቆራሪ ቤት ማእሰርቲ ጽምዋ ንበይንኻ ዝተኣሰርካ፡ ነፍስኻ ዝኣሰርካ ነፍሰ-ግዳዪ ኢኻ።

ንበይንኻ ምዃንን [ካብ ሔዚ ንደሓር ብሕትውና ክብሎ እዬ] ምጽዋምን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት’ዮም። ብሕትውና ግን ንጽምዋና ከበራትዖ ይኽእል። ብሕትውና ማሕበራዊ ተርእዮ እዩ። ሓደ ምስ ካልኦት የሎን። ጽምዋ ግን ስነ ኣእምሮኣዊ ተርእዮ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሚእቲ ሰባት ተቐሚጡ ዝጽምዎ ሰብ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ቴማ ናይ’ቲ ስነጽሑፋዊ ጂጋንተ ‘ማዳም ቦቫሪ’  ጽምውና ኣብ ውሽጢ ሓዳር እዩ።  እወ፡ ሓዳር፡ ማሕበራዊ እዩ። እንተኾነ፡ መጻወድያ እውን ክኸውን ይኽእል። ሓሓደ እዋን፡ ሓዳር፡ ካብ ‘ሓዳር’ ወጻኢ ሰብኣዊ  ዝምድናታት ናይ ምኽኣል ዕድል ከናእሶ ይኽእል። ሓዳር ኣሕባርን ገለፍን ከኣ’ዩ ኣብ ሓደ እዋን። ሓንቲ ናይ ነዊሕ ጊዜ  ዓርክን መናብርትን ጀርመናዊት ነቢራትኒ። ፈለማ፡ በቤትና ሒዝና ንሓደ ዓመት ዝኣክእ ብሕታውን ሓባራውን ናብራና ተመዛዚኑ ጽቡቕ ተሰማማዕና። ጸኒሕና፡ ንቁጠባውን ምችኡነት ሓባራዊ ናብራናን  ኢልና ከኣ ናብ ሓደ ቤት (ባህርያዊ’ዩ ናብ ቤታ) ክንጥቕለል ተሰማማዕና። ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ድማ ኣብ ክሳደይ ዝተሓንቀ ብረት ኴይና እንዳተሰመዓትኒ ከደት። ንምሉእ ስልተ ህይወተይን ልምድታተይን ክትቈጻጸሮ በለት። ኣብ ንዓኣ ዘገድሳ ንዓይ ግን ፈጺሙ ዘየገድሰኒ ክግደስ ጸዓረት። ካብ ኵሉ ድማ ኣብ ኣምርና ብዛዕባ ስድራ ኣይተራዳዳእናን። ንዓኣ ስድራኣ እቲ ቀጥታዊ ቤተሰባ ጥራሕ ነበረ። ኣነ ከኣ ሽዑ ካብ ንምሉእ ሃገር ከም ስድርኡ ዝፈልጥ ስምዒት ገድሊ’ዬ መጺኤ ቤተሰበይ ገፊሕ ነበረ። ጭቕጭቕ በዚሑ ክሳብ ምዘራብ ገደፍናዮ። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ከኣ በቤትና ንሓዝ ተበሃሃልና። ድሕር’ዚ፡ ክንማኖ ኣብያት እንዳቐያየርና ንሸሞንተ ዓመታት ሕድሕና ከይተሰላቸውና ጽቡቕ ነቢርና። ክልተና ካብ ሕድሕድና መህደሚ ሰሪሕና፡ ስንግሪጥ ይመስል ዝምድና መቕለለ። ንዓኹም ኣይፈልጥን ንዓይ ግን ብርቱዕ ምጥባቕ ይጸዓነኒ እዩ ክሳብ ምስትንፋስ ይኸልኣኒ። … እቕረታ፡ ኣግሊሰ ጸኒሐ፡ ዓወትን ተፈላጥነትን እውን ናብ ጽምዋ ክፈጥሩ ይኽእሉ። ጃኒስ ጆፕሊን፡ ማርሎን ብራንዶ፡ መሪሊን ሞንሮ፡ ልዕልቲ ዳያና፡ የማነ ባርያ(?) …፡ ካብ ፖለቲከኛታት ኦቶ ቢስማርክ (ናይ መጠረስታ ዓርኩ ከልቡ ጥራሕ ዝነበረ)፡ ስታሊን (ሞይቱ ክንሱ ጎንበላቱ ከይተረፉ ንሰዓታት ናብ ረሳኡ ክቐርቡ ዘይደፈሩ) … ካብ’ቶም ፍሉጣት ኣብነታት እዮም።

ጽምዋ ገሃነም’ዩ። እቲ ኣብ ገዛ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ባር፡ ኣብ በዓል … ምስ እኩብ እንዳሃሎኻ ንበይንኻ ምዃን ሕማም’ዩ። ከም ዝኾነ ሕማም ድማ የቖንዙ። ብመንፈስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣካል የቖንዙ። እንተድኣ ሓደ ሰብ  ንጹግ፡ ፉንፉን፡ ግዙት፡ ርጉም ከምዝኾነ ተሰሚዑዎ፡ ኣብ ዓቢዪ ሓንጎሉ፡ ከም’ቲ ኣካላዊ ስቅያት ዝፈጥሮ ንጥፈት ይርአ። ማሕበራዊ ስቅያት፡ ማዕረ ኣካላዊ ስቅያት ብኣካል የሳቂ። ሓያሎ ካልኦት ኣካላዊ ሕማማት ድማ ይፈጥር። ማዳ፡ ምሕራር ከብዲ፡ ተረጕሮግ ልቢ … ብዓቢኡ ከኣ ብጓሂ ዝግለጽ መንፈሳዊ ጸቕጢ … ። ብኣጋጣሚ ድማ ኣይኮነን፡ ሰብ፡ ንጽምዋ ከም መቕጻዕቲ እውን ዝተጠቕመሉ። ቤተ ክርስትያናት ይግዝታ። ንጉስ ይኣስር። ኣሰርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ መሊሶም ይኣስሩ።  ማእሰርቲ ኣብ ውሽጢ ማእሰርቲ ኣብ ስሽጢ ማእሰርቲ እቲ እሱር ንክውንነት ክሳብ ዝስሕት የጸምዉ። ሓንጎል ይሓጽቡ።  የእምኑ። የጸልሉ።

በዓል ቤታዊ ጽምዋ (self inflicted loneliness)፡ ውሩስን ድሒሩ ዝማዕበለን፡ ንመቐረት ህይወት ናይ’ቲ ልኹፍ ኣዝዩ ይትንክፍ። ንመፈለምትኡ እቲ ጽምው ሓደት ኣዕሩዅቲ እዮም ዝነብርዎ። እዚ ከኣ ነቲ በዓል ቤታዊ ጽምዋኡ ወድዓዊ እንዳገበሮ ይኸይድ እሞ ናብ ገዛእ ውሽጡ እንዳተዓዅለለ፡ እንዳተጨበጠ ይኸይድ። ንነፍሱ ኣብ ውሽጢ ነፍሱ ዓቂቡ ስለዝኸይድ ከኣ ኣብ ሞያኡ ኣሳልጦ ኣይረክብን። እቲ ምሉእ መዓልታዊ ምንኣስን ስግረትን ከኣ ካብ ውሽጡ ክበልዖ ይጅምር። ብቀሊሉ ተነቃፍን፡ ኣንጸርጻርን፡ ፈራሕን፡ ጠርጣርን ይገብሮ። እቲ ኣሉታዊ ስምዒት ክሳብ ከውታ ለይቲ ስለዝቕጽል፡ ጽምዋት፡ ብስእነት ድቃስ እውን ይሳቐዩ። እዚ ኵሉ ተደማሚሩ ከኣ ናብ ነፍሳውን ኣካላውን ምልሕጻጽን ምጕዳምን የመርሕ። ንኣመጋግባ ከይተረፈ ይጸሉ። ነቲ ስራሕ ዝሰኣነ ከፋል ሓንጎል፡ ነቲ ክፋል-ሞያ፡ ንምትዅቷኽ ከኣ ብዙሕ ስብሕን ሽኮርን ይበልዑ። ይገዝፉ። እዚ ከኣ ንጽምውኦም የጽንዖ። ክሳብ እውን ናብ ብርቱዕ ዓመጻን ነፍሰ-ዓመጻን ክፍንጀሩ ይኽኣሉ። ሓደ ድያብሎሳዊ ዕንክሊል እዩ።

ጽምዋ፡ ከም ዝኾነ ሕማም ክፍወስ፡ ብዝወሓደ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክኣቱ ይከኣል እዩ። እዚ ሽግር’ዚ ዝተፈጥሮ ወይ ዘጥረየ ናብ ሞያዊ ሓካይም ከይዱ ሞያዊ ደገፍ ክረክብ ይኽእል።

እቲ ሕቶ ጽምዋ ግን ብቀሊሉ ኣይለቀናን። ከም’ቲ ሰብ ዝጽምዎ ሃገራት እውን ይጽምወን እዩ። ምቍራጽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት፡ ምዕጻው ዶባት፡ ንግዳዊ እገዳታት … ንሓንቲ ሃገር ንምጽዋም፡ ኣብ ውሽጣ ንምእሳር ንጥቀመሎም መሳርሒታት እዮም። ከም ዝኾነ ማእሰርቲ ከኣ መቕጻዕትን መስገደድን ኣብነትን እዩ። ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ዝጸመወን ሃገራት ዓለም እያ።(Parriah!) ሓማቕ ካርማ።

ኤርትራ ባዕላ እያ ንነፍሳ ኣጸምያ። ከማይ ዝኣመሰለ የሎን! ንዓይ ዝርድኣኒ የሎን! ኣብ ዓለም ዘይተራእዬ ጅግንነት ኣርኣየ ስለምንታይ ዓለም ንጅግንነተይ ኣይትፈልጦን ኣብ ቅድመይ ከኣ ፈጥፈጥ ኣይትብልን! እዩ መፈለምትኡ። ጠራዕራዕ  ዕንጭቝሊት መንግስቲ። ኣሎኹ ንማለት ከኣ የማነ ጸጋም ተቛዪቛን ተጻሪፋን ተጓሲጣን። ዓለም ከኣ ከዓባ። እቲ ወድዓዊ ጽምዋ ከኣ ከበባ። እቲ ምሉእ ህዝባ ከኣ ኣብ ውሽጣ ተኣስረ። ብምልኡ’ቲ ጽምዋ ኣብ ሓደ ውልቀሰብ ዝፈጥሮ ሕማማት ከኣ ኣብ’ታ ምልእቲ ሃገር ለሚሞም ይርከቡ።

ሽሕ’ኳ ኤርትራ ካብ ዓለም ተነጺላ ዝጽምዋ እንተኾነ፡ እቲ ዝጸመዎ ኤርትራዊ ግን ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ንዝኣምኖ የብሉን። ብተገንዝቦኡ ኵሉ ኤርትራዊ ጸላኢኡ እዩ ሽሕ’ኳ ብሓቂ ዝፈትውዎን ዝኣምንዎን እንተሃለዉ ንሱ ኣይኣምኖምን ናይ ምእማንን ምትእምማንን ብቕዓቱ ኣጥፊኡ እዩ። ኵሉ ርዒዱ ከኣ ሓቅነት ልቡ ዝዛረቦ የብሉን ብሓሶትን ስቕታን ተኸቢቡ እዩ። ንብኵሉ ኣረሜናዊ ጠባያቱ እጸልኦ። ንስለ ጽምዋኡ ግን እድንግጸሉ። ንነፍሱ ሕማቕ ፈድዩዋ ናብ ቤት ማእሰርቲ ጽምዋ ሸንኪሩዋ።

ነዚ ሕማም’ዚ’ውን ሓኪም ኣሎዎ። ፈውሲ ኣሎዎ። ዓቢዪ ሓው ኢሳያስ ግን ልዕሊ መድሃኒትን ሕውየትን እዩ ከይዱ።

ሓውኹም፣

ዳ.ሰ.ተስፋይ

ጀርመን

16.09.2013

 

 

 


ብምኽንያት 18 መስከረም ዝተዳለወት ሓጻር ጽሕፍቲ

$
0
0

“ናብቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘውጽኣኒ ኣፍደገ ክኸይድ ‘ኮለኹ፡ ቂምን ቅርሕንትን ኣብኡ (ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ) ገዲፈዮ ክወጽእ ከምዘለኒ ይፈልጥ ኔረ፡ ምኽንያቱ ንሱ ምሳይ ሒዘዮ ‘ተወጽዬ ገና ኣብ ማእሰርቲ ኣለኹ ማለት’ዩ።”

ዉሩይ ተቃላሳይ ናጽነት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኔልሰን ማንዴላ ድሕሪ’ቲ ብ ሓቅን ዕርቅን ዝብል ስነሓሳብ ምስቶም ገዛእቱን ኣሰርቱን ዝነበሩ ዓሌታውያን ጸዓዱ ዝገበሮ ዕርቅን ሰላምን ዝተዛረቦ እዩ ኔሩ።

እዚ ዘረባ’ዚ ካብ ተራ ጥቅሲ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ዝተመስከረሉን ውጽኢቱ’ውን ዝተራእየ ስለ ዝኾነ ንዓና ንደቂ ሰባት ዝህበና ትምህርቲ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ምኽንያቱ ከም ሰብ መጠን ንናጽነትካን ንመሰልካን ስለ ዝተጣበቅካን ዝሓተትካን ጥራይ ንልዕሊ 28 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉንካ ዘስካሕክሕ ስቓይን መከራን ወሪዱካ ክነሱ፡ ነዚ ኹሉ ተጻዊርካ ተዓዊትካ ናጻ ኾንካ ኣብ ልዕሊ እዞም ገበርቲ ሕማቕካ ዝኾኑ ሰባት ምሕረትን ዕርቅን ክትገብር ኮለኻ ብሓቂ ልዕሊ ማንም ሰብ ከም ትኽበር ክገብረካ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እዛ ንነብረላ ዓለም ንኢሽተይ ተሓንጢጦም ከማን ተዘይቐተልኩ ኢሎም ዘጉባዕብዑ፡ ሓያላትን ሰብ ቅልጽም ምዃኖም ክራኣዩ ብዝደልዩ ፍጡራት ዝተመልአት ዓለም ስለ ዝኾነት።

እዚ ኣብ ተቃላሳይ ማንዴላ ዝወረደ ማእሰርትን ስቅያትን ይትረፍ ኣብ ፈታዊኻ ኣብ ጸላኢኻ ከማን ክወርድ ዘይትምነዮ ሕማቕ ተግባር እዩ። እንተኾነ ዓለም ነዚ ክትመሃረሉ ዝግባእ ዓቢ ትምህርቲ ተመሊሳ ክትደግሞ ክትዕዘብ ‘ኮለኻ ብጣዕሚ የሕዝነካ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብ ኾንካ ምፍጣርካ ከማን ክሳብ ትጸልእ ይገብረካ።

ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኤርትራ ሃገርና ጀጋኑ ደቃ ብሓባር ንመሰሎምን ናጽነቶምን ተቓሊሶምን ተሰዊኦምን ዘምጽኡዋ ሃገር ክነሳ፡ ሕማቅ ዕድል ኮይኑ መራሕታ ነቲ ኣቀዲመ ኣብ መእተዊ ዝጠቀስኩዎ ዘሕዝን ታሪኽ ማንዴላ ዝመሳሰል ማእሰርትን ስቕያትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ’ቶም መራሕቲ ኮይኖም ናጽነት ኣብ ምምጻእ መዋእሎም ከርተት ዝበሉን ዝሰንከሉን ተቓለስቲ ከይተረፈ ንዓመታት ብምእሳርን ብምስቓይን ንታሪኽ ማንዴላ ደጊሞሞ። እቲ ዘገርም ናይ ማንዴላን ናትናን ዝፈላልዮ ነገር ‘ተሎ እቶም ፈጸምቲ ናይዚ ተግባር ዝተፈላለዩ ምዃኖም ጥራይ እዩ። እቶም ኣብ ልዕሊ ማንዴላን ብጾቱን ነዚ ዘስካሕክሕ ማእሰርትን ስቕያትን ዝፈጸሙ ሰባት እቶም ዘይመሬቶምን ዘይሃብቶምን ክግብቱ ዝመጹ ዓሌታውያንን ጓኖትን ጸዓዱ ክኾኑ ‘ኮለው፡ ናትና ግን ኣሰርትን ገበርትን ናይዚ እከይ ግብሪ ናይ ሓባር መቃልስትን፡ ብጾትን ብዝነበሩ ሰባት ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ።

18 መስከረም ብዝመጸትሉ እዋን ንድሕሪት ተመሊስካ ብፍላይ ነዛ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሕማቕ በሰላ ዝገደፈት ዕለት ምዝካር ኣገዳሲ ይኸውን። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን (ገለ ውሕዳት ተበለጽትን ሕልና ኣልቦን ገዲፍካ) ነዛ ዕለት’ዚኣ ብሕልና ከም ዝዝክራ መስካሪ ኣየድልን። እዞም ናይ’ዚ ኣንጻር’ቲ ንዘመናት ዝተቓለሱሉን ዝሰንከሉሉን ዝተሰዉኡሉን ዕላማ ግዳያት ማእሰርቲ ዝኾኑ ጀጋኑ መራሕቲ፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ኣብቲ ቀቅድሚ ምእሳሮም ዝነበሮም ሂወትን እቲ ብድሕሪኡ ዝወረዶም ክሓስቡዎስ ይትረፍ ክሓልምዎ’ውን ዘይሕሰብ ግፍዒ ሓሲቡ ዘየስተንትንን ዘይግረምን ዘይኩንን ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እንተሎ’ውን ንነብሱ ዘታልልን ንሓላፊት ሂወት ብግዝያዊ ረብሓ ክጥብር ዝደሊ በለጸኛን ሰብ ጥራይ እዩ። ኣነ’ውን ከም ማንም ሰብ 12 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሰ ንገለ ካብዞም ሰባትን ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ኩነተታን ክዝክር።

ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ግኑን ስም ዝነበሮ ዲፕሎማትን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ዝነበረ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ኣብቲ ሕማቕ እዋን ዘይዝክሮ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ድሩዕ ኣብቲ ብርቱዕ ደበና ኲናት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝዝንብየሉ ዝነበረ እዋን ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ዝዛተ ዝነበረ ሓያል ዲፕሎማትን ተቃላሳይን እዩ። ኣሜሪካዊ ልኡኽ ክሊንተን ዝነበረ ኣንቶኒ ሌክ ከይተረፈ ንዲፕሎማስያዊ ክእለቱን ንሃገሩ ዘለዎ ፍቅሪን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብኣድናቖት ከም ዝገለጾ ኣብ ጽሑፍ ኣንቢበ ኔረ። ድሩዕ ድሕር’ቲ ምስ ብጾቱ ሕቶ ናብ ፕረዚደንት ምቅራቡ ካብ ስልጣን ስለ ዝተገለፈ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ይርኤ ነበረ። ኣብ ቀብሪ ናይቶም ኣብ ገልዓሎ ብወቕዒ ልቢ ዝሞቱ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ርእየዮ ምንባረይ ይዝክር። ኣብቲ እዋን’ቲ ገለ ካብቲ ድሩዕ ኣዘውቲሩ ዝመላለሶ ዝነበረ ቦታ እቲ ብድሕሪ ቤ/ጽ ኢሚግረሽን ዝርከብ ህንጻ ቤ/ጽ ስነዳን ታሪኽን እዩ። ድሩዕ ኣብቲ ገዛ ምስ ኤርትራውያን ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ፡ ተመራመርትን ዓቀብትን ይራኸብ ከም ዝነበረ እዝክር። ኣብ ሓደ እዋን’ውን ኣብቲ ብ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ንታሪኽን ኣተዓቃቅባን ምስኡ ዝተሓሓዝ ስራሓትን ብዝምልከት ዝዋሃብ ዝነበረ ሓጺር ትምህርቲ ይሳተፍ ከም ዝነበረ ይዝክር። ንሱ ምስቶም ብዕድመን ብደረጃን ኣዝዮም ዝንእሱዎ ካብ ዝተፈላለዩ ቤ/ጽሕፈታት ዝመጹ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኮፍ ኢሉ ትምህርቱ ብተመስጦ ይከታተል ምንባሩን ኣብኡ ዝነበሩ ክዛረቡ ሰሚዐ ኔረ። ንሱ ኣብቲ ሓጺር ኮርስ ከም ማንም ተመሃራይ ኮፍ ኢሉ ይሓትትን ይመሃርን ነበረ። ኣብ ገለ ኣርእስታት’ውን ዝህቦ ዝነበረ ርኢቶን ትዕዝትብን’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲን መሃርን ከም ዝነበረ ኣብኡ ዝነበሩ ክምስክሩ ሰሚዐ ኔረ።

መሓመድ ኣሕመድ ሸሪፎ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ነበር’ውን ከምቶም ካልኦት ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ብምንባሩ ንገለ እዋናት ናብዚ ታሪኽ ዝጸሓፈሉን ዝዕቀበሉን ህንጻ ክመላለስ’ውን ይዝከረኒ። ንሱ’ውን ልክዕ ከም ሃይለ ድሩዕ ምስ ጸሓፍቲ ታሪኽን ስነዳን ይራኸብ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ናብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝወስድ ኣስካላ ኣነ ክወርድ ንሱ ክድይብ ብወዝቢ ፊት ንፊት ተጋጠምና። እቲ ብቴሌቭዥን እምበር ብ ኣካል ርእየዮ ዘይፈልጥ ዓቢ በዓል ስልጣን ኣብ ቅድመይ ሃንደበት ምስ ረኣኽዎ ሓውሲ ስምባደ ክሓድረኒ እዝክር። ንሱ’ውን ስምባደይ ብምስትብሃል ይመስል ፍሽኽ ብምባል፡ “ሸባብ” ትብል ቃል ተዛሪቡኒ መገዱ ክቕጽል ይዝክር።

ተጋዳላይ በራኺ ገብረስላሴ ኣብ መጀመርያ እዋናት ናጽነት ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ድሒሩ’ውን ሚኒስተር ዜና፡ ቐጺሉ’ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝነበረ፡ ንስራሕ ትድለ ተባሂሉ ናብ ኤርትራ ክመጽእ ከምዝተነግረ ኣብ ኣስመራ ብሰፊሑ ይዕለል ነበረ። ንሱ ስሙን ክታሙን ምስቶም ብ ጂ15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣን ኣስፊሩ ብምንባሩ ሓደጋ ንዕኡውን ኣንጸላልይዎ ምንባሩ ዘይፈልጥ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ ሚኒስተር በራኺ’ውን ኣብቲ ቅንያት’ቲ ሓሙኽሽታይ ካምቻን ስረን ለቢሱ ኣብዚ ቤ/ጽ ምርምርን ታሪኽን ርእየዮ ምንባረይ እዝክር። ካብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝተመልሰ እቲ ኣብ ገጹ ዝርአ ዝነበረ ወዝ ይምስክር። ክኸይድ ‘ኮሎ ኣሳጉሙኡ ኣዝዩ ቑልጡፍን ህዉኸን እዩ ኔሩ። ምናልባት ገለ ዘሀውኾ ዓቢ ጉዳይ’ዶ ኔርዎ ይኸውን? ምዃን ከመይ ዘይህወኽ፡ ኣይ ንሃገርን ህዝብን ዝምልከት ዓቢ ጉዳይ ስለ ዝነበሮ እንድዩ ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ሃገር ጀርመን ንዓ ምስተባህለ ደበኽ ዝበለ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ጠረጴዛ ኤውሮፓን ኣሜሪካን ዝነበረ’ሞ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ኣብ ኣሜሪካ ወዲኡ ንሃገሩ ምስተመለሰ ገና ሓድሽ ስርሑ ከይፈለጠ ምስዞም ጂ15 ዝተኣሰረ ተስፋይ ጐመራ’ውን ንቁሩብ መዓልታት ኣብዚ ቤ/ጽ ርእዬዮ ኔረ።

እቲ ክሳብ ሎሚ ዝገርመኒ እዞም ሰበ ስልጣን ናብ’ዚ ቤ/ጽ ዘመላልሶም ዝነበረ ጉዳይ እንታይ’ኮን ይኸውን ዝብል እዩ? ታሪኽ መዓልቲ ሓልዩ ዝገልጾ’ኳ ‘ተኾነ ሓደ ዘይርሳዕ ግን ገለ ኣገዳሲ ጉዳይ ከም ዝነበሮም ግን ፍሉጥ እዩ። ኣነ ከም ዝግምቶ’ውን እዞም መራሕቲ ኣብቲ ናይ መጨረሽታ እዋን ገለ ዝገድፉዎ ታሪኽ ወይ ዝላበውዎ ነገር ኔርዎም ይኸውን ዝብል እዩ። እቲ ሓቂ እንታይ ምንባሩ ግን ሓደ መዓልቲ ግዜ ክምልሶ እዩ። እንተ እቲ ዝተመላለሱዎ ቤ/ጽሕፈት ታሪኽን ምርምርን ግን ነዞም ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኣደዳ ማእሰርትን ስቅያትን ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ገለ ዝተላበዉዎ ወይ ዝገደፍዎ ታሪኽ ‘ተሎ ጽቡቕ ጌሩ ክዕቅበሎምን ብኡ ኣቢሉ‘ውን ንመጻኢ ወለዶታት ከተሓላልፈሎምን ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ ሎሚ ንሳቶም ዝፈጸሙዎ ስራሕ ኣብ ውሕዳት ሃገራት ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ናይ ታሪኽ ቅርሲ ስለ ዝኾነ።

ንኩሉ ዝተጀመረ ዘበለ መወዳእታ ከም ዝህልዎ ፍሉጥ እዩ። ስቅያት ናይዞም ሰባት’ውን መወዳእታ ከም ዝህልዎ ክሰሓት የብሉን። ኣብ መጨረሽታ ዝዕወት ከኣ እቲ ሓቅ ዝሓዘ እምበር እቲ ንጊዚኡ ኣደናጊሩ ዝጸንሕ ከም ዘይኮነ ናትና ናይ ኤርትራውያን ቃልሲ ንባዕሉ ህያው ምስክር እዩ።

ኣብ መጨረሽታ፡ ኣምላኽ ከምቲ ን ማንዴላ ን 28 ዓመታት ተጻዋርነት ሂቡ ካብ’ቲ ጸልማት ኣውጺኡ ክሳብ መራሕ ሃገር ክኸውን ዘብቕዖ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ’ውን ሙሉእ ልቦና ሂቡ ምስቶም ገበርቲ ሕማቕ ዝኾኑ ዓሌታውያን ጸዓዱ ኣብ ክንዲ ሕነ ምፍዳይ ዕርቅን ሰላምን ብምግባር ንዓለም ዓቢ ትምህርቲ ከም ትረክብ ዝገበረ፡ ነዞም ናትና እሱራት’ውን ካብቲ ዘለዉዎ ጸልማት ወጽዮም ነዞም ገበርቲ ክፉኦም ዝኾኑ ብጾቶም ነበር ይቕረ ብምባል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብ ሕልና ከም ዝቕጽዑ ብምግባር ዳግማይ ማንዴላ ብምዃን ንኤርትራን ዓለምን ኣብነት ዝኾኑሉ ግዜ ክመጽእ ይትምነ። በዚ ኣጋጣሚ’ውን ንኹሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣምላኽ ከምቲ ን ዳኒኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ፡ ንዓኹም’ውን መዋጽኦ ክፈጥረልኩም ይልምን።

መርሃዊ ቁዱስ

መስከረም ዓውደ ኣዋርሕ ሓበንን ሓዘንን

$
0
0

                መስከረም ዓውደ ኣዋርሕ ሓበንን ሓዘንን

ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን  ክልተ ዝተፈራረቐ  ዝኽሪ ዝሓዘት ወርሓ መስከረም ኢያ፡፡ ወርሓ መስከረም ብቑሊ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት ኢያ፡፡ ብሓርበኛ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብሓደ መስከረም 1961 ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዝፈለመ ገድሊ ንናጽነት፡ እቲ ንዘንተ እለት እንሕበነሉ ኣብ-ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ከብሕታት ልቡ ዝተወቕረ ናይ ጅግንነትን ጽንዓትን ዘይተመላኽነትን እምቢ ንመግዛእትን እንንየተሉ ዝኽሪ ኢዩ፡፡ ሓደ መስከረም ምፍላም ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት ኤርትራ ኩልና ደቂ ሓርበኛ ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኢና ኢልና እንዝምረሉን እንኾርዓሉን ዕለት ኢዩ፡፡

ብኣንጻሩ  18 መስከረም 2001 ዓ/ም ድማ ጸሊም ናይ ሓዘን ዝኽሪ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ኢያ፡፡ 18 መስከረም እቶም ንገድልን መስገድልን መሪሖም ናጽነትና ክዉን ዝገበሩ ጀጋኑናን ልሳን ሓፋሽ ህዝቢ ዝኾኑ ውፉያት ጋዜጠኛታትናን ብፍጮ ጉጅለ ህግደፍ ብጅምላ ዝተዓፈኑሉ ናይ መሪር ዓንዴል ዝኽርና ኢዩ፡፡ 18 መስከረም ኩልና ጸሊም ጨርቂ ኣሲርና ጀጋኑና ብሓዘን እንዝክረላ መዓልቲ ኢያ፡፡ ወርሓ መስከረም እምበኣር እዚ ክልተ ዝተፈራረቐ ዝኽርታት ዝሐቖፈት ወርሒ ኢያ፡፡ ናይ ሎሚ ሓጺር ጽሑፈይ ግን፡ ንዝኽሪ ጸላም መዓልቲ  18 መስከረም 2001 ዝተወፈየ ኢዩ፡፡

ንሻድሻይን ሰላሕታን ወራራት ዘፍሸሉ፡ ንኦፐረሽን ውቃው እዚ፡ ንስርሒት ምድምሳስ ናደው እዚ፡ ንስርሒት ፈንቅል፡ ንምርብራብ ግንባር ጊንዳዕን  ግንባር ደቀምሓረን ብዘደንቕ ብልሕን ትብዓትን ጅግንነትን መሪሖም ናብ ናጽነት ዝኣተዉ ጀጋኑ፡ ናይ ተሳዓርነትን ተንብርካኽነትን መንፈስ ኣርእዮም ተባሂሉ፡፡ መኣስ ንሱ ጥራይ ምስ ወያነ ተሰማሚዖም ግንዖ ሞቕሽሽ ተቐቢሎም ሃገር ክሸጡ ሓሲቦም ዝብል ጠቐር ጸለመ ውን ተወሲኹ፡፡ ታሪኽ ገድልናን ታሪኽ ጅግንነትናን ኮንተ ወእቱ ዝገብር ጠቐር ጸለመ፡፡ እቶም ዘጸልሙን እቶም ዝጽልሙን ብሚዛን ዝተሓልፈ መሪር መስገደል ገድሊ ኤርትራ ኣብ ሚዛን ታሪኽ እንተ ዝቕመጡ ግን፡ ክንቲትን ወርቕን ኢዮም፡፡ ዝገደደ ድማ ፍጮ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ነጻ ፕረስ ኢሉ ኣዊጁ ከብቅዕ፡ ንዝነበረ ህሉው ኩነታትን ዘይ ምቅዳው ላዕለዎት መሪሕነት እቲ ግምባርን ህዝቢ ሓቂ ክፈልጥ ብትብዓትን ተወፋይነትን ስለ ዘቓልሑ፡ ጋዜጠኛታትና ብዘይ ክስን ፍርድን ብጅምላ ከም ዝዕፈኑ ገይሩ ኢዩ፡፡ 18 መስከረም እምበኣር እቲ ሕግን ግዝኣተ ሕግን ኣሎ ኢልና ንደናገረሉ ዝነበርና ደብዛዝ መጋረጃ ምልኪ ደሚቑ ዝተረኣየናን ልዕልና ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተጣሕሰ ዘረጋገጽናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ ድሕሪ 18 መስከረም ካብ ፍጮ ጉጅለ  ህግደፍ ፍትሒ ክርከብ ምጽባይ ድሕሪ ሞት ጥዕና ምቕባጽ ኢዩ ዝነበረ፡፡ እዚ ፍጮ ጉጅለ ህግደፍ ዝተጠቕመሉ ነውራምን ፍንፉንን ሽርሒ ካብ ዓለባ ሳሬት ዝቐጥን ተንኮል ብምንባሩ ግን ኣብ ህዝብን ተጋደልትን እውን ምድንጋራት ፈጢሩ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኣውራ ድማ ተጋደልቲ ነቲ ናይ ለውጢ ሕቶ ክስዕብዎ ኣይተራኣዩን፡፡ ተጣዒስካ ዘይምለስ ወርቃዊ ዕድል ኣብ ኢድና ሞይቱና፡፡

ፍጮ ጉጅለ ህግደፍ ነዞም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ እንሕበነሎም ጀጋኑና፡ ካብ ህዝቢ ንኽንጸሉ ከምቲ ብታሪኽ ንሰምዖ፡ ማሕበር ኣንድነት ኣብ ኣርባዓታት ዝተጠቕሙሉ ርኹስ ሜላ ኢዩ ተጠቒሙ፡፡ ማሕበር ኣንድነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝበለ፡ ፍትሓት ከይግበረሉ፡ ኣብ ሓጎሱን ሓዘኑን ክንጸልን ይሰብኩ ነይሮም ይበሃል፡፡ ፍጮ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ እውን ስም እዞም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ጀጋኑና ዝረቖሐ፡ ስለምንታይ ኢሉ ዝሓተተ፡ ክቃወም ዝፈተነ ወያነን ልኡኽ ወያነን ሸያጢ ሃገርን ኢዩ ዝብል መርዚ ጎስጓስ ብካድራቱ ስለ ዝነዘሐ ህዝቢ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ኣብ ናይ ስቕታ ማዕበል ከም ዝወሓጥ ኮይኑ ኢዩ፡፡ እቲ በዞም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ጀጋኑ ዝተወለዐ ሽግ ሓርነት ግን፡ ዋላኳ ግዜ ይብላዕ ክጠፍእን ክቕህምን ግን ኣይከኣለን፡፡ ዘልዓልዎ ሕቶ ህዝባዊ ሕቶ ስለ ዝነበረ ሎሚ እቲ ዝወልዕዎ ሽግ ሓርነት ሸባዕባዕ ኢሉ ንፍጮ ጉጅለ ህግደፍ ከንድዶን ከቃጽሎን ተቓሪቡ ኣሎ፡፡

እዞም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ጀጋኑና ዘልዓልዎ ሕቶ ሓደን ክልተን ዘይብሉ፡ የማነ ጸጋም ዘየጋላብጥ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ኢዩ፡፡ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ቕዋም ኣብ ግብሪ ይውዓል፡፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ይተኸል፡፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ናብ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ይሰጋግር ሕመረት ዝነበሮ ትሕዝቶ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ኣብ መጠረሽታ ኣዋርሕ 2000 ዓ/ም ዝተገብረ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ እውን ብዜካ ክልተ ሰባት ተቓውሞ ዝገበሩ ብምሉእ ድምጺ ዝተሰማምዑሉ ኢዩ፡፡ እቲ ንይምሰል ግዜ ንምዕዳግ ሕራይ ዝበለ ኢሳይያስን ፍጮ ጉጅልኡን እውን ኣብዚ ኣኼባ ኣይተቓወምዎን፡፡ ድሕሪዚ ኣኼባ እዚʼዩ ኢሳይያስ ንኣኼባን ርክብን ዝሓንገደ፡፡ ድሕሪዚ ኢዮም እዞም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ጀጋኑ ሕቶኦም ብዓውታ ናብ ህዝቢ ዘቃልሑ፡፡ እዞም ጀጋኑ ንሕቶኦም ሓይልን ስነ-ሞጎት ሓይል ኣይሓወስሉን፡፡ ዕጡቃት መሳርያ ክንሶም ስልጦን ብሰለማዊ መገዲ ናብ ህዝቢ ክሰጋገር ኣለዎ ኢሎም ኢዮም ኣብ ዘልዓልዎ ሕቶ ዝጸንዑ፡፡ ኣብ መጠረሽታ ውን ሓደገኛ ውሳነ ፍጮ ጉጅለ ህግደፍ ክገጥሞም ምዃኑ እውን ፈሊጦሞ ነይሮም ኢዮም፡፡ ካብ ቃላት ጅግና ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ምስ ዳንኮነል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ˝ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክኣስሩና ይሻባሸቡ ኣለዉ ̋ ዝብል ንጹር ሓሳብ ሰፊሩ ኣሎ፡፡ ልክዕ ከምቲ ዝበልዎ ድማ ብጅምላ ተዓፊኖም ክትሰምዖ ብዘደንጹ ኣብ ማሕዩር ዒራ ዒሮ ብዘስካሕክሕ ተሳቕዮም ሓቒቖም ኣለዉ፡፡

ኣብ ዘበነ ገድሊ ማእለያ ዘይብሎም ምሩኻት እንተላይ ላዕለዎት ጀነራላት ስርዓት ደርግ ኣብ ሕቕፊ ህዝባዊ ግንባር ነይሮም ኢዮም፡፡ ንገድሊ ኤርትራ ክድምስሱ ብረት ኣቕኒዖም ኣብ ዓውደ ውግእ ዝተማረኹ ወተሃደራት፡፡ ድሕሪ ምሕራር ናጽነት ብዘይ ቅድመ ኩነት ኢዮም ተለቒቖም፡፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ብምስባብ ባድመ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝወለዖ ኲናት እወን ዝተወሰኑ ምሩኻት ነይሮም ኢዮም፡፡ ብዝተገብረ ስምምዕ ናይ ምሩኻት ምልውዋጥ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ገድሊ ይኹን ድሕሪ ናጽነት መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝተቐረቡ ኤርትራውያን ጀጋኑ ብኢሳይያስን ጉጅልኡን ትሕቲ ትሕቲ እዞም ምሩኻት ኢዮም ተራእዮም፡፡ ኣረ ተረሺኖምን መላሲ ኣውያት ዘይብሎምን ዳህያ ኣትዮም ሓቂቖም፡፡ ናይ መንካዕን የሚንን በሰላ እንከለና ናይ ቀረባ ተዘክሮ ዕፈና ጉጅለ ዓሰርተው ሓሙሽተን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ውን ብጸሓይ ቀትሪ ተደጊሙ፡፡ ስለምንታይ……. ስለምንታይ……… ስለምንታይ……… ክንመራመረሉ ዝግባኣና ዘይተመለሰ ሕቶ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን በብሓደ ሰብ ወሓደ ብምግባር ንጀጋኑ ሰብ ቅያ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ቀቲሉዎምን ኣሕቂቕዎምን ኢዩ፡፡ ህይዎቶም ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ታሪኾም፡፡ ስለምንታይ……………….

ጅምላዊ ዕፈና 18 መስከረም 2001 ዓ/ም መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ ኮይኑና ኢዩ ንዓና ንኤርትራውያን፡፡ የግዳስ ለቢምናሉ ክበሃል ኣይከኣልን፡፡ ኢሳይያስ ንዝመርሖ ፍጮ ጉጅለ ህግደፍ ብሰለማዊ መገዲ ክንኣልዮ ንሓስብ ሒደት ኣይኮናን፡፡ ጀጋኑና ንኢሳይያስ ብሬንን ካላሽንን ዓጢቖም ኣይተፋለምዎን፡፡ ሰለማዊ ምስግጋር ስልጣን ውሑስን ቀጻልነቱ ዘተኣማምን ኢዩ፡፡ ኣብ ዝብል መትከል ጸኒዖም ገንሸል ኮይኖምልና ኢዮም፡፡ እዞም ጀጋኑ እዚኦም ምስ ኢሳይያስ ክሳብ ናብ ዝምድና ዝኸደ ዕርክነት ዝነበሮም ኢዮም፡፡ ኢሳይያስ ንብዙሓት ተባዓትን ውፉያትን ፍቱዋትን ጀጋኑ ተጋደልቲ እንተላይ ቀረባ ኣዕርኽቱ ዝበለዓን ዘሕቀቐን ከይሲ ኢዩ፡፡ ምንባሩ ኣብ ደምን ብደምን ኢዩ፡፡ ጀጋኑ ዝቐተለን ዘሕቀቐን ብደም ንጹሃት ኣእዳዉ ዝተሓጽበ ኣርዮስ ስልጣን ብሰለማዊ መገዲ ከሰጋግረልካ ምጽባይ የዋህነት ዘይኮነ ዕሽነት ኢዩ፡፡ ዕፈና 18 መስከረም መምሃሪ ክኾነና ኣለዎ፡፡ እዚ ደም ንጹሃት ሰትዩ ዝዓፍተወ ስርዓት ሓደ የብሉ ክልተ ብደም ጥራይ ኢዩ ዝእለ፡፡ እትዓጥቆ ብረት ንመን ትሃርመሉ ትቐትለሉን ግን ምፍላጥ የድሊ፡፡ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሑዳን ጉጅለ ፍጮ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኢዩ፡፡ ንዓጥቆ ብረት ናብዚ ፍጮ ጉጅለ ክቐንዕ ኣለዎ፡፡ ሽግ ሕቶ ዲሞክራስያዊ ለውጢ 18 መስከረም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ብዘለና ተረከብቲ ሕድሪ ተዓቲሩ ንፍጮ ጉጅለ ንህግደፍ ከቃጽሎን ክህሞኾን ኣለዎ፡፡

ነባሪ ዝኽሪ ንጀጋኑና

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

“ካብ ትም ምባልሲ ምጅማር መሪጽና”

$
0
0

“ካብ ትም ምባልሲ ምጅማር መሪጽና”

ቃል ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)

ቅድሚ እታ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉላ  ዕለት ማለት  መስከረም 18, 2001 ዓ.ም.፡ ኩሎም በቢወገኖም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዝነበራ ጋዜጣታት ኤርትራ፡ መግለጺ ሂቦም ነይሮም’ዮም። ሓደ ካብኣቶም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዝነበረ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) እዩ ነይሩ።  ሃይለ ካብ’ቲ ሰፊሕ መግለጺኡ፡ ብዝያዳ ከተኩረላ መሪጸ ዘሎኹ እዛ “ካብ ትም ምባልሲ ምጅማር መሪጽና” እትብል ኣበሃህላኡ እያ።

እዞም ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ’ቲ ነዊሕ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ኣብ’ቲ ድሕሪ ዓወት ዝተተኽለ መንግስቲ ቀንዲ ብጾት ኢሳያስ ምንባሮም ኩላትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ኢሳያስ ብጾተይ ዘይብል ጠላም ምዃኑ ካብ ተመኩሮኦም ኣጻርዮም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እዚ እንዳፈለጡ ግን ነታ ዝወሰድዋ ስጉምቲ ክወስዱ መሪጾም። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ እዩ ሃይለ ምስ ተሓተተ “ካብ ትም ምባልሲ ምጅማር መሪጽና” ዝበለ።

ብተረድኦይ፡ እዛ ኣበሃህላ እዚኣ እትሕብሮ ነገር እንተድኣ ሃልዩ፡ ብዙሓት ጌጋታት ክፍጸሙ እንዳርኤና፡ ኣስቂጥና ነሕልፎም ኔርና ኢና፡ ሕጂ ግን ኣብ መለክዒ ዘይርከቦም ደረጃ ስለዝበጽሑ ዝመጽኤ ይምጻእ፡ ካብኡ ዝኸፍእ ነገር የልቦን ኢልና ተቓውሞና ጀሚርና ኣሎና ዝብል ናይ ጣዕሳ ምልክት  እዩ። እወ እቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ ጌጋታት ብኢሳያስ ጥራሕ እዮም ተፈጺሞም ኣይንብል ኢና። መብዛሕትኦም ካብ’ዞም ሽዕኡ ናብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ’ቲ ፍጻመ ናይ’ቶም ጌጋታት ይኹኑ ገበናት ተሳተፍቲ ምንባሮም ብሩህ እዩ። እንቋዕ ሕራይ ኰኑ ዝብል ዘይፍትሓዊ ኣዘራርባ ክህልወና ግን ኣይግባእን እዩ። እቲ ዝምረጽ ሓደ ፍትሓዊ መንግስቲ ተኺልካ፡ ኩሉ ዝኽሰስ ሰብ ብሕጊ ጉዳዩ ክርኤ ከሎ እዩ። ቀዳማዮም ከኣ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ። እዚ ዕድል እዚ ግን ኣይተረኽበን። እቲ ኣብ’ዚ ክርኤ ዘለዎ ጉዳይ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም  ብዘይ ፍርዲ፡ እሞ ከኣ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ክጠፍኡ ከለዉ እዩ።

እታ “ቅዋም ኣብ ግብሪ ይውዓል” ምባሎም ዋላ’ኳ ደንጉዮም እንተበሉዋ ብዋጋ ሂወቶም እዮም ኢሎማ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ከኣ እትድገፍ ጠለብ እያ።

እዛ “ካብ ትም ምባልሲ ምጅማር መሪጽና” እትብል ኣበሃህላ ሃይለ፡ ንክመጽኦም ዝኽእል ጸገማት’ውን ትሕብር ነይራ’ያ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ኢሳያስ ንነዊሕ ዓመታት ስለዝሰርሑ፡ ኢሳያስ ንዝተቓወምዎ እንታይ ከምዝፈድዮም ኣጻርዮም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኣብኦም በጺሓ ከምዘይትቕየር’ውን ልዕሊ ኩሉ ሰብ ይፈልጡ ነይሮም። መብዛሕትኦም ዲፕሎማቲክ ፓስፖርት ዝነበሮም ሰባት እዮም። ኣቐዲሞም ንከምልጡ መደብ እንተ ዝነብሮም ነይሩ ከምልጡ ምኸኣሉ ነይሮም። ወረ ገለ ካብኣቶምስ  ኣብ ወጻኢ ከለዉ እዮም ተቓውሞኦም ጀሚረሞ። ከም ናይ ገሊኣቶም ዝገበርዎ “ፓስፖርትና ስሒበሞ መምለሲ ስኢና” ኢሎምዶ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ሃገር ክነብሩ ኣይምኸኣሉን እዮም።  ግን እንታይ መሪጾም? እቲ ተቓውሞ ንጀምሮ፡ ኢሳያስ ንክንቅጽሎ ዕድል ስለዘይህበና ከኣ ካልኦት ይፍጽምዎ። እንተዀነ ህዝብና ብሰንኪ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝምድናታት ከም’ቲ ናይ ቀደም ባህሪኡ ክገብር ኣይከኣለን። እንሆ ከኣ ንሳቶም ብዘይ ፍርዲ ጠፊኦም፡ ህዝብና ከኣ ኣደዳ ሕሰምን መከራን ኰይኑ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ተስፋይ ተምነዎ

ዘኪርኩምናስ ረሲዕናኩም!

$
0
0

ዘኪርኩምናስ  ረሲዕናኩም!

 

ኣንቱም ውጻእ መዓት

ኣብ ክራማት ኵናት

ዝተረፍኩም ካብ ሞት

ሲኦል ‘ዶ ኣርኪቡልኩም

ቀውዒ ምስ ሓሰደት

እምነት ተፈቲሓ

ጥልመት ምስ ተኻሕሰት

ሰላም ተዘሪጋ

ፍትሒ ምስ ተኣስረት፣

 

ግደፉዎ ‘ሞ ሓመድ ሓፋሽ

ዋላ መዘናኹም ብዓል ከብዲ ምላሽ፣

 

‘ቲ ሰላም ስለዝበለኩም ጥራይ ተሓጕሱ

ኣዕጽምታ ለቒቓ ዝተመጠት ነብሱ፣

ኢዱ ኣብ ጅብኡ ክሳዱ ንሰማይ ዘቕነነ

ንፋስ ከይወስደሉ ኣሰር ኣጻብዕኩም ዝተኸናኸነ፣

ኣየ’ወ ‘ቲ ትሕቲ ከልቢ ለጠቕ ኢሉ

ዝሰገደልኩም ‘ኳ ንጣኦት ኣምሲሉ፣

ተሰምዐ ደኣ ክዋራዘ

ዓሰርተ ጸለመ እናመሃዘ፣

 

ኣንቱም ሰባት፣

ሰብ ዘኪርኩም ሰብ ረሲዑኩም

እንታይ ጉድና እንታይ ጉድኩም

ቆርዩ ኢድና ቆርዩ ኢድኩም

ተኻሒድና ክሒድናኩም

ዓማጺና ጎሲዑ ደም፣

‘ቶም እሱራት ይመስሉ ቅዩዳት

‘ቶም ፍቱሓት ይመስሉ ንጹሃት

ከመይ ዲዩ’ንታ ነገር ዓለም

ዘካርን ረሳዕን ዘደናግር ፍርዶም

ሓደ ክንሱ ‘ቲ መቕጻዕቶም፣

 

ብዘይቃልዓለም

ረስዑና ደኣ እንተሊኹም

‘ታይ ‘ሞ ክንደግም!!

 

ረስዑና ‘ወ ንዓና ክሓይሽ

እንተተጀሚሩ ግብርና ምፍታሽ

ክንፈልጥን እንዲና ከምዝኾና ባዶሽ፣

ዋርድያ ባዕልና ሰንሰለት ንጎስስ

ሕዩራት ምዃና ዝገደድና ብላሽ

ክንፈልጥ እንዲና ከብቅዕ ምቕሻሽ

ክፈርስ ነብስና ክብለና ሓደሽደሽ፣

 

ዘኪርኩምናስ ረሲዕናኩም

ንጽህናኹም ድዩ ደኣ ‘ታ ‘ቲ ሓጥያትኩም

ረሳዕቲ ምዃና ዘይምዝካርኩም?

ግደ ሓቅስ ነብስና ኢና ረሲዕና

ነብስኹም ዘኪርኩም

ኣብ ሚዛን ሕልና ይኸብድ ርዝነትኩም

ዕዳ ምስና ‘ሎ ሓርነት ምሳኹም።

ኣማኑኤል ኢያሱ

18 መስከረም 2013

ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን –ትርጉም ናጻ ፕረስ

$
0
0

ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን

ትርጉም ናጻ ፕረስ

 

ኣማዕድየ ጠሚተ ናብ’ታ ኣድማስ

ከስተማቕር ትርጉም ናጻ ፕረስ

እንተዘይብሉኺ ኣብ ውልዶኺ ምልዕስ

ምፈልፈለ ቃላትኪ ከም ዛራ ማይ ይፈስስ

ጸሓይ ዒራዒሮ በርቲዑኪ ስኢንኪ ዝኹስኩስ

ሓሊነ ዝኽሪ ቃላትኪ ከይሃስስ

ሰይድ ዓብደልቃድር ክድበስ!

 

መለኸት ብሩህ ተስፋ መቓልሕ

መኣዲ ዘተ ትምህር ተብልሕ

ፈልፋሊት ሓሳባት ከም ማይ ጃሕጃሕ

ማቴዎስ: ዳዊት: ሰላምይንገስ ተሓሊኾም ብሞቑሕ

ብመግረፍቲ ይነብዑ ዝርንዛሕ

እዚ ለይትስ ደቀይ ክንደይኮን ይነውሕ

ንገሩኒ’ባ መዓስ’ዩ ዝወግሕ?

 

ክሓተኪ’የ ኣነ መልስለይ ዘመን

ብቕኒት የማነ ባርያ ሜሎዲ ናይ ሓዘን

ኣበይ ኣቢልክዮም ኤማን ፍጹምን

ሓሪምክዮም ብርዕን ቀለምን

መጢኽዮም ንዒራዒሮ ተስፍኦም ክምህምን

ኔው በልዮ ዜና ዕረፍቶምሲ ኣይግድን

ቀውዒ ኣውጅሎም ጮራ ትስፍው እዋን!

 

ኣበይ ኣሎኺ በኹሪ ገዛ ሃገራዊት ሰቲት

ድምጺ ህዝቢ ናይ ፍትሒ ነጋሪት

ሰንድዮ ቃላት ናይ ጆሽዋ፡ ናይ ዳዊት

ፈለግ ሓሳባቶም ኣይተጻዕደን ብሰንሰለት

እንተኸሓድዎም ናይ እከይ ሃዋርያት

ጥልመት ‘ዚኣመሎም ሰብ ነውሪ በሃማት

ዝኽሮም ክነብር’ዩ ምሳና ንዘንትእለት!

 

ትንግርቲዶ ክብሎ እዚ ናትክስ ኦ ጽጌናይ

ጽፈ ፊደላት ቃላትኪ ይርኣየኒ ኣብ ዓይነይ

ዘኪረዮ ከም ንህቢ ክዓስለኪ ዓሚልኪ ነባባይ

ንገርኒ ሰብ ኪዳንኪ ስኢነሎም ደሃይ

ዮሱፍ፡ ዘመንፈስ፡ ገብሪሂወት ኢልኪ ስመይለይ

ኢልክዮም ‘መስለኒ ውረስዎ ስመይ

ትሕቲ ምድሪ ክነብሩ ብዘይ ብርሃን ጽሓይ!

 

ሓባሪት ኣኸዛ ግርማዊት ቀስተ-ደበና

ከም ቀደምኪ ኩኒ ወረ ሃብና ወረ ፍልፍል ሰለሙና

ከመይ ኣለዉ በዓል መዳ: ተሜ መተዓብይትና

ሓደራኺ መንፈሶም ከይስበር ከይደክም ሕልና

ዘይነጽፍ ንብዓቶም ሓንስስልና ቁስሎም ዘንንልና

ሃምን ሰርብን ይኹን ድምጺ ነጎዳ ኣስምዕና

መልሲ ምህለላና ብስራት ሒዝኪ ይኣክል በልና!

 

ፍቕርን ሰላምን’ዩ ዊንታና

መሰልን ፍትሕን’ዩ ሃረርታና

ባዕሉ ፈጣሪ ምስ ዓለምና ዝዓደለና

ዲሞክራሲ’ዩ ልዕልና ሕጊ ዋሕስና

ጋዜጠኛታትና ፈቲሕኩም ክንዛረብ ክንካታዕ ግደፉና

ክንከውን ወነንቲ ሓሳብናን ምርጫናን ባዕልና

ክንነብር ብናጽነት ክብረት ኣብ ሃገርና!

ተስፋኣለም

ምንጪ፡ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ደቡብ ኣፍሪቃ እትሕተም መጽሔት መሰለይ: ቁ.2 መስከረም 2013

 

ኣውራጃዊ ፖሊቲካን በሰላታቱን –ውልቃዊ ትዕዝብቲ – 1ይ ክፋል

$
0
0

ድሕረ-ባይታ፦ ህዝቢ ኤርትራ ስጋይ ስጋኻ ዝፈልጥ፣ ንመዋል እናተኸባበረ ክኸይድ ዝጸንሐ ህዝቢ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ነዚ ናይ መዋእል ክብሩ ዝፈታተን ስምዒታት ይረአ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣውራጃዊ ስምዒትን ኣውራጃዊ ፖሊቲካን ኢዩ። ኣውራጃዊ ስምዒት መኣስ ከም ዝጀመረ’ኳ ዝፍለጥ እንተዘይኮነ፣ ኣቐዲሙ ካብ እዋን ፈደረሽን ኣትሒዙ፣ ኣብ ክብ ዝበለ ኣብያተ- ጽሕፈት
መንግስቲ ብዝተወሰነ ደረጃ ይረአ ምንባሩ ይዝረብ ኢዩ።

Download (PDF, 72KB)

መን እየ ኣነ?

$
0
0

መን እየ ኣነ?

ሽግር  ሓሊክዎ መልሓስ ተዓጽፎ

ዓለም መኒኑ ይነብር ኣብ ቆፎ

ንእሽቶ መስኮት ንትንፋስ ገዲፉ

ኣብ ጉድጓድ ይቅመጥ ኣብራዂ ዓጺፉ

ዝባነ ዝባን ሸነን እንታይ ክዓብሰሉ

ብኣየር ዝጓዓዝ ድምጺ እንተዘይብሉ

ሓደ ግዜ ግን ሓንቲ ምድረ በዳ

ፈጺመ ኣይሩህሩህን ዝበልክዎ ከብዳ

ድምጸን ኣጕሊሔን ነጢረን ዝከዳ

ኣሎና ዝብላ ብቅጽበት ወሊዳ

ንክብሪ ሃለዋት ብሓባር ዘድምጻ

ብቝሊ ምድሪ ድየን ካብ ሰማይ ዝመጻ

ኢለ ፡ ደድሕሪኤን ከይደ ጎየ ከርክበን

ሓቂ ክፈልጥ መነመን ምዃነን

ነባራት ድየን ሓደስቲ ብቊሊ

የማን ጸጋም በልኩ ንዔኤን ከለሊ

ኮይነን ግን ጸንሓኒ  ደቂ ማይ ንግሆ

ቀንደል ሂበን ኣብ ጸላም ዘብርሆ

ከዳ ተሓጕሰን ነጠራ ዘለላ

ምስጋን’ዩ ግዲ ኣስሚረን ምህለላ

ናተን ገዲፈካ እቲ ናተይ ነጠባ

ኣጋይሽን ኢለን ንዎየን ደቂ-ኣባ

ለከ ድምጺስ ሓባሪ ሃለዋት

ተፈጥራዊሃብቲ ኣሰናፍ ሓያላት

ገለ ብመልሓስ ገለ ብመንገብገብ

ባህርያዊ ድምጺስ ከመይላ ትጽገብ!

ድሕሪኡ ግን እ..ህ…..ም ኢለ

ከይደ… ከይደ ….መገደይ ቀጺለ

መሰል እንከሎኒ ድምጸይ እንተ ኮኒነ

ምስ መንየ ዝቑጸር መን ‘የ ኣነ ?   …   ወረ  መን’ ኣነ?

ምክሪ ዕዳጋ ፡- “your life is your voice in the world; make it inspiring”

 

ናይ ዕዳጋ ምክሪ……..ኣብዝባን ጥራዝ ዘላ   ጥብቖ ደርሆ ምስ ማክሮፎን


ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን –ውልቃዊ ትዕዝብቲ – 2ይ ክፋል

$
0
0

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ንህልዉ ድሕሪ-ባይታ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ሃገርና ዝምልከት ኣቅሪበ ነይረ። ብዛዕባ ፖለቲካ ክንዛረብ ከለና፣ ዘይርና ዘይርና ብዛዕባ ቁጠባዊ ረብሓታት ንዛረብ ምህላውና ንስሕቶ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ረብሓታት ካብ ቁጠባዊ ረብሓታት ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን።

Download (PDF, 63KB)

እድሪስ (ኣቡዓረ)

$
0
0

ምስ እድሪስ ኣቡዓረ ወላ’ኳ ኣብ ጊንዳዕ ክንፋለጥ ይግብኣና እንተ ነበረ፡ ኣነ ኣብ ካምቦፖሊስ ንሱ ድማ ኣብ ከተማ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ከም ካልኣይ ድማ ኣነ ምዕባዩ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ሓደ ቤትትምህርቲ እናተመሃርና ኣብ ክፍሊ ይኹን ኣብ ጸወታ ንራኸብ ስለ ዘይነበርና፡ ሽዑ እርእዮ ነይረ’ምበር ፍልጠት ኣይነበረናን። ብዝኾነ ኣነ ከም ወዲፖሊስ መጠን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ድሕሪ ምዅብላል ኣብ 10/1975 ክስለፍ ከለኹ ምስ ኣቡዓረ ግን ኣዚና ደንጉየ ኣብ 1979 ኢና ተራኺብና።

እድሪስ ኣቡዓረ ካብ ትግረን ሳሆን ዝኾኑ ወለዲ ተወሊዱ ኣብ ጊንዳዕ ዓብዩ። ናብ ህሓሓኤ ድማ ጌጋ ይኽልኣለይ ኣብ 1972 ተሰሊፉ። ምኽንያቱ ቅድሚ ውግእ ሓድሕድ ገረግር ሱዳን ዝነበረ ጽንኵር ኵነታት ይኹን ኣሰዋውኣ ኣስታዝ ዓምር ጣህር ሻህቢ ጽቡቕ ገይሩ የዕለልኒ ነይሩ። እድሪስ ነቲ ኵሉ ጽንኵር ኵነታት ሓሊፉ ኣብ ከባቢ 1974 ብጸልማት እናኸደ ከሎ ምስ ካልኦት ብጾቱ ኣብ ሓደ ሃው ዝበለ ገደል ስለዝኣተዉ ኣዝዩ ተሃስዩ። ብሰንኪ እቱ ዝወረዶ ብርቱዕ ማህሰይቲ ድማ ንሕክምና ናብ ኩወይት ተላኢኹ። ኣብ ኩወይት ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስቶም ኣብኡ ክሕከሙ ኣጸንሑዎ ተጋደልቲ ከዕልል ባህርያዊ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት እቲ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ፍቕርን ብጻያዊ ሓልዮትን ዘይደሊ ምስጢራዊ ሰልፊ ብመንገዲ ሓደ ተጋዳላይ ንኣቡዓረ ከምዚ ይብሎ። “ስማዕ ኣቡዓረ፡ በዓል እከለን እከለን ጽልዋ ናይ መንካዕ ከም ዘለዎም ትፈልጥዶ?” ኣቡዓረ ድማ፡ “ፈሊጠ ኣይፈሊጠ ንዓይ እንታይ ትርጕም ኣለዎ?” ዝብል ደረቐኛ መልሲ ሃቦ። እቲ ልኡኽ ድማ “ማለተይ ምስኣቶም ክተዕልል ኣይድለን እዩ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስ እከለን እከለን ክተዕልል የብልካን፡” ዝብል ለበዋ ለገሰሉ። እቲ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣቡዓረ ግን “ኣነ እነግረካ ኣለኹ፡ እዞም ሰባት ግቡኦም እነፈጸሙ ዝተወግኡ ብጾተይ ስለ ዝኾኑ ምስኣቶም ምዕላል ከም ዘየቋርጾ ፍለጥ!” ኢሉ ኣፋነዎ። እዛ ኣጋጣሚ እዚኣ ግን ስለ ዝተመዝገበት ደድሕሪኡ ስዒባ።

ኣቡዓረ ኣብ 1976 ናብ ሜዳ ክኣቱ ከሎ ብክልተ ምርኵስ ንየው ነጀው እናበለ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ሰብነቱ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘይተንቀሳቐሰ ኣብራኹ ካብ ክቱር ቅጥኒ ቀሸም ኣብ ርእሲ ምምሳለን፡ ገጹ ምስ ርኣካ ህይወት ከም ዘለዎ ስለ ትፈልጥ እንተ ዘይኮይኑ ተንቀሳቓሲ ሬሳ ኮይኑ እዩ ዝስምዓካ። ነብሱ ብግቡእ ክኣሊ ይኽእል ስለ ዘይነበረ ድማ ጸጕሩ ኣዝዩ ዘጊፉ ብቍማልን ጭብን ዝተጎብአ ነይሩ። እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቱ ዘሎ መቝሰልቲ ኣብ ፍሕኛኡ ኣሉታዊ ጽልዋ ስለ ዝፈጠረ እናናሳዕ ክሸይን ኣለዎ። ክሸይን ከሎ ግን ከም ንቡር ሰብ ብዝሕ ኢሉ ዘይኮነ ኣብ ነፍስወከፍ ፈተነ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ክሸይን ዝኽእል። ብሓጺሩ ፍሕኛኡ ኣመና ውሑድ ሽንቲ እያ ክትዓቍር ትኽእል። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ እዩ እምበኣር ምስ ጽልዋ ናይ መንካዕ ኣለዎም ዝብሃሉ ተጋደልቲ ገለ ድሒሮም ዝተሰውኡ ብጾቱ ኣዕሊልካ ተባሂሉ ናብ ሓለዋ ሰውራ ዝተላእከ። ኣብ ሓለዋ ሰውራ ከምቲ ልሙድ እቲ መርማሪ “መምጽኢኻ ትፈልጥዶ?” ክብል ተወኪሱዎ። ኣቡ ዓረ ድማ ኣብ ብሌቓት ዝተወዝዓ መሲሉዎ ስለ ዝነበረ ዝፈልጦ ገበን ከኣ ስለ ዘይነበሮ፡ “ኣይፈልጦን!” በሎ እናሰሓቐ። እቲ መርማሪ ብዛዕባ መምጽኢኡ ነዊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ኣብቲ ቦታ ክጸንሕ ምዃኑ ሓበሮ። እድሪስ ድማ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ጸኒሑ። ብዘይካ ክምህር ወይ ክጽሕፍ ካልእ ነገር ክሰርሕ ስለ ዘይክእል ኮፍ ኢሉ ኣሕሊፉዎ። ድሕርዚ ኣብ ጌጋ ይኽልኣለይ ኣብ ቤትጽሕፈት ክፍሊ ህዝቢ ተመዲቡ። ኣብ 1979 ድማ ናብ ፖርትሱዳን ተቐዪሩ ከም ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ ከገልግል ጀሚሩ።

ኣቡዓረ ናብ ፖርትሱዳን ኣብ ዝመጽኣሉ ግዜ እቲ ናይ ጊንዳዕ እድሪስ ምኻኑ ከለልዮ ስለ ዘይከኣልኩ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ እየ ዝቐርቦ ነይረ። ባህርያቱ ስለ ዝፈተኹዎ ግን ዝያዳ እቐርቦ ነይረ። ኣቡዓረ ጥዑም ጠባይ ዘለዎ፡ ተዋዛያይ፡ ብዙሕ ነገር ዝፈልጥ፡ ጽቡቕ ምልከት ቋንቋታት ዝነበሮ ሰብ ኮይኑ ቀልጢፉ ጐድኒ ዘይዝሕዝ፡ ኣብ ውሳኔ ቅድሚ ምውሳዱ ነነገራት ኣዝዩ ዝምርምር ደሞክራስያውን ፍትሐኛን ዝኾነ ሰብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ እድሪስ ኣቡዓረ ክፈልጥ እንተ ደልዩ ካብ 1979 ክሳብ 1985 ኣብ ፖርትሱዳን ዝነነብሩ ሓፋሽ ውዳት ይሕተት። ብወገነይ ብዙሓት ቅኑዓትን ፍትሐኛታትን፡ ካብእእቶም ብተዓጻጻፊ ዝበዝሑ ዘይፍትሓውያንን ዓመጸኛታትን እፈልጥ እየ። ከም እድሪስ ኣቡዓረ ዝኣመሰለ ድምብርጽ ዘይብሎ ተባዕን ፍትሐኛን ሰብ ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ብዝኾነ ጽቡቕ ምቅርራብ ኣማዕቢልና ክንዋዘን ክንጨራረቕን ዳርጋ ዓመት ሓሊፉ። ኣነ ኣባል ጨንፈር መጓዓዝያ ስለ ዝነበርኩ ንኣቡዓረ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ምዃኑ ንምግላጽ “PEOPLES ORGANIZER” እብሎ ነይረ ብመልክዕ ጭርቃን ንሱ ድማ “TRUCK ORGANIZER” ትራክ ይብለኒ ነይሩ። ብባህሪኡ ተዋዛያይ ስለ ዝነበረ ኣባላት ራሕባ ዝነበነሩ በዓል ወዲጣውላ ድማ “WOOD ORGANIZER” ይብሎም ነይሩ። ኣቡዓረ ኣብቲ መጀመርያ ኮፍ ኢሉ ክምህር ከሎ ጥዑይ ዝመስለን ዝነበራ ኣንስቲ፡ ትምህርቲ ምስ ተወድአ ምርኵስ ሒዙ ሰልፈፍ ሰልፈፍ እናበለ ከም ሰኽራም ክኸይድ ምስ ርኣይኦ፡ “ዋይ ወደይ! ሚኪኤል ሊቀመላእኽቲ ዝመስል ጐበዝ! በጃኺ ይስጥሓኒ” ብምባል ኣመና ይድንግጻሉ ነይረን። ናብቲ ቍምነገር ንምምላስ ግን ሓንቲ ዕላል ከዕልለኩም።

ሓደ መዓልቲ ዓርቢ ኮይኑ ልሙድ ስርሑ ከካይድ ብዝሕ ንዝበለ ህዝቢ እናመሃረ ከሎ ኣብቲ ናይ ሕቶን ርእይቶን ግዜ፡ ሓደ ሰብ ኢዱ ዊጥ የብልሞ ኣቡዓረ ድማ የፍቅደሉ። እቲ ሰብ ለካ ንካልእ ሰብ ክውንጅል እዩ ነይሩ ዓላማኡ። “እከለ ወዲእከለ ብቐደማይ ኣብ ከተማ ኮፍ ኢሉ ምስ ገለ ሰባት እናዕለለ ከሎ ንውድብና ኣብ ክንዲ ህዝባዊ ግንባር ኢሉ ዝጽውዖ፡ “ህዝባዊ መዓኰር” ኢሉ ከላግጸሉ ከሎ ሰሚዐዮ። እንሃለ ድማ ሕጂ ኣብዚ ምሳና ኮፍ ኢሉ። ከም በዓል እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣድሓርሓርቲ . . .” ኢሉ ዘረባኡ  ወድአ። እቲ ርእይቶ ዝሃበ ኣባል ሓፋሽውድባት፡ ኣቡዓረ ነቲ ሰብ ክስሃሎ እዩ ተጸብዩዎ። ኣቡዓረ ግን ህድእ ኢሉ ብምጅማር፡ “እዚ ውድብዚ ናይ ህዝቢምበር ናይ ፍሉያት ሰባት ኣይኮነን። ናተይ ናትካ ናይ ኩላትና ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ውድብና ከምዚ ተባሂሉ፡ እከለ ከምዚ ኢሉ እናበልኩም ኣብ ጐድኒ እዚ ውድብ ደው ክብሉ ንዝኽእሉ ሰባት ብዝተቅምን ዘይጠቅምን ክተባህርሩዎም የብልኩምን፡” ብምባል ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቡ። ድሕርዚ እቲ ከምኡ ኢሉ ዝተባህለ ሰብ ኢዱ ዊጥ ብምባል፡ “ኣቱም ሰባት ኣነ ኣብዚ ውድብ ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝተወደብኩ ትፈልጡ ኢኹም። ነዚ ውድብ ክጸርፍ ኢለ ዘይኮንኩ ተጫራቓይ ካብ ምዃነይ ዝተላዕለ ከምኡ ኢለ እየ፡ እእረመሉ ከኣ። ካብ ተንኰል ዘይኮነ ግን ብመልክዕ ጭርቃን እየ ተዛሪበዮ። ኣነ ኣንጻር እዚ ውድብ ዝኾነ ጽልኣት እንተ ዝህልወኒ ነይሩ እንታይ ክዋጢ እመጽእ ኣለኹ፡” ብምባል ቃሉ ሂቡ። እቲ ነገር ድማ ኣብኡ ተዓጽዩ። ካልኦት ሰባት እንተ ዝነብሩ ነቲ ነገር ብኸምኡ ዘይኮነ፡ “መንዩ ከምኡ ዝበለ? ስለምንታይ ኢልካ? ጸረ ሰውራ ኢካ፡ ናይ ጀብሃ ኢካ ወዘተ” ብምባል ምደምደሙዎ ነይሮም።

ሓደ መዓልቲ ኣብ በረንዳ ናይቲ ቤትጽሕፈት እናዕለልና ከለና ብገለ ዘረባ ንሓንቲ ሰዓዳ እትብሃል ሰብ ክጠቅስ እሰምዖ። “ንሰዓዳ ደኣ ኣበይ ትፈልጣ?” እብሎ እናተገረምኩ። “ጓል ጊንዳዕ ስለ ዝኾነት እየ ዝፈልጣ፡” ክብል ምስ መለሰለይ፡ “ንሰዓዳ ዑመር ደኣ ኣነስ እፈልጣ’ንድየ፡ ወዲ ጊንዳዕ ዲኻ ኣቡዓረ?” ክብል ምስ ሓተትኩዎ፡ ኣብ ነዊሕ ዕላል ብምእታው ምስ መንኣሰይ ሃወይ ይምሃር ከም ዝነበረን እፈልጦ ከም ዝነበርኩን ክርዳእ ክኢለ። ካብኡ ንንየው ርክብና ዝያዳ እናጠበቐን፡ “እከለከ ትፈልጦዶ ኔርካ? ኣበይ ኮን ይህሉ?” እናተባሃሃልና ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፍና። ኣብ 1985 መጀመርያ ናብ ካርቱም ምስ ተቐየርኩ ድማ ንሱውን ምስ ሙስጠፋ ኑርሑሰይን ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ ናብ ካርቱም ተቐዪሩ ስለ ዝሰዓበኒ ክሳብ 1987 ንራኸብ ኔርና። ድሕሪኡ’ውን ኣነ ናብ ሜዳ ስለ ዝኣተኹ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ኣይተራኸብናን። ኣቡ ዓረ ድሕሪ ናጽነት ምስቶም ቋንቋ እንግሊዝ ከመሃሩ ናብ ኦኣዲ እንግሊዝ ዝኸዱ ሃለፍቲ ሓደ ነይሩ። ናብታ እንግሊዛዊት ስድራቤት ምስ ተሓወሰ ግን እታ ጽቡቕ እንግሊዝኛ ክዛረብ ዝሰምዓቶ ዋና ገዛ፡ “ንስኻ ደኣ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክትብል ተወኪሳቶ። ኣቡዓረ ኣብ ዓረብኛ ይኹን እንግሊዝኛ ብምንባብ ጥራይ ነብሱ ባዕሉ ዘማዕበለ ሰብ ኮይኑ፡ ብዓረብኛ ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። ኣቡዐረ ድሕሪ ናጽነት ከም ሓላፊ ቈንስላዊ ጉዳያት ድሒሩ ድማ ክሳብ ግዜ ማእሰርቱ ከም ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ሰሪሑ። ኣቡዓረ ሓደ ፈጺሙ ዘይንብርከኽ ተባዕ ሰብ ብምንባሩ ጓለይ ሰበይተይ ከይበለ፡ ምስቶም መቃልስቱይ ክእሰር ዝመረጸ ሰብ ከም ዝነበረ ኵነታት ኣተኣሳስራኡ ከመይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ነዚ ዝስዕብ ንመልከት።

ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነትን ክፍሊ ዕዮን ዝነበረት ኣስካሉ መንቆርዮስ ልክዕ ከምቶ ካልኦት መዛኑኣ ብኢሳያስ ተኣዚዛ፡ ምእሳር ጕጅለ 15 መታን ክትሕብር ንኣባላታ ኣኪባቶም። “ጕጅለ 15 ሃገር ከዲዖም፡” ኢላ ዘረባኣ ክትጅምር ከላ ግን ኣቡዓረ ደው ከም ትብል ብምግባር ንመድረኽ ተቘጻጸሮ። “ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትፈልጦምን ስለ ዝኾነት እያ ከምኡ በሊ ተባሂላ ከዳዓት ትብሎም ዘላ። ነዞም ሰባት እዚኦም ጽቡቕ ገይረ ስለ ዝፈልጦም፡ ንሃገር ክብሉ ዝተበጀዉን ንዓመታት ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ምዃኖምን እነግረኩም ኣለኹ። ስለዚ፡ እዚ ክትብሎ ዝፈተነት ጌጋ ከም ዝኾነ ፍለጡ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ንስኺ ድማ ነቶም ዝለኣኹኺ ኣቡዓረ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኢልኪ ሓብርዮም፡” በላ ብትብዓት። ኣቡዓረ ብዓንተቦኡ ኣብ ቋንቋ ኣደ ዝተፈላለየ ንህግደፍ ደስ ዘየብል ጽሑፋት ይጽሕፍ ስለ ዝነበረ፡ ጥዒሙሎም ንጽባሒታ ናብቲ ብጾቱ ዝነበሩዎ ናብ መዳጐኒ ቦታ ተወስደ። ብዛዕባ ኣቡዓረ ዝጀመርናዮ ዕላል ንምዝዛም ግን በዛ ቅድሚ ምእሳሩ ብዛዕባ ጕዳይ ምስጢራዊ ሰልፊ ዕላል ምስ ኣበገስና ባዕሉ ዘዕለለኒ ፈይ ከብለልኩም።

“ክገርመካ ኣዝየ ድሒረ እየ ብመንገዲ ባዱሪ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ኮይነ። እቲ ምኽንያት ድማ ሙስጠፋ ነይሩ። ግን ከኣ ሙስጠፋ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ንክትኣቱ እሺ በሃላይ ክትከውን ኣለካ። ኣነ ድማ ፍጥር ክብል ንዘይኣመንሉ ነገር እስI ምባል ባህረይ ኣይኮነን። ብዝኾነ እዚ ሃርጋፍ ሙስጠፋ እቲ ኵሉ ስራሃት ናይ ቤትጽሕፈት ባዕለይ እናሰራሕኩሉ ከለኹ ሓደ መዓልቲ ሓደ ቅያ ነገር ሰሪሑ። ከምቲ ትፈልጦ ሙስጠፋ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ብቀጻሊ ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ይዕድም ነይሩ፡ ንሳቶም ድማ ዕላለይ ደስ ይብሎም ስለ ዝነበረ ኣቡዓረኸ ይምጻእ ይብሉ ስለ ዝነበሩ፡ ሙስጠፋ ከይፈተወ ኣብቲ መስተ እሕወሶም ነይረ። መልኣከ ወዲፊተውራሪ’ውን ዝበዝሕ ግዜ ምሳና ነይሩ። ሓደ መዓልቲ መስተ ክንሰቲ ጸኒሕና ኣብ ኣጋ ምውዳእና ሙስጠፋ ሃንደበት፡ ‘ሕጂ ስራሕ ስለ ዘሎና ክልተኹም ክትገድፉና ኢኹም፡’ ይብለና። ወዲፊተውራሪ ሰላሕ ኢሉ ክወጽእ ከሎ ኣነ ቍልቍል ዝኣፋ፡ ‘ኣይወጽእን እየ፡’ እብሎ። ኣብዚ ምስሕሓብ ኮይኑ እቲ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ዝሰኣኖ ኑረዲን (ሓላፊ ጸጥታ ኣውራጃ ምብራቕ ሱዳን) ‘ማልኩም ያጀማዓ? ኤሽ ሓሰል’ ይብለና’ሞ፡ ‘ሙስጠፋ ስራሕ ስለ ዘሎና ውጻእ ይብለኒ ኣሎ፡’ ክብል እምልሰሉ። ኑረዲን ነገራቱ ገሪሙዎ፡ ‘ስማዕ’ስኪ ሙስጠፋ፡ እድሪስ ዘይፈልጦ ምስጢር ኣሎ ድዩ? ንሱዶ ኣይኮነን ኵሉ ደብዳቤታትካ ዝጽሕፎን ዘንብቦን! እዚ ዘረባ ኣይኮነን። ትም በል በጃኻ፡ ያላ ጸወታና ጥራይ ንቐጽል፡’ ብምባል ነገር ከህድእ ይፍትን። ሙስጠፋ ትም ኢሉ ዓዘፍዘፍ ክብል ምስ ጀመረ ኣሕሪቑኒ፡ ‘ትም ኢልካ ሃተፍተፍ ኣይትበል፡ ሉጢ!’ ኢለዮ። ንሱ ድማ ‘ኣነ ሉጢ! እዛ ዘረባ’ዚኣ ኣይትደግማን ኢኻ!’ ይብለኒ። ብዝኾነ ኣብ ምንህሃር ስለ ዝበጻሕና ኑረዲን ፈላልዩና ነናብ ቦታና ፋሕ ንብል። ንጽባሒቱ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ በረንዳ ቤትጽሕፈት ከለኹ ሙስጠፋ ናባይ ቅርብ ኢሉ፡ ‘ኣቡዓረ ትማሊ ሰቲኻ ኔርካ፡ ሉጢ ድማ ኢልካኒ፡’ ክብል ዘረባኡ ጀመረ። ዕድል ኣይሃብኩዎን፡ ‘ሕጅስ ሉጢ እንዲኻ!’ ምስ በሉዎ ብስምባደ፡ ‘ኣነ ሉጢ?’ በለኒ፡ ኣነ ድማ ከም ዘላታ፡ ‘እወ ሉጢ’ በልኩዎ። ዘረባ ኣይወሰኸን ሰላሕ ኢሉ ከይዱ።”

ድሕር’ዚ ክቃደዉ ኣይከኣሉን ኣቡዓረ ምስኡ ኣይሰርሕንየ ስለ ዝበለ እቲ ጕዳይ ባዱሪ ኣትዩዎ። ምኽንያቱ ሙስጠፋ ብዘይካኡ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ ኢሉ። ሓቁ እዩ ድማ ኣቡዓረ እዩ ናብ መንግስቲ ሱዳን ዝለኣኽ መልእኽትታ ዝጽሕፈሉ ነይሩ። ባዱሪ ንኣቡዓረ ኣብኡ ከጽንሖ ሓሲቡ ነይሩ። ኣቡዓረ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ከም ዘይነበረ፡ እዚ ድማ ሙስጠፋ ስለ ዘይደለዮ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ከምኡ’ውን ኣቡዓረ ምስኡ ኣይሰርሕን’የ ኢሉ ስለ ዘቕበጸን ናብ ካርቱም ከም ዝቕየር ገይሩዎ። እዚ ዳሕረዋይ ንጸርፊ ዝምልከት ዕላል ባህሪ ናይ ኣቡዓረ ንምግላጽ ጠቒሰዮ’ምበር ኣድላይነት ኣይነበሮን ይኸውን።

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍ

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ

እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል ኖርወይ

 

ፈላስፋ ገሃነም!

$
0
0
ፈላስፋ ገሃነም!
ኣንታ *ልበ እብን ፈላስፋ ዘመንና     *ጨካን
ማይ ናብ ዘሎዎ ቦታ ሳግሙዶ ኢልካና
ነዛ ኣስመራ ጻዕዳ ኣደ ናይ ኩልና
ፈሪድካያ እምበኣር ንኽትከውን ዑና!
ኣብኣ ተወሊድካ ከምዛ ዘይዓበኻ
ኣንታ ደረቐኛ ነኻስ ጡብ ኣደኻ
ውቁብ *ዲማታታ ብመደብ ኣዕኒኻ     *ጥንታዊ ህንጻታታ
ነዛ ኣደ ድኻታት ትድውና ኣለኻ!
ኣንታ *ርእሰ ምእኩል ፈላስፋ ኤርትራ         *ፈታው ነብሱ፡ ስሱዕ
ኣብ ደንደን ኮፍ ኢልካ ንዓለም ትዞራ
ብዘይካ ስልጣንካ ዘይብልካ *ሓገራ            *ትልሚ፡ ውጥን
*ከብቲ ቈጺርካዮ ንህዝቢ ኤርትራ             *እንስሳ ዘቤት፡ ማል
ናብ ሩባ ክወርድ ኣናድዩ ዛራ
ተበገስ ኢልካዮ ካብ ከተማ ኣስመራ!
ማይ ተዘይኬድካዮ ንሱ ከምዘይመጽእ
ፈላስፋ ኢሳያስ ባህሩ ከተጽንዕ
ዕስራን ክልተን ዓመት ዳንዴር ኪትዘርእ
ሃብቲ ናይዛ ሃገር ኣብ ሓዊ ኪትደፍእ
መዋእል ኮይኑካ ሰብካ ከተጥፍእ!
22 ዓመት ብዓቕመይ ፈቲነ
ኩሉ ፈሺሉኒ ዘዝተወጠነ
ሃገር ከማሓድር ኣይከኣልኩን ኣነ፡
ኢልካ እንተትናሳሕ ኣሚንካ በደልካ
እዚ ለዋህ ህዝቢ ይቕረ ምበለልካ!
ዕቡይ ግን ጃጂኻ ሓቂታት ኪትቀብር
ንዳግማይ ክሳራ ሓደ ኢልካ ኪትጅምር
ኣብ ቲቪ ቀሪብካ መርድእ ንኺትነግር
ህዝቢ እናዘለፍካ ቀኒኻ ኪትምድር!
*መሃንድስ ናይ ኩሉ ኮለል ዘይጽለኦ          *ጆሜትራ (ብጥልያን)
ምህርቲ ዘይብልካ ኣብ *ሽዕበት ንዘርኦ         *ማይ ዝጸገበ ስቡሕ መሬት
ሰለስተ መዓልቲ ፍሽለትካ ክንሰምዖ
‘እወ ሕጂ’ ኪትብል ግዜና ከተጥፍኦ
ተባዕ ተሳኢኑ ዝፋንካ ዚደፍኦ!
ገሌና ክንስደድ ገሌና ንእሰር
እሾኽ ኮይናትና ምንባራ’ዛ ሃገር
ኣስሓኮ ዘይብልካ ነጊስካና *ሓንዘር    *ቅንፍዝ
ብኹሉ ፈሺልካ ኣብ ክንዲ ትስተር
ኣብ ቲቪ ቀሪብካ ዳግም ካብ ትግተር
ህዝቢ ከየጽነትካ ስርዓትካ ይቀበር!
ብመሬትን ባሕርን ኩሉ እናተሰደ
ኤርትራዊ ዜጋ ከም ጤል እናተሓርደ
ኣብ ስልጣን ኪትነብር ህዝቢ እናተዋረደ
መላኺ ኣጉባዕቢዕካ ከምቲ ዝተለምደ!
ዕስራን ክልተን ዓመት ብሎሚ ብጽባሕ
ዘዕረብካያ ጸሓይ ኣብያትና ምውጋሕ
ለውጢ ከነምጽእ ወፊርና ናብ ስራሕ
ኩሎም ኣኽላባትካ ከቋሩጹ ምንባሕ
*ሸቲት ወስ ክንብሎም ሃድኖም ንምግናሕ    *ክልተ ዚብልሑ በትሪ፡ ሻፎ
ሓንሳብ ንሓዋሩ ሽግርና ክፍታሕ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
 ካብ ሓውኹም መሲናስ 22/09/2013

ውድድራት አብ መንጎ ውልቀ-ውድባትን ባይቶ’ኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሐን

$
0
0
ደንበ  ተቓውሞ ከምቲ ዝድለን ትጽቢት ዝተገብረሉን ንቕድሚት ይስጕም የሎን። ጠንቁ ድማ ብየማናይ ኢድና ዝሃነጽናዮ ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሐ ተጠዊና ብጸጋማይ ኢድና ንሓላልኾ ስለ ዘሎና’ዩ። ከም ሓባራዊ ኣገባብ ኣሰራርሐ መጠን ቅደም ክብል ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኤድኪ) ከም ዚድለ ዘየዐወቶ ጠንቂ ከአ ውልቀ ውድባት ዝዀና ኣባላቱ ሓሊኸን ስለ ዝሐዝኦ’ዩ። ሎሚ’ውን ብሓፈሻኡ ክርአ ከሎ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃዲለ) ሓሊኹ ዝሐዞ ከም ትማሊ ኣባላቱ ዝኾናን ብፍቓደን ንምዕዋቱ ዝፈረማን ውድባትና ኢየን። አብዚ እምብኣር ድልየታትናን ተግባራትናን ይሳነ የሎን ምባል ንኣይ አብ ቦታኡ እመስለኒ። ቀንዲ ጠንቁ ጎሲና ናብ ዘካሱሱና ደረት-ምርኢት ከይነቃዕርር መታን፡ እስከ እምብኣር አብ መንጎ ውልቀ ውድባትን ባይቶ’ኣዊ ኣሰራርሐን ዘሎ ዘንተ-መጎት ጠሊቕና ንርአዮ።

ጠባያትን ቁምነገርን እንኮ ፖለቲካዊ ውደባ፡-

1) ሓደ ዓይነት ርእዮታ-ዓለምን ዕግበታትን ምስ ዝውንኑ ብጾት ሓቢርካ ምስራሕ

2) ንዕላማታትካ መዓርፎታትካን አቕሪብካ ምጥማትን አብ ሓጺር ጕዕዞ ከተዕውቶም ምኽአልን/ምህቃንን

3) ንመቃናቕንትኻ ምስዓር

4) ንነብስኻን ውድብካን አብ ቦታ ሓለፋን ሓያልነትን ምቕማጥ

5) ብእንኮ ውድባዊ ራኢኻ ሃገርን ህዝብን ምምራሕ

ጠባያትን ቁምነገርን ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣውዳድባ፡-

1)  ንዅሉ ሃገር ማእከሉ ዝገብር ወዲ ሃገር ብሓባር ምውሳእ

2) ንፍትሓውነትን ደሞክራስያን ምቕዳም

3) ኩሉ ኣብ ደረት-ምርኢት-ዓወታት ዘንጠብጥብ ጸጋታት ብኣቆራጭ ዘይኮነስ ብርጡብ ጻዕሪ ከም ዝብጻሕ ምስትምሃር

4) ነቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ ዚብል መትከል ምትግባር

5) ንቅዋማዊ ኣገባብ ምሕደራ ምርዓም

ምህናጽ ሃገር ከም ጕዕዞ ማራቶን ማለት ናይ ፍርቂ ኪሎ-ሜትር በርቃዊ መጥቃዕቲ’ዶስ ወይሲ ናይ 40 ኪሎ-ሜትር ዘገምታዊ ቅድድም ሕቶ ዝምሰል አይምስለንን። ስለዚ ከአ ነናብ ነድማዓሉ ንሰለፍ ክንብል አይንኽእልን፤ የግዳስ ቅድም ብሓባር ብባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ተጠሚርናን ነዚ ኣገባብዚ ብንቕሓት ቅድምያ ሂብናን ክንውደብ ግድን እመስለኒ። ከምዚ ምስ እንገብር ጥራይ ከአ’ዩ እቶም ፖለቲካ ውድባት’ዶስ ህዝቢ’ዶስ ዝብሉ ምኻናት ክትዓት አብ ዘዘይሰዓቶም ዘይልዓሉና። ሎሚ ዕምም ደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ብሓደ ሸነኽ፡ ንፖለቲካዊ ውድባት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነስ ወዲ ሃገር ብኣልማማ ክስለፈሉ ዘለዎ ማእከላይ ሃገራዊ ሕቶ’ዩ፤ ብካልእ ድማ ውድባት ነናተን ውልቀ-ውድባዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዝወዳደራሉ ህሞት አይኮነን። ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ካብቲ ለኪምዎም ዝጥሕል ዘሎ ህግዲፍ’ኣዊ ምልኪ ምድሓን’ዩ። ስለዚ ከአ’ዩ ብቅድምያ ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝበሃል ዘሎ።

ካብዚ ዘንተ-መጎታዊ-መትከል’ዚ ብምንቃል ኣብ ባሕቲ መስከረም ከባቢ ብተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን ዚተፈነዉ መዋጽኦታት ክንውከስ ንኽእል። ንዝያዳ መብርሂ ናብዘን መርበባት ተወከሱ፡-

ተጎሩባ.ኦርግ፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ኣሰና.ኮም፡  ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

 ገርገር.ኮም፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ጀበርቲ.ኮም፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

 

ከምቲ አብ ዝተባህለ መጽናዕቲ ተዘርዚሩ ዝርከብ ከአ ደጊምሲ ብመንጽር ህግዲፍ’ኣዊ ጥልመት አብ ውዕልካ ምቕያድ ናይቶም ደቂ-ሕጊን ሓላፍነታውያንን ዝዀና ኤርትራውያን ይሕተት አሎ ማለት’ዩ። ከም ደቂ-ሕጊ መጠን ብዕቱብነት ተወካኺስናን ተሰማሚዕናን ንዝአተናዮ ባይቶ’ኣዊ ትካል ዘፍርስ ሓይሊ የሎን ንብል። እሞ

  • አብ ጽባሕ ትቐውም ቅዋማዊት ሃገር ካብ ተፈራረምና፣
  • ስልጣን ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ካብ ተቐበልና፣
  • ህግዲፍ’ኣዊ ምልኪ ክህረም ዘለዎ ጸላኢ ምዃኑ ካብ አስመርናሉ ወዘተ…

እንኮ ምርጫ ብዝተባህለ ባይቶኣዊ ኣገባብ ተጠርኒፍካ ምስራሕ ጥራይ’ዩ ሕጋዊ መዓልቦታቱ ዝኸውን።

እዚ ደረጃ’ዚ ክብጻሕ ኵሉ ተቓዋሚ ዝበሃል ሰብ/ኣካል እጃሙ አበርኪትሉ’ዩ። ስለዚ ብዅላትና ክሕሎን ክሕብሐብን ዘለዎ ክብሪ’ዩ። ነዚ ፈንጢሕና ሀ-ቢልና ንጀምር ዝብሉ ሸነኽ ጌና ምስ ዘጋጥሙ ክአ ብአጋ ክእረሙ አለዎም። ሓቂ’ዩ፡ ነዚ መሪሖም ከዋስኡ ዝነበሮም መሪሕነት ባይቶ አብ ”ድሙ ሓለፈት ኣንጭዋ ተዓንቀፈት” ምባል ዕድመ-ስልጣኖም  ጸንቂቖም’ዮም፤ ይኹን’ምበር ባይቶ ንብረት ህዝቢ’ዩ። ከም ኣገባቡ ደጊምካ ደጋጊምካ ነዚ መሪሕነት ባይቶ ናብ ልብኹም ተመለሱ ዘይብሃል ኣይነበረን፣ የግዳስ እቲ ባይቶ’ቲ ነዚ ዝበቅዕ ዓቕመ-ጽሮት አይነበሮን። በዚ ኸአ’ዩ ”ተበግሶና” ናብቲ ቅድሚ ባይቶ ዝነበሮ ሕጋዊ ደረጃን መሪሕነትን ምምላስ ዚተማሕጸነ። ማለት ንሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምድላው ካልአይ ሃገራዊ ጕባኤ ዕማም ምስ ዝወሃቦም፤ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዎ ስነ’እምራዊ ይኹን ተግባራዊ ተጽዕኖ ስለ ዘይብሎም ብዘይ ሽግር ናብ ባይቶኣዊ ባይታ ክመልሱና ይኽእሉ። ኣውራ ቁምነገሩ ድማ ካብ ሕጋውነት ከይወጻእና ዕማማትና ከነሳልጥ ንኽእል። እዚ አብ ውሱን ኣካል/መድረኽ ስለ ዝፈሸልካ ንዅሉ ዛጊት ሰሪሕካ ዝሓፈስካዮ ጸጋታትካ ምፍራስ ቅድሚ ደጊም ናብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ዘድከመና ተመክሮ ብምዃኑ ሕጊ ተቐኒትና ኣንጻር ፋሕ-ብትን ተውለ ክንብል ግዜኡ እመስለኒ።

ሰናይ ቅንያት ንኵላትና!

ኃውኹም ተክልሰንበት ተኽላይ

ፈዳይ ሕነ

$
0
0

ፈዳይ ሕነ

ረድኢ ክፍለ(ባሻይ)መስከረም 20-2013

ኣንታ ፈዳይ ሕነ ኩላ ተርክበላ

ነቶም ጸላእትኻ ትዓጽዶም ብጅምላ

በቲንካዮ’ምብኣር መዓስር ዕዋላ

 

ታሕቲ ዝወረደ ደኒንካ ትስሕቦ

ንላዕሊ ዝኸደ ደይብካ ተርክቦ

ንስኻ ትኽእሎ ወዮ ሳምቦ-ሳምቦ

 

ርገጽ ንቕድሜኻ ኣለና ምሳኻ

ከውሒ ዝነበረ ክትቅይሮ ሸኻ

ጅግና ፈዳይ-ሕነ ትፈትሕ ማሕለኻ

 

ዝቝለብ ትቘልብ ዝድርበ ትድርቢ

ሓረግ ወለዶና ምዓንጣ ሽም ንህቢ

መርዚ ንጸላእቱ ደቒቕ ዘየጸቢ

 

ምኽኣል ስኢንናዮ እንተተሰደድና

እንታይ’ሞ ’ለዎ ንዓኻ ወሊድና

እምም በል ኣጆኻ ዋሕስ ዕገተልና

 

ከምቲ ናይ ዓንተቦ ሰምበል ምሰ ጸጸራት

ከም ናይ ዓዲ ዃላ ጒዳም ትኣምራት

ብተኮ ማሕለኻ ፍትሓዮም እሱራት

 

ኣይኰነንዶ ህግደፍ ንእሽቶይ ጽልቓ

ደርጊ ደምሲስናዮ ምስ ሓያል ጠበቓ

ናይ እንዳመን ዓቕሊ ሃገር ተሰሪቓ

 

ሕጂ’ውን ኣይጠፍኡን ኣለዉ ደማሙ

ኣመልያ ምስ መግነዝ ምሒሎም ዝጠልሙ

ህግደፍ ጻሕሊ ’ስኽትት ንሳቶም ቀመሙ

 

ኣለልዮም ድኣ ብዓል ክናምና

ፈርከሽከሽ አመሎም ትሕዝቶኦም ኳና

ብዓል ጸያቕ ማዕጺድ ተፋሊጥና ’ለና

 

ንፈር ድአ ንፈር ብረረ-ብረረ

ቀረባ ክትገብሮ ርሑቕ ዝነበረ

ኣንታ ብዓል ግርማ ደበና ዕምብረ

 

ምድረ ሽማግለ ደጊም ንበል ሕራይ

ለምለም ዳስ ሃገርና ተጀሚሩ ውራይ

ዝራብዕ ዝጸሪ ዕረፍቲ ንተስታይ

 

ደብሱወን በሉ ነዴታት ኤርትራ

ሰብሰብቲ እጅገ ደቂ ማእከል ኣውራ

ሕጻበን ዝስተ ውሕጅ ሩባ ዛራ

 

ፈጥፈጥ ኣበልካዮም ትሕዝትኦም ዓመጽ

ብተዂሲ ሃንደበት ኣርገጽካዮም ረመጽ

ኣንታ ትወላወል ድሕሪ ደጊም ቅበጽ

 

እዚ’ሞ ዝብጣዩ ዓውድስ ኣሎ ገና

ቀማሚጦ ዓወት ኣሎ ናብ ቅድሜና

ወዲ ሰባር ማዕጺድ በረኻ ገደና

 

ቃሕ እንተበለካ ዋሽንቶን ትጥሕስስ

ለጠቕ ኢልካ ድማ ቻርሎት ተረማስስ

ሕሳብ ከይተዓጸወ ወድ-መን ክድቅስ

 

ዓነውነው ተብሎ ድፋዕ በብሓደ

ብሕጂ’ውን ኣሎ ካልእ ተዋደደ

እሙን ወራስ ዓራት ነዊሕ ዝዓረደ

 

ህግደፍ ጸላእትኻ እምብዛ ፈሊሎም

ማህጸን ኣዴታትካ ዕጅብከ ተዝብሎም

ጅግና ፈዳይ ሕነ ይኣኽለኩም በሎም

 

ትፈትዋ ሓብትኻ ሕጻ ተደፊና

ፍንጫሕ መስንገልካ ተደፊኡ ’ብ ጎና

ኰርዒዳ ተልዓል ዓጽመ ስጋ ዋና

 

ወደ’ምበሳ እንዲኻ ኣንታ ፈዳይ ሕነ

ወዲ’ቶም ዳኛታት ወድ’ቶም ምስሌነ

ብህግደፍ ክትድፈር ዋርድያ ኽሽነ!

 

ዳዕሮ ናይ ዓድኻ ሕጊ ዝጸድቀሉ

ሽባኻ ሃገርካ ሰብ ዝማጐተሉ

ዘንጊ ዝድርብዩ ነጊሶም ዓዋሉ

 

ይትረፍ ጠበንጃኻ ጭራኳ ትኣኽሎም

እሽ ኢልካ ዝኸዱ ጽንጽያ ’ንድኣሎም

ተሃሚልካ እንዲኻ ድንን ኣብዚሕካሎም

 

ዓድኻ ኤርትራ ምግዳል አመላ

ለምለም ባንዴርኣ ኣውሊዕ ዝጽላላ

ኣይትውዕሎን ግዲ ብወላዲት ሻላ!

 

ተፍቅሮ ህዝብኻ ደም ሰሪቡ ዓይኑ

ግዜ ’ንድዩ በሊዑ ደንጒኹም ጀጋኑ

ደምቤና ባዲሙ ገበላ መኺኑ

 

ኣንበሳ ንስኻ መሰንገልካ ዋዕሮ

ዝፍታሕ ፈቲሕካ ዝእሰር እሰሮ

ኣብ ቅርዓት ዓደ’ቦ ክህረም ኮቦሮ

 

ኣንታ ውዲ ጽዕዲት ጓጒድ ዝትርኣሱ

ወዲ ሰጋር በቕሊ ኣምበላይ ፈረሱ

ንስኻ ከለኻስ ጠላማት ክነግሱ!

 

ወዲ ገርሂ ልባ ተዓኒድካ ’ብ ሳዋ

ሕንቅልሕንቅሊተይ ዘይነበረ ጽዋ

ለካ ትኽስ ድሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ

 

ብሰላም ዝመጸ ዓጸፋ ትኸፍሎ

ተጋግየ ዝበለ ይቕረ ’ኹንካ ትብሎ

ንምብለይ ዝበለስ ድሎ ከይትዕሎ!

 

ብኢደ ወነኑ እንድሕሪ ተሸይሙ

እዝኒ ተዓዲሉ እንድሕሪ ጸሚሙ

ብጺሕቱ ’ወስድ ከምቶም ዝቐደሙ

 

ምድናኑ ኣይተርፎን’ዩ ተደፊኡ ፍግም

ቆራይ ኢደ እገሪ ናበይ ከይሃድም

ናይ ህግደፍ ማራቶን ብሸበጥ ቅድድም

 

ዋዛ መሲሉዎም መንእሰይ ወራሲ

ወዲ መጋርያ ’ሓ ወዲ ጻዕዳ ማእሲ

እታ ሓንቲ መላእ እታ ሓንቲ ሕርሲ

 

መንእሰይ ሃገረይ አንበሳ በረኻ

ሽበት ምልክቱ ኣለኹ ምላኻ

ኣርኪቡ’ንድዩ ግዜ መን ድኣ ደሊኻ!

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ህግደፋውያን! መገዲ ተሓድሶዶ ፖሊሲ ዕንኪሊል፧

$
0
0

ህግደፋውያን! መገዲ ተሓድሶዶ ፖሊሲ ዕንኪሊል፧

ለንደን 23 መስከረም 2013

ህግደፍ እንክንብል፡ ፖሊቲካዊ ውድብ ማለትና ይመስል ይኸውን። እዚ ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን። ከመይ፡ ህግደፍ ገባቲ ውልቀ-መላኪ ስርዓት ጥራሕ አይኮነን፡ ትካል’ውን ኣይመስለንን፤ ህግደፍ ናይ ሓደሰብ ኣቶ ኢሳያስ ንብረት፡ ክዳን፣ ሽራብ እግሪ (ካልዚ) ወይ ስምዒታት ድኣ’ምበር፡ ካልእ መለክዒ ዘለዎ ኣይመስለንን። እቶም ብህግደፋዊ ስም ዝራብሑ ዘለዉ፡ እቶም ገዛእ ርእሶም ዘይወነኑ፡ ኩልንትናኦም ኣረኪቦም በቲ ውልቀ-ስሚዒታት ኢሳያስ ዝተተክኡ፡ ተኪኤታትን፣ ብሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ዘይጥምቱን፡ ብዘይ ዋጋ ዝተገዝኡ እኽብካብ ኣደናገርትን ተደናገርትን እዮም። ምናልባት ነቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ግሁድ በደላት ኢሳያስ ኣብ ኣእምርኦም ምስዝበርቕ፡ “ኣመሪካ…!” ትብል ዘይትኣርግ ደርፊ የድርፎም። ኣመሪካውያንን ምዕራባውያንን ግን፡ እንተ ኣሽካዕለሉ፡ ኣብ ሃገር እዳማቶም ድኣምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦምን ሃገሮምን ከምዘይኮኑ፡ ንሕዝቦምስ ብሕግን ስርዓትን ከም ዘመሓድሩ፡ ከስተውዕሉ ኣይክእሉን። መሳኺን ህግደፋውያን፡ ሃገር ከም ዘላቶም “ሃገርና!” ይብሉ፤ ግን እታ ሃገር ይትረፍስ፡ ህላወ ገዛእ ርእሶምን፡ ንምዃኑ ኣበይ ምህላዎም’ውን ዘይይፈልጡ፡ ምስሊ እዮም፤ ከም ኣቕሓ ኣገልግሎት ክሳብ ዝሃቡ ከኣ ህልዋት እዮም። ከምዚ ምዃኖም ግን ኩልና ኢና ተወጺዕና። እዞም መጋበሪ ዝኾኑ ነዳያን፡ ንህግደፍ ስለዘገልገሉ፡ ንርእሶም ከም ሃገራውያን፣ ህግደፍ ድማ ከም ሃገራዊ፣ ወይ ናይ ሃይማኖቶም ወይ ኣውራጃኦም ወኪል፡ ይቖጽርዎ። ዕድለኛ ኢሳያስ እዞም ባዕለ-ድንጉራት ዝፈጠረሉ!!! ሃገር ብዘይ ሕዝቢ፡ ሕዝቢ ድማ ብዘይ ድምር ህላዌ ክብሪ ዜጋን ሰላምን የለን፤ እንተልዩ፡ ከንቱ ውእቱ።

እዚ እዋን’ዚ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ካልእ ሓዲሽ መድረኽ ዒንኪላሎ፡ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ይመስል። ነዚ ሓድሽ ጓይላ ዕንክሊል’ውን፡ ኢሳያስ ነዞም ንብረቱን ኣምለኽቱን ኣሚኑ እዩ ዝጅምሮ ዘሎ። ድሮ’ዃ እቶም ባዕለ-ድንጉራት ሰብ ኣመል፡ ብዘይ ገለ ሕቶ፡ “ .. ተሓድሶ ህግደፍ (ዳግመ ውደባን ምደባን) ተጀሚሩ….” “እዚ ሰብኣይ ሕጂ’ውን ነዘን ኣብ መንግስቲ ዘለዋ ኮራፕቲድ ሰባት፡ ከራኽበለን ከጽርየን እዩ፡ ..”… ብምባል፡ ከም ወትሩ ናይ ኮውታ ሃተፍተፎም ከድርብዩ ቀንዮም። እቲ ፖሊሲ ዕንክሊል ጀሚሩ’ምበር ቀጻሊ እዩ። ኢሳያስ ነዞም ምስልታት’ዚኣቶም ሒዙ፡ ቅንይ ኢሉ፡ ብ180° C (ዲ. ሰንት ግረድ) ተዘዊሩ፡ “…. ሕጂ ብዛዕባ’ዚ ቅንጣብ መሬት ባድመ ምልፍላፍን፡ ባድመባ፡ ወያኔ እናበልካ ምህውታትን: ፋይዳ የብሉን፤ ንረብሓና’ውን ኣይኮነን፤ ልቢ ኣዕቢና እንተሰራሕና ይሓይሽ፤ … ንሃገራዊ ዕቤትን ምርግጋእን ዝጠመተ ሓዲስ ፖሊሲታትናን ስትራተጂናን ድማ፡ ኪንየው እዚ ቅንጣብ መሬትን ዘየርብሓና ሃተውተውን ህልኽን እዩ ዝጥምት፡ … እቶም ቅድሚ ሕጂ ዘጋገዩና (ጂ-15፧) ይኣኽለና!” ብምባል፡ ካልእ ጫለዳ ጓይላ ኪኸፍተሎም እዩ። እቶም ብዛዕባ መሰሎምን ሕዝቦምን ሃገሮምን ታሪኽን ክሓስቡን ክርእዩን ዘይክእሉ ባዕለ-ድንጉራት፡ ተንቀሳቐስቲ ንብረት ህግደፋውያን ድማ፡ ከም ቀደሞም፡ ንፖሊሲ ዕንክሊል፡ ብዘይ ሰጋእመጋእ ተቐቢሎም ዕንክሊል ኪብሉሉን እዮም። ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1990ታት እውን፡ ከም መዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ “እዚ ዝምድናና ምስ ኢትዮጵያ፡ ገደብን ስርዓትን ዘይግበረሉ፧ ….” እንተበሉ፡ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ዕቡድ ኢሳያስ፡ “ኢትዮጵያ ናይ ዳግመ ህንጻ-ሃገር መሓዛና ኢያ!” ብምባል፡ ንብጸቱ “ኣይትተንክሉ! ሕማቕ ኣይትሕሰቡ፡ ከማይ ብንጽሕና እንተሓሰብኩም ይሓይሽ” ዝዓይነቱ መልሲ ጨልዲምዎም፡ ንበይኑ ሃጺጹ። ግን ንስለ ፖሊሲ ዕንክሊል እዩ። ከይደንጎየ ድሕሪ ቑሩብ ዓመታት ኣብ 1998 ግን፡ ኢሳያስ፡ ብ180°C (ዝርጋሐ ቀጥታዊ መስመር) ተዘዊሩ፡ “ወያኔ ቀዳመይቲ ጸላኢትና ኢያ” ብምባል፡ ንሃገርን ንመላእ ዞባናን ኣብ ናይ ጽሉላት ኩናት ደቕዲቕዋ። ሕጂ’ውን፡ ነዚ ፖሊሲ ዕንክሊል፡ ከም ዘብቅዕን ናብ ረብሓና ረብሓ ሓፋሽን ሃገርን ክንልውጦን ዝግበኣና፤ ኢሳያስ ዘኮነስ፡ ንሕና ሕዝቢ ኢና፤ ገዛእ ርእስና ንወንን። ኢሳያስ ዝዕረየሉ መድረኽ የለን፣ ኣይክህሉን ከኣ እዩ።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ንኽንህሉ ዝገበረና ምኽንያታት፤ በዚ ፖሊሲ ዕንክሊል ክምእንዋረድ ዝገብሩና ዘለዉ ጸገማት ብዙሓት እዮም፤ ደረጃታት ክህልዎም ይኽእል። ግን መሰረት’ዚ ኩሉ ጠንቂ ኮይኑ ተንሲኡ ድኣ ይኸውን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ቀንዲ ሽግርና፡ እቲ ክፉእ ጥራሕ እናኣለመን ፖሊሲ ዕንክሊል እናበተንን ክነብር ዝድሊ በዓል ዕላማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይኮነስ፡ ንሕና ፖሊቲካ ሓንጺጽና ምርጫና ክንትግብር ስለዘይበቓዕናን፤ እቶም ካብ ድቃሶም ክበራበሩ ዘይከኣሉ ጸረ-ውልቃውን ሃገርውን ረብሓኦምን ሰላምን ጠጠው ዝበሉን፣ ንሰብኣዊ-ባህላዊ-ሞራላዊ ሓላፍነቶም ዘየለልዩን፣ ንኢሃገራዊ ዕላማ ኢሳያስ ብዘይሕቶ ንኽትግብሩ ድቃስ ዝስእኑ፡ ህግደፋውያን ኣምለኽቲ ኢሳያስ እዮም። ገለ ካብዚኣቶም፡ ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡ ንመደባት ህግደፍ ምስ እምነተ ክርስትናን እስልምናን ኣተኣሳሲሮም፡ ብመደባት ኣብያተ-ክርስትያናትን መሳጊድን ኣቢሎም ክትግብርዎ ሕኺት ዝብሉ ከምዘለዉ፡ ቅንይ ኢልኩም፡ ኣብቲ ወፍሪ “ምቕላዕ” ዕራቖም ወጺኦም ክትርእይዎም ኢኹም። እቲ ካልኣይ ደረጃ እዋናዊ ጸገማትና፡ ብዘይ ስራሕ/ጻዕሪ፡ ምህርቲ ምድላይ እዩ። እቶም ግዳማውያን (ኣብ ወጻኢ ዘለዉ) ህግደፍ ገዲፍካ፡ እቶም “ንለውጢ” እናገዓሩ፡ ግን ንመድረኽ ሕዝባዊ ቃልሲ ሒዞሞ ዝደቀሱ፡ ጠለብ እዋናዊ መድረኽ ዝበኾሮም ዘይሓላፍነታውያን ዜጋታት እዮም። ኣብ ቅድሚ’ቲ ንነፍፊ ወከፍ ዕለት፡ ከም ዕለተ-ሞት ዘሕልፋ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ገበናት ናይዞም ክልተ ቡኹራትን ግዳማውያን ህግደፍን ዝኾኑ ኣካላት’ዚኣቶም፡ ብዓይነቱን ደረጃኡን እምበር፡ ብትሕዝቶኡስ ካብቲ ናይ ኢሳያስ ዝፍለ ኣይመስለንን። ገለ ካብዞም ብኹራት፡ ነቲ ካብ ሕዝቢ ዝሰኣንዎ ደገፍ፡ ኣብ ክንዲ ዳይናሚዝም ብምፍጣር ክምልሽዎ ዝፍትኑ፡ “ምናልባት ደኾን፡ ኣብ ኤርትራ ጢሻ ቀልጢፉ ይመጽእ” ናብ ዝብል ናይ ትጽቢት መድረኽ ዘማዕድዉ፣ ወይ’ውን “ከምቲ ናይ መዓል ሓሚድ ካሳይ (ኣፍጋኒስታን) ተሓንጊሩ ዝኣተወን ኣብ ቫዞ ዝተተኽለን፡ ዝመስል ኣጋጣሚ ዕድላት እኸስብ” ናብ ምባል፡ ተነጺሎም ዝሓልሙ ዘየለዉ ኣይኮኑን። ካብ ሕልሚ ሓሊፉ ግን፡ ንግብራውነቱ ዝስጉም የለን፤ እንተልዩ፡ ጉዳዩ ንረብሓ ወላሓደ ከምዘይውዕል ብሩህ እመስለኒ።

ፖሊቲካ ብቐንዱ ሕዝባውን ናይ ሕዝባዊ ተልእኮ ህልውናን ክሳብዝኾነ፡ ካብ ሕዝቢ ዝተነጸለ ፖሊቲአካውነት፡ “ኪዳናዊ ፍትሕ ምስ ሕዝቢ” ዘረጋገጸ፡ ተርእዮ ፖሊቲካ ምዃኑ ብሩህ እዩ። መድረኽ ምንባርን መድረኽ ፖሊቲካን ዘይነጻጸላን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና ውህብቶን ክሳብዝኾና፡ ንቕሓትናን ናጽነትናን ሜላናን እዩ እቲ ወሳኒ ኪኸውን ዝኽእል። ስለዚ መልስን ፈውስን እቲ ናይ ሓቢርካ ምንንባርን ብሓባራዊ ረብሓ ምጥማትን ሕቶ፡ ናህናን ንዓና ንሕዝብን እዩ፤ ጠሉን ረመጹን ንዓና ስለዝኾነ። ሰብ ኮይንካ፡ ኣብ መሬትካን ባህልካን ከም ሕዝቢ ናይ ምንባር ጸጋ፡ እቲ መወዳድርቲ ዘይርኸቦ ዕግበት ናይ ኣብዛ ፕላነት’ዚ ዝነብር ሰብ እዩ። መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ድማ፡ ካብዚ ተልእኮን መኣጻእን (destiny) እዚ፡ ካልእ ዝሓሸ ምርጫን ዕድልን ክህልወካ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ብተወሳኺ፡ ነቶም ኣብ ዓውደ ኩናት፡ ምእንቲ ህዝቦም እዚ ዘይብሃል ጅግንነትን ብጻይነትን ኣመዝጊቦም ዝሓለፉ፡ ሰማዕታት ጀጋኑ ኣቦታትን ኣያታትን ክልቲኡ ጾታ፡ ሕጂ’ውን ከም ናቶም ደበስን መዛዘሚ ቃልሶምን፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሱል ፖሊቲካዊ-ዲሞክራስያዊ ቃልስን፡ ጅግንነትና ዳግም ከነመክር፡ ንዝተበለለ ስም እንዳባና፡ ናብ ክቡር ቦታኡ ክንመልስን፡ መጸዋዕታን ሓላፍነትናን እዩ፤ ከመይ፡ ብሰላምን ምዕባለን ናይ ምንባር ዝግብኣና መሰልን ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕድልና ስለዝኾነ፡ ንዳግማይ በድሆታትና፡ ዓቕምታት ኣወሃሂድካ ምብጋስ፡ ኣብ ዝባና ዘሎ እዋናዊ ሕቶ ምዃኑ ንዝንግዖ ኢና ኣይብልን።

የቐንየለይ!

ክብር-ኣብ ይሥሓቕ፣ ዶ/ር (ለንደን)

ባይቶ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ

$
0
0

ባይቶ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ

                  ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ እዩ። ከም ዘለዎ ክቕጽል ኣይክእልን። ባይቶ ድሒኑ ንህዝቢ ንኸድሕን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘለኹም ሃሊኹም ገለ ግበሩ። ጌጋታት እንዳጸብጸብኩም ከም ዘይናትኩም ኣማዕዲኹም ክትርእይዎ እንተድኣ ኾንኩም ዓገብ እብለኩም። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ኣማራጺ፡ እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተተኽለ ባይቶ ከምቲ ናይ ውሽጢ ሃገር፡ ነበረ ኣቢሉ ክድርበ፡ ህልው ኩነታት ባዕሉ ዝመርጸሉ ዘሎ መንገዲ እዩ። እዚ መንገዲ እዚ ድማ እቲ ዘይንደልዮ መንገዲ ጥፍኣት እዩ።

ኣብ መመድረኹ ዝተራእየ ታሪኻዊ ምጥርናፋት ውድባት፡ ደቃቕ ስምብራት ምዕባሌ ከየርኣየ መዘከርታ ኣሽማት ኣውጺኡ ጥራይ እዩ ፋሕ ዝበለ። ክሳብ ዕለት ሎሚ መሪሕነታት ተቓዉሞ ንቃልሲ መኣዝን ከትሕዞ ኣይከኣለን። ንግዜን ኩነታትን ኣርኪቡ ክቕየርን ክትዓጻጸፍን ሰለዘይከኣለ፡ ነቲ ቃልሲ ኣይበቕዖን። ስለዚ ዝተሓልፈ ተሞክሮ ብምግንዛብ፡ ባይቶ ንኽዕረ ኣብ ውድባት ዘይኮነስ ኣብ ግብራዊ ተበግሶን ጻዕርን ሕልናን ደለይቲ ፍትሒ ዝተሞርኮሰ እዩ። እቲ ምዕራይ ከኣ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ክፍተን፡ ግዜን መድረኽን ይጠልቦ ኣሎ።

ደላይ ፍትሒ ወይ ለውጢ ክብል እንከለኹ፡ ኣውራ ነቲ ካብ ተወዳደርትን ተራጋሕትን ፖለቲካዊ ውድባት ነጻ ኾይኑ፡ ጸረ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብቓልዕ ደው ኢሉ ዝቃለስ ዘሎ ስደተኛ ዜጋ ዝምልከት እዩ። እዚ ነቲ ብውልቁ ወይ ከኣ ኣባል ሲቪካዊ ማሕበራት ኾይኑ ዝነጠፍ ዘሎ ስደተኛ ይገልጽ። ብተወሳኺ ነቲ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክብል፡ ንውድባዊ ሓልዮትን ጸብለልትነትን ዘጸግዐ ኣባል ውድብ። እሞ ኸኣ ምስ ደላይ ፍትሒ ብምትእስሳር ዝነጠፍ ዘሎ፡ መሰረታት ውድባት ዝኾነ ዘይሕለል ተቓላሳይ ይሓቁፍ።

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ነቲ ከም ምስሊ ዓቢይ ጎደና ደው ኢሉ ወግሐ-ጸብሐ እንርእዮ ዘሎና ሽግራት ህዝብና ይኹን መፍትሒኡ፡ ንኽገልጾ ኢሉ ኣይፍትንን። ሽግርናን መፍትሒኡን ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ እዩ። ከምኡ እውን ብስነ-ሓሳባዊ ትንታኔታትን ኣብ ሰማይ ብዝተጠልጠሉ ሓሳባትን ዘርዚሩ ንኸዛናግዓና ወይ ንኸሕልመና ኢሉ እውን ኣይተዳለወን። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ሃገረ ስደት ኾይና ዓቕምና ብዘፍቅዶ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ተግባራዊ ስጉምትታት ኣቕሪቡ፡ ነቲ ደላይ ፍትሒ ኣብ ጥርኑፍ ስራሕ ከበግሶ ዝፍትን ዘሎ ርእይቶ እዩ።

መጀመርያ ኣቲ ንባይቶ ንምምስራት ዘንቀለ ቅዱስ ዕላማ ክጥቀስ እንተድኣ  ኮይኑ፡ ንስርዓት ኢሳያስ መተካእታ ንምቕራብ፡ ሕቶ ሓባራዊ ስራሕ ንምርግጋጽ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ዝጻረሮ ተቓዋሚ ዜጋ  ወይ ውድብ ዘየለ ክነሱ ንምትግባሩ ኣይተኻእለን። ኮይኑ ኸኣ፡ ባይቶ ኣብ ክፈትሖ ኣሸጊርዎ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ኣትዩ፡ መዋጽኦኡ ኣሸጊርዎ ኣጽቂጡ ኣሎ። ስለዚ ባይቶ ንኽዕረ ነዚ ሕቶታት እዚ ንኸይምለስ ዝዓግቱ ዘለዉ ጠንቅታት ተለልዮም ከልግሱ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ መግለጺ ዘየድልዮ ጌጋታት፡ ባይቶ ዝገበሮ ጌጋታት እውን ምጽብጻብ ዘየድልዮ ከምዝኾነ ኩላትና ንርእዮ ዘሎና እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ ኸኣ እቲ ባይቶ እዩ ከዐርዮ ትጽቢት ዝግበረሉ። እንተኾነ ግና፡ ህላወ  እዞም ርኡያት ጌጋታት እዚኣቶም ክኣምነሎም እንተዘይክኢሉ ባይቶ ባዕሉ ከዐርዮ ዘይሕሰብ እዩ። ተራ ደለይቲ ፍትሒ ንምዕራይ ባይቶ ከኣ ኣብዚ ይመጽእ።

ታሪኽ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ባይቶን ዘለዎ ሃለዋትን ምስ እንግንዘብ፡ ነቲ ክዕረ እንብሎ ውሽጣዊ ኩነታትን ዝምድናታትን ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ብዝያዳ ኣጉልሑ ኣርእይና ኣሎ። ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ እቲ ንኹሉ ድኽመታት ቃልሲ መሰረታዊ ጠንቂ ዝኾነ ነጥቢ፡ ጉድለት ኣፈታትሓ ግርጭት እዩ። ካልእ ኣማእት ጉድለታት እንተጸብጸብና ሳዕቤን እዩ። ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ግርጭት ካብ ዘመነ ገድሊ ጀሚርና ክሳብ ዕለት ሎሚ ኣይከኣልናዮን። እቲ ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ እውን ኣይመሃረናን።

ሓደ ካብቲ ሳዕቤን እዚ ኣብ ልዕሊ ባይቶና ወሪዱ ዘሎ መጒዳእቲ እዩ። ንኣጋባብ ኣመሳራርታ ባይቶ ካብ መጀመርታ ዘይተቐበሎ ኣካል ተቓዉሞ ደምበ ነይሩ እዩ። እዚ ነቲ ደምበ ካብ ዝነበሮ እንደገና ኣብ ክልተ ከም ዝኸፈሎ ፍሉጥ እኳ እንተነበረ፡ ተሳታፋይ ዝገደፈ ገዲፉ ነቒሉ። ዝተረፈ ዳሕራይ የርክብ ኢሉ ኸኣ ባይቶ መስሪቱ። ድኽመት ባይቶ ከኣ ካብዚ ይብገስ። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ መትከል ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዝኾነ ኣሳታፊ ጥርናፈ ሸልል ኢሉ ሓሊፍዎ። ኣሳታፊ ጥርናፈ ከም መሰረት እምነቱ ብምግባር፡ ኣቐዲሙ ስለዘይሰርሕሉን ዘይተቓለሰሉን ኸኣ፡ ነዚ ጌጋ እዚ ክደጋግሞ ተራእዩ።

ድሕሪ ባይቶ ምምስራቱ እውን ኣብ ውሽጡ ዝተኻየዱ ቃልስታት ንምዕባሌኡ ዓገትቲ ኾይኖም ኣለዉ። ኩሉ ጎድናዊ እኹል ኣፍልጦ ባይቶ ምህላው ፍርቂ እቲ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝኸዶ ጉዕዞ ብዓይኒ ሓቂ ምግምጋም ነቲ ደላይ ፍትሒ ንምዕራዩ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። ከዐሪ ይኽእል እዩ ኢለ ካብ ኣቐምጥክዎ ግና፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ እቲ ደላይ ፍትሒ ዝብሃል መን እዩ? ንዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ክምልስ እደሊ።

እዚ ስያመ እዚ፡ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣዝዩ ዝተወዓውዐን ቁጽሪ ዝደለበን እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ስሜን ኣሜሪካን ኤሮፓን ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ተቓላስይ ዜጋ፡ መዓልታዊ ዝጥቀመሉ መጸዋዕታ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሽም እዚ፡ ኣብ ካልእ ክፍለ-ዓለማት እውን ክቃላሕ ይስማዕ። ደላይ ፍትሒ ንህላወን ኣገዳስነትን ባይቶ ይኣምን። ትሕዝቶ ምንቅስቓሱ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መንቀሊ ባይቶ ዝኾኑ ዕላማታት ዝፈልዮ የብሉን። እቲ ኣውራ ቴማ ደላይ ፍትሒ ግና እዋናዊ ኾይኑ፡ ኣገዳስነቱ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ብዘይ ውዓል ሕደር ክምልስ ዝጽዕር እዩ። መዓልታዊ ኣርእስቱ፡ ኣብ ትግባረን ስራሕን ንምድሓን ህዝቢ ዘትኮረ ሰለዝኾነ ከኣ፡ ካብቲ ዛዕባታት ናይ ባይቶ በዚ ይፍለ።

በዚ ነጥብታት እዚ ክገልጾ እንተድኣ ኾይነ፡ ደላይ ፍትሒ ኣብ ቴማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብምሉእ ሓይሉ ክደንን ክጽዕትን ዝደሊ ኾይኑ፡ ካልእ ጎድናዊ ኣርእስቲ ዘምጽኣሉ ጸማም እዝኒ ክህቦ ዝወሰነ ዜጋ እዩ። እቲ ቴማኡ ብሩህን ንጹርን እዩ። ኣብ ናይ ስራሕን ድሕነት ህዝብን ዛዕባታት ዘተኮረ ሰለዝኾነ ከኣ ኩሉ ዜጋ ይቕበሎ። ክትሰምዖ እንከሎኻ ብህሉው ኩነታት ዝተቐየደ ዕጣን ፖለቲካ ዘይብሉ፡ ብብሩህን ዘየዳናግርን ተራ ዘረባ እዩ ዘቕርቦን ዝደጋግሞን።

እንተኾነ ግና፡ ስራሕ ካብ ኮነ ኣርእስቱ፡ ንስራሕ ውፈር ተባሂሉ ጻውዒት ዝተገብረሉ፡ ወይ ኣብ ስራሕ ተረኺቡ ኣሎኹ የብል ወይ ከኣ ዓዲ ውዒሉ ብኩራት ይኸውን። ኣብ ስራሕ ማእከላይ መርገጺ የልቦን። ስለዝኾነ ከኣ ፈታዊ ስራሕ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣይኮነን። ነቲ ምንቅስቓሱ ግና ፍኑው እዩ ዝገብሮ። ብሰንኪ እዚ ከኣ፡ ህዝባዊ ማዕበል ዝብል መጸዋዕታ እውን ተዋሂብዎ ነይሩ። ስለዚ ንጥርናፌኡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ምስቲ ቴማ ስርሑ ማዕረ ንማዕረ ፖለቲካ ክሕውሰሉ ኣለዎ። ክገልጾ ካብ ነቐልኩ እምበኣር፡ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ዕለት ሎሚ ብፍኑው መልክዕ ኣብ ሃገረ ስደት ዝነጥፍ ዘሎ ዜጋ ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን  ንምድሓን ከም ደራኽን ኣራምን ሓይሊ ንኽኸውን፡ ብኸመይ ኣጋባብ ዝጠራነፈሉ ጥበብ ወይ ፖለቲካዊ ሜላ ስኢኑ ዘሎ ዕቑር ሓይሊ እዩ፡ ክብል እደሊ።

ደላይ ፍትሒ፡ ኣብ ዘዘለዎ ስፍራ ስደት ኾይኑ ቀጻሊ ጸረ-ህ.ግ.ደ.ፋዊ ምንቅስቓስ ዘርኢ ዘሎ ናይ መሰረታት ቃልሲ እዩ። ንኣብነት ሳላ ጎስጓስ ደለይቲ ፍትሒ እቲ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ምሉእ ኣሜርካን ካናዳን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስን፡ ተቓዋሚ ደምበ እውን ዝተሓወሶ ኣድማዒ እዩ ዝነበረ። ናይ ኤሮፓን ማእከላይ ምብራቕን እውን ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ ሓደ ውድብ ንበይኑ ክገብሮ ዘይክእል ንጥፈት ከም ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ባይቶ ንምዕራይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ይፈተን ካብ በልኩ፡ ንደላይ ፍትሒ ንምግላጹ መሪሕነታት ውድባት ከይተተንከፈ ኣይከውንን። እቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝውሕዝ ኣረኣእያታትን መምርሒታቱን፡ ምስቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘንቃዕርር እንተ ተሰማሚዖም እዩ ንምዕራዩ ዝቐለለ ዝኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣይሰማምዑን እዮም። ስለዝኾነ ከኣ ደላይ ፍትሒ ተሰማዕነት ክረክብ፡ ከም ደራኺ ሓይሊ ኾይኑ ክጠራነፍ ይግደድ። ስለዚ ንደላይ ፍትሒ መን ምዃኑ ምግላጽ፡ ዝምድናኡ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን መሪሕነቱን ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ምሉእ ኣይገብሮን። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ዓይነት ቃልሲ እዮም ዝነጥፉ ዘለው። ነዚ ዝምድናታት እዚ ንምብራህ ክሕግዘና ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኮንፈረንስን ከም ኣብነት ንመልከት። ካብ ንህ.ግ.ደ.ፍ ንምቅዋም ኣብ ስራሕ ዝተራእየ ዝምድናታት ዝዓቢ ቁምነገር ስለዘየለ ኸኣ፡ ከም መግለጺ ደላይ ፍትሒ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እመስለኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈርስን ዋ.ዲሲ፡ ህዝባዊ ማዕበል እንዳበለ ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብኣባላት ተቓወምቲ ውድባት መን እዩ ዘዳልዎ ዘሎ እንዳተባህለ ብምትብባዕ ዘይኮነስ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጥመት ዝነበረ፡ ፍኑው ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። እዚ ጥርጠሬታት እዚ፡ ነቲ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ክቃወም ኢሉ ዝተበገሰ ዜጋ፡ ልክዕ ከም ካብተን ተቓዉሞኡ ዘካይደለን ከተማታት፡ ካብ ውድባት ድማ ተወሳኺ ናይ ፍቓድ ወረቐት ዘድልዮ መሲሉ እዩ ዝቐርብ ዝነበረ።

ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ግና ክፈርሕዎ ዘይኮነስ ንኽምዕብል መንገዲ ክጸርግሉ እዩ ዝግብአም ነይሩ። ምኽንያቱ ውድባት ብወገነን እቲ ቃልሲ ክሰልጠን ካብ ዘይከኣለ፡ ካልእ ሓጋዝን ኣማራጺን መንገዲ ንኸይብገስ ክጻብኣ ጌጋ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ደላይ ፍትሒ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ ውድባት ክገብርእኦ ዘይከኣላ ከምዝገብር ንዝጎደለን ከምዝምልእ ኣመስኪሩ እዩ። ተወሳኺ ኣብነት ኣብ ጀነቭ ኤሮጳ ዝተፈጸመ ክጥቀስ ይከኣል። ስለዝኾነ ድማ፡ ውድብ ከይበልና ማሕበር ወይ ውልቀ-ሰብ ኣብቲ ጸረ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኾነ ሓባራዊ ስራሕ ንጽመድ እንዳበለ፡ ንኹላተን ውድባት ጠርኒፉ ኣብ ጽርጊያ ከምዝወጻ ዝገበረ ደላይ ፍትሒ እዩ። ስለዚ ቁምነገሩ ካብቲ ስርሑ ስለዝብገስ፡ ትርጉም ደላይ ፍትሒ ንምፍላጥ ዝተገደሰ፡ነቲ ስርሐይ ኣንብቡ እዩ ክብል።

ነዚ ሓዲሽ መሰረት ስራሕ እዚ ብምንጻፉ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጸረ- ህ.ግ.ደ.ፍ ዘበለ ተቓዉሞ መን ገበሮ ከገድስ ኣይኮነን። እዚ ደላይ ፍትሒ ምስ ውድባት ዝፈጠሮ  ኣብ ስራሕ ዝተሃንጸ ዝምድና፡ ነቲ ቁምነገሩን ክወቕዖ ዝደሊ ዕላማን እዩ ኣተግቢሩ። ንሱ ድማ ንስርዓት ኢሳያስ ከነውድቕ፡ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ይጽመድ ዝብል ኮይኑ ፖለቲካዊ መግለጺ ኣየድለዮን። ንሓደ ካብቲ ዕላማ ባይቶ ብስራሕን ብግብርን እዩ ገሊጽዎ። ብዝገበሮ ንጥፈት ድማ ዕዉት ኮይኑ ወጺኡ ኣሎ።

ተቓወምቲ ውድባት፡ እቲ ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ህዝቢ ኣይዓሰለንን። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ተፈልየን እየን ዘለዋ። ፖለቲካዊ  ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝካየድ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ቃልሲ ተፈልየን ኣለዋ ክብል እደፍር። እዚ ሓቅታት እዝን ሰለምንታዩን ህዝቢ ደጋጊሙ ገሊጽዎ እዩ። ድኽመታተን  ህዝቢ ንነዊሕ ዓምታት ዝተዛረበሉ ዓቢ ግድል ኣኳ ኣንተኾነ፡ ውድባት ክፈትሕእኦ ኣይከኣላን። ህዝቢ ተጋግዩ እንተኾይኑ፡ እተን ውድባት ኣተሃላልውአን ስለምንታይ ከምዚ ከም ዝኾነ፡ ከመይ ኢሉ ድማ ክዕረ ከምዝኽእል ክገልጻሉ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ውድባት ፍርዱ ኣቐሚጡ እዩ።

እዚ ኣብነታት ዘምጽኦ ዘለኹ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባትን መራሕተንን ምሳረይ ንምልዓል ዘይኮነስ፡ ነዚ ኣተሃላልዋአን ኣዚ ንምስባር ተራ ናይቲ ደላይ ፍትሒ ንምጉላሕ እዩ። ንኣብነት፡ውድባት ህዝባዊ ኣኼባ ዘይጽውዓሉ ዘለዋ ምኽንያት ፖለቲካዊ ኩነታተን ኣገዲድወን እዩ። ስለዚ ምስ ህዝበን ክራኸባ ካብ ዘይከኣላ፡ ከም መራኸቢ መትኒ ክጥቀማሉ ዝኽእላ እቲ ደላይ ፍትሒ እዩ እንተበልኩ ጌጋ ኣይኮነን። ንህዝቢ ክጉስጉስኦ ዝኽእላ ብመንገዲ ደላይ ፍትሒ እዩ። ብተቓዉሞ ደምበ ክሳብ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ተቓዉሞ እዩ። እዚ ስራሕ እዚ ክቕጽል፡ ዝምድና ደላይ ፍትሕን ተቓወምቲ ውድባትን ክምዕብልን ክተባባዕን ዘለዎ እዩ።

እቲ ኣብ ዋ.ዲሲ ዝተኻየደ ኮንፈርንስ ሰላማዊ ሰልፍን ነቲ ደላይ ፍትሒ ብኣካል ዝራኸበሉ ዕድል ዝፈጥረ እዩ። ካብ ተራኸበ ኸኣ፡ ከም ደራኺ ሓይሊ ኾይኑ ተጠርኒፉ ክወጽእ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ኹሉ ጽዒሩን ኣዳልዩን፡ ካብ ሕድ-ሕዱ ብኣካል ምልላይ ሓሊፉ ኣብ ምጥርናፍ ከብጽሖ ዝኽእል ግብራዊ ኣጀንዳ፡ ኣብ መድረኽ ኮንፈረንስ ከቐምጥ ኣይከኣለን። ተራኺብና ኣሎና፡ “ሕጂ እንታይ ንግበር?” ዝብል ኣርእስቲ ኣየልዓለን። መድረኽ ተመንጢሉ፡ ሕቶ ጥርናፈኡ ኣብ ፍኑው ድሌትን ስምዒትን ጥራይ ተሓጺሩ እዩ ዝተፋናነወ። እዚ ኸኣ ሕመቕን፡ መግለጺ ኣተሃላልዋ ደላይ ፍትሒን እዩ። ብተወሳኺ ኩሉ ኣቲ ምኽንያት ናብ ተቓውምቲ ውድባት ምጽግዑ ጌጋ እኳ እንተኾነ፡ ደላይ ፍትሒ ከም ኣድማዒ ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ክቕልቀል ዘስግኦ ውዱብ ተቓዉሞ ከም ዘሎ ድማ፡ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እዩ። እቲ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዘዳልዎ ዘሎ መን እዩ እንዳበለ ኣብ ፈቐድኡ ፓል ቶክ ሩማት ዘዕገርግር ዝነበረ ኣባል ውድብ፡ ኣዳለውቱ ደለይቲ ፍትሒ ከም ዝኾኑ እንዳፈለጠ እዩ።

ኣብ ስመር ሩም ኣርእስቲ ውድባት ኣብ ዘዝተላዕለሉ ግዜ፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን ዝውዕል ንትርኽ ካብቲ ፍርሒ ውድባት ዝብገስ ስክፍታ ምዃኑ፡ ከም እኹል መርትዖ ክቐርብ ይኽእል። ምኽንያቱ ተቓዉምቲ ውድባት ከምዘለዉኦ እንተድኣ ቐጺለን፡ ትርንዐ ናይዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ ንኣገዳስነተን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣባላት ውድባት ኣብ ዲቕ ዝበለ ምክልኻል ክኣትዉ እዮም ዝስምዑ። ኣቲ ክትዕ ሕጊግ ክብል ውዒሉ ኣብ ዘይምክብባርን ዘይምጽውዋርን ሰለዝኣቱ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ውድባት ምዝራብ ይትረፈና፡ ደው ይበል ተባሂሉ ይዕጾ። እቲ ኣብ ሞንጎ ተቓለስቲ ክህሉ ዝግብኦ ዝምድና ግና ከምኡ ክኸውን የብሉን።

እንተኾነ ግና፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝነቅል ስግኣት ውድባት ብዙሕ እዩ። ኣብ ውድብካ ምሕያል ዝብል ጥንታዊ ሜላ ዝተሸኽላ ውድባት ድማ ዘይሰግኣሉ ምኽንያት የብለንን። እቲ ኣብ ፈቐዶ ክፍለ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ፡ ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኸፊሉ ነቲ ኣዝጊቡ ዘሎ ተዓዛቢ እዩ ተንኪፍዎ። ጸረ-ህ.ግ.ደ.ፍ. ክንቀሳቐስን ካብ ሰፈሩ ቅሩብ ፍኒንሕ ከብሎ እውን ተራእዩ። ውድባት ከምዚ ክገብራ ኣይበቕዓን። ከምኡ እውን፡ ንዋንነት ናይቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘመልክት፡ “መን እዩ ዝገብሮ ዘሎ? ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ከምቲ፡” ዝብል ምልክት ሕቶን ክትዓትን ብኣባላተን ምስ ሰልከየን፡ ትርጉም ኣልቦ ምስ ኮነን እየን ዝተሓወስኦ። ህዝባዊ ማዕበል ግና ዋና የብሉን። ዋንኡ፡ ካብ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ዝገንፈለ ፍኑው ሕልና ዜጋታት እዩ።

ውድባት ካብ ኢደን ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ የስግአን እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ምንቅስቓስ ማሕበር ውልቀ-ሰብ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻረን ተጠርኒፉ ክቃለሰ ስለዝመርጻ። እዚ ሜላ እዚ ብኹለን ውድባት ካብ ቅድም ኣትሒዘን ዝጥቀማሉ ኣጋባብ ቃልሲ እዩ። ህዝቢ ካብ ዘይሰዓበን ግና፡ እዚ ኣጋባብ እዚ ከምዘይሰርሕ እዩ ዝነግር። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እዚ ንህዝባዊ ማዕበል ዘበገሰ ምንቅስቓስ ደላይ ፍትሒ፡ ኣብ ኣጋባብ ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ለውጢ ከም ዘድሊ ዝውንጨፍ ዘሎ ሓበሬታ እዩ። ነዚ ተመዝጊበን፡ ውድባት ንቃልሰን፡ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ብልሓትን ለውጥን ክፈጥራሉ ኣለወን እየ ክብል ዝኽእል።

ካብኡ ተሪፉ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ነጻ ምንቅስቓስ ገምጋምን ሚዛንን ናይተን ውድባት ንኽገብር ይግደድ። ሳዕቤኑ ድማ ፍርድታት የቐምጥ። እቲ ፍርድታት ኣብ ስርሐንን ቁምነገረንን ዝተሞርኮሰ ስለዝኾነ ከኣ ኣሉታዊ ይኸውን። ስለዚ ንህዝባዊ ማዕበል ብውድባዊ ዓይኒ ጥራይ ክምልከትኦን ክመዝንኦን እንተድኣ ቐጺለን፡ ንቃልስና ይኹን ንዕአን ጠቓሚ ክኸውን ኣይክእልን።

እዚ ዘርእየና ኸኣ ካብዚ ኣተሃላልዋ እዚ ንኽወጻ ሓዲሽ ኣገባብ ቃልሲ ክበላሓታ ኣለወን ኢለ ይደግሞ። እዚ ኣጋባብ እዚ ነቲ ደላይ ፍትሒ ካብ ውድባት ነጻ ኾይኑ ንኽንቀሳቐስ ከመይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝምልስ ምስ ዝኸውን ጠቓሚ እዩ። ምስቲ ደላይ ፍትሒ እንታይ ዓይነት ዝምድናታት ክህልወን ኣለዎ ዝብል ሓዲሽ ኣመላኻኽታ ቃልሲ ክፈጥራ ኣለወን። ኣብ ንሶምን ንሕናን ዝዓይነቱ ዝምድናታት ከይእቶ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት መስርሕ ቃልስና ይቕየር ከም ዘሎ፡ ለውጢ እውን ይጠልብ ከምዘሎ፡ ክርድእኦን ክኣምናሉን ኣለወን። ጽቡቕ ኣሎና ብማለት ንህሉው ኩነታተን ክዕቅባ ኣብ ዘለውኦ እንተድኣ ደው ኢለን ግና፡ ውድባት ንባይቶ ባዕለን ከዐርይኦ ኣይክእላን እየን ዝብል እምነት እንደገና ከስምረሉ እደሊ። ስለዚ ምዕራይ ባይቶ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ወደቐ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሕን ውድባትን ዘሎ ኣሉታዊ ዝምድናታት ከልግስ ኣለዎ። ብዝተረፈ ባይቶ ተዓርዩ እዩ እንተ ተባህለ ከምቲ ህዝቢ ዝደልዮ ክኸውን ኣይኮነን።

ዝምድና ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተቓዉሞ እውን፡ መግለጺኦም ስለዝኾነ ክጠቕሶ እደሊ። ደለይቲ ፍትሒ ምስ ውሽጣዊ ተቓውሞ ቀጥታዊ ርክብ ወይ ዝምድና ኣለዎም ኣይብልን። እንተኾነ ግና ንስርሒት ፎርቶ ንምድጋፍ፡ ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ጥርኑፍ ተቓዉሞ ከካይዱ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ግብረ-መልሲ ንምሃብ ብቕጽበት ኣብ ጽርጊያታት ምኽዓዎም ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ተቓዉሞ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት እዩ ዘንጸባርቕ። እዚ ደገፌታ እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ተቓዉሞ ደምበ ዘለዎም እምነት ዝያዳ ኣብቲ ውሽጣዊ ተቓዉም ከምዝኾነ ዘራጋግጽ ግብራዊ መልሲ እዩ። ከምቲ ስርሒት ፎርቶ፡ ካልእ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተ ተኸሲቱ ከኣ፡ እቲ ደላይ ፍትሒ ደገፈታኡ ከቃልሕ ኣብ ጽርጊያትት ዓለም ሽዑ ንሽዑ ከም ዝፈስስ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ብልጫታት ደላይ ፍትሒ ካብተን ውድባት ንላዕሊ ሓያለይ እዩ። እተን ውድባት ህዝቢ ክዓስለን ኣይተራእየን። እዚ ክሽፈን ዘይክኣል ሓቂ እዩ።  እምነት ህዝቢ ካብተን ውድባት ንላዕሊ ኣብቲ ደላይ ፍትሒ ይዛይድ። ፋሕ ዝበለ ድኣ ይኹን እምበር፡ ቁጽሩ ንሱ ይበዝሕ። ብተወሳኺ እዚ ተቓላሳይ እዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ዝበለ ኾይኑ ንኹሉ ስደተኛ ህዝቢ ንኽበጽሖ ብልጫ ዝርጋሐ ዘለዎ እዩ። ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣኼባ የካይድ፡ ይራኸብ። ደላይ ፍትሒ እኹል ፖለቲካዊ ብቕዓትን ምጣነ-ሃብታዊ ጸጋታትን ኣለዎ፡ ወ.ዘ.ተ. ብሓቂ ደራኺ ሓይሊ ምኾነ።

እምበኣርከስ ትርጉምን መግለጽን ደላይ ፍትሕን ለውጥን ከምዚ እመስለኒ።  ዝመጽእ ጽሑፍ ክኣ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ቴማ ኣትኪሉ ክቐርብ ኣዩ። “እዚ ውልቃዊ ንጥፈታት እዚ ከም ደራኺ ህዝባዊ ሓይሊ ኮይኑ እንተዝጠራነፍ  ንባይቶ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓፈሽኡ ነቲ ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ክእርሞን ንቕድሚት ከሰጉሞን ምኸኣለ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንኣጋባብ ኣቃላልሳና እውን ሓዲሽ ብልሓት ፈጢሩ ክቕይሮ ምኸኣለ። እንተኾነ ግና፡ ካብ ስሚዒታዊ ድሌት ወጺኡ፡ ክሳብ ሕጂ ባዕሉ ክጠራነፍ ኣይከኣለን። ኣብ ውሽጢ ውድባት ኣትዩ እውን ክቃለስ ኣይመረጸን። ፋሕ ዝበለ ፍኑው ቃልሲ ኣድማዒ ከምዘይኮነ ተረዲኡ ኣሎ።ይዛረበሉ እውን። ስለዚ እቲ ዝተረፈ ምርጭኡ፡ ንባይቶ ከም መጠራነፍን መቃለስን ባይታ ክኾኖ፡ ይጠቐመሉ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ከምኡ ክገብር ከኣ፡ ነቲ ባይቶ ድምጺ ህዝቢ ዝዓብለሎ ህዝባዊ ባይቶ ክገብሮ ይቃለስ። ብሓጺሩ ንባይቶ ኣድሒኑ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክብገስ ክተብዕ ኣለዎ እብል። ብኸመይ ግና? እንታይ እዩ ኽገብር ዝኽእል? ዓቕሙ ኸ? እንታይ መሳርሒ ኸ ኣለዎ?”  ኣይተዘርበሉን ክብል እኳ እንተዘይከኣልኩ፡ እዋናዊ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ዋላ እውን እንተተደጋገመ ርእይቶይ ኣብ ዝስዕብ ጽሑፍ ይቕጽል።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳን ፍራንሲስኮ በይ ኤርያ

09.23.13


ግደ ሓቂ –ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን

$
0
0

ግደ ሓቂ

ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን

“ዓጋመ!”

“ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን”

“ዓጋመ!”

“ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!”

“ዓጋመ!”

“እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!”

ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ ጢጥ ተወንቀፈ። ዘሕዝን’ዩ እዛ ንእሽቶይ ፍጻሜ ብደረጃ ግዙፍ ታሪኽ’ውን ደጊማ ተፈጺማ። ዘገርም እዩ ካብ መቍለብ በለስ ኣይተማሃርናን። ካብ’ቲ ኵናት ባድመ ድማ ኣይተመሃርናን። እቲ ዘይተማሃርናዮ ንሰብ ዘይምሕሳር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘይምብዳዕ እዩ።

ኣደይ ለባምን ትኵርቲ ተዛራቢትን እያ ነቢራ። ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ’ቲ እግሪ ኣባ ሻውል፡ ገለ ቈልዑት በለስ በሊዖም ከይከፈሉ ናብ ኵሉ ኩርናዓት ሃደሙ። እቲ በዓል በለስ መቍልቡ ኣልዒሉ ንዝስዕቦ ስኢኑ ግን ቀዚዙ ተረፈ። ንሱ እንክጓየ ነተን ኣብ ዘንብል ዝተረፋ ክሰርቁ ዝጽበዩ ዝነበሩ ካልኦት ቈልዑት እውን ኣስተብሂሉሎም ነበረ’ሞ ኣምሪሩ ጥራሕ ተራገመ። ኣደይ ናብ’ቲ በዓል በለስ ቀሪባ፡ “ስማዕኒ’ዚ ወደይ፡ እቲ ዝገበሩኻ ጽቡቕ ኣይኮነን። ቈልዑት ኴይኖም እዮም። ንስኻ ነቲ ምርጋምካ ኣቋርጽ ኣነ ድማ ገንዘብካ እኸፍለካ ኢላ ዓሰርተ ሳንቲም ሃበቶ። እቲ በዓል በለስ ከኣ ሽዑ ንሽዑ መርገሙ ኣቋሪጹ ክምርቕ ጀመረ። ክሳብ ገዛ ንበጽሕ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ተግባር ካብ ምዝራብን ምሕዛንን ኣየቋረጸትን። “ኣይግብርን! ኣይግብርን! እዚ ኵሉ እሾዅ ተወጊኡ፡ ክሳዱ ክሳብ ዝስበር ኣብ ርእሱ ዘንቢል ምሉእ ተሰኪሙ ነቲ ምሉእ ዓቐበት ዓርበ ሮቡዕ ደይቡ’ስ ጽጉባት ደቂ ጽጉባት ክሰርቁዎ ኣይግብርን!” ኢላ ጎሃየት። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ኢላ ድማ መሰለት። ዝኾነት ዝፈጸምናያ ሕማቕ ተግባር፡ ዝኾነት ካብ ኣፍና ዝወጸት ሕማቕ ቃል ንቕድሚት ሓሊፋ ጸኒሓ ሕኔኣ ከምእትፈዲ ከኣ በለትኒ። ከም’ዚ ዝኣመሰለት ኣደ ስለዝነበረትኒ ዕድለኛ’ዬ።

ነዚ ዘረባኣ’ዚ ክሳብ ሕዚ እሓስበሉ። እሕልዎ ከኣ። ብዙሓት ትግራዎት ኣዕሩዅቲ ድማ ነቢሮሙኒ። ሕዚ’ውን ኣሎዉኒ። ሕማቕ ኢሎሙንን ገቢሮሙንን ድማ ኣይፈልጡን። ነቲ ዘረባ ኣደይ ዘኪረ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ከም’ዚ ሓሰብኩ። እቲ ብቈልዑትና ‘ዓጋመ’ ኢልና ክንጻረፍ፡ እቲ ቈልዓ ኢሳያስ እውን ኣብኡ ነቢሩ እዩ። እቲ ጸርፊ ሓያሎ ዝብልሑ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ኵናተ መልሓስ እዩ። ኤርትራ ናብ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ኣምር ኣማዕቢላቶ፣ ድኻ፡ ለማኒ፡ ረሳሕ፡ ተንኮለኛ፡ ጠላም፡ ደንቖሮ … ዝኣመሰሉ ንውርምናታት የጠቓልል። ንኤርትራዊ፡ ‘ዓጋመ’፡ ስጋ ዝለበሰ ‘ክፍኣት’ እዩ። እዚ ኵሉ ግን እቲ ኤርትራዊ’ውን ዝኾኖ እዩ። እዚ፡ እቲ ኤርትራዊ ንነፍሱ ኣብ መስትያት ርእዩ ናብ ካልኦት ዘንጸባረቖ ምስሊ እዩ። እቲ ቈልዓ ኢሳያስ ድማ ነዚ ኵሉ ጸርፍታት’ዚ ሰሚዑዎን፡ እቲ ጸርፍታት ድማ ከምዘይሓልፍ ወጊኡዎን እዩ ኢለ እግምት። ኢሳያስ ብዛዕባ ተወልዶኣዊ መበቈሉ ግርም ዝፈልጥን፡ ብመበቈሉ ከኣ ስኾርዕን እዩ እንትምንታይ ስድራ ቤቱ መበቈሎም ዝፈልጡን ብኡኡ ዝኾርዑን እዮም። ኣነ ክሳብ ሸውዓተ ቀመ ወለዶይ እፈልጥ። ወዲ መን ኢኻ? ተስፋይ’ከ ወዲ መን? … እንዳተመሃርኩ እዬ ዓብየ። ኵሉ ኤርትራዊ ብዛዕባ መወለዱ እንዳተማህረ እዩ ዝዓብዩ። ኢሳያስ ግን፡ ከምቲ ኣብ መወለድን መበቍል ዓድን ካልኦት ዘሎዎ ተገዳስነት፣ ክሳብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሓረግ መወለዱ ከም ዝፈልጥ እስምዓኒ። ኢሳያስ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክሕበር ክደሊ እንከሎ እታ ፈለማ ዚሓታ ሕቶ ‘ኣበይ’ዩ ዓዱ?” እያ። ከምቲ ንስነ ኣእምሮኡ ንፈልጦ ከኣ፡ ጽሉል ቂመኛ እዩ፡ ሓንቲ መዓልቲ መን ምዃነይ ከርእየን እዬ! እንዳበለ ከም ዝዓበየ እኣምን። እንሆ ድማ ሕዚ የሰራስረና፡ የሰራጥየና፡ ይኣሰረና ይቐትለና፡ ካብ ዓድና የሳጉጎና ኣሎ። ነታ ክልተ ሜትሮ መቓብርን ንቡር ስነስርዓት ቀብርን እኳ ኣብ ገዛእ መሬትና ነፊጉና። እቲ ሽዑ ብቍልዕነቱ ኣደይ ዓሰርተ ሳንቲም ሂባ ከይተደዓዕሶ እኳ ዕድልና ሓሚቑ ኣይተራኸቡን።  ኣደ የማነ ገብረኣብ እውን ትግራወይቲ እየን። እቲ ኵሉ ኣዲኡ ክጽረፋ ንየማነ ኣይግድሶን ነቢሩ ክበሃል ኣይከኣልን። በዓል ክሻ ከኣ … ።

እዚ ተሞክሮ’ዚ ንስነ ኣእምሮኣዊ/ማሕበራዊ/ ውልቃዊ ቅርጻ ጠባይን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኢሳያስ ንበይኑ ወሲኑ ክብል ኣይክእልን። እቲ ደረጃ ጽልኡን ጭከናኡን ንዕቀቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣዝዩ ዘንገፍግፍ ኴይኑ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ወትሩ ምስ ሓሰብኩን ምስ ተጨነቕኩን እዬ። ነቲ ኣብ ላዕለኢ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ቶሎ ክነጽጎ ኣይከኣልኩን። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ንከንቱ ኣይተባህለን።

 

ኵሎም ተግባራቱን ዘረባታቱን ከምዘረጋግጽዎ፡ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍቂሩዎ ኣይፈልጥን እኳ’ድኣ  ካብ ልቡ ይጸልኦ። ክብትኖን ከጽንቶን ከኣ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ኢሳያስ፡ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሰ! ኢሉ ይምካሕ’ዩ። እንተኾነ፡ ቀሪብና እንተተዓዘብና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም መሳርሒ ናብ ዝዓበየ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኽጥቀመሉ ከም ዝተጋደለ ንርዳእ። እቲ ንተጋዳላይ ክጋደል ዝገበረ ቀንዲ ደራኺ ፍቕሪ ህዝቡ እዩ። ኢሳያስ ግን ብዛዕባ ፍቕሪ ህዝቡ ሓንቲ ቃል እኳ ኣተንቢሁ ኣይፈልጥን። ንህዝቢ ብቓለ ሓይሊ እንተዘይኴይኑ ብቓለ ፍቕሪ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ‘ህዝቢ’፡ ‘ኤርትራ’፡ ‘መሬት ዓደቦና’ ኢሉ ይጠቅስ እዩ። ‘ፍቑር ህዝበይ’፡ ‘ፍቕርቲ ሃገረይ’ ዝብላ ሓረጋት ግን ካብ ኣፉ ክወጻ ፍጹም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ነዚ ድማ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎዎ። ኢሳያስ፡ እንትርፎ ንነፍሱ ንዘፍቅሮን፡ ንዝድነቐሉን፡ ንዝንእዶን፡ ንዝሓልየሉን ንዝኣምኖን  የብሉን። ኢሳያስ እቲ ፍጹም ናርሲስት እዩ። ካብ ናርሲስትነት ዘይፍለ መንታ ጠባይ ከኣ ቅንኢ እዩ። ቅንኢ ኣብ ዝሃለወሉ ቦታ ከኣ ጽልኢ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ኢሳያስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንዝተፈቕረ ይቐንኣሉ፡ ይጸልኦ፡ የጸልሞ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝተደነቐ የናእሶ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝሓለየ ይጥርጥሮ፡ የካፍኦ፡ ይቕንጽሎ። ኢሳያስ፡ ንዝኾነ ኣብ ሓቅነት ተሞርኵኡ ዝምክቶ ኣይፈቱን። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ኴይኑ ስለዝስምዖ ከም ዕቁር መወዳድርቱ ወሲዱ  ይቕንጽሎ። ኢሳያስ እቲ ንበይኑ ፍጹም ሓሳባትን ስልጣንን እዩ። ኢሳያስ ልዕሊ ሕማቕን ጽቡቕን ዝኸደ ክሊኒካዊ ጽሉል/ፕሲሾፓት/ እዩ። ግን ከኣ እንታይ ከምዝደሊ ዝፈልጥ ጽሉል። ናብ’ቲ ዝደልዮ ንምብጻሕ ከኣ ዝኾነ ክገብር ድሉው ዝኾነ ጽሉል። ኢሳያስ ናብ ስልጣነ ኣማልኽቲ ዝመጣጠር ዕቡድ እዩ።

ኣብቲ ደርጊ ዝወደቐሉ እዋን፡ ኢሳያስ፡ ስሙን ግብሩን፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ’ውን ግኑንን ተፈታውን ነቢሩ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ እዚ ውሒጣ”ስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክነግስ ዝኽእል ክንሱ’ስ ከመይ ገቢሩ በታ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ዓጊቡ ቢለ እሓስብ ነቢረ። ክልተ ነገራት እዮም ዓንቂፈሞ። ነቲ ምስ ኢትዮጵያ በገለ ዓይነት ፖለቲካዊ ዝምድና (ፈደራስዮን፣ ኮንፈደራስዮም …) ተሓባቢርካ ምስራሕን ምንባርን ዝብል ካልኣይ ምርጫ ኣብ መደብ ምንቅቓሕ ናይ’ቲ  መሳርሒኡ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን ህግሓኤን ከም ገለ ገቢሩ ከእትዎ ኣይጎርሐን። ነቲ ንዓመታት ብምሉእ ነጻነት ኤርትራ ዘስከሮ መሳርሒኡ ከኣ ከም መኪና ብሃንደበት ንድሕሪት ክጠውዮ ኣይከኣለን። ሽሕ’ኳ ንህዝብን ውድብን ኤርትራ ናብ መኪና ሰሪሑዎ እንተነበረ፣ እታ መኪና ገና ብሰባት ዝተሰርሐት ስለዝነበረት ንድሕሪት ንኽመልሳ ጊዜ የድልዮ ነበረ። ንነፍሱ ጊዜ ክህብ እውን ፈቲኑ እዩ (ሃገራዊ ውከሳ … ) ። ህወሓት ግን፡ ቀልጢፉ ጎሪሑ መኪናኡ ድሮ ንድሕሪት ጠውዩ ጸኒሑ ንኢሳያስ መኪናኡ ጠውዩ ናብታ ዓባይ ኢትዮጵያ ከቕንዓ ጊዜ ኣይሃቦሮን። ስለ’ዚ፡ ንህዝቢ ከይተወከሰ ብዝቐልጠፈ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ኣሚኑ ኣተግበረ። ስለ’ዚ ኣብራያም ያየ ኣእወየ። ህወሓት ብውሳኔኡ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ እዩ ቀቲሉ። ሓደ፣ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ኣሚኑ ስለዘተግበረ ዲሞክራስያውነቱ ኣረጋጊጹ። ዊዒላ ሓዲራ ኤርትራ ናበይ ከይትጠፍኣና ዝብል ሓሳብ ግን ኣብ ድሕረ ኣእምሮኡ ግድን ነቢሩ’ዩ። ካልኣይ፣ ነቲ ሃንጎሊማ መዋዳድርቱ ኣልጊሱ ንኢትዮጵያ ንበይኑ ኣባሕትዩ ገዝአ። ብሸነኹ ኢሳያስ ካብ ድሕሪት ካብ ኤርትራ ብመገዲ ወያነ፡ ንኢትዮጵያ ክቈጻጸር ከም ዝኽእል ኣሚኑ ነቢሩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ስለዝሰርሖምስ ያኢ ክእዝዞም መሲሉዎ ነቢሩ ይኸውን። ንሳቶም ግን ኣብ መቐመጭዑ ዕንጸይቲ ኣእትዮሙሉ። ብገለ ሸነኻቱ ኮሚካዊ ዳግማዊ ራስ ወልደሚካኤል ይመስል። ኢሳያስ ተቐይሙ፡ ተቈጢዑ ነታ ሓንቲ ዝፈልጣ መልሲ ተጠቕመ። ኵናት! ኣብ’ቲ ኵናት ከኣ ካልኣይቲ ዕንጸይቲ ደርገሙሉ። ኢሳያስ ኣብ ኣነነቱ ብርቱዕ ተረኽበ። እቲ ዝለዓለ ፈላጥ ተዓሽዩ፣ እቲ ዘይሰዓር ዓንተር ተሳዒሩ ኣነነቱ ዓሸውሸው በለ። ድሕሪ ውግእ ናብ ቤት ፍርዲ ከደ። ኣብ ቤት ፍርዲ ከኣ ሰዓረ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስዓሩ ከኣ መረጋገጺ ከንቱነት ናይቲ ዘካየዶ ውግእን፣ ጭብጢ ዕሽነቱን ድንቍርናኡን ኴይኑ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተዘይዕር ከምዝምፈተወ ብዓሰርተ ኣጻብዕተይ ምፈረምኩ። እቲ ብውሽጡ መራሕ ኢትዮጵያን፡ ብኡኡ ኣቢሉ ከኣ ተጋዳላይን መራሕን ኣፍሪቓን፡ ሓደ ካብ’ቶም ምሉእ ዓለም እትዛረበሎም ኣደነቕቲ መራሕቲ ዓለምን ናይ ምዃን ሕልሙ ተሓማሺሹ ከኣ ኣብታ ዕንጭቍሊት ኤርትራ ተኾርመየ።  ቍሸታዊ  ዲክታቶር ዕንጭቝሊት ኤርትራ ድማ ኾነ። ዕጽዕጸ ፍሽለቱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ምስኪናይ ህዝቢ ኣውረዶ። ንህዝቢ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ኣብ ልዕለይ ዘንበረቶ ታሪኻዊ ዕማም ከተፈጽም ኣይበቓዕካን! ኢሉ ጨፍጨፎ፡ ኣሰሮ፡ ኣድከዮ፡ በታተኖ። ኣብ’ታ ንእሽቶይ ኣስቃጥላ ኤርትራ ተዓሺጉ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከኣ፣ ኣለኹ፡ ርኣዩኒ፡ ስምዑኒ! ንምባል በዘሎ የማነ ጸጋሙ ኵናታት ጻሕተረ። ተገዳስነት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ንምስሓብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ፈቐዶኡ ኣቈምን ኣዋፈረን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነታ ብቐደሙ ድኻ ኤርትራ ክሳብ ዓጽመ ኣንጉዓ መጸያ። ዓለም ግን ኣይተገደሰትሉን። ኢሳያስ፡ ህይወቱ እኩብ ድምር ፍሽለታትን ዝመሎቑ ዕድላትን ኴይናቶ ናብ ጽሉል ኣረሜናዊ ቀታሊ ተሰጋገረ። እንሓንሳብ ክድንግጸሉ’ዶ ክጸልኦ ምውሳን ይሽግረኒ እዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ዝጸልኦምን ዘደንግጹንን ግን እቶም ነቲ ሰብኣይ ከይተረድኡ ሆ ዝብልሉ ደናቑርን፣ እቶም ተፈዲኡዎም ክነሱ ገና ዘገልግሉዎ ድኹማትን ነፍሰ ኣሕሰርትን (masochists) እዮም። ኢሳያስ መን’ዩ? ናበይ ገጹ’ኸ ይጎዓዝ ኣሎ? ንምርዳእ ክንዲ ሓንጎል ደርሆ እትኣክል ሓንጎል፡ ክንዲ ጣፍ እትኣክል ሓቦ፡ ክንዲ ስርናይ እትኣክል ሕልና ጥራሕ ትኣክል። እቲ ሰብ፣ ሓንጎሉን ጠባዩን ሜላታቱን ሓያሎ ሻዕ ኣርእዩና’ስ፡ ሕጅ’ስ ብቕጽበት ክንርድኦምን ክንምክቶምን እዩ ዝግብኣና ዝነበረ። እቲ ብሜላት ኢሳያስ ምትላልና ድማ ርቐት ኢሳያስ ዘይኮነስ ድኽመት ኣእምሮና እዩ ዝእምት።

 

 

 

 

እስከ ነቶም ገና ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ንዝኾነ ንኢሳያስ ዝተቓወመ  ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝጻረፉ ንመልከት። እቲ ኣምር ‘ዓጋመ’፡ ካብ ዓይኒ ኤርትራውያ ንምልእቲ ትግራይ የጠቓልል። እሞስ ንጎይትኦም’ውን ይጸርፍዎ’ዶ ኣየለዉን?  እዚ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ክስራሕ ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዝሰርሕ ግርግቢጠ ግርንቢጣት እዩ። ኢሳያስ’ከ ነዚ ግርንቢጣዊ ምስትንዓቕ መቦቈሉ’ዚ ከመይ ይጾሮ? ንኢሳያስ ዝኾነ ንጊዜኡ ዘገልግሎ ሜላ ቅቡል እዩ። ንእኖኡ ምጽራፍ ንእሽቶይ ናብ ሸቶኡ ዝደፍእ እንተዄንዩ፡ ንኖኡ ዝጸርፍ ንሱ ቀዳማይ ም’ኾነ። ዓቀይቶቱ ‘ዓጋመ’ ቢሎም እንተተጻረፉ ከኣ ንዕኡ፡ ንጊዜኡ፡ ዝያዳ ኤርትራዊ የምስሎ። ነቶም ተጻረፍቲ ከኣ ዝያዳ ኤርትራውያን የምስሎም። ካብ ኵሉ ድማ ‘ዓጋመ’ ኢሉ ዘየሎ መፈራርሒ ጸላኢ ይፈጥር።

ኣብ ሓንቲ ተራ መዓልቲ ሓደ ተራ ሰብ ገለ ዓሰርተ ሽሕ ርእሰቃላትን ኣርባዕተ ሽሕ ዓንቀጻትን ከምዝጥቀም ሊቃውንቲ ስነዘረባ ይግምቱ። ካብዚኦም ከኣ፡ በሕጊ ሰዋስው ከም ፍትወቱ ኣገማጢሉን ሓዋዊሱን፡ ክሳብ ሽዱሽተን ፈረቓን ቢልዮን ናይ ሓሙሽተ ቃላት ፍጹምሓሳባት ክሰርሕ ይኽእል። ‘ተድኣ ንሓንቲ ፍጹምሓሳብ ክብል ሓሙሽተ ክልኢት ወሲድሉ፡ ነቶም ኵሎም ክሰርሖም ዝኽእል ፍጹምሓሳባት ክብል ሓደ ሚልዮን ዓመታት ምወሰደሉ። ሓደ ሰብ፡ ክሳብ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሕ፡ ክሳብ ሓሙሳ ሚልዮን ቃላት ብከናፍሩ ይሓልፉ። ንዓቕመ ሄዋን ዝበጽሐት ሰበይቲ ድማ ድሮ ሚእትን ሓሙሳን ሚልዮን ቃላት ተዛሪባ ኣላ። ኢሳያስ ግን ንምሉእ ቋንቋ ሰዓብቱ ናብ ሓንቲ ቃል ከምዝጽሞቕ ገቢሩ ኣሎ። ‘ዓጋመ!’ እሞ ንሱ ንዓርሱ ‘ዓጋመ’ ክነሱ! ኢሳያስ ኣይምትሃታዊን’ዶ!  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ‘ዓጋመ’ ናይ ኵሉ ክምለስ ዘይከኣል ሕቶታት መልሲ፣ ናይ ኵሉ ክሕተት ዘይከኣል ሓተታ፡ ሓተታ፣ ናይ ኵሉ ክግለጽ ዘይከኣል ተርእዮ መግለጺ ኴይና። ብሓንቲ ቃል ዝቈመት ምልእቲ ቋንቋ። ‘ዓጋመ’ ትኣምራታዊት ምህዞ ኢሳያስ እያ። ምናልባት ሲ.ኣይ.አይ. ጥራሕ’ያ እንተተወዳደረታ።

ኢሳያስ ግን ሓደ ወይ ክልተ ሽግራት ኣሎዎ። ቀዳማይ፣ እዞም ምህዞታት እዚኣቶም ቈንቝኖም እዮም። ብዙሕ ሰብ ከኣ ካብ ቃላዊ ጽበቶም ወጺኡ ንተአርእዮታት ብጭብጥታትን ሰነመጎትን ኣወሃሂዱ ደጊሙ ክትንትንን ክረዳዳእን በቒዑ እዩ። ካልኣይ፣ እቲ ቀደም፡ ብቋንቋ ሓንቲ ቃል (ዓማ! ኣብ ግብሪ! …) ዝዋስኡ ዝነበሩ ዓቀይቶቱ ኣቐዲሞም ብምሉእ ቋንቋ ሓሳባቶም ክገልጹ ዝነበሩ’ሞ ድሓር ቋንቋኦም ዝተሓድጎም ነበሩ’ሞ ንቑሕን ዘይንቑሕን ዝካሬ ናይ ምሉእ ቋንቋ ነቢሩዎም። ይውሓድ ይብዛሕ ከኣ ምሁራት ነበሩ። እዞም ናይ ሕዚ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ተዛረብቲ ግን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ዝዓበዩ እዮም ነቲ ንቡር ምሉእ ቋንቋ ኣይፈልጥዎን፡ ኣይሰምዕዎን፡ ኣይተማሃርዎን፡ ኣየንበብሉን፡ ኣይደረስሉን፡ ኣይዘመሩሉን፡ ኣይቐነዩሉን። ነቲ ምሉእ ቋንቋ ኣይዝክርዎን። እቲ ምሉእ ቋንቋ ናብ ሓደ ክልተ ናይ ጽልእን ምትላልን ቃላት ተጸሚቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃላት እዮም ዓብዮም። ቃል ኢሳያስ ጥራሕ ደጕሖም እዮም ዓብዮም። ኣብተን ብሕትቱዋት ሒደት ቃላት ከም ድላዮም ክገላበጡ እቲ ብቕዓት የብሎምን። እቶም ቃላት ፈለማ እንክመሃዙ፡ ካብ ዓይኒ ፕሮፓጋንዳ ተራእዩ፡ ኣገረምቲ ነቢሮም። ዳግማይ ምምሃዞም ግን ናብ ተራ ጥራጥ ቀዪሩዎም። ጻልጣ ድምጽን ክፉእ ሽቶን! ንመጠረስትኡ ከኣ ነቶም ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝተጻረፉ መዓኮር መዓኮር ክጅልጦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እታ ኩርማጅ ኣብ መንደቕ ገዝኡ ተሰቒላ ኣላ። አረ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ’ስ ካብ’ቲ መንደቕ ዝወረደት ትመስል።

ዳንኤል ተስፋይ

ጀርመን

08.11.2013

ብሕዱርጓሂልባ እናተጎድአትትነብርወላዲት

$
0
0

ኤርትራዊት ወላዲት፡- ከም ኩለን ኣዴታት ምስ ውላዳ ዘለዋ ጽኑዕ  ምትእስሳር፡ ስጡምን ዘይፍንቐቕን ዝምድና፡ ባህሪ ዝዓደላ ፍሉይ ጸጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብኣውርኡ ድማ እቲ ካብ ምዓሙቕ ልባ ዝፈልፈለ ዘይዛሪ ዘይነጽፍ ፍቕርን ልውሃትን ኣብ ልዕሊ ውላዳ፡ ቀንዲ መለለይኣ’ዩ።

ሓንቲ ኣደ፡ ድቂ  ክትሕዝ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝግለጽ ምጽልላኣትን ድኻማትን’ካ እንተሃለዋ፡ በቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ምዉቕ ደስታ ተደሪኻ ነቲ ባህ ዘይምባል ስምዒታትን ቃንዛታትን ትስዕሮ። ካብዚ ግዜ’ዚ ኣትሒዛ ድማ፡ ብዛዕባ ውላዳ ክትሓስብን ምስኡ/ኣ ክትዛነን ክትስሕቕን ትጅምር።

ወላዲት ብባህርያቱ፡ ድሕነት ውላዳ ምስ ድሕነታ፡ ጥዕና ውላዳ ምስ ጥዕናኣ፡ ብቐንዱ ድማ ሂወት ውላዳ ምስ ሂወታ ዝተታሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ንስለ ነብሳ ዘይኮነስ ንስለ ውላዳ ክትብል’ያ ትነብር ንምባል ዘዳዲ ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ፡ ወላዲት ናይ ሂወታ ጉዳይ ድሕሪ ውላዳ ሰሪዓ፡ ውላዳ ከይበኪ ከይጠሚ ከይሓምም፡  ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ፡ ክትኣልዮን ክትከላኸለሉን፡ ኩሉ ዘድልዮን ዝጠልቦን ነገራት ዓቕማ ብዘፍቅዶ ክትምልስን፡ ብትብዓት ትዳሎ።

ኤርትራዊት ወላዲት፡- ነቲ ተፈጥሮ ዝጎንዓላ ረዚንን ፍሉይን ሓላፍነት ብሓበን ተቐቢላ፡ ውላዳ ብኣካላዊ  ስነ-ኣእሙራዊ ዝተማለአ ጥዕና  ተኾስኪሱ ክዓቢ ትጽዕር። ምስ ሕ/ሰቡ ዘዋሃህድ አሩም ጠባያት ስነ-ስርዓትን ልዙብ ባህርያትን ከዕኩኽ ትጽዕት። ክንድቲ ኩነታታ ዘፍቅደላ ድማ ትምህርቲ ኣቕሲማ መልሚላ፡ ድኻማ ብዘይ ምጽብጻብ ኣብ ዝብጻሕ ከተብጽሖ/ሓ፡ ትቃለስ። ካብዚ ከም ወላዲት ብሃረርታ ትጽበዮ ዓስቢ እንተሎ፡ ዕምበባን ፈረን ውላዳ ክትርኢ ጥራይ እዩ።

እንተኾነ ግን፡- እዛ ሕማቕ ዕድል ዘጋጠማ ኤርትራዊት ወላዲት ፡ ዕምበባን ፍረን ደቃ ክትርኢ፡ ጻማ ጻዕራ ብደስታን እፎይታ ክትክፈል ሲ ይትረፍ፡ ብሰንኪ ቆልዑ ምውላዳ ጥራይውንያ፡ ኣምሰያ ናይቲ ኩሉ ባህግታታን ሃረርታኣን ብምረት ክትሓዝንን ብዕምቆት ካብ ውሽጣ  ክትደምን ገይርዋ’ዩ ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ፡  እዛ ርህርህቲ ወላድ፡ ካብ ሂወታ ኣብሊጻ እትፈትዎምን ተፍቅሮም ደቃ፡ በቲ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ካብ ሕቕፎኣ ተመንዚዖም፡ ከም ኣብ ዘይመሬተን ዝተረኽባ ከብቲ ተዘሪዖም ከኸዱ ከለዉ፡ ተተመሊሶም ክኣ ንወለዶምን ገዘኦምን ግልጽ እናበሉን እናበኸዩን ካብ ገጻ ክኽወሉ ክለዉ፡ ከብዲ ወላዲት ንዝፈልጥ ክንድምንታይ ምረት ከምዝስማዓ ስዉር ኣይኮነን።

ኤርትራዊት ወላዲት፡ ከብዳ ሓቒፋ ካብ እትሓድር ነዊሕ እዋን ኮይኑ’ዩ። መንእሰያት ሃገርና ናብ ሓደጋ  ክጋለጹ ካብ ዝጀመርሉ ግዜ ፡ደሃይ ደቃ ኣብ ዝሰኣነትሉ እዋን ቀልጢፉ ኣብ ኣእምሮኣ ዝቕልቀላ ነገር ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-

  • “እንታ እዞም ደቀይሲ ዳሃይ እምበር ኣጥፊኦም፡ ተኣሲሮም ደኾን ኮይኖምዮም” እናበለት፡ ኣብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝረኽብዎ ጸበባን መከራን ተኣሊኻ፡ ኣካላቶም ብዘሳቒ ኣገባብ (ብሄሊኮፕተር) ተቐፊዶም እናተጋፍዑን እናተቐጥቀጡ ዝረኽብዎ ኩሉ ዓይነት ስቓያት ክረኣያን፡
  • ስግረ-ዶብ ንምሕላፍ ክፍትኑ ተረኺቦም ብምባል፡ ብጥይት ተወቒዖም ወዲቖም ሂወቶም ክሳብ ትሓልፍ፡ ቅድሚ ሞት ዘሎ ስቓይን ብምረት ክስማዓ፡
  • ብለይቲ ክሃድሙ ብኣዛብእ ተኸቢቦም፡ ኣእውዮም ዝረድኦም ብምስኣን  ኣብ ትሕቲ ርህራሀ ስጋ ዝቕለቦም (እንስሳ) ኣዛብእ ወዲቖም ክገናዘይሎም ከለዉ ዝስመዖም ጭንቂ፡ ኣብ ኣእምሮኣ ክዘውር ክሓድር፡
  • ብድኻም ጽምኢ ጢመት ኣብ ሳሃራ ኣብ ትሕቲ ጻሓይ ተደርብም፡ ብዕስለ ኣሞራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ደቓይቕ ኣዕጽምቶም ጥራዩ ክተርፍ ኣብ ቅድሚኣ ክድቀን፡
  • ከም ከብቲ ብሸየጥቲ ሰብ በደውይን ተኾብኪቦም ናብ ደምበ ማሕረዲ ክዳጎኑን ኣብ ትሕቲ ርህራሄ ካራ ክስጥሑ፡ ሕሱም ድራማ ኣብ ሓንጎላ ክሕምብስ፡
  • ኣብ ባሕሪ ተኸስኪሶም ዓሳታት ክመናጠልሎም ከለዉ ዘርኢ ዘስካሕክሕ  ምርኢት፡ ኣብ ርእሳ ክምርሽን፡……. ወዘተ………

ብለይቲ ብሕማቕ ሕልሚ ክትርዕድን ክትሽበርን መሬት ይወግሓ፡ ቀትሪ ድማ ብሕሱም ሻቕላን ጓህን ኣንጀታ ሓሪሩ፡ ኣፋ ዓቢሳ ደም ክትነብዕ ትውዕል ኣላ።

እቲ ብዕለት 3 10 2013 ኣብ ደሴት ኢጣልያ ላምፐዱዛ ዝተረኽበ ናይ መንእሰያትና ከቢድ ህልቂት፡ መርኣያ ናይቲ ህዝብና ብሓፈሻ ዘሕልፎ ዘሎ ዝላዓለ ምረት’ዩ።  እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና፡ ኣዴታት ምስ ህጻውንተን፡ ብጹሓት ነብሰ-ጾራት፡ ዝተረኽበ ኣሰቃቒ ጁምላዊ ቕዝፈት፡ ንወለዶምን ቤተሰቦምን ብቕንዱ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ድማ ብጠቕላላ፡ ብምረት ዘሕዘነ ተረኽቦ ክኸውን ከሎ፡ ብሃገር ደረጃ ምስ ዝረአ ድማ ናይ ህዝብና ኣዝዩ ከቢድ ክሳራ እዩ።

እቶም ኩሎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከምዚ ሓደጋ ወዲቖም ዝጠፍኡ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ንዐኦም ብንዮው ይቀበሎም፡ ንወለዶምን ቤተሰቦምን ጽንዓት ይሃብ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ድማ ጠሊ ይግደፉ።

ምረት ተረኽቦ ላማፐዱዛ፡ ዝጸመመ እዝኒ ዓለም ክኹሕኩሕ ክኢሉ። ነቲ ኣፍካ ክትዓጹውን ዓው ኢልካ ከይትበክን ከይተተንፍስን ዝእግድ ቀትዒ ዝሓለፈ ጨካን ህግደፋዊ መርሆ፡ ህዝብና ክጥሕሶ ኣኽኢልዎ’ዩ። ስለዚ ኽኣ ህዝብና ሓቢሩ በኽዩ ሓቢሩ ሓዚኑ’ዩ።

ብፍላይ ክኣ ነተን ብኣረሜናዊ መርሆ ህግደፍ ዓሚቕ ጓሂ ዘሕደራ ወላዳት ውሽጠን በብዝሓደሰ ተረኽቦ እናተጎድኣን እናቖሰላን ዝነብራ ኣዴታት፡ እዚ ከቢድ ናይ ደቀን ጃምላዊ  ቅዝፈት ኣዝዩ መሪር’ካ እንተኾነ ሓቢረን ብምብካየን ብምሕዛነን ግን ነቲ በብእዋኑ ተኣኪቡ ኣብ ውሽጠን ዝተኣጀለ ስነ-ኣእሙራዊ ቃንዛ፡ ኣብ ሓባራዊ በጮቕታ ኣብጺሑወንዩ ።

“ሓቢርካ ጸበባስ ኣሳትያ ጸባ” ከምዝባሃል ሓቢርካ ኣውያት ካብ ተበጽሐ ሓቢርካ መኸተ ናቱ ባህርያዊ መቐጸልታ እዩ።

ሎሚ ኣብዚ እዋን፡- ህዝብና ከም ብሓደ ከቢድ ብረድ ዝተሻቖጠ ዕሙር ኣብ ፍረ ዝበጽሐ ዘራእቲ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ብከቢድን ዘየናሕስን በረድ ዝተቐጥቀጠ ዘራእቲ፡ ጫሌዳታት ኣውጺኡ ዝወደቐ ድማ ምሬት ብምምርኳስ ጠጢዑ ዘርኡ ንምምላስ ዕድል ክረክብ፤ ካብዚ ሰብ መሲሉ እናተመላለሰ ዘርእን ዘራእትን ሃገርና (ህዝብና) ዘጥፍአ ዘሎ ጽላኢ(ህግደፍ)  ክንከላኸል፡ ንስለ ህልውናና ክንምክት ግዜ ዘይህብ ኣፈርክቡ በጺሑ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

ብዚ ኣጋጣሚ ንኹለን ኤርትራውያን ኣዴታት መጸዋዕታ ከመሓላልፍ ይደሊ።

ኣዴታት ሃገርና ከም ኩለን ኣዴታት ንስለ ድሕነት ደቅኽን ኩሉ ዋጋ እትኸፍላ ኣዴታት ኢኺን። ወላ’ካ በቲ እከይ ፍሕሶ ህግደፍ ጃጂኽን ትሕቲ እግሩ ከምትእሰራ እንተገበረ፡ ደጊም ይኣክል፡ ብኽያት ፍታሕ ኣየምጽእን’ዩ ዓይንኽን ክፈታ። ልቢ ሓድሕድ ኣጥሊልክን ብሓባር ተላዓላ። ፍሕሶ ህግደፍ ኣብ ምብታኽን ንደቕኽን ኣብ ምክልኻልን መኸተ ደውላ ዝኽፈል ዋጋ ክፈላ። ዓለም ድሕሪ ደቅኽን ዓለምክን ኣይኮነትን ኣብቂዓ’ያ። -

ዋልታ ደቅኽን ንስኽን ምዃንክን ኣሚንክን ንድሕነት ውላድክን ግጠማ፡ ሓራስ ነብሪ ኩና። ነብሪ ሓንቲ ብጻዕራ ደቃ ተዕቢ ኣብ ነብሳ ትተኣማመን እንስሳ’ያ ። ከም ወላዲት መጠን ድማ ደቃ ብጸላኣቲ ከይጥቅዑ ዘለዋ  ዓቕማ ብምጽንቃቕ ትከላኸል ውላዲት እያ።

ኤርትራውያን ኣዴታት ድማ ኒሕ ተዓጢቕክን ታሪኽ ዕየያ። ቅድሚ ደቕኽን ደው በላ። ጓለይ  ወደይ ቅድሜኹም ኣነየ በላ። “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ እዩ”

ኑራ ሑሴን

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን (ውልቃዊ ትዕዝብቲ) ታደሰ ኪዳነ –በርሚንግሃም (6ይ ክፋል)

$
0
0

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

                     6ይ ክፋል         13/11/2013

 ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

እዚ መደብዚ ብተኸታታሊ ክወጽእ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብ ሓሙሻይ ክፋል ምስ በጽሐ ንኹሉ ኤርትራውን ዓለምን ዘሕዘነ ትራጀዲ ደሴት ላምፐዱዛ ስለ ዘጋጠመ ንግዜኡ ተቋሪጹ ጸኒሑ። እቲ ፍጻሜ እንተላይ ንደገፍቱ ብልቢ ዘሕዘነን ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይቲ ስርዓት ዝቐልዐን ኢዩ። ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሃዋህው ድሕሪ ሕጂ ሓንሳብ ንሓዋሩ ተቐይሩ ኣሎ። መራሒ ስርዓት ህግደፍ፣ ‘ዝተባህሎ ዘይገበረ፣ ወይ ድማ ክገብሮ ዝግበኦ ዘይገበረ ብሞት ክቕጻዕ ኣለዎ’ ዝብል ናይ ዓቕሊ ጽበት ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ’ውን ይስማዕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሳንዱቕ ሬሳታት ደቁ ኣብ ተለቪዥን ብማዕዶ እናረኣየ፣ ናብ መሬቱ ኣምጺኡ ክቐብሮም ወይ ከይዱ ክፋነዎም ኣይከኣለን። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ “ሳንዱቕ ሬሳ ደቀይ እነሆ ኣብቲ ማዕዶ፣ ንሱ ኣይመጸኒ ኣነ ኣይኸዶ፣ ምጻሩ ስኢነ ወሪዱኒ ጋዶ!” ዝተባህለ።  እዚ ፍጻሜ’ዚ እምበኣር ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ነጥበ መቐይሮ ኢዩ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ክፋላት እዚ ንሃገርና ናብ ገደል ዝመርሓ ዘሎ ጠላም ጉጅለ ብስውር ናይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍልልይ ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰረተ እምነቱ ገይሩ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ፣ እቲ ቀደም ስዉር ዝነበረ፣ ሎሚ ብቕሉዕ በብናቱ መዛረቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ንመሰረታዊ ክብርን ፖለቲካዊ ባህልን ህዝብና ይፈታተኖ ከም ዘሎ ገሊጸ ነይረ። እዚ ጉዳይ’ዚ ምስቶም ‘ናትና ኢዮም’ እንብሎም ጥራይ እነዕልለሉን እንተሓማመየሉን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፣ ብጋህዲ ክንዛረበሉ ስለዝግባእን፣ ብኸምኡ ጥራይ ከኣ ፍልልያትና ከነጽብብን ዝነበረ ባህሊ ኣቦታትና ክንመልስን ይግባእ ዝብል መበገሲ ኣለዎ። እዚ ዝጸንሐ ምትሕምማይ ንነገራት ከጋፍሕ እምበር ከጽብብ ኣይተራእየን። ስለዚ ከኣ ኢየ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ኣብ ቃልዕ ክዛረበሉ ዝመረጽኩ።

ብዘይካ‘ዚ ምቛም ኣውራጃታት ኤርትራ፣ መግዛእቲ ጥልያን ንምምሕዳሩ ብዝጥዕም መንገዲ ካብተን ዘቖመን ናይ ምምሕዳር ማእከላት ብዝህልዎ ቅርበት’ምበር፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምትርማስ መሰረት ዝኽውን ከምዘይነበረ፣ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ። ኣዚ ሕጂ ዝገልጾ ዘለኹ’ውን ‘ንእሽቶ ጫፍ ናይቲ ዓቢ ሕማም’ ምዃኑ ገሊጸ ኢየ።

ከም መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዝገልጾ ትዕዝብተይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ከም ኣባል ናይ ሓንቲ ዋህዮን ኣባል ሓፋሽ ውድባትን ዝነበረኒ ትዕዝብቲ፣ ነቲ መሰረታዊ ባህላዊ ክብርታት ህዝብና ከመይ ኢሉ ከም ዝተፋሕቘን፣ ክብሪ ናይቶም ‘ወራዙትን ዓበይቲ ዓድን’ ዝተፈጸመ በደል ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዝነበረ ስርዓተ ምምሕዳር ናይቲ ዓዲ ከም ዝፈረሰ ጽሒፈ ነይረ። ንኩነታት ናይቲ ዓዲ ድማ ኣብ 4 ከፊለ፣ ብዛዕባ’ተን ቀዳመይትን ካልኣይትን ነጥብታት ተዛሪበ ነይረ። በዛ ትቕጽል ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም ነይረ።

“እታ ኣብ ንእስነተይ ኣብ ማእከል’ታ ዝተወለድኩላ ዓዲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ለባማትን ሽማግለታትን ክትፍጸም ዝረኣኹዋ ዘለፋን ተነጽሎን፣ ኣብ ገድሊ ምስ ከድኩ’ውን መልክዓ ቀይራ ኣብ ልዕሊ’ቶም ‘ምሁራትን በላሕትን ኢዮም’ ዝበልዎም ተጋደልቲ፣ ‘ዝምቡላት ኢዮም’ ተባሂሎም ክንቀፉን ብብጾቶም ጽሉኣት ንምግባሮም ብዙሕ ተንኮላት ክፈሓሰሎም’የ ተዓዚበ።”

… መቐጸልትኡ ይስዕብ →

3. ምትእትታው ሓድሽ ስርዓተ-ምሕደራ፦

እቶም ኣባላት ህ. ምምሕዳር ከይደንጐዩ፣ ንናይ ከተማ ምምሕዳር ብዝመሳሰል መንገዲ ንብምልእታ እታ ዓዲ መቓቐሊማ፣ ነቲ ዝተመቓቐለ ዞባታት ድማ ‘ማሕበረ-ኮም’ ዝብል ስም ተዋሂቡዎ። እቶም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ፣ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ነበር መንእሰያት ደቂ‘ቲ ዓዲ፣ ሽዑ ድማ ኣባላትን መራሕትን ናይተን ውሽጢ ውሽጢ ዝባዝሓ ዝነበራ ዋህዮታት፣ መራሕቲ ናይተን ሓደስቲ ማሕበረ-ኮማት ከም ዝኾኑ ተገይሩ። ዝኾነ ናይ ምምሕዳር ተመክሮ ስለ ዘይነበሮም ድማ ናብ ኳደረ ተቐይሮም፣ ኣተግበርቲ ትእዛዝ ናይቶም ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ጥራይ ኮይኖም። እቲ ለዋህ ህዝቢ ድማ “ኣብ ውግእ ጀጋኑ ኢዮም፣ ምምሕዳሮም ግን ኣይግድን” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገብሮ ነገር ኣይነበሮን። ብፖለቲካዊ ኣጠማምታ ግን ‘ኣብ ድነ ወታደራዊ ጅግንነት፣ መሰረታዊ ክብርታት ናይቲ ህዝቢ ዝተፋሕቆሉ’ እዋን ኢዩ።

እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነዊሕ’ኳ እንተዘይጸንሐ፣ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ከኸትል ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ብኡ ንብኡ ድማ ‘ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ኢዩ’ ዝብል ጎስጓስ ጀሚሩ። እቲ ዝትከል ህዝባዊ ባይቶ፣ ካብ ኩለን ማሕበራውያን ሓይልታት ማለት መንእሰያት፣ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ሓረስቶት ወዘተ ብዝውክልዎም ሰባት ከም ዝቐውም ድማ ተነጊሩና። እዚ ኩነታት’ዚ ከኣ ኢዩ፣ ነቲ ድሮ ክግንፍል ጀሚሩ ዝነበረ ስምዒት ህዝቢ ዝደበሶ። ድሮ’ውን ካብ’ቲ ብስም ደቡብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ከባቢ – ኣብ ደቀምሓሪ፣ ካብ ሰሜን ድማ ኣብ ዛግር፣ ‘ህዝባዊ ባይቶታት ተተኺሉ ኣሎ’፣ ስለ ዝተባህለ፣ ንሕና’ውን ተኻፈልቲ ናይቲ ስልጡን ምሕደራ ክንከውን ብሂግና።

  1. ፖለቲካዊ ጎስጓስ፦

እዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ መዳዩ ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ምስዚ ኣተሓሒዘ’ውን ብዛዕባ’ቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። እቲ እዋን ዓለም ኣብ ክልተ ስነ-ሓሳባዊ ደምበ (ideology) ተመቒላትሉ ዝነበረት እዋን  ኢዩ። ዳርጋ ኣብ ኩለን ናይ 3ይ ዓለም ሃገራት፣ ንክልሰ-ሓሳብ ማርክሰ-ለኒናዊ ፍልስፍና ከም ሓደ መንገዲ ሓርነትን፣ መደያይቦ ናብ ዴሳዊ ዓለምን ዝስበኸሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። “ሕብረተ-ሰብኣዊት ኢትዮጵያ” እውን፣ ከም ኣካል ምንቅስቓስ ናይ 3ይ ዓለም፣ ናይ በዓል ማኦን ማርክስን ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተርጒማ ትዝርግሖ ነይራ ኢያ። በዚ ድማ ዝኾነ ኣንቢቡ ዝኽእል መንእሰይ፣ በዚ ዴሳዊ (ሓሳባዊ) ክልሰ-ሓሳብ ክጽሎ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ዝያዳ ኩሉ ንኣቓልቦይ ዝሰሓቦ ግን እቲ ብሓደ ‘ጸጋይ ከኒሻ’ ዝተባህለ፣ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ንገለ ካብቶም ኣብተን ዋህዮታት ዝነበርና መንእሰያት፣ ብጸልማት ዝወሃበና ዝነበረ ትምህርቲ ኢዩ። ጸጋይ ብዛዕባ ዴሳዊ ዓለምን ናብኡ ዘብጽሕ ናይ ተራድኦ ናይ ሕርሻ ማሕበራትን ክገልጽ ከሎ፦

“ድሕሪ ናጽነት ህዝባዊ መንግስቲ ኢና ክንተክል። ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዓዲ ድማ

ህዝባዊ ባይቶታት ክዕምብባ ኢየን። ኣብተን ዝቐማ ባይቶታት ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ይህልዋ። ሓንቲ ካብኣተን ናይ ቁጠባ ኮሚተ ኢያ። እዛ ኮሚቴ’ዚኣ ነተን ኣብታ ዓዲ ዝቖማ ናይ ሓረስቶት ናይ ተራድኦ ማሕበራት ተወሃህድ። እዚ ማለት ድማ ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ሓረስቶት፣ ብማሕበር ተጠርኒፎም፣ ብዕራይ ዘለዎ ብብዕራዩ- በዓል ጉልበት ድማ ብጉልበቱ ተወሃሂዶም፣ ነቲ ኣብታ ዓዲ ዝርከብ ዝሕረስ መሬት ብሓባር ሓሪሶም፣ ኣብቲ ዓዲ እኹል ዝብላዕ ምህርቲ ከም ዝህልው ይገብሩ። እቲ ማኣከላይ መንግስቲ ድማ ክኢላታት ኣብ ምስልጣን ይተሓጋገዞም። ነቲ ብሓባር ጽዒሮም ዘፍረይዎ ምህርቲ፣ ኣብ ዓበይቲ መኻዚኖታት ከምዝእከብ ይግበር። ስድራ-ቤታት ናይታ ዓዲ ድማ ከከም ብዝሒ ኣባላተን ዝኣክል መቑነን ይዕደላ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን  ዘሎ ፍልልይ ጠፊኡ ማዕርነት ናይ ኩሉ ዜጋ ዘረጋግጽ ማሕበርነታዊ ስርዓት ይትከል። በብቑሩብ ድማ እቲ ድሑር መስፍናዊ ዝኾነ ኣገባብ ማእቶት፣ ብምዕቡል ማሺነሪ ተሓጊዙ፣ ብውሑድ ጉልበት ኣኺሉ ዝተርፍ ምህርቲ ይሕፈስ። ምዕቡል ተክኖሎጂ ዝወነነት ኣብ ማሕበርነት ዘላ ሃገር ድማ ብቐሊሉ ናብ ዴስነት ትሰጋገር።

“እዚ ኣገባብ’ዚ ዘይርእሰ-ማላዊ ኣገባብ ምዕባለ ይበሃል። እዚ ማለት ድማ” ይብል ንሱ

“ዝኾነ ሕ/ሰብ ፊልመ-ዴስነት፣ ጊላነት፣ መስፍንነት፣ ርእሰ-ማልነት፣ እናበለ ክሳብ   ማሕበርነት/ዴስነት ይምዕብል። ንሕና ኣብ መስፍነ ር/ማላዊ ስርዓተ ቁጠባ ዘለና ናይ 3ይ ዓለም ሃገራት ግን፣ ናብ ር/ማልነት ከይደየብና ብቐጥታ ኢና ናብ ማሕበርነታዊ ስርዓት ንድይብ። ምቛም ህዝባዊ መንግስቲ ብደረጃ ሃገር፣ ምቛም ህዝባዊ ባይቶታት ድማ ብደረጃ ዓዲ ነዚ ዝሕግዝ መሳልል ኢዩ።”

… ክብል ኢዩ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ተጋዳላይ ጸጋይ (ከኒሻ) ዝመሃረ። ነዚ ትምህርቲ’ዚ ዝመሃረ ጸጋይ፣ ካባና ናብ ቤት-ትምህርቲ ካድር ከም ዝኸደን፣ ካብኡ ድማ ምስ ብጾቱ ብጥርኑፍ ናብ ኲናት ባጽዕ 1977/78 ከም ዝተወስዱን፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ውግእ ከም ዝተሰውአን ብወረ ሰሚዐ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ልቢ ዝርስርስ ኣስተምህሮ፣ ኣብቶም ዘይበሰለ ኣእምሮ እንውንን ክቱር ባህጊ ፍትሕን ማዕርነትን ዘለና መንእሰያት ዘሕደረልና ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን። ምምስራት ህዝባዊ ባይቶ እምበኣር፣ መተካእታ ናይቲ ‘መስፍናዊ’ ዝተባህለ ናይ ሚስለነን ጭቃን ስርዓተ-ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነ፣ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ናብ ‘ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ማሕበርነትን ዘሰጋግር መሳልል ኢዩ’። ብኸምዚ ከኣ ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል  ምቅርራብ ተጀመረ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ንጽባሒቱ ምሽት መገሻ ከም ዘለንን፣ ተዳልየ ክመጽእን ተነግረኒ። ንጽባሒቱ መሬት ጽልምት ምስ በለ፣ ከም ቆጸራይ ኣብቲ ዝተባህለኒ ቦታ ተረኺበ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ ወከልቲ ሓረስቶት፣ ጸቀንስትዩ ወዘተ ዝተባህሉ (ከማይ ተሓርዮም ዝመጹ) ሰባት ረኺበ። ሽዑ እቲ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር “ጽባሕ ኣብ ውጡሕ ዝበሃል ዓዲ ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ኢዩ። ንስኻትኩም ድማ ንዓድኹም ወኪልኩም፣ ኣብቲ ጽንብል ክትሳተፉ ኢኹም” ክብል ገለጸልና። ውጡሕ ኣብ ከባቢ ደቀምሓሪ እትርከብ ንእዝ ዝበለት ዓዲ ኢያ። እቶም ዓዲ ዘይወከለና ወከልቲ ዓዲ ድማ፣ በቲ ካላሽን ዝዓጠቐ ተጋዳላይ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ተሰኒና፣ ጉዕዞ እግሪ ብምሸት ተተሓሒዝናዮ። ምሉእ ለይቲ ክንከይድ ሓዲርና ንጉሆ ኣብቲ ዓዲ (ውጡሕ) ስለዝኣተና ድማ ኣጋይሽን ተኻፈልቲ ናይቲ ጽንብልን ክንከውን በቒዕና። ቀያሕቲ ዕንባባ ናይቲ ዓዲ ጽቡቕ ምርኢት ከም ዘቕረቡን፣ ጻዕዱ ዝበሃል ነዊሕ ተጋዳላይ የወሃህድ ምንባሩን እዝክር።

ድሕሪ ውጡሕ ኣብ ዓድና ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ምዃኑ ተኣማሚንና፣ ድሕሪ’ቲ መደብ ምውድኡ፣ ነታ ብጸልማት ዝገደፍናያ ዓዲ፣ ንጽባሒቱ ለይቲ፣ ብጸልማት ሰብ ከይረኣየና ተመሊስናያ። ብኸምዚ ድማ ነቶም ድሮ ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም ዝነበሩ ሚስለነ ናይቲ ከባቢ፣ ጭቃ ዓድን ወራዙት ሽማግለታት ዓድን ዝትክእ ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል ምድላዋት ተጀመረ። መዓልቲ ቆጸራ ኣኺሉ ድማ ኣንስቲ ኣጊጸን፣ ሰብኡት ኣጻዕድዮም፣ ኣጋይሽ ተዓዲሞም፣ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ዓዲ ደበልቲ ክድብሉ፣ ሰብ እምብልታ ከፋጽዩ፣ ኣጓብዝ ከበሮ ክድስቑ፣ ቀያሕቲ ዕምባባ ክዝምሩ ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጎስን ፈንጠዝያን እዋን ከኣ ኢየን ክልተ ነፈርቲ ብሰማይ መጺአን ሓዊ ክኽዕዋልና ዝጀመራ።

እቲ ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ብሰብ ኣጊጹ ዝነበረ ቅርዓት ዓዲ፣ ብሬሳታትን ብዘእውዩ ቆልዓ-ሰበይትን መልአ። እቲ ሓጎስ ናብ ሓዘን፣ እቲ ህዝባዊ ባይቶ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ተለዊጡ። ድሒረ ካብ ገለ ጽሑፋትን መግለጺታን ከም ዝተረዳእኩዎ ክሳብ 42 ምዉታት፣ ከባቢ 180 ቁሱላት ምንባሮም ፈሊጠ። ኣብ መንጎኦም መርዑ፣ ህጻናት፣ ቆልዑ፣ ኣረጋውያን ከምኡ’ውን ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓንቲ ገዛ ምንባሮም ናይ ዓይኒ ምስክር ኢየ። እቶም ግዳያት መብዛሕትኦም ደቂ ዓዲ’ኳ እንተኾኑ፣ ተዓዲሞም ዝመጹ ኣጋይሽ’ውን ነይሮሞም።

ቅድሚ’ቲ ፍጻሜ ሓደ ዓቢ ኣቦ ናብቶም ነዚ መደብ ዘከይዱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህዝባዊ ምምሕዳር ቀሪቦም “ነዚ ህዝቢ ቀትሪ ምድሪ ኣብ ቅርዓት ኣኪብኩም ንበላዒ ከይትህብዎ። ኣኼባኹም መሬት ምስ መሰየ ወይ ድማ (ስሙ ነጊሮም) ኣብ በረኻ ኣግራብ ዘለዎ ቦታ ስለዘሎ ኣብኡ ግበርዎ። ሕጂ ነዚ ህዝቢ ነንገዝኡ ኣፋንዉዎ።” ከም ዝበልዎምን፣ በቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ከም ዘይተሰምዑን፣ ብኡ ንብኡ ናብ ገዝኦም ኣምሪሖም ገና ኣብ ፍርቂ መንገዲ ከለዉ፣ እቲ ፍጻሜ ከም ዘርከበን ህዝቢ’ቲ ዓዲ ብሰፊሑ ከዕልለሉ ጀሚሩ። “ምኽርን ዘረባ ዓበይትን ዘይምስማዕ ንሱ ኢዩ ትርፉ…!” ዝብል ዘረባ ድማ ይደጋገም ነይሩ።

እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።

ኣብ 7ይ ክፋል የራኽበና

 

ገህወት ኣብ-ባፍታ፡ ደቂ ሓደ ልቢ!?

$
0
0

ገህወት ኣብ-ባፍታ፡

ደቂ ሓደ ልቢ!?

ማሕሙድ ሳልሕ

ክሳብ ሕጂ ካብቲ ልሙድ ቖይቚን ምድፍፋርን ድሒና እያ ዘላ። ኣብ ኩርናዕ ቃራና ክልተ ዓበይቲ ጎደናታት ተሓቝፋ እትርከብ ህድእቲ ካፌ እያ። እንተ ወሓደ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ እትራኸበላ ሓንቲ ጉጅለ ኣላ።። ኣባላታ ብዕድመን ተመክሮን ዝፈላለዩ ክንሶም ዝጥርንፎም ኣርእስትስ ኣይስእኑን ‘ዮም። ፍልልያቶም ከም መጻበቕን  መማቐርን መደልደልን ዝምድነኦም ይርእይዎ። ብዙሕነት ፍልልያት ሓይሊ እዩ ይብሉ። ካብ ነዊሕ ግዜ ከም ኣላዪ ‘ዛ ጉጅለ ኮይኑ ዝረአ ሰብ ኣብ-ባፍታ ይብልዎ- ብዕድመን ልቦናን ‘ዩ ዝኸውን ነታ ሓላፍነት ዝረኸባ ’ምበር ወግዓዊ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን። “ ኣብ ጀብሃ ክስለፍ ከለኹ ኣሰር ሽዳ ወድ-ዓዋተ ጌና ብንፋስ ጎላጉል ባርካ ኣይተደብየን ኔሩ” ኢሉ እዩ ዝጀሃር። ኣብ-ባፍታ፡ ዕድሚኡ ኣብ መጀመሪያ ሰብዓታት ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ብልክዕ ዝፈልጥ ግን የለን፡ ንሱ እውን ክሕተት ደስ ዝብሎ ኣይመስለንን። ኣባላት ጉጅሊኡ ከም ዓቢ ሓዎም የኽብርዎ። ኣብ መፋርቕ ስሳታት መራሕ ጋንታ (ቃእድ ፈሲላ) ሰራዊት ሓርነት ከምዘነበረ ብዙሓት ብጾቱ ይዝክሩ እዮም። ገዲም ተኻታዕን ተኸራኻርን ‘ዩ። ካብ ማእከላይ ምብራቕ ክሳብ ኣብዚ ዘለዎ ምዕራባዊ ዓለም ዘይተሳተፎ ውዕሎታት ክትዕ ውሑድ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሞራሉን ጠባዩን ተሸናጢፉ ‘ዩ። ኣብ ዝበዝሕ ግን ደሓን ኮይኑ ‘ዩ ዝወጽእ። ነገር ከም ገለ ብርትዕ እንተኢላ  ‘እንሰሓብ ጠዊል’ ‘ዩ ዝገብር። ክሳብ ዝልመን ድማ ካብ ክትዓት ነብሱ ይግልል። ሎሚ፡ ዕድመ ግዳ እናደፍአ ኮይኑ፡ ቀደም ንዝፈልጦ ሰብ ኣዝዩ ሀዲኡን ዝሒሉን እዩ። ናይ ዓለም ነገር ወዲኡስ ሕጂ ነቲ ንዓስርተታት ዓመታት ኣወንዚፍዎ ዝነበረ ጉዳይ ነብሰ-ፍተሻ ተተሓሒዝዎ ይርከብ። ስሩዕ ደኣ ኣይኹን ‘ምበር ናብ መስግድ ክመላለስ ዝረኣይዎ ‘ውን ኣለዉ። ንዕድመኡ ዝዳረግ ሃላክ ርእዩ ‘ዩ፤ ፍቅሪ ዓዱን ህዝቡን ግን ኣይበከሎን። “ህድእ ዝበለ ዕላል’የ ዝፈቱ” ይብል። ሎሚ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ፡ ቡን ሒዙ ኣብታ ፍልይቲ ኩርናዕ ኣሎ።

ኤርትራውያን ክትዕ ይፈትዉ ‘ዮም። ዝበዝሑ ክረትዑ ‘ምበር ሓድሽ ነገር ክመሃሩ ወይ ንዘለዎም ብሓድሽ ኣመለኻኽታ ዳግም ከመሓይሹን ከስተኻኽሉን ይጽገሙ ‘ዮም። ምናልባት ገለ ባእታታት ባህሊ ከይሃለዎ ኣይተርፍን ‘ዩ። ታሪኽ ገድልና ‘ውን ግዲኡ ወሲኽሉን ኣብኢስዎን ‘ዩ። ብዝኾነ፡ ኣብ መንጎ ‘ዚ ዋጭዋጭታን ጸርፍታትን ዕግርግርን ዝመልኦ ጠናስ ሃዋሁ፡ ኣብ መንጎ እዚ ምጥርጣርን ምኽሳስን ዝበዝሖ ድብን ዝበለ ግዜ ውሑዳት ይተብዑ ኣለዉ። “ ብካልኦት ዘይኮነስ፡ ነብስና ባዕልና ክንገልጻ ኢና። ናይ ካልኦት ፍርድን ቅጽላትን ድማ ናቶም ኮይኑ ይተርፍ” ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ደሓር ከኣ ብዙሕ ዘሰክፎም የለን። ኣፍ-ልቦም ነፊሖም፡ “ ልዕለይ ‘ዶ እንታይ ጌርካ ኢኻ?” ክብሉ ዝኽእሉ እዮም።

“ሰለስተ ሾት ካፑቺኖ ምስ ዘበጡላ ‘ሞ ከኣ እቲ ከም ህድእ ኢሉ ዝጀመረ ክትዕ ናብ ዋዕ-ዋዕ፡ እንሓንሳብስ ‘ውን ናብ ቴስታ ገጹ የመርሕ።  እሊ ሰኒ ኢኮን- not good” ይብል ኣብ-ባፍታ። እዚ ጠባይ እዚ ንኣብ-ባፍታ ክሉ ግዜ ምስ ኣተሓሳሰቦ ‘ዩ ኔሩ። ኣብ መንጎኡ፡ ደሓን ትእቶ  ኣስቴር፡ ጽቡቅ ሓሳብ ይመጻ ‘ሞ ንኣብ-ባፍታ ተካፍሎ። ክውል ዝበለ ካፌ ደልዩ እቶም ውሑዳት ኣዕሩኽቱ ኣብኡ ከዕርፉን ክዛነዩን ኣተንበሃትሉ። ዕድል ጌሩ ድማ ቀልጢፉ’ዩ ረኺብዋ። ጀማዓቱ ነዛ ህድእቲ ካፌ፡ “ገህወት ኣብ-ባፍታ” ሰሚዮማ።

ከተማ ዛትል፡ ብዝናብ ውርይቲ እያ። ልክዕ ከምቲ ናይ ሰሜናዊ ባሕሪ፤ ንሰሙናት ጀለም ምስ በለ እዩ። እቶም ዓማውል ናይቲ ካፌ ንበዓል ኣብ-ባፍታ ስለዝፈልጥዎም ኣብታ ዝፈትውዋ ኩርናዕ ኣይቃጸጽዎምን ‘ዮም። ኣብ-ባፍታ፡ ክሳብ ብጾቱ ዝተኣኻከቡ ናይታ መዓልቲ ዛዕባ የጻፍፍ። ድሕሪ ውረድ ደይብ ኣብ ቋንቋ ህግድፍ ይዓርፍ- ክዝርዝር ከኣ ይጅምር። ሓድነት፡ ሃገራውነት፡ ሓደ ልቢ፡ከዳዕ፡ ፍትሒ፡ ደሞክራሲ፡ ዓቅሊ ምግባር፡ እምነት ኣብ መትከል፡ ትሕተ-ሃገራውነት…… ገሊኡ ቃላት፡ ገሊኡ ሓረጋት ‘ዩ። ግን “ክሉ መጸባበቕን መኮሓሓልን ‘ዩ” ይብል። እታ ሊስታ ክትበዝሕ ትጅምር’ሞ ንሎሚ ንሓንቲ ካብአን ክርእዩ ይውስን። ውድባት ኤርትራ ነናተን ትግርኛ የማዕብላ ስለዝነበራ ኣብ ገሊኡ እዋን ሓገዝ ስቲቭ መተካእታ ዘይርከቦ ይኸውን። ክትዓቶም- ዳርጋ ዕላል ኢኻ ትብሎ- ብዘይካ እንሓንሳብ ውልዕ ኢሉ ዝሃጥም ተኸላኻልነት ዝነበርወን ውድባት። ይንዋሕ-ይሕጸር ይቑንጥወካ እንድዩ። ግን ክሉ ብህድኣት እዩ። “ዋዕዋዕ ዘብዝሕ ሰብ ሓሳቡ ኣለስሊሱ ከኾልስ ዘይክእል ‘ዩ” እትብል ብሂል ስቲቭ ዳርጋ ከም መትከል ወይ ሕጊ ‘ዮም ወሲዶማ።

ኣባላት እታ ጉጅለ በብሓደ ክተኣኻኸቡ ጸኒሖም። ንሎሚ ናይ መወዳእታ ኣባሎም ስቲቭ እዩ። ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ዕላል ብዘይ ቃሕሰም እዩ ድቅድቅ ዝበሎ- ናይዞም ሰባት ውህደት የገርም ‘ዩ። ” ስማዕ’ስከ ኣይ ሓደ ልቦም ስለዝኾኑ እንድዮም persistent failure ዘርእዩ ዘለዉ- ውድቀት ድሕሪ ውድቀት፡ ኣይመሃሩን ከኣ!” በለ። ናብ ኣብ-ባፍታ ጠሚቱ ከኣ፡ ” ቀልብሆም ዋሕድ ወ ሁዋ መሪድ ያ ኣብ-ባፍታ።”  ልቦም ሓደ እዩ ንሱ እውን ሕሙም ንምባል። ስቲቭ  ኣብቲ ወርቃዊ ዕድመኡ ኣብ ጀብሀት ታሕሪር ( ተ.ሓ.ኤ) በጠሎኒ ይመርሕ ኔሩ። “እሳት-እሳት ዝሽትቱ ኣጓብዝ ’ምበር ኣታ! ዓረምረም ‘ወ”  ይብል ክተልዕለሉ ከለኻ። ክነቱጕ ‘ዩ ዝደሊ። ነብሱ ብዙሕ ዘየተዓቢ ‘ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ መጻሕፍትን ፍልስፍናታትን በሊዕዎ እዩ ክበሃል ሰሚዐ ኣለኹ። ማርክስነት፡ ሃገራውነትን መሰል-ርእሰውስነ ብሄራት፡ ፓን ኣፍሪካኒዝም……ወዘተ ዘይተንከፎ ስነ-ሓሳባት 20 ክፍለ-ዘመን የለን ክበሃል ይውረየሉ ‘ዩ። “ ነዛ ተካል መንነት ክንመልስ ዘይኣተናዮን ዘይፈተናዮን ስነ-ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ዓለም ኣሎ ድዩ? ግን ሓደ ልቢ ኢልካስ!” ኣባጫዊ ፍሽኽታ ይውርውር ናብ ኣስቴር።

“ሓቅኻ ስቲቭ፡ እዚ ቋንቋ እዚ ‘ኮ ቀደም ኣስሪሑ ‘ዩ። ኣብ ቦትኡን ግዚኡን ስለዝነበረ። ነቲ ኣሕቢሩ ናጽነት ዘምጸአ ቋንቋ፡ ሎሚ ኣክንዲ ምዕብልቲ ኤርትራ ንምህናጽ ዝጥቀሙሉ፡ ‘ግዝኡና’ ንዘይበሎም ህዝቢ ተገዚእሎም ክነብር ይጥቀሙሉ ኣለዉ። እወ። ሓደ ልቢ ንሱ እውን 68-69 ዝዓመቱ፡ ኣረጊትን ድኹምን ልቢ” ትውስኽ ኣስቴር። ኣብ ሻዕብያ ንዓመታት ዝተረጋረገት ኩርዕቲ ሰብ እያ። “ ወደሳን ትኳቦን ካልኦት ኣይጽበን እየ። ማንም ዝመልከኒ የለን፡ ዝጸባጸበንን እውን የለን፡ ኣስቴር ሓብትኻ” እያ ትብል።  ሓደ ግዜ፡ ነዛ ህዝቢ ብኣውራጃን ቤት-ክርስትያንን ክጎዛዚ ነዛ ከተማ ዘሸገረ ሰብኣይ፡ ሕማቕ መዓልቲ ወዓል ኢልዎ ግዲ ንኣስቴር ክፈታትን ‘ሞ ስም ከዕቢ ያኢ” ኣንቲ ከዳዕ” ይብላ። ኣስቴር ‘ዶ ‘ሞ ክትሓምቕ፡ “ሓደ በለለይ” በለት፡ ዓይነ-ዓይኑ እናጠመተቶ። ኣብዚ ዓዲ ብዛዕብኡ ዝዕለል ትሰምዕ ነይራ ‘ያ። ኣጠዓዒማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክትህቦ ደልያ።ሎሚ’ዶ እዚ ወዳኽ ክስልበጣ ኮይኑ።

“ ቀደም፡ ‘ ሎሚ ዘይከተተ’ እናተባህለ ዕጥቁ ሒዙ ናብ ጸላኢ ዝሰለመ መን ኮን ይኸውን፧ ኣስቴርስ ኣይትብለንን ትኸውን” ዓው ኢላ ከኣ እያ ትዛረብ- ፈሊጣ እንድያ ዘላ ። ዘየላቡ ጽፍዒት ክትህቦ ደሊያ። ንዓኣ ‘ኳ ክሳብ ሎሚ እንተዘይደፈራ፡ ንካልኦት ከበሳጩ ርእያን ሰሚዓን እያ። “ ካልተ በለለይ” በለት ሕጂ ውን ቃላት እናማዕራረየት። ሰባት ‘ውን ዕጉግ ክብሉ ስለዝጀመሩ “እዚኣ ናይ መወዳእታ knockout punch ክትከውን ኣለዋ” ሓሰበት። ኣብተን መጀመርያ መዓልታት ውግእ-ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ እዚ ሰብ እዚ ተቐባቢኡ ኣብ ኣስመራ vacation ክወስድ ጸኒሑ፡ እቲ ኲናት ምስ ጀመረ፡ እዛ ዝነብረላ ካልኣይቲ ሃገሩ ንዜጋታታ ክተውጽእ በረራታት ጀሚራስ ንሱ ምስታ ቀዳመይቲ ነፋሪት ከምእተመልሰ ትፈልጥ ኔራ። እዚኣ ዓባይ ህያብ እያ ነይራ ነስቴር። ክሳብ እታ መዓልቲ ‘ውን ንዝኸፍኤ ኣጋጣሚ ‘ያ ሒዛታ ጸኒሓ። ንየማነ-ጸጋማ ጠሚታ፡ ኣቓልቦ እቶም ዓጒጎማ ዝነበሩ ሰባት ስሒባ ከምዘላ ምስ ኣረጋገጸት፡ ነተን ንወዲ ተባዕታይ ይሃስያ እየን ዝበለተን ቃላት እናጸቀጠት ደርጎሓትሉ። “ ቅድሚ ናጽነት ጠላሚ፡ ድሕሪ ናጽነት ‘ውን ሃዳሚ! አረ፡ እታ ንጸላኢ ዘረከብካያ ብረትስ ኣይትሕተተላን እንዲኻ!?” በለቶ። ኣማእት ጨጓር-ዳንጋ ኣእሚና ተስርሕ ከምዝነበረት ዘይፈለጠ እንተነይሩ፡  ሎሚ ብዘየወላውል ክበርሃሉ ‘ዩ። ናብ ኣፉ ቅርብ ኢላ ብትሕት ዝበለ ድምጺ፡ ከምዳርጋ ናይ ዓባይ ሓብቲ ማዕዳ “ ንምዃኑ እቲ ጎልጎልሲ ሽዑን ኣብኡን እንዶ ኣይገፍሕን ኔሩ ኣብዚ ‘መሬት ኣይትጽርኒ’ ትብል ዘለኻ? ንስኻ ኔረ እንተዝኸውን ንሰባት ቅድሚ ምዝላፈይ ሰለስት ግዜ ምሓሰብኩ” በለቶ። ጌና ክትገድፎ ስለዘይደለየት፡ ሳልሰይቲ ጉስጢ ክትደሊ ጸኒሓስ ረኸበታ። ነቲ ኣብ ከነቴርኡ ተሓቲሙ ዝነበረ ናይ ዘፍቅሮ ዝመስል ሰብኣይ ስእሊ እናመልከተት ከኣ ”ሰብኣይ ‘ዶ ስእሊ ሰብኣይ ተሰኪሙ ይኸይድ ወደይ! ንሃገር ዝስቆር ድዩስ ወይስ ንውልቀ-መላኺ ዝኽድም እቲ ከዳዕ፧ ተዛረብ። መን እዩ ከዳዕ፧” ሓተተት። ድሕሪ’ዛ ግጥም’ዚኣ፡ እቲ ሰብኣይ ኣደብ ጌሩ። ሰላም ከኣ ሂብዋ። ድሕሪ እዚኣ ፍጻሜ እዚኣ እያ ኣስቴር፡ ተኽብሮምን ዘኽብርዋን ሰባት ዝራኸቡላ ካፌ ክትርከብ ኣለዋ ኢላ ዝወሰነት። ጀማዓት ኣብ-ባፍታ ‘ውን ፈትዮማን ተቀቢሎማን። ንሳ ክትዛረብ ከላ ብኣኽብሮት ‘ዮም ዝሰምዕዋ።

“ ሓደ ልቢ ኢልካስ ‘ንታይ ዘረብኡ፧” ኢላ ጀመረት። ስቲቭ ተርኡ አም ዝመጽአት ፈሊጡ ጎረርኡ ክስሕል ጀመረ።

“እዚ’ኮ ፕሮፖጋንዳ’ዩ” በለ ስቲቨ። ኣብ ሰብዓታት ምስ ካድረታት ሻዕብያ ሓኾት ተባሂሉ‘ዩ። ካብቶም ናይቲ  ግዜ ዓበይትን ሓያላትን ካድራት ሻዕብያ እና ጠቐሰ ዝወዓሎ ክትዓትን ፖሊቲካዊ ግጥማትን ክትርኽ ደስ’ዩ ዝብሎ። ኣብ-ባፍታ እውን ስለዝፈልጦ ትንታኔ ንዘድልዮም ነገራት ንስቲቭ ‘ዩ ዝገድፎ

“ ህግድፍ፡ ሓንቲ እያ ልቦም። ንሳ እውን ኣሪጋ። ጭዋዳታታ ደኺሙ፡ ሰራውራ ዓርዲዱን ብግለት መሊኡን። እዚ ዘይበሃል ግለት። ከለስትሮል በዚሕዎ። ሓኪም ምሽ ጥዑይ መግቢ ብልዑ ይብለኩም፡ እዚኦም ከክፍኡ ክምገቡ ጸኒሖም፤ ናይ ቻይና፡ ሶቬት፡ ኩባ፡ ቀዛፊ………ከክፍኡ: ባስታ!” በለ ስቲቭ ‘ሓቅኻ’ባ’ እንዳተጸበየ። ኣይሓመቑን፡ ተረዲኦሞ።

“ ሓቅኻ ኢኻ። ሓደ ልቢ ማለት’ኮ ሓደ ሓሳብ ማለት እዩ። እዋእ፡ ብውሑዱ 4ሚሊዮን ኢና ‘ኮ ንበሃል። ናይዞም ሚልዮናት ልብታት ወይ ሓሳባት ከ ኣበይ ኣሎ ክብሉና እዮም? ብኣተሓሳስባኦምስ ዳርጋ ከምቲ ናይ ኣባጊዕ ማለት እዩ ‘ኮ። መራሒት ናብ ዝወሰደተን፡ መሳኪን ኣባጊዕ! ናብ መውዓል ኣዛብእ ምእታው እውን ክህሉ እዩ። ዝተፈላለየ ልብታት ወይ ሓሳባት ምህላው ምልክት ናጽነት’ዩ። ገሊኡ ንደቡብ ክብል ከሎ ገሊኡ ናብ ሰሜን ክብል ይኽእል። ዝበዝሐ ግን ኣብ ማእከል ስለዘሎ፡ ነቶም ኣዝዮም ጥርፍ ዝበሉ ናብቲ ማእከል ናይ ምስሓቦም ኣኻእሎ ኣሎ። እቶም ተሰሓሓብቲ ተጻያት ድማ ኣክንዲ ደቡብ፡ ደቡባዊ፤ ኣክንዲ ሰሜን ድማ ሰሜናዊ ይኾኑ። ስለ’ዚ ህዝበይ ብሓሳብ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ብውጽኢት ምርጻም  ሓሳባት ናይ ብዙሓት ትምራሕ። እንተዘይኮነ፡ ሓደ ልቢ ኢና ማለት ‘ኮ ከም ዚ’ ዝነገሰ ንጉስና ማለት ኢዩ” ትብል ኣስቴር፡ ነዋሕ ማዕጎ ካብታ ቫኒላ ላቴአ ስሒባ። ኣሰር ከንፈራ ኣብ ጫፍ ‘ታ ኩባያ ባዕ ኢሉ ወጸ።

“ Exactly, when you have a diversity of thoughts in action, that shows liberty alive,” ስቲቭ ከይተፈለጦ ብ እንግሊዝኛ ንነዊሕ ይቅጽል። ለሚዶሞ እዮም። ቋንቋታት ምቅይያር ኣውቶማቲክ እዩ፤ ከምዛ ኣውቲስታ መኪና-ጽዕነት 12 ማርሻታት ክቕይር ሰጋእ ዘይብል።እቲ ቅሩብ ሓገዝ ዝደሊ ኣብ-ባፍታ እዩ። ንሱ እውን ሓገዝ ብጾቱ ኣይፍለዮን ።

“ ሓደ ልቢ ማለቶምስ ያኢ፡ ‘ ሓደ ኢና፡ ብሓደ ንሓስብ፡ ብሓደ ንሓልም፡ መራሒ ዝበሎ ሰዓቢ ይቕበሎ- ብዘይሕቶ።  ከም ቃፍላይ ኣግማል፡ የማን-ጸጋም የለን። ጸርፊ ‘ዩ ‘ኮ ኣብ-ባፍታ። ንዕቀት ‘ዩ”  ይብል ገባርዮስ። ኣብ 1976 ኣብ ናሮ ኣብ መንበስበስትኡ ዝተዘብጣ ጠምባቝ በሰላ ክሳብ ሕጂ ኣላ። ደሓን ይእተዉ፡ ሓካይም እዚ ዓዲ ሸኾና ርእሱ ኣስጢሞሞ ‘ምበር፡ ቀደምስ ሰራውር ደሙ  በታ ህራም ተረው-ተረው ክብሉ ይረኣዩ ኔሮም።  ዝበዝሕ ሂወቱ ኣብ ውትህድርና ኣሕሊፍዎ። ካብ ጠያይቲ ዝያዳ ጉዕዞ ለይቲ የሸቅርሮ ከምዝነበረ ይገልጽ። “ ፍርሃተይ፡ ኩሉ ግዜ በሊሕ ነገር በታ ህራም ግንባረይ ጠሾቅ ከየብለኒ ’ሞ ሓንጎለይ ከይስእን ኢዩ ነይሩ። ” ክብል ሓደ ግዜ ኣዕሊሉኒ። ሓንጎሉ ክሽለት ተራእየኒ ‘ሞ ከም ቅሩብ  ነብሰይ ግፍፍ ኢሉኒ።

“ well, you know”  ይብል ስቲቭ ኦክያልኡ እናማዕራረየ፡ “ ኩሉ እዚ ሓደ ዕላማ ኣለዎ። እቲ ነገር ኣብ ቃልዕ እዩ ዘሎ። ህዝቢ ንሃገሩ ከም ዘፍቅር ይፈልጡ ‘ዮም። ንፉዓት ኔሮም እንተዝኾኑ እዚኣ ዓባይ ካፒታል እያ ኔራ። ይቅረ ዝብልን ዓቃልን ህዝቢ ነይርዎም። ሎሚ ኩሉ ሰረታት ኣዋዲዶም ህዝቢ ኣክንዲ ብዊንታ ውልቀሰብ ዕግርግር ክብል ዝነብር፡ ሕቖን መወከስን ዝኾኖ ቅዋምን ሕግታትትን፡ ነቲ ሕግታት ዘተግብርን ብእኡ ዝቅየድን ትካላት ምሃለዎ ኔሩ። ምናልባት ነቲ ኩልና ዝተሰማማዕናሉ ቅዋምና ከም ሓደ ልብና ምወሰድናዮ ‘ሞ መወከሲ ናይቲ ካልእ ውልቀልብታት ምገበርናዮ። ዝጸገቡ ጀነራላት ዊን ኣብ ዝበሎም ንዜጋታት”ብሓደራ” ኢሎም ኣብ እንዳ ፖሊስ ኣይምደርበዩን። “ ንስኹም ደኣ ዶብ ሓልዉ እምበር መን እዩ ፖሊስ ጌርኩም” ምተባህሉ። መንግስቲ ካብ ጎደናታት ደስ ኣብ ዝበሎን ንዝመርጾን ኣብ ጎዳጉዲ ኣይምደርበየን። ህዝበይ ንመንግስቲ ልጓም ምገበረሉ። ‘ ዝባን ሕጊ፡ ንዓ ተረታዕ፡ ብምንታይ ቀዪድካኒ?’ ምበሎ። ልክዕ ከምዚ ሱፐርማርከት። ዜጋታት ካብ ዝተፈላለየ ልብታት ወይ ሓሳባት ምተጠቕሙ። ብዘጽደቕዎ ሕግታት ምተመርሑን ብዝመረጽዎ መንግስቲ ምተመሓደሩን። ኣክንዲ ዝደኸመ ልብን ዝደስከለ ሓንጎልን፡ ጎይዩ ዘይደክም ልብን ሓሲቡ ዘይታኸስ ሓንጎልን ምረኣና። ኣክንዲ፡ ሓደን ሕሙምን ልቢ፡ ሚልዮናት ሓያል ዝርምተኦም ልብታት ምሃለዉና። እቲ ሓደ ክደክም እቲ ሓደ ምሓየለ። እቲ ሓደ ሰለይ ክብል እቲ ሓደ ምተሓምበበ። ከምዛ ጸወታ ቅብብል። ዳይናሚዝም ምረኣና። ንርእሶም ‘ኳ ጉባኤ ካብ ዘይገብሩ ዕስራ ዓመታት!!!! ንማለቱ ‘ምበር፡ ሓደ ዝልቡ ‘ኮ ሓደ እዩ። ምስ ነብሱ ደኣ እንታይ ጉባኤ ኣድለዮ? “ በለ ስቲቭ። ሎሚስ ዘውዕሎም ‘ዩ ዝመስል።

“ ብዓል ማንኪ ከኣ ስራሕ ምሰኣኑ” ኣብ-ባፍታ እዩ ነቲ ዕላል ላምባ ትኸውን ኢሉ ዝደርበያ።

“ደድሕሪ ማንኪ ከደስ ተግባር ማንኪ ለመደ” ኣልገበትላ ኣስቴር ፍሽኽትኣ ናይ ደሓን ኣይነበረን።

“ ክላእ በጀኻ። ኣነ ዝገርመኒስ፡ ከመይ ኢሉ ‘ዩ ሓደ ህዝቢ ንሓደ ንዕስራን ክልተን ዓመት ሸንኮለል ዘበሎ ወዲ 68 ዓመት ልቢ መተካእታ የብልናን ዝብል? እሞ ሃገር እየ ኣይትበል ምባሉ እዩ” በለ ኣብ-ባፍታ። ሎሚ ትግርኛ ደሓን ከይዳትሉ’ያ እምበር ዝበዝሕ ግዜ ውንጅርጅር ‘ዩ ዘብላ።

“ኤእ…..ኣብ-ባፍታ!” ኣስቴር እያ። ምስ ዕድሚኡን ሕጽረት ቋንቕኡን ሓሳቡ መታን ብጌጋ ከይረኤ ፍሉይ ቆላሕታ ትገብረሉ እያ። ንሱ ውን የኽብራን ይሰምዓን እዩ። እቶም ካልኦት ሰብኡት ብምዃኖም ናይ ተባዕትዮ ነገር ኣሎ’ንዶ- ዳእላን ጭርቃንን።

“ህዝቢ ኣይትበል” በለቶ። ቀጺላ” እዚኦም ‘ኮ ኩሉ ጻዕሮም ንምቁጽጻር እዩ። It’s all about control, social control. ካብ ህውከት ናብ ህውከት እንዳ ኣሸናጎጉ ልብኻ ክሳብ ትትኮስ ይገብሩኻ። ንከበቢኻ ክትርእን ኣህዛብ ከመይ ይናበሩ ከምዘለዉ ክተስተውዕልን ግዜ ይከልኡኻ። ‘ ዓደከለስ ንዓና ይመሳሰሉ፡ ከምዚ ሽግር ኔርዎምስ ብከምዚ ፈቲሖሞ። ንሕና ብከምኡ ዘይንፍትነሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ?’ ኢልካ ከምዘይትሓስብ እዮም ዘገብሩኻ። ልክዕ ከምዛ ኮምፕዩተር ፕሮግራምድ ዜጋ ኢኻ ትኸውን። ክምዛ ንርእያ ዘለና ድማ ንጡፍ ዜጋ ዘይኮነስ ንሶም ትእዛዛት ክጥውቑ ህዝበይ ድማ ልኡም ተኣዛዚ ክኸውን እዮም ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ። ንዓኣ ከርዕሙኻ ከኣ እዮም ‘ሓደ ልቢ’ እናበሉ ዘጽምሙና ዘለዉ” በለት ካብ  ጓላ ዝመጸታ ተክስት ክተነብብ ድንን ኣናበለት። እንደገና እንግሊዘኛ ውትፍ ኢልዋ ከኣ፡ “ They don’t stomach debating, deliberating and dissenting. They don’t even persuade you; they brainwash and intimidate you as if the sky is going to fall if you don’t let them ravage you. Apparently, they think their constant scare tactics are working in building an obedient citizenry. They copied Castro’s tactic. To stay in power, point fingers at the most powerful and scaring enemy imaginable on the planet. ‘Hey, America is coming; it’s going to swallow you alive!!”

“ደድሕሪ ማንኪ ከደስ ተግባር ማንኪ ለመደ ኢልኪ? ኣይተመሓየሸትን ‘ንዶ?” ስቲቭ እዩ ክበጋገስ እንዳ ተዳለወ።

“ እዋእ፡ ስቲቨ! ብጥረኣስ ኣይትወርደልካን ትኸውን። ግን ከኣ ንሱ እንድዩ እቲ ነገር!”

“ ያ ጀማዓ፡ እንታይ እሞ ክትብሎ። ሎምስ እዚ ኩሉ ተክኖሎጂ እንከሎ፡ ሽግር ናይዞም ሰሚናራት ማንክን ዋጭላቱን መታን ክሰምዑ ግዜ ደቆም ዘባኽኑ ‘ዩ ዝገርመኒ። ብሓቂ ሓበሬታ ክረኽቡ ድዮም ዝኸድዎ? እንታይ ዝበለ ሓንጎል ከ ኣለዎም ደቀይ። ድሕሪ ክሉ እዚ ዓመታትሲ እቲ ሓንጎሎም ኣይምላእን ‘ንድዩ  ወይስ ከምታ ምስላ ነዃል ፊስቶ ኮይኑ ነገሩ?” ሓወሰ ገባርዮስ ንስቲቨ ሓግዘኒ ‘ስከ ዘመስል ኣጠማምታ እናሰደደ።

“ እታ ገባርዮስ ሓሓንሳብስ ተሰግል ኢኻ። ኣይ ብዛዕብኡ እንዲና ክንዛረብ ውዒልና። ያ ሼኽ፡ ሓደ ልቦም ንሱ እውን ድኹም ‘ኮ ኢልና ኢና። ድኹም ልቢ ድማ ብኣድማዕነት ስለዘይጭንጒዕ፡ ጠለብ ሰውነትካ ከማልእ ሕጊግ ‘ዩ ዝብል። ዳርጋ ከም ቀዳድ ፊስቶ ማለት እዩ። እቲ ልቦም እውን ንኤርትራዊ ሰብነት ጓና ስለዝኸውን ‘ዩ መስለኒ ቀጻሊ ርብርብ ከካይዱ ኣለዎም መታን ንኤርትራውያን ከዕሽዉ። ዶካትራ ‘ኳ ከምኡ ‘ዮም ዝገብሩ። ኣብ ሰውነትካ ጓና ኣካል ኣንተኣጥቢቖም፡ ሰውነትካ ስለዝነጽጎ ብቀጻሊ ንሰውነትካ ዝዕሹ መድሃኒት ይህቡኻ ‘ሞ ሰውነትካ ‘ኣይ ኣነ እየ ዝጋጌ ዝለኹ ‘ምበር እዝስ ናተይ ክኸውን ኣለዎ’ እናበለ ከም ዝሳለ ይገብርዎ” ደምደመ ስቲቭ። ቀጺሉ፡ “ ብሓቂ ኣብ ሓደ ልቢ ዝኣምኑ እንተ ዝኾኑ ደኣ እንታይ ኣምጸኦ እቲ ዓጎግ? ሃየ ንህዝብና ዕድል ይሃብዎ። ልቦም ጓና እንተዘይኮይኑ ኤርትራዊ ሰብነት ኣይነጽጎምን ‘ዩ። ግን ነብሶም ይነግሮም ‘ንድዩ ኣይገብርዋን” ሎምስ ቅሩብ ከይድዎ ‘ዩ ስቲቭ፡ ናብታ ዘይፈትዋ ባዮሎጂ ኣትዩ።

“በሉ ንኺድ ‘ስከ። ኣብ-ባፍታ፡ ኮለስትሮልካ ቸክ ግበር ኢኻ፡ ንምዃኑ እምበር ልብኻስ መንእሰይ እያ  ዘላ” ገባርዮስ ወላ ክለማመድ እንተበለ ኣብይዎ። ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ትእዛዛት ዝመስል ምኽርታት ክህብ ይረኤ እዩ። ሂወት ውትህድርና ብቐሊል ኣይርሳዕን እዩ።

“ ቀልቢ ሙጠሃር ያ ገባርዮስ……ልበይ ጸርዩ ‘ዩ። ሕማም ውድባዊ ወገናውነት ኣብታ ህዝባዊ ሰራዊት ኣስመራ ዝሓዘላ መዓልቲ ሃፊፉ ‘ዩ። ገዳያና ዋ ሃሙና ሁዋ ኣልወጠን…ጉዳይናን ሃምናን ሃገር ‘ዩ ሎሚ” በለ ኣብ-ባፍታ ነቲ ክሉ ግዜ ዘይፍለዮ ፍሽኽታ ኣጕሊሑ እናርኣየ። ብድድ ኢሎም ድማ ናብቲ ዘየቋርጽ ጀለም ከተማ ዛትል….. ዝመጽእ ዛዕባ እንታይ ከምዝኸውን ዝፈልጥ የለን፤ ዋላ ኣብ-ባፍታ። ግን ክራኸቡ ‘ዮም።ዛዕባ ኣይክስእኑን እዮም። It could be even more interesting.

ማሕሙድ ሳልሕ

 

 

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ። –ካልኣይ –ክፋል

$
0
0

ካልኣይ – ክፋል

ሓበሬታን ጻውዒትን ንህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ።

ከም ዝሓበርናዮ ካልኣይ ክፋል ሒዝና ቐሪብና ኣለና። ናይ ሎሚ ኣርእስትና ፖለቲካዊ ጸወታ ኤርትራን ጉዳይ  (ዴምህት) እዩ። ኢሰያስ ንደምክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ( ደምህት) ብወትሃደራዊ ዓቕሚ ምዕባይ፣ ከም ፖለቲካውን ጸጥታውን ሓይሊ ይጥቀመሉ ኣሎ። ምኽንያቱ ኢሰያስ ብሜላን ሚስጥራዊ ትእዛዝን፣ ኣጽዋርን መካይንን ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ስሒቡ፣ ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ን ደምህት ኣረኪቡዎም ኣሎ። እቲ ዘገርም ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብደምህት ከምዝድፈር ገይሩዎ ኣሎ። ደምህት ዝተረከቦ ንብረት ምክልኻል ኤርትራ፣ ናይ ኣመጻጽኡ ምንጪ፣ ዓይነትን ብዝሕን ብረት፣ ናይ ኣፈጽጻማ ኣገባቡን ዝብሉ ናይ ሎሚ ኣርእስትና’ዩ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍና፣ ክልተ ዓበይቲ ዘሕዘነና እዋናዊ ጉዳያት ከም መበገሲ ወሲድና ነይርና። ቀዳማይ ስርዓት ኤርትራ ንክብሪ ዝሞቱ ዜጋታቱ፣ ንወለድን ቤተ-ሰብ መወቲ ሓዘኖም ንምጽንናዕ ፣ንክፋል ህዝብና ዝውክል ስነ-ምግባር ሓዘን ኣየኽበረን ሃገራዊ ግዴትኡ ኣይፈጸመን። መራሕ ሃገር ኣብ ተለቪጅን ወጺኡ ገለ ደቓይቕ ጽንዓት ይሃብኩም ኣይበለን። ባንዴራ ፍርቂ ክትስቀል ኣይኣዘዘን። ሬሳታት ዜጋታትና ኣብ ዓዶም ተመሊሶም ከምዝቀበሩ ኣይገበሩን። ኩሉ’ዚ መሰላት ብምጥሓሱ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘለዎ ንዕቀትን ትዕቢትን ባህርያቱ ዝያዳ ኣግሂድዎ ኢልና ነይርና።

ምኽንያቱ መንግስቲ ንህዝቡ ወኪሉ፣ ንሕጊ ተኣማእዚዙ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናቱ ክብሪ ኣለዎ። ምኽንያቱ ስለ ናጽነቱ፣ ንምውሓስ ልኡላውነቱ ከይተሓለለ ተቓሊሱ ካብ ሂወቱ ክሳብ ንብረቱ ወፍዩ። ብስደት ማሕበራዊ ምዝንባል ዝወረዶ ጉድኣት ተወሳኺ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ’ዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ነብሰን ወፍየን፣ ማሕጸነን ዘፍረዮ ውላደን ከፊለን። ገሊኤን ድማ ወርቐን ስልማተን ኣረኪበን። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ በጃ ህዝብን ሃገርን ካብ ዝተሰዉኡ፣ ገለ ስድራ-ቤታትት ብፍላይ ጸኒቶም ዝናብዮም ስኢኖም ዘኽቲሞም ከምዘለዉ ታሪኽን ሰብን ዝምስክሮ ሓቒ’ዩ። ዕላማ ቃልሲ ህዝብን ኩቡር ዋግኡን፣ ፍትሒ ነጊሱ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ተመስሪታ፣ ዜጋታታ ብሰላምን ቕሳነትን ክነብሩ ዝተኻየደ ቓልሲ’ዩ ነይሩ። ኢሰያስ ግና ኣየኽበሮን። ንኹሉ ታሪኻዊ ጅግንነት ህዝቢ ኪሒዱ መሰላት ረጊጹ ይኸይድ ኣሎ። ሰብኣዊ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዘይቅበሎ ኣነዋሪ ተግባር ይፍጽም ኣሎ። ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ።

ስለዚ ንሕና’ውን ከም ኩሎም ደለቲ ለውጢ፣ ዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራ ዝጥቀመሉ ፖለቲካ ጸወታን ዝኽተሎ ሜላን ንምቅላዕ፣ ምስ ህዝብና ቅኑዕ ሓበሬታ ተለዋዊጥና ብሽርክነት ክንሰርሓሉ ሃገራዊ ግዴታ ከምዘለና ንኣምን። ዓቕምና ዝፈቕዶ እጃምና ከነበርክት ሓበሬታ ንዝርግሕ ጻውዒት ንገብር ኣለና። ምኽንያቱ ጽቡቕ ህዝብና ሃገርና ንሕጎሰሉ። ሕማቕ ተግባር ዓገብ ክንብል ሰብኣውን ሃገራውን ሓላፍነት ኣለና።  ኣብዘን 10 ዓመታት ኣብ ሰሃራ ይኹን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ምጽናት ወለዶና ክንሓዝን ጥራይ ዘይኮነ፣ ስርዓት ኤርትራ ከብቅዕ ጽቡቅ ድሌት ጥራይ ዘይኮነ ጻዕሪ ኩላትና የድልዮ።

ንሕና ኣብ ጥጡሕ ቦታ ዓዲ ሕጊ ስለዘለና ሰላምን ቅሳነትን ነስተማቕሮ ኢና፣ ግን’ከ ልብና ኣይዓረፈን። ሕልናና ኣይቀሰነን ልዋም ለይቲ የብልናን። ካብ ሃገር ኣካልና እንተተፈልየ ብመንፈስ ተኻፈልቲ ጸገም ኣካል ሓዘን ህዝብና ኢና። ንድምጽኹም ጸገምኩም ሰሚዕና ኣውያትኩም ጠራዕቲ ኣቃላሕቲ ኢና። ሓባራዊ ፍታሕ ንምርካብ ታሪኻዊ ግዴታ ንስከም። ስለዚ መንፈስን ዕላማን ሓበሬታና ጻውዒትና ካብ ዉፍያት ተቓለስቲ ዝርከብ ሓበሬታት፣ ንህዝብና ከነፍልጥ ኣነጺርና ከነቃልሖ ብዓቕምና ንጽዕር ኣለና።

ፖለቲካዊ ጸወታ ኤርትራ፦ ኣጽዋር ምክልኻል ኤርትራ ምንጩ ካበይ’ዩ? ክንደይ ኣጽዋር ብኸመይ’ከ  ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ተዓዲሉ።

ምንጪ ኣጽዋር ኤርትራ፦ ንኹሉ ገዲፍና ብሚስጥራዊ ትእዛዝ ኢሰያስ ተኣኪቡ፣ ደምህት ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ተዓዲሉ ዘሎ ኣጽዋር ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፣ ምንጩን ኣመጻጽኡን ክልተ ኣገባብ ምኻኑ ብሩህ’ዩ ግና ምግላጽ ኣገዳሲ’ዩ።

ቀዳማይ፦ ዝፈሰሰ ደም ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን ረሃጽን ዜጋታትና’ዩ። ገለ’ውን ብሓገዝ ዝተረኽበ’ዩ። ካብዞም ንደምህት ተዓዲሎም ዘለዉ ኣጽዋር ኣብ እዋን ገድሊ ብዓቐኑ ብጣዕሚ ውሑድ’ዩ ነይሩ። ኣብ ናደው ስርሒት ፈንቅል ብመጠኑ ወሲኹ። ውጽኢት 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ፣ ናይ 2ይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሙሉእ ዕጥቂ ምስ መኽዘኑ ተረኺቡ። ኣብ ዳሕረዋይ መድረኽ ምውሓስ ሉኡላውነት ብመጠኑ ተወሲኹዎ። ስለዚ ዝዓበየ ምንጪ ኣጽዋር ብኣጣቓላሊ ድምር ናይ ስዉኣት፣ ስንኩላን ይኹን ዝተወፈዩ ዜጋታትና ተጋደልትን መንእሰይ ወለዶን’ዩ።

ስለዚ ን ደምህት ተዓዲሉ ዘሎ ኣጽዋር ምንጩ ኣመጻጽኡ፣ ደም ዜጋታትና ዝፈሰሶ ኣዕጽምቶም ዝተኸስከሶ እዩ።

ካልኣይብገንዘብ ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ዝተገዝኤ’ዩ። ካብ 1998 – 2000 ዝነበረ ውግእ ሕጽረት ብረታትን ተተኮስትን የዛርብ ስለዝነበረ ይግዛእ ኣሎ ክሳብ ዘርክብ ተጸበዩ ይበሃል ነይሩ። ወከልቲ ህግደፍን ሓሓሊፎም ገለ ሚኒስተራት ኣብ ወጻኢ ሃገራት እናተመላለሱ ሰሚናራት ኣካይዶም ብቕሉዕ ህዝብና ሓግዙና ይብሉ ነይሮም። ስለዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ንድራር ሰራዊትና፣ ናይ ምክልኻል ሃገር ወፈያ ወዘተ ኣናበለ፣ ናይ ደቂ ስዉኣት፣ ናይ ዝተዋጽኤ ገንዘብ ብዙሕ’ዩ፣ መዓልታዊ ድማ ብረድዮ ጋዜጣ ይቃላሕ ነይሩ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ናይ ቦንድ ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ ብህዝቢ ተለጊሱ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነብሰን ተወፍየን። ማህጸነን ዘፍረዮ ደቀን ደቂ ደቀን ስልማተን ወፍየን። ካብ ህዝቢ ዞባ ማእከል /ኣስመራን ከባቢኣን/ ኣብ ሰምበል ማይ-ተመናይ መሬት ተመንዚዑ ካብ 250- 1000  ትርብዒት ሜትሮ ክልተ ግዜ መሬት ብገንዘብ ከምዝተሸጠ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። መሬት ብኩባንያታት ህግደፍ ክሰርሕኦ ምስ ጀመራ ናይ ህንጻ እቑሑት ስለዝኸበረ ተወሳኺ ገንዘብ ከምዝኽፈል ገይሮም። ኣብ ፈስቲቫላት ካብ 2003 ክሳብ 2005 ድማ ኩሎም ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ በበይኑ ሃገራት ዝሃብኩምና ገንዘብ ኣጽዋር ገዚእና ዕጥቅና ኣምሓይሽና ድሉዋት ኣለና ይብሉ ከምዝነበሩ ብዙሕ ሰብ ዝሰምዖ ሓቂ’ዩ።

ስለዚ ናይ ቅድምን ድሒሩ ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝተገዝኤ ኣጽዋር’ዩ። ምንጩን ኣመጻጽኡን “ ደምን ኣዕጽምትን ዜጋታትናገንዘብ ህዝብን ሃብቲ ሃገርን’ዩ”። እዚ ምንጪ ዘለዎ ኣጽዋር’ዩ ብትእዛዝ ኢሰያስ ብሚስጥር ተሳሒቡ ንደምህት ተዋሂቡ። እዚ ኩሉ ዝወፈየ ህዝቢ ክከሓድ ክጥለም፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣጽዋሩ ተመንዚዑ ንካልኦት ክዕደል ፍትሒ ዲዩ?

ሜላን ሚስጥራዊ ትእዛዝን ኢሰያስ፦

ኢሰያስ ኣብ ክልተ በበይኑ ግዜ ብፍሉይ ሜላ ተመሳሳሊ ትእዛዝ ሂቡ’ዩ ኣጽዋር ምክልኻል ስሒቡዎ።

  1. ኣብ ወርሒ 06/ 2013 ካብ ክፍለ-ሰራዊታት ተሳሒቡ ኣብ ትሕቲ ሎጂስቲክ ምክልኻል ዝነበረ፣ ንደምህት ዝተዓደለ ብዝሕን ዓይነትን ኣጽዋር፦
  • ብዝሒ ብረት ዶሽካ ቻይና ተስዓን ሓሙሽተን ሓባ (95) ፣ መለለዪ ብረት- 12.7 mm machine gun Model 12.7 mm machine gun PT 12.7 China.

 

መብርሂ-ንምንጽጻር ክጥዕም ብፍላይ ኣብቶም ኣገደስቲ ዓይነት ብረታት ከም ዶሽካ መንጣሊ ብረት ስናይፐር፣ ብደምሕት ተወሲዱ ዘሎ ብዝሒ ብረት፣ ናብ ብዝሒ ብረት ሓንቲ ክፍለ-ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን 2ይ 3ይ ወራራት ዝነበራ ዕጥቂ እንተመቒልካዮ ንጹር ስእሊ ይህበካ። ምኽንያቱ ናይ ክንደይ ክፍለ-ሰራዊታት ዕጥቂ ወሪዱ ንደምህት ተዋሂቡ የፍልጠካ። ኣብ 2ይ 3ይ ወራራት፣ ሓንቲ ክፍለ-ሰራዊት 4 ብሪገዳት ዓጢቓቶ ዝነበረት ዶሽካ ስረሓት ቻይናን ሶቬትን ኣርባዕተ’ዩ። (4) መዓቀኒ ዕጥቂ ክፍለ-ሰራዊታት ሓደ’ዩ።  ምናልባት ኣብ ፍሉይ እስትራተጂታት ቀዋሚ ቦታ ፍሉይ ኣድላይነት ዶሽካ ዘድልዮ ተወሳኺ ክወሃብ ስለዝኽእል ናይ ገለ ክፍለ-ሰራዊታት ዶሽካታት ዕጥቂ ዝያዳ ክነብር ይኽእል ዝጋጮ ኣይኮነን።

ስለዚ ንደምህት ተዓዲሉ ዘሎ ብዝሒ ዶሽካ 95 :- 4  ክትመቕሎ ኮለኻ፣ ኣጸጋጊዕካ 24 ይመጽእ። ማለት ደምሕት ንዕስራን ኣርባዕተን ( 24) ክፍለ- ሰራዊታት ኤርትራ ዘዕጥቕ ዶሽካታት ወሲዱ ኣሎ። (ዝተሳሕበ ይኹን መኽዘን ዝነበረ ደሚርካ)

  1. ኣብ ዕለት 30/ 09/ 2013 ንደምሕት ዝተዓደለ ክልተ ዓይነት ኣጽዋር ቅጭ ሕርሙ/ ስናይፐር ብዝሑ 217 እዩ።

2.1    ዓይነት፣ መንጣሊ ብረት (ቐጭ-ሕርሙ) ብዝሒ፦ ክልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸውዓተን (217) ስርሓት ቡልጋርያ። መለልዪ ብረት- Model Sniper MB10D Length: 1207mm Weight: 2840g Made of Metal and Wood, Bulgaria.

2.2   መነጸር ( ቅጭ ሕርሙ) ብዝሒ መነጸር ሚእትን ተስዓን ሰለስተን ( 193) Model 4x 24 P50-scope   Magnification: 4x Lens diameter: 24 Aiming reticle’s type; PSO- 1 Weight; 720g

ወትህድርና ዝፈተነ ዜጋ ይፈልጦ’ዩ፣ ንኩሉ መታን ብሩህ ክኸውን፣ ስናይፐር ኣብ ልዕሊ ብረት መነጸር/ ክሻፋ/ ዘለዎ ብሞስኮት ብጸቢብ ቀዳድ ቦታ ተኸዊሉ፣ ካብ ርሕቀት ሰብ ርእሱ ኣነጻጺሩ ንምውቃዕ ዝተሰርሔ ፍሉይ ብረት’ዩ።

ስለዚ ንደምህት ተዋሂቡ ዘሎ ቅጭ ሕርሙ ስናይፐር ብዝሒ፣ ክልተ ሚእትን ዓሰርተ ሸውዓተን እዩ። ( ክልተ ዓይነት ስናይፐር)

ሰራዊት ምክልኻል ዓጢቑዎ ዝነበረ ክልተ ዓይነት ብረታት ማለት ስረሓት ሩስያን ቡልጋርያን ኣብ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ብዝሒ ብረት ቐጭ ሕርሙ 18 ሓባ እዩ: ዓሰርተ ሸሞንተ ሓባ እዩ።

ስለዚ 217:-  እንተመቒልካዮ፣ ደምህት ናይ  ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ  ን 12 ክፍለ ሰራዊት ዘዕጥቕ’ዩ ወሲዱ።

  1. ክልተ ዓይነት ሞደል ሸጉጥ። ብዝሒ ሸጋጉጥ ብድምር ሓምሳን ሽዱሽተን ( 56 )
  • ብዝሒ ሽጉጥ ሰላሳን ሾመንተን (38) ዓይነት ሽጉጥ ቲካሮቭ። መለለዪ ብረት፦ Tokarev TT-33 156 Model Tokarev TT-33 – 7.62 x 25mm.
  • ብዝሒ ሽጉጥ ዕስራን ሽዱሽተን ( 26 )ዓይነት ሽጉጥ ወልዘር። መለለዪ ብረት፦ Walther PP Pistol- 32 ACP Walther Pistol Hungarian FEG PA- 63
  1. ብዝሒ ብረት RPG- 7 ምስ መነጸሩ ሚእትን ሾመንተን (108) Weight 7kg, Length 950mm (37.4) PGO-7 (2.7) and UP-7V Telescopic sight.
  2. ብዝሒ ብረት ብሬን PKM ብዝሒ ሰብዓን ሽዱሽተን ( 76) Calliber 7.62x 54R Weight 7.5 kg.( gun) + 4.5 kg Tripod
  3. ብዝሒ ብረት ሞርታር 60mm  ብዝሒዓሰርተ ሾመንተ (18)  Caliber 60mm Barrel length 675mm ( 26.57) ምስ 22 መነጸርን መቀያየርን

ስለዚ ንደምህት በብዓይነቱ ኣገደስቲ ኣጽዋር ብድምር፣ኣርባዕተ ምእትን ሰብዓን ሓሙሽተን(475) ብረታት’ዩ። ብጀካ ሓምሳን ሹዱሽተን/ 56/ ሸጋጉጥ፣ ካልእ ዝተረፈ ኩሉ ዓበይቲ ብረት እዩ::

መብርሂ፦ ኣብ ዕጥቒ ደምህት ብዝሒ ንኣሽቱ ብረት ከም ክላሽን (ብሬን ካላሽን) ጅ-3 ኣብ ጽሑፍና ኣይገለጽናዮን ዘሎና ማለት ንፈኮስቲ ብረታት ኣይጠቀስናዮን ዘሎና ።

  1. ን ደምሕት ካልእ ዝተዓደለ ዕጥቂ ሰራዊት ዓሰርተ ክልተ 12 መካይን’ዩ። ደምህት ሓይሉ ንምዕባይ ካብ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ወጻኢ፣ ግንከ ኢሰያስ ብቐጥታ ዝእዝዞ ዝቆጻጸሮ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ደምህት ባዕሉ ዘምሓድሮ ምውፋር መካይን፣ ሎጂስቲክስ ሃንደሳ ስለያዊ ትካላት መስሪቱ ኣሎ። ስለዚ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብጀካ ኣጽዋር ካልእ፣ ዓሰርተ ክልተ (12) ላንክሩዘር መካይን ኣብ ሓደ ግዜ ምስቲ ኣጽዋር ወሲኹ ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ስለምንታይ’ከ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኣገደስቲ ኣጽዋር ተመንዚዑ የሕስበካ። ብኣንጻሩ ወትሃደራዊ ኣጽዋሩ ዝውስኽ ዘሎ፣ ከም ፖለቲካዊ ሓይልን ጸጥታዊ ኣትሃናንጻ ኢሰያስ ክሳብ ህዝብን ሰራዊትን ዘድፍር ገይሩ ክሃናጾ ከምዝጸንሔ ምልክታት ነይርዎ’ዩ። ሕጂ ውዲት ኢሰያስ ይቃላዕ ኣሎ። ብደምህት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ኣነዋሪ ተግባራትን ዘርእዮ ዝጸንሔ ድፍረትን ብመጠኑ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ። ሕጂ ግና ዝያዳ ይቃላዕ ኣሎ። እንታይ’ዩ እቲ ፖለቲካውን ጸጥታውን ጸወታ ኢሰያስ ኣብ ጉዳይ ደምህት ኩልና ክንመራመረሉ ከነጽንዖ ዘለና ዓቢ ፖለቲካዊ ሕቶ’ዩ።

ሃገራዊ ባይቶ ሚኒስተራት፣ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ዞባዊ ምምሕዳርን፣ እዚ ስለ ናጽነቱ ምውሓስ ልኡላውነቱ ኩሉ ዝኸፈለ ህዝቢ ክብረቱ ተቐንጢጡ። ኢሰያስን ጉጅልኡን ልዕልና ሕጊ ኣፍሪሱ፣ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ይረግጾ ኣሎ። ወለዶና  ሰላምን ቅሳነትን ስኢኑ ይጸንት ኣሎ። ናብ ስደት ኣብ ዘምርሓሉ እዋን ዘጋጥሞ ዘሎ ናይ ሰሃራ ባህርን ሞትን ዘስካሕክሕ ግፍዕን ዝጽወር ኣይኮነን። ንብረት ህዝብን ሃገርን ተሓታትነት ዘይብሉ ይበርስ ኣሎ። ሕጂ ከኣ ኢሰያስ ንደምህት ብወትሃደራውን ፖለቲካውን ጸጥታውን ኣገባብ ሃኒጹ ህዝቢ ኣድፊሩ፣ ብደምን ኣዕጽምትን ይኹን ረሃጽን ገንዘብን ህዝቢ ፣ ሃብቲ ሃገር ዝፈሰሶ ኣጽዋር ምክልኻል ኤርትራ ብትእዛዝ ኢሰያስ ብሜላ ተመንዚዑ ንደምህት ተዓዲሉ እሎ።

ብኣንጻሩ ብመሰረቱ ልዕልና ሕጊ ተጣሒሱ። ሕጋዊ ስልጣን ሰለስተ ኣካላት ለሚሱ። ንጹሃት ዜጋታትና ብጉድለት ፍትሒ ይሳቐዩ ኣለዉ። ክሱሳት ኣብ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ቅሉዕ መጋብኣያ ገበናዊ ክሶም ኣይተሰምዔን። ክሱሳት ናይ ምክልኻልን ጠበቓን መሰሎም ከቢሩ ከከራኸሩ ኣይተፈቕደን። ኢሰያስ በይኑ ወይ ምስ ፍሉይ ጉጅለ ዝውስኖ ዘይሕጋዊ’ዩ። ምኽንያቱ ባዕሎም ከሰስቲ፣ ባዕሎም ድማ ፈረድቲ ኮይኖም።

ስለዚ ዓገብ መራሕቲ ኤርትራ ነውሪ’ዩ ህዝብኹም ኣድሕኑ። ዓገብ ኣብ ህዝብኹም ጸሊም ታሪኽ ኣይትግደፉ ። ዘዝዓበየ መንእሰይ ወለዶ ክይስደድ ክይጸንት ተኸላኸሉ ። ንድሕነት ህዝብኹም ክብሪ ሃገርኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ምሕጽንታና ነቕርብ ኣለና።

ኣብ ሳልሳይ ክፋል፣ ናይ ደምህት ጸጥታዊ ኣገባብ፣ ዝተፈጸሙ ኣነዋሪ ተግባራት ንኸይቃላዕ፣ ብስርዓት ኤርትራ ንበደሎም ምሽፋን ዘርኣዮ ዘይሕጋዊ ምክልኻልን ከነቕርበልኩም ኢና።

ይቅጽል

ደሓን ቀንዩ! !

14/ November/ 2013  Eritrea Help Network

eritreahelpnetwork@hotmail.com

 

Viewing all 166 articles
Browse latest View live